Category: behind the bars

ካብ ዝኽረይ ዘይክወሉ ብጾተይ!

ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ-ዓካ) መስከረም መጸት፡ ነቶም ንዝሓለፈ 24 ዓመታት፡ ወዲ ሰብ ክነብረሉ ኣብ ዘይክእል ኮንተይነራት፡ ኣብ  ከቢድ ጸቕጢ ክሊማ ብዓመጽ ዝተኣስሩ ኣርካናት መራሕተይን መሳርሕተይ ነበር ጋዜጠኛታትን  እናኽዝክር፡ መሪር ቃንዛ ይስመዓኒ። እዚ ከቢድ ቃንዛን ጓህን ከኣ፡ “ጸላኢ” ንዝብሎ ዝኾነ ይኹን ወገን  እውን  ኣይምነየሉን’የ። እዞም ‘ንህዝቢ ዝኣተናሉ መብጽዓ ይተግበር፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ይረከብ፡ ሕሉፍ ጌጋታትና ይተኣረም፡ ብግዝኣተ

Continue reading

ዝተረስዐ ዝዝከር ጋዜጠኛ

  ኮኾብ ተስፋልደት* ብዛዕባ እቲ ንፈልጦ ግን ከኣ ዘይንፈልጦ ጋዘጤኛ ዳዊት ኢሳቕ። ስሙ እቲ ንኽንደይ ዓመታት ክዝከር ንሰምምዖ ጋዜጠኛ። ምሳና ከም ዝዓበየ፡ ዝተማህረ ከም ሓደ ብቐረባ ንፈልጦ ከም ዝኾነ ዝስመዓና ስም—ዳዊት ኢሳቕ። ምስሉ ግን እቲ ኣብ ሓደ ዕድመ ደው ዝበለ፡ ኣፍሮ ዓይነት፡ ጽልም ኢሉ መንእሰይ ከሎ ዝገደፈልና ጥራሕ እዩ። ሕጂ እንታይ ይመስል፧ ከመይ ይዛረብ፧ ከመይ

Continue reading

Dawit Isaak: forcibly disappeared journalist has been awarded The Edelstam Prize 2024

  The Edelstam Foundation announced in a press release today that The Edelstam Prize 2024 has been awarded to Mr Dawit Isaak, an Eritrean-Swedish journalist in recognition of his exceptional courage and dedication to human rights and freedom of expression. Isaak, who co-founded Setit, Eritrea’s first independent newspaper, was arrested in September 2001 during the

Continue reading

ኣብ ልብን ዝኽሪን ዝሕተማ ጋዜጣታት

እየሩሳሌም ሃይለ (እዚ ጽሑፍ ኣብ መወዳእታ መስከረም 2023፡ ብመሰረት ዕድመ ፐን ኤርትራ ብ እዮርሳሌም ሃይለ ዝተበርከተ ዀይኑ፥ ብምኽንያት ተዓቚሩ ጸኒሑ፡ እነሆ ሎሚ ማእከል-ሓሳብ እቲ ጽሑፍ ኣብ ዝዀነት ታሪኻዊት ዕለት ንንባብ ይቐርብ።) ———– ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ኣቢሉ ይኸውን፡ ብምኽንያት ዝኽሪ 18 መስከረም ምዕጻው ነጻ ፕረስን፡ ምእሳር ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ዘለኒ ዝኽሪ ብጽሑፍ ከካፍል ዕድመ

Continue reading

እምቢ! – ኣይንርስዕን!

 ዓወት መንግስትኣብ* ዕስራን ክልተን ዓመታት ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ እዩ። ቈልዓ ተወሊዱ፡ ጎቢዙ፡ ፊደል ቈጺሩ፡ እንተወሓደ ማእከላይ ደረጃ ዝዛዝመሉ ግዜ እዩ። ኣረ ሻዓ ኢሉ እንተ ጀሚሩን ኣብቲ ምዕቡል ዓለምን ሲ ሞያ ሰኒቑ ስራሕ ክሕዠሉ ዝኽእል ዓመታት እዩ። ብነብስናን ቀረብትናን እንተርኢናዮ ከኣ ኣብዚ ውሽጢ ዕስራን ክልተን ዓመታት ማእለያ ዘይብሎም ተፈጥሮኣዊ ለውጥታት ኴንናን መስኪርናን ንርከብ። ገሌና ሓዳር መስሪትና

Continue reading

እንተ ዝሰምዓንስ እንታይ’ስከ ነይሩዎ፧

ግርማይ ዮውሃንስ* ዕለት 18 መስከረም 2001 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቅሬታኦም ዘቕረቡ ላዕለዎት ሓለፍትን ኣባላት ባይቶን ክእሰሩ ከለዉን፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ተዓጽየን ጋዜጠኛታተን ክህደኑ ከለዉን ፍስሃ (ጀሽዋ) ብዑደት ስራሕ ናብ ጋሽ-ባርካ ገይሹ ብምንባሩ ብመጠኑ ርግኣት ፈጢሩለይ ነበረ። ክነዖ ሓግዩ ዝኸረመ ፖለቲካ ሃገርና፡ ብዙሕ ነገራት ክለኻኽም ምዃኑ ርዱእ ገይረዮ ነበርኩ። እቲ ብኽልተኦም ጕጅለታት፡ ማለት ብሸነኽ ኣብ ስልጣን ዝነበረ

Continue reading

“ሰህምለ ክልኦት መዐልሚንዬ!”

ደሳሌ በረኸት ኣብርሃም* ለበዝሐ ወቅት “እስታዝ”፡ መዓልም አው ሙደርስ ዶል እምብል፡ እግለ እት መድረሰት ምህሮ አካዳምየት ለለሀይቡነ መዐልሚን አው ሙድርሲን ሌጠ ነሐስቡ። ተዕሊም አው ምህሮ ላኪን፡ እሊ ለዲብ ፈስል እንዴ ትገሴነ ለእንስኡ ሌጣ ኢኮን። አማንተ፡ እሊ ለዲብ ፈስል እንዴ ትገሴነ ለልትሀየበነ ሕዱ’ድ ተዕሊም አው ምህሮ፡ ለዲብ ሐያትነ አምበል ንዝምት ገበይ ለእንርክቡ ተዕሊም ወተጃርብ ሐያት በዝሕ።

Continue reading

ኣብ ዝኽሪ’ቶም ዘይንርስዖም!

ይርጋኣለም ፍስሃ* “ነቶም ኣብ ኤርትራ ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣብ ትሕቲ ኣስካሕካሒ ህይወት ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ዝዝክር፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ንስለ መሰል ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ደው ምባሎምን፡ ንስለ ዝኣምንሉ መትከል ሕጂ’ውን ዝኸፍልዎ ዘለዉ ዋጋን ደጊምካ-ደጋጊምካ ክብሪ ንምሃብ ዝዓለመ ወፍሪ ምጽሓፍ ደብዳበታት፡ ግጥሚታት፡ ዓንቀጻት ወዘተ ከነካይድ ኢና” ዝብል ትሕዝቶ ቀዳማይ ሕጥበ-ጽሑፉ ገይሩ፣ ንኣበርክቶ ኵሎም ኣባላት

Continue reading