ካልእ ስለ ዘየሎ – ብመንጽር ጥበብ ጽውያ ዛንታ

No comments
ብኣኸድር ኣሕመዲን*

23 ለካቲት 2020

ካልእ ስለ ዘየሎ፤ ሓጸርቲ ዛንታታት  ብኣብርሃም ተስፋልኡል ዘርአ፤  ኣሕታሚ እምኵሉ – ሽወደን (2020)፤ 188 ገጻት $20                                          

እዞም ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ተሓቚፎም ዝርከቡ 16 ሓጸርቲ ዛንታታት ኣብ ናብራ ወይ ህይወት፡ ስደት፡ ኲናት፡ ውትህድርና ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ኣተኲሮም ዝተጻሕፉ እዮም። ነዚ መጽሓፍ’ዚ ብዕምቈት ንምርድኡ፡ ብኣጠማምታይ፡ ኣብቲ ደራሲ ጸቒጡ ዝሰርሓሉ ኰይኑ ዝተራኣየኒ፡ ስነኣእምሮ ጠባያት፣ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ብሓፈሻ፡ ኣዋህባ ኣርእስትን ኣገባብ ጽዋን ከኣ ብፍላይ ኣድሂበ ሓሳባተይ ከካፍል። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መጽሓፍ እኩብ ዛንታታት፡ ንዅሉ ዝጠምር ናይ ሓባር መተንተንኒ መንጽራት ገይርካ ክርአ ስለ ዝኸብድ፡ ነቲ መጽሓፍ ብምልኣት ዝገልጽ ኢለ ዝሓሰብኩዎ ነጥብታት ብምቕማጥ፡ ዝጥቀስ ዛንታታት ድማ ከም ኣብነት ጥራይ ክርአ እምሕጸን። ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ሰፊሩ ዘሎ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዛንታታት፡ ነናይ ገዛእ ርእሱ ቁመና ዘለዎ፡ ንትንታነ፡ ንኽትዕ፡ ብትሕዝቶኡ ጥራይ ዘይኰነስ ብስነጽሑፋዊ ጽባቐኡ’ውን ክድህሰስ ዝበቅዕ ምዃኑ ዘለኒ መረዳእታ እናገለጽኩ፡ ኣብ ቀጻሊ ክጸሓፈሉን ኣብ መኣዲ ጥበብ ሃገርና መዋግዒ ክኸውንን ተስፋ እገብር። ነዚ ዝኸውን ኣብዚ መጽሓፍ ዘሎ ብቕዓት እናመስከርኩ ድማ ናብዚ ናይ ሕጂ ሓፈሻዊ ገምጋመይ ክሰግር።

ደራሲ፡ ኣብ ቃለ መዘከርታ መጽሓፉ፡ብሰንኪ ተደራራቢ ሕሰም መግዛእቲን ዝሰዓበ ባርባራዊ ምሕደራን መንፈሶም ዝሰንበዱ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ንስጋዊ ርክብ ከስተማቕሩዎን ብምሉእነት ክድሰቱሉን ኣይከኣሉን እሞ፡ እዛ መጽሓፈይዚኣ ንዝኽሮም አወፍያ። ክብል ወፈያኡ ገሊጹልና’ሎ። ዝዀነ ደራሲ ንዕኡ ትርጕም ዝህቦ ወፈያ ክገብር ዝርአ’ኳ እንተዀነ፡ ትርጉም ግርንቢጥነት ናይዚ ወፈያ – ብመንጽር ልሙድ ወፈያ – ከም ቀንዲ ትዅረት ደራሲ ኣብቲ ዝፈጥሮ ድራማዊ ሃዋሁ ዝንቀሳቐሱ ጠባያት ኣእምሮ ክርኢ ዝኸኣለ ወይ’ውን ኣብኡ ኣተኵሩ ክዛረብ ዝደለየ ምዃኑ ዘርኢ ኣመት ሂቡ’ሎ ዝብል ግምት ክወስድ እኽእል። እዚ ድማ፡ ዛንታ ኣብ ዝምስረተሉ ድራማዊ ሃዋሁ፡ ዝያዳ ተኸታተልቲ ፍጻመታት ኣብ ምንጋር፡ ናብ ጠባያትን ኣብቲ ዝኸበቦም ኵነት ተደሪኾም ዝሓስብዎ፡ ዝርድእዎ፡ ዘስተንትንዎ፡ ዝምነይዎ ብሓፈሻ ንውሽጣዊ ኣእምሮ ጠባያት ብምጥላቕ ክትርኢ ምፍታንን ንዕኡ ምንጋርን ቀንዲ ጽባቐ ናይዚ መጽሓፍ ኰይኑ እስምዓኒ።

1. ነጸብራቕ ስነኣእምሮ ጠባያት
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ነዊሕ ዓመታት ዝመሃረ ህንዳዊ ፕሮፌሰር ተጅ ናዝ ድሃር፡ ንፍኑው ዋሕዚ ሓሳባት፡ stream of consciousness ከረድእ እንከሎ፡ ሓደ ካብ መለለዪታት ናይዚ ኣገባብ ጽሕፈት’ዚ ጸሓፊ ኣብ ኣእምሮ ናይቶም ዝፈጠሮም ጠባያት ክኣቱ ምኽኣል፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮ ኰይኑ ዝረኣዮ ዝፈስስ ሓሳባት – ናይቶም ጠባያት – ድማ ብግቡእ ክገልጾ ምኽኣልን ምዃኑ እዩ ዝትንትን። ቃላት ብልሳን ናይቶም ጠባያት፡ ብፍቓድ ደራሲ ዝተዋህቦም ናጽነት ዝድርደር ዘይኰነስ፡ እቲ ብውሽጢ ናይቶም ጠባያት ዝውሕዝ ሓሳባትን ስምዒታትን ክትምርምር ምኽኣል ምዃኑ እዩ እቲ መረዳእታ። በዚ መሰረት’ዚ እምበኣር፡ እዚ መጽሓፍ ብጥበብ ፍኑው ዋሕዚ ሓሳባት ዝተጻሕፈ እዩ’ኳ እንተ ዘይበልኩ ቅሻረት ናይቲ ጥበብ ዘለዎ ኣጸሓሕፋ ከም ዘንጸባረቐ ግን ክምጕት እኽእል።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኵሉ’ዚ ዛንታታት ዝውቱር ኰይኑ ቀሪቡ ዘሎ፡ ኣብ ምግላጽ ፍጻመታት ኣብ ክንዲ ትዅረት ምግባር ናብ ውሽጢ ኵነት እቲ ሰብ ወይ ጠባይ – ብኣእምሮኡ ኣቢልካ ናብቲ ሰብ – ብምትኳር ዛንታ ምንጋር እዩ። እዚ ኸኣ ኣንባቢ ብዛዕባቲ ፍጻመታት ብቐጥታ ዘይኰነስ በቲ ፍጻመታት ብዛዕባ ዝተሰርሐ ሰብ ከንብብ ዝገብር እዩ።

ኣብ ብዙሕ ዛንታታት ከም ዝርአ፡ ብሰባዊ መዳይ ኣቢልካ ታሪኽ ከም ዘለዎ ናይ ምንጋር ዝምባለ ይርአ እዩ። ስለዚ፡ መንጸፍ ዛንታ፡ ግዜን ቦታን ፍጻመታት ብግቡእ መሰረት ዝገበረ እዩ። ኣብ መጽሓፍ “ካልእ ስለ ዘየሎ” ግን ታሪኽ – ብመንጽር ግዜን ቦታን ፍጻመታትን መንነት ፈጸምቱን – ብዙሕ ግምት ክወሃቦ ኣይተመርጸን። ሰብ ኣብ ገለ ውሱን ኵነት ከመይ ከም ዝኸውን እዩ ብርቀት ከንጸባርቕ ዝፍትን። ንታሪኽ ከም ረቂቕ መንጸፍ መወሳወሲ ነቶም ጠባያት እዩ ሰሪሕዎ። ስለዚ፡ ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ዘለዉ ዛንታት ብግዜን ቦታን ዝተሓጽሩ ስለ ዘይኰኑ፡ ተወሳኺ ናጽነት ሂብዎ እዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ደራሲ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታት ዝስራሕ ስነኣእምሮ ሰብ ከርኢ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ ተዓዊቱ እዩ። ኣንበብቲ ድማ ነቲ ተቐሊዑ ዝተቐረበሎም ነዚ ሰብ ዝሰርሕ ኵነታት ክርድእዎን ክግንዘብዎን ግብረመልሲ ክህብሉን ናቶም ግደ ይኸውን።

ንኣብነት ኣብተን ምስ ኲናት ዝተኣሳሰራ ዛንታታት፡ ብዛዕባ እቲ ኲናት መን ምስ መን ይገጥም፡ ኣየናይ ገጽ ናይቲ ኲናት ኢኻ ትወስድ ከም ደራሲ ብግቡእ ሓሲቡ ሰሪዖዎ እዩ። ኲናት፡ እቲ ክፍኣቱን ጭካነኡን እንታይ ከም ዝሓትት ከርኢ ኣብ ርእሲ ምኽኣሉ፡ ካብ ኣብቲ ፍጻመን ዘወርቱን ኣብቶም ግዳያቱ ዝዀኑ ተራ ሰባት እዩ ኣተኲሩ – እቲ ውሽጢ ውሻጠ ናይ ሰብ፡ ኣብቲ ህይወት ዝውሕጥ ኲናት ኰነ ድሕሪ ኲናት ዝስራሕ ሰብ! ስለዚ ስነኣእምሮኣዊ ምቕራጽ ጠባያት ኣብቲ ዝተቐመጠ ኵነት እዩ ልዑል ትዅረት ናይዚ ዛንታታት።

በዚ መንጽር’ዚ እምበኣር፡ እቲ ንደራሲ ዘተሓሳሰቦን ወፈያ መጽሓፉ ዝገበረሉን “ድሮ ተበገስ” ኣብ እትብል ዛንታ ዘሎ ነገራት ምርኣይ ምድህሳስ ከም ኣብነት ኣገዳሲ እዩ። ኣብዛ ዛንታ፡ እቶም ካብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ብቐጥታ ናብ ኲናት ክኣትዉ ዝተቐረቡ መንእሰያት፡ ኣብ ጽዑን ድነ ሞት እናሃለዉ፡ ኣብታ ከም ተደራቢ ሓይሊ ኰይኖም ንኽኣትዉ ንገለ ሰዓታት ክጸንሑላ ኣብ ዝተገብረት ዓዲ፡ ሸውሃት ጾታዊ ስምዒቶም ከርውዩ ሃነፍነፍ ክብሉ የርእየና። እቲ ዝሃረፉዎ ስጋዊ ርክብ ንዅሎም – ነቶም ኣንቀሳቐስቲ ጠባያት – በበይኑ ትርጕማት ዘለዎ ምዃኑ ከኣ ይጸዊ። ኣብቲ ከምኡ ዝበለ ሃዋሁ፡ ሰበይቱን ደቁን ናፊቑ ቅድሚ ኲናት ክሰናበቶም ተለፎን ዘናዲ ወተሃደር’ውን ኣብ ከምኡ ዝበለ ኵነታት ዝመጽእ መረዳእታ ዘንጸባርቕ እዩ። ብተወሳኺ ደራሲ፡ ኣነ እናበለ ዛንታኡ ብዝነገር ኣዘንታዊ ኣቢሉ ነቲ ኵነታት ክርአ ምግባሩ፡ ዝያዳ ኣእምሮ ጠባያት ግሉሕ ክገብሮ ክኢሉ እዩ። እቲ ከምኡ ዝበለ ሰብን ኵነታትን ዘፋጠጠ ህሞት ማዕረ ክንደይ ኣስቈርቂርዎን ብስፍሓት ነቲ መንእሰያት ናይ ግዜኦም ሕቶ ንኸይምልሱ ዝተሓረሞም ናጽነታትን ጸቒጡ ኣቐሚጥዎ ኣሎ።

ብሓፈሻ ኣብ ኵለን እተን ምስ ኲናት ዝተኣሳሰራ ተሰሪዐን ቀሪበን ዘለዋ ዛንታታት፡ ተመሳሳሊ ኣተና ኢና ንረክብ። ደራሲ፡ ምስ ጥረ ፍጻመታት ኲናት ሞትን መቝሰልትን ኣይኰነን ንኣንበብቲ ዘፋጥጦም። ብኣንጻሩ፡ ንእንታይነት ኲናት፡ እቲ ብኡ ዝቃነ፡ ዝቕየር፡ ዝቘስል ወይ’ውን ዝመውት ኣተሓሳስባ እዩ ዝህብ። “ዋዜማ ውግእ” ኣብ እትብል ዛንታ፡ ሓኪም ቀይሕ መስቀል ዝዀነ ኣዘንታዊ ወገን ከይወሰደ ነቲ ኵነታት ክጥምቶን ክመዝኖን ይንበብ። ብመገዲ’ቲ ቀቅድሚ’ቲ ኲናት ተሓካሚኡ ዝነበረ ንኡስ ወተሃደር ኣቢሉ እዩ ነቲ መሪር ሃዋሁ ተንካፊ ብዝዀነ መገዲ ዘቕርቦ። እቲ ተሓካሚ ቅድሚ ንዂናት ዝነበሮ ኣተሓሳስባ፡ ዝውስውሶን ኢዱ እንተ ሃበ ክስዕብ ዝኽእል ነገራትን ተዛንዩ ምሕታቱ ንስነኣእምሮኡ ክንፍትሽ ዝገብር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንጽውያ ዛንታ’ውን ኣንጠልጣሊ ክኸውን ኣኽኢልዎ እዩ። “ድሕሪ ውግእ” ኣብ ዘርእስታ ዛንታ’ውን ውግእን ወረ ውግእን ዝሰርሖ ቈልዓ እዩ ዘሎ። ነቲ ብዓይኒ ዝርአ ዕንወት ናይቲ ውግእ ይገልጾ እኳ እንተዀነ፡ ኣዘንታዊ ኣብታ ኣደን ወድን ዝተረፉዋ ህድሞ ኣትዩ እዩ ንገጽ ናይቲ ኲናት ዝቐልዖ። ስለዚ፡ ጸብጻብ ናይቲ ኲናት ንጐድኒ ሓዲጉ፡ ውግእ ኣብ ሰባት ዘሕድሮ በሰላ፡ ብፍላይ ኣብ ኣተሓሳስባኦም ከመይ ከም ዝሰርሕ፡ ብዝኸኣሎ መጠን ኣብ ኣእምሮኦም እናኣተወ ክጸውየና ክኢሉ እዩ። ነቲ ዛንታታት ፍሉይነት ዝፈጠረሉ ድማ እዚ ነጥብ’ዚ እዩ።

ምስ ዝፍጠር ኵነታት ዝቀያየር ኣተሓሳስባ፡ ሰብ መዓስን ብኸመይን ናብ ነብሱ ይጥቐለል፡ “ማዕበል ህይወት” እትብል ዛንታ ጽቡቕ መርኣያ እያ። ‘ማዕበል’ ዝብል ቃል ነቲ ነታ መርከብ ስደተኛታት ከጋፍዕ ዝርአ ማዕበል ባሕሪ ብቐጥታ ንምግላጽ ዘይኰነስ፡ ብምሳሌኣዊ ገለጻ ዝገላበጥ ዝነበረ ህይወት ስደተኛታት ንምንጽብራቕ ዝተጠቕመሉ እዩ። ኵነታት ጽብብ ክብል እንከሎ ሰባት ከመይ ይሓስቡን ክገብርዎ ዝህቅኑን፣ ሞት ክትመጽእ እንከላ ዝቕላዕ ባህሪን ትጸዊ ዛንታ እያ።

እዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ካብዚ ዝተጠቕሰ ዛዕባታት ውጽእ ዝበለ ግን ከኣ ብመንጽር ኣጠማምታኡ ተመሳሳሊ ዛንታታት ንረክብ ኢና። ንኣብነት “ምልሰት” ኣብ እትብል ዛንታ ምስ እንርኢ፡ ተመሳሳሊ ኣጠማምታን ጥበብ ኣነጋግራ ዛንታን ንረክብ። ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ናብራ ስደት፡ ኣቦኡ ብህይወት ከርክቦም ምስ ባዶነቱን ስእነት ትብዓትን – ምስ ሓቂ ክጋጠም – ሃፍ እናበለ ምስ ካልኣዩ ናብ ዓዲ ዝመጽአ ጠባይ እዩ እቲ ጽውያ። ኣብዚ’ውን ብዛዕባ ስደት ልሙድ ብዝዀነ ብህሎ ኣይኰነን እቲ ዕላል። ኣብ ኣእምሮ ናይቲ ቀንዲ ጠባይ ብምእታው’ዩ ከም ውጽኢት ናይ ነዊሕ ዓመታት ስደቱ፡ ንፍርሑ፡ ባዶነቱ፡ ጣዕሳኡ፡ ብኽያቱ ክነግር ዝፍትን። ከምኡ ስለዝዀነ እዩ ከኣ፡ እቲ ዛንታ መሳጢን ተንካፍን ክኸውን ዝኸኣለ ዝብል ገምጋም ኣሎኒ።

“ትራንዚት” ኣብ ዝተባህለት ዛንታ’ውን፡ ኣብ ሓደ መዓርፎ ነፈርቲ ካብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም ዝመጽኡ ተጓዓዝቲ ምስ ተኣከቡ ዝምዕብል ኣተሓሳስባ ይንጸባረቕ። ግዜ መገሻኦም መዓልታትን ዓመታትን ብዝወሰደ መጠን ኣብ ስነልቦናኦም ዝስርሕዎ ከመይ ዓይነት ከም ዝዀነ እተርኢ እያ።

ብተመሳሳሊ፡ ንዛንታ “ትጽቢት ጻውዒት ተለፎን” እውን ብናይ ምጽባይ ኵነተ-ኣእምሮ እዩ ነቲ ዛንታ ዝነግሮ። እቶም ኣብ 1991 ጻማኦም ወይ’ውን ንኣበርክቶኦም ኣብ ቃልሲ ኣፍልጦ ክረኽቡ ምዃኖም ዝተነግሮም ኣቦ፡ ብትጽቢት ተስፋ ከመይ ኢሎም ንኽንድኡ ዓመታት ከም ዝተጓዕዙን ዝኣረጉን ኣብ መወዳእታ ድማ ከም ዝሞቱን ይጸውየና። እቶም ኣቦ፡ ነቲ ዝመላለስዎን ክድውለሎም ዝጽበይዎን ቤት ጽሕፈት፡ እናሻዕ ሓላፍቲ ክቀያየሩ ይርአ እዩ። እዚ ፍጻመ’ዚ ብዓይኒ ጥበብ ጽውያ ዛንታ ክርአ ከሎ ተራ ኣይኰነን። ትልሚ ዛንታ ለጠቕን ክብን ክብል፡ ኣነጋግራ ዛንታ ድማ ሓይሊ እናረኸበ ንቕድሚት ክድፋእ ዘኽኣሎ ረቂቕ ጥበብ ኰይኑ ኸኣ ይርኣየኒ።

2. ቅዲ
ኣብዚ እቲ ዝውቱርን ልሙድን ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ሓጺር ዛንታ፡ ኣብ ብዙሕ መዳያት ክጠሓስ ስለ ዝርአ ብኡ መንጽር ምጥማቱ ዝኣኽሎ መሲሉ ኣይስመዓንን። ርእሲ ዅሉ ድማ፡ ብፍላጥ ዝተገብረ ምዃኑ – ተመኵሮን ሕሉፍ ስርሓትን ደራሲ ኣብ ግምት ብምእታው – ዘጠራጥር ስለ ዘይብሉ፡ ደራሲ ዝተጠቕመሉ ቅዲ፡ ብቐንዱ ኣንባቢ ኣብቲ ጽሑፍ ንኽኣቱን ዘወሳውሶ እኹል ቦታ ንኽረክብን ዝዓለመ እዩ ዝብል መረዳእታ ኣሎኒ።

ጽሑፍ፡ ንኣንባቢ ዝኸውን መእተዊኡ ምስ ዝዓጹ እዩ ዝመውት። እዚ ማለት፡ ከም ሓደ ዜናዊ ጸብጻብ ኰይኑ ዝቐረበ ዛንታ፡ ፍጻመታት ኣብ ርእሲ ርእሲ፡ እርይ-ቍጽር ኢሉ ዝርዝራት ዘቕርብ፡ ንኣስተንትኖ ዕድል ዘይህብ ድፉን ምስ ዝኸውን ንምባል እዩ። በዚ መንጽር ምስ ዝርአ፡ እዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ኣንባቢ ንኽኣቱ፡ ኣትዩ ክግምት፡ ከዛምድ፡ ከተኣሳስር፡ ከነጻጽርን ናቱ ክወስድ ዘኽእሎ ቦታ ክረክብን ርሑው እዩ ኢለ እግምግም።

ኣንባቢ ከመይ ኣቢሉ እዩ ናብ ሓደ ስነጽሑፋዊ ስራሕ ዝኣቱ ዝብል በዳሂ ስራሕ ሓደ ደራሲ እዩ። እዚ ነቲ መሰረታዊ ዝዀነ ዓይነት ትሕዝቶ፡ ፍሉይነቱ፡ እዋናውነቱ፡ ኣገዳስነቱ… ንኣንበብቲ ኣብ ቦታኡ ኰይኑ ማለት እዩ። ስለዚ፡ ብዙሕ ከየጋፋሕኩ፡ ንዓይ ዝተራእየኒ ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ዝተራእየ ብልጫ ኣብ ክልተ ነጥብታት ማለት፡ ኣርእስትን ጽውያን ዝብሉ ነጥብታት ብኸምዚ ዝስዕብ ከቕርብ።

2.1. ኣርእስቲ
ደራሲ፡ ኣንባቢ ግቡእ ናይ ኣንባቢ ተራ ንኽጻወት ዝሰርሓሉ ሓደ ጥበብ፡ ብዓቢኡ ነቲ መጽሓፍ ይዅን ዛንታታት ኣርእስቲ ንምሃብ ዝተጠቕመሉ ብልሓት እዩ። “ካልእ ስለ ዘየሎ”፡ ዝብል ኣርእስቲ ክህቦ እንከሎ፡ ንመጽሓፍ እኩብ ዛንታታቱ፡ ኣንባቢ ንምሉእ እቲ መጽሓፍ ኣንቢቡ ነናይ ገዛእ ርእሱ ግምት ክወስድ ክፉት ይገድፎ። “ካልእ ስለ ዘየሎ” ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘት ዛንታ ኣብ ውሽጢ’ቲ መጽሓፍ የላን። ስለዚ ኣንባቢ፡ እንታይ እዩ ኣብ ውሽጢ ዘሎ፧ እንታይከ እዩ ዘየሎ ዝበሃል ዘሎ፧ ደራሲ ምስ ጽሕፈቱ ድዩ ወይስ ካብኡ ንዝዓቢ እዩ ዝእምት ዘሎ፧ ካብ ዝብል መባእታ ግን ከኣ እናተወሳሰበ ሕቶ ኣብ ርእሲ ሕቶ እናደርደረ ዝኸይድ ኰይኑ ይስምዓኒ።

ኣብ ዛንታታት’ውን ምስ እንርኢ፡ ኣብ ኵሉ’ኳ እንተ ዘይተባህለ ኣብ ሓያለ ዛንታታት ተመሳሳሊ ጥበብ ክጥቀም ይርአ እዩ። ወይ’ውን ንኣርእስቲ ፍሉይ ትዅረት ሂቡ ከም ዝሰርሐን ምስ ሕመረት ዛዕባ ዛንታኡ ንምግላጽ ብኣተኵሮ ከም ዘቐመጦን ክንግንዘብ ንኽእል።

ካብ ዛንታታት ንኣብነት፡ “ሳርዲን”፡ “ስሓ መሸኒት”፡ “ኣንበሳ ዝበልዐት ኣድጊ” ክንርኢ ንኽእል። ኣብዘን ሰለስተ ዛንታታት እንተ ርኢና፡ ዛንታ ብቐጥታ ምስቲ ኣርእስቲ ዝተኣሳሰር ኣይኰነን። ኣብ ዛንታ “ሳርዲን” ንኣብነት ብመገዲ ሓሙሽተ ኣዕሩኽ ኣቢሉ ኣጽዒቑ ዛንታ ይነግር። ብመንጽር’ቲ ጠባያት ዝተሃንጹሉ ባህሪ ወይ መንነት ድማ ንህይወቶምን ከባቢኦምን ዝጥምቱሉ ዝተፈላለየ ሓሳባት ይንጸባረቕ። ስለዚ፡ ነቲ “ሳርዲን” ዝብል ኣርእስቲ ካብ ትሕዝቶ ዛንታ ኣንባቢ ክንርድኦ ዝተገድፈ እዩ። ኣንባቢ ነቲ ኵሉ ዘንበቦ፡ በቲ ኣርእስቲ ሰፍዩ ህያው ክገብሮ ትጽቢት ይግበር ወይ ይድለ። ማለት፡ ከምኡ ክገብሮ ምስ ዝኽእል እዩ ኣውራ ቁምነገሩ ክርከብ ዝኽእል።

“ሳሓ መሸኒት” ኣብ እትብል ዛንታ፡ ዛዕባኡ ብቐጥታ ብዛዕባ’ቲ ኣርእስቲ ተገይሩ ዘሎ ኣካል ወዲ ሰብ ዝጸዊ ኣይኰነን። ኣብ ሓደ መዓስከር፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዝተኣስሩ ሰባት ዘንጸባርቕዎ ባህርያት ዝነግር እዩ። ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣዝዩ ሕሱም ሓላፊ፡ ብተዛማዲ “ፍትሓዊ” ዝዀነ ሰብ ተቐይሩ ምስ መጽኦም፡ ንዝገብሮ ፈላሚ ኣኼባ ማእከሉ ዝገበረ ዛንታ እዩ። ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ፡ ደራሲ ኣብ ስነኣእምሮ ናይቶም ጠባያት ብምትኳር፡ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታት – ክጸቦምን ክርህዎምን እንከሎ ንኣብነት – ዘንጸባርቕዎ ባህሪ ከርኢ ዝፈተነ ኰይኑ ይስምዓኒ። እዚ ከኣ ሓድሽ ሓላፊ ምስ መጽአ ብዘርእይዎን ዝዛረብዎን ሓሳባትን ስምዒታትን ይንጸባረቕ። “ስሓ መሸኒት” ዝብል ኣርእስቲ ኰይኑ ዘሎ ሓረግ ደኣ ምስቲ ዝጽወ ዛንታ እንታይ ኣራኸቦ፧ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ኣንባቢ ምዃኑ ከኣ ዘከራኽር ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣነ ብወገነይ ደራሲ ክብሎ ዝደለየ ነገር በቲ ኣርእስቲ ጠሚሩ ሂቡና’ሎ ዝብል ገምጋም ኣሎኒ። ኣንባቢ፡ ጽውያን ኣርእስትን ኣተኣሳሲሩ ነቲ ግርንቢጥ ዝመስል ነገር ክፈትሖን ኣተኣሳሲሩ ክርድኦን ይድለ።

“ኣንበሳ ዝበልዐት ኣድጊ” እውን ብተመሳሳሊ፡ ጽዋ ኣድግን ኣንበሳን እኳ እንተ መሰለ፡ ንምሉእ ዛንታ ኣንቢብና ኢና ነቲ ኣርእስቲ ክንርድኦ ወይ በቲ ኣርእስቲ ኣቢልና ድማ እንታይ ይነግር ኣሎ ክንርድኦ ንኽእል። ደራሲ ኣብ ኣዋህባ ኣርእስቲ ዝተጠቕመሉ ሜላ፡ ሓሳባቱ ንምጻር ማዕረ ክንደይ ተጠቒሙሉ ኣሎ ክንርዳእ ንኽእል። ካልእ ዛንታታት’ውን ብኸምዚ ዝተጠቕሰ ደኣ ኣይኹን እምበር፡ ኣርእስቲ ፍሉይ ትዅረት ከም ዝገበረሉ ድሕሪ ዓሚቝ ንባብ ክንርድኦ እንኽእል ነገር እዩ። በዚ እዩ ድማ ኣንባቢ ቦታኡ ክረክብ ዝሓገዘ ኣገዳሲ ጥበብ’ዩ ዝብል ገምጋም ዘሎኒ።

2.2. ጽውያ
ኣብዚ መጽሓፍ ዝተጠርነፈ ኵሉ ዛንታታት ነናይ ገዛእ ርእሱ ቅዲ ኣጻሕፋን መንጽረ ዛንታን ኣሎዎ። ደራሲ ኣብ መብዛሕትኡ ብቐዳማይ ኣካል ስለ ዘዕልል ናብቲ ድራማዊ ዓለሙ ኣቕርብ የብለካ እዩ። ከምኡ ምዃኑ ድማ ዝተፈላለየ ቃናን ጣዕምን ንኣንባቢ ይህብ። ናትና ናይ ተመኵሮና እዩ ኢልካ ዝሕጸር ዘይምዃኑ ድማ ካብቲ ብልጫ ናይዚ መጽሓፍ’ዚ እዩ።

በዚ መንጽር፡ “ሳርዲን” ትብል ዛንታ ዝያዳ ንምዝርዛር፡ ጻዕቂ ሓሳባትን ዕላላትን ፍጻመታትን ዘለዋ ኰይና ንረኽባ። ኣቀራርባኣ ግን ፍልይ ዝበለ ነቲ ልሙድን ዝውቱርን ኣገባብ ኣተዓልላ ሓጺር ዛንታ ዝሰበረት እያ። በቲ ልሙድን ዝውቱርን ኣገባብ፡ መን እዩ ብዓል ዛንታ፧ እንታይ እዩ ድራማዊ ድሌቱ፧ ግርጭትከ፧ እናበልካ ዝኸይድ ኣይኰነን። ብዓይነት ቅብብል-ኣዘንተውቲ ዝንገር ዛንታ እዩ። ነገርቲ ዛንታ፡ ደራሲን ባዕሉን ገለ ካብ ኣዕሩኽቱን – ኣብቲ ክዉን ዓለም – እዮም። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ብፍሉይነት ዝግለጸሉ ኣነጋግራ ዛንታ ድማ፡ ዋና ናይቲ ዛንታ ዝተመከነሉ ካፊተርያ፡ ዛንታ ተረኪቡ ክቕጽሎ ምኽኣሉ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ዛንታ ዝቕጽለሉ ናብ ካልእ መካነ-ዛንታ ወሲዱ ማለት ኣብ ጋዜጣ ዓምዲ ስነጥበብ ብዘውጽኦ ጽሑፍ ምዃኑ እዩ። ብዘይካ’ዚ ምስቲ ዝዝረብ ነገራት ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘይብሉ ዝመስል ዝተፈላለየ ኣሳእል ከእትወሉ ምኽኣሉ፡ ካብ ኣርእስቲ ጀሚሩ እንታይ ይብል’ሎ? ወይ ክብል ይደሊ’ሎ? ኣንባቢ ንኽመራመርን ከስተንትንን ዕድል ካብ ዝፈጠረ ጥበብ እዩ ዝብል ገምጋም ኣሎኒ።

ኣብ መደምደምታ፡ እዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ኣብ ታሪኽ ስነጽሑፍ ሓጺር ዛንታ ትግርኛ ኤርትራ፡ ብጥበብ ኣጸሓሕፋኡ፡ ትሕዝቶኡን ኣቀራርባኡን ናይ ገዛእ-ርእሱ እምነ-ዅርናዕ ዘቐምጥ ምርኡይ መጽሓፍ እዩ ኢለ እግምግም። ሓጺር ዛንታ ትግርኛ ኣብ ታሪኽ ስነጽሑፍ ኤርትራ ከም ርእሱ ዝኸኣለ ጅር፡ ኣብ መፋርቕ 1980ታት ኣብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብዝካየድ ዝነበረ ናይ ትርጉም ስርሓት፡ ውድድራትን ኣስተምህሮታትን ከምኡ ድማ ኣብ ኣስመራ ኣብ መወዳእታ 1980ታት ኣብ ዝተዋህበ ስልጠናን እዩ እናተፈልጠ ዝመጽአ። ኣብዚ መስርሕ ዕብየቱ ድማ፡ ብፍላይ ስርሓት ሚኪኤል በርሀን ኣንገሶም ኢሳቕን ኣብ ናይ ተነባቢ ደረጃኡ ክበጽሕ እምነ-ኵርናዕ ኣንቢሩ እዩ። መጽሓፍ “ካልእ ስለ ዘየሎ” ናይ ኣብርሃም ተስፋልኡል ድማ ኣብቲ ክመጽእ ዝጸንሐ ምዕባለታት ኣጸሓሕፋ ሓጺር ዛንታ ናይ ገዛእ-ርእሱ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ ክብል እደፍር።

ነዛ መጽሓፍ ንምግዛእ ኣብዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ምእዛዝ ይከኣል።


*ኣኸደር ኣሕመዲን፡ ምክትል ኣሰናዳኢ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ጽጌናይ (1998-2001)፣ ከም ኣባል ድሒሩ ድማ ኣቦ-መንበር ኮሚተ ደረጃታት ፊልም ኤርትራ (2008-2019)፣ ኣባል ቦርድ ኣሕተምቲ ሕድሪ (2009-2019) ኰይኑ ሰሪሑ። ኣኸደር እኩብ ሓጸርቲ ዛንታታት “ተረፍ” (2014) ከምኡ’ውን “ልኡኽ መንግስቲ” (2016) እትብል ትርጕም ድራማ ኒኮላይ ጎጎል ብመጽሓፍ የሕቲሙ ኣሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገረ ፖላንድ ብ “Culture, Media & Society” ናይ ማስተርስ ትምህርቲ ዘጽንዕ ዘሎ ጸሓፊ፡ ሃያስን ጋዜጠኛን akialwa@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

Print Friendly, PDF & Email