ብጸጋይ መሓሪ ( ተመርዖ) ናይ ካልእ ኣይፈልጥን፡ ኣነ ግን ነዛ ዳስ ሳልስቲ ዝምንውሓ ሓጻር ህይወት ፥ ሓቂ መስኪረ፡ ጭውያት ደቂ ሃገረይ ዘኪረ፡ ሃለዋቶም ሓቲተን መጭወይቶም መስኪረን ክሓልፍ’የ ዝደሊ። ስለዝዀንኩ ድማ ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብዛዕባ መጭወይተይን መጭወይቲ ደቂ ሃገረይን ክምስክር ኣሕሊፈዮ ኣለኹ። ስለዝዀነ ድማ እንሆ ሕጂ’ውን እቲ ልሉይን ተዘካርን ኣብዚ እዋን እዚ ግን ተረሲዑን ተጨውዩን ዘሎ
Category: behind the bars
ፐን ኤርትራ ንምፍታሕ ብንያም ‘ኮብራ’ ዝደንጎየ ግን ድማ ከም ትስፉው ተበግሶ ትርእዮ። BBC ኸም ዝጸብጸቦ፡ ኮብራ ብዝብል ሳጓ ዝፈለጥ ውሩይ ቅየዓዊ ሰኣላይ (ካርቱኒስት) ብንያም ሶሎሞን፡ ድሕሪ 15 ዓመታት ካብ ማእሰርት ተለቒቑ። ብዘይዝኾነ ሕጋዊ ፍርዲን ስርዓትን ን15 ዓመታት ተዳጒኑ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቅንያት ከም ዝወጸ፡ BBC ንቤተሰብ ብንያም ብምጥቃስ ጽሑፉ። ኮብራ፥ ኣብ 2011 ኣብ ኣስመራ ድሕሪ
PEN Eritrea Welcomes Biniam’s Release According to a BBC News report, Biniam ‘Cobra’ Solomon has been released after 15 years in prison without formal charges or a trial. Biniam was arrested in Asmara in 2011 and has been kept incommunicado for a decade and a half. According to family members cited in the BBC
ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ-ዓካ) መስከረም መጸት፡ ነቶም ንዝሓለፈ 24 ዓመታት፡ ወዲ ሰብ ክነብረሉ ኣብ ዘይክእል ኮንተይነራት፡ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ክሊማ ብዓመጽ ዝተኣስሩ ኣርካናት መራሕተይን መሳርሕተይ ነበር ጋዜጠኛታትን እናኽዝክር፡ መሪር ቃንዛ ይስመዓኒ። እዚ ከቢድ ቃንዛን ጓህን ከኣ፡ “ጸላኢ” ንዝብሎ ዝኾነ ይኹን ወገን እውን ኣይምነየሉን’የ። እዞም ‘ንህዝቢ ዝኣተናሉ መብጽዓ ይተግበር፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ይረከብ፡ ሕሉፍ ጌጋታትና ይተኣረም፡ ብግዝኣተ
ኮኾብ ተስፋልደት* ብዛዕባ እቲ ንፈልጦ ግን ከኣ ዘይንፈልጦ ጋዘጤኛ ዳዊት ኢሳቕ። ስሙ እቲ ንኽንደይ ዓመታት ክዝከር ንሰምምዖ ጋዜጠኛ። ምሳና ከም ዝዓበየ፡ ዝተማህረ ከም ሓደ ብቐረባ ንፈልጦ ከም ዝኾነ ዝስመዓና ስም—ዳዊት ኢሳቕ። ምስሉ ግን እቲ ኣብ ሓደ ዕድመ ደው ዝበለ፡ ኣፍሮ ዓይነት፡ ጽልም ኢሉ መንእሰይ ከሎ ዝገደፈልና ጥራሕ እዩ። ሕጂ እንታይ ይመስል፧ ከመይ ይዛረብ፧ ከመይ
The Edelstam Foundation announced in a press release today that The Edelstam Prize 2024 has been awarded to Mr Dawit Isaak, an Eritrean-Swedish journalist in recognition of his exceptional courage and dedication to human rights and freedom of expression. Isaak, who co-founded Setit, Eritrea’s first independent newspaper, was arrested in September 2001 during the
እየሩሳሌም ሃይለ (እዚ ጽሑፍ ኣብ መወዳእታ መስከረም 2023፡ ብመሰረት ዕድመ ፐን ኤርትራ ብ እዮርሳሌም ሃይለ ዝተበርከተ ዀይኑ፥ ብምኽንያት ተዓቚሩ ጸኒሑ፡ እነሆ ሎሚ ማእከል-ሓሳብ እቲ ጽሑፍ ኣብ ዝዀነት ታሪኻዊት ዕለት ንንባብ ይቐርብ።) ———– ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ኣቢሉ ይኸውን፡ ብምኽንያት ዝኽሪ 18 መስከረም ምዕጻው ነጻ ፕረስን፡ ምእሳር ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ዘለኒ ዝኽሪ ብጽሑፍ ከካፍል ዕድመ
ዓወት መንግስትኣብ* ዕስራን ክልተን ዓመታት ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ እዩ። ቈልዓ ተወሊዱ፡ ጎቢዙ፡ ፊደል ቈጺሩ፡ እንተወሓደ ማእከላይ ደረጃ ዝዛዝመሉ ግዜ እዩ። ኣረ ሻዓ ኢሉ እንተ ጀሚሩን ኣብቲ ምዕቡል ዓለምን ሲ ሞያ ሰኒቑ ስራሕ ክሕዠሉ ዝኽእል ዓመታት እዩ። ብነብስናን ቀረብትናን እንተርኢናዮ ከኣ ኣብዚ ውሽጢ ዕስራን ክልተን ዓመታት ማእለያ ዘይብሎም ተፈጥሮኣዊ ለውጥታት ኴንናን መስኪርናን ንርከብ። ገሌና ሓዳር መስሪትና
ግርማይ ዮውሃንስ* ዕለት 18 መስከረም 2001 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቅሬታኦም ዘቕረቡ ላዕለዎት ሓለፍትን ኣባላት ባይቶን ክእሰሩ ከለዉን፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ተዓጽየን ጋዜጠኛታተን ክህደኑ ከለዉን ፍስሃ (ጀሽዋ) ብዑደት ስራሕ ናብ ጋሽ-ባርካ ገይሹ ብምንባሩ ብመጠኑ ርግኣት ፈጢሩለይ ነበረ። ክነዖ ሓግዩ ዝኸረመ ፖለቲካ ሃገርና፡ ብዙሕ ነገራት ክለኻኽም ምዃኑ ርዱእ ገይረዮ ነበርኩ። እቲ ብኽልተኦም ጕጅለታት፡ ማለት ብሸነኽ ኣብ ስልጣን ዝነበረ
