Category: literature and poetry

ኣደይ ጽንዓት

ግንቦት 10: 2020 ኣደይ ጽንዓት ግዒታትለይ ግዓት… ብጽንዓት! ኣይውሓዳን ማይ ኣይውሓዳን ወራድ ማይ ከምዚ ኸማይ ግዳስ… ኣብ ግዜ ምዓት ክነፍዓላ ከምቶም ንፉዓት ክብርትዓላ ከምቶም ብርቱዓት ክበቕዓላ ከምቶም ብቑዓት… ደቃ ዶ/ር ርእሶም ሃይለ ዕንክሊል (2002)

ኣይትጫረቱና

ኣብ ከብድና ዘይወዓሉ ኣጋይሽ በጻሕቲ ንዓና ዘይመስሉ ነዚ ሓለትና ሓለት ተኸዋሊ ጨጓር ንውሽጢ ልሙድ ንላዕሊ ቀቢኦም . . . ቅብኣ በረከት ዓጊብናሉ ኸኣ ስእላዊ ዕግበት። ቀንጠ-መንጢ ኢደ እግሪ እናመንጠለ መናድቕ ገዛ ድኽነትና ኩባዕ እናዘለለ ስታስቲክስና ሰማይ ምስተሰቕለ ደጊሙ ነብስና ዓጊቡ ማና ጸብጻብ ኣሃዝ ተመጊቡ። ሕጂ ግዜ ምስ ዛረየ ግብሪ እንተጸወየ “ኣንቆልቊሉ. . . ተዋሒጡ ተሃስዩ

Continue reading

ኣለኹ!

እታ ወርሒ’ኳ ብጸሊም ደበና ኣካላን ብርሃናን እንተ ተሸፊና ተኸዊላ’ምበር ሞይታ ንብላ ዲና፧   ድብዝዝ እንተ በለት ከም ዝተታኸሰት ብርሃና ከይሕባእ እናተቓለሰት ወትሩ “ኣለኹ” እንድያ ትብል ተስፋ ፈታዊኣ ምእንቲ ኸይቅምስል።   ከምኡ ድማ… እዚ ዒግታ ትኪ፡ ምስ እልቢ ንፋሱ ኣዒንተይ ኣንቢዑ ትንፋሰይ ዓቢሱ ሞተይ ከርእየኒ እንድዩ ተበጊሱ ኣጭኒቑ ኣጭኒቑ ነይተርፍ ምንፋሱ።   ኵልፍ ከብለኒ ዕድመይ ከሕጽረለይ

Continue reading

ካልእ ስለ ዘየሎ – ብመንጽር ጥበብ ጽውያ ዛንታ

ብኣኸድር ኣሕመዲን* 23 ለካቲት 2020 ካልእ ስለ ዘየሎ፤ ሓጸርቲ ዛንታታት  ብኣብርሃም ተስፋልኡል ዘርአ፤  ኣሕታሚ እምኵሉ – ሽወደን (2020)፤ 188 ገጻት $20                                           እዞም ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ተሓቚፎም ዝርከቡ 16 ሓጸርቲ ዛንታታት ኣብ ናብራ ወይ ህይወት፡ ስደት፡ ኲናት፡

Continue reading

ሲሃም ዓሊ ዓብዱ

ሲሃም ንሃይለ ጓሉ፡ መባልዕቱ መባህልቱ፣ ንቢዘን ናይ ሕልና ሓፍቱ። ዕድሜኪ የሕኲርዎ ‘ለዉ ንላዕሊ እና ደርደሩ፣ ኣነ ግን እፈልጦ እንድ’የ ትፈትውዮ ዜማ ምዝማሩ። “ዂስቶ ሓወይ ደቒስካ ደውላ ቓጭላ!” ሓቕኺ እንድኺ — ግን እቲ ዝደቀሰ`ኮ የለን፡ እቲ ዝቓጭል`ውን ከምኡ፡ ንስኺ`ውን ብዓቢኡ። ሲሃም ንኹሉ ጓሉ– ሓርቢቱና መታሕዞ ንቚዘማ ብኸመይ ኔዝሞ? ሃይለ ቢዘን 04–01–2019 « GO BACK

ናብ ሲሃም. . .

ይዋእ ዕሸለይየ ዋና ጻዕዳ ልቢ ዓመትኪ’ዶ ኮይኑ ሕማቕ ካብ ትረኽቢ? እንታይ ትብሊ’ለኺ እንታይከ ትሓስቢ ንብዓትዶ ትቖርሲ ካብ ዓርቢ ናብ ዓርቢ?   “ካብ…” ዶ ስኢንክሉ እዚ መልእኽቲ ካብ  መቕርብ ኣይኮነን ካብ ፈተውቲ ካብ ጋሻኺ ኣይኮነን ካብ በጻሕቲ መሻግርትኺ’የ ናይ’ቲ ዘለኽዮ ‘ሰላምታይ’ ይብጻሕኪ ክንዲ “ኮሎክዮ”   ድሓንዶ ኣለኺኸ ከመይ ትህልዊ? እንታይ ርኢኺ ኣብኡ ካብ ትኣትዊ? ኣስካሕኪሑኪዶ ናብራ

Continue reading

ገጽ ኣደይ

ብኣብርሃም ተስፋልኡል ሓጻር-ዛንታ -ኣብ ገድላዊ ህይወተይ: መበቈል ዓደይ ወይ ድማ ዝተሰለፍኵሉ ከባቢ ንዋላ ሓደ መጋድልተይ ዘይንጋረይ: ምስጢር ንምዕቃብ ዘይኰነስ: ከምኡ ኢለ ንኽዛረብ ኣብ ኣፈይ ስለ ዘይመጸለይ ጥራየ’የ። -ድሕሪ ከባቢ ዓሰርተ ዓመታት ንኸበሳታት ኤርትራ እድይብ ምንባረይ: ጠሊ ከበሳ ዝረኸቦ ነብሰይ ምስ ሽታኡ ተደማሚሩ: ኣካላተይ ፍንጥሕ-ጥሕ በለ፣ ሓሳባተይ ዝሕው በለኒ። ከብደይ ከኣ ብትንትን አረ ብትንትንትን በለኒ። -ድሕሪ

Continue reading