ገጽ ኣደይ

No comments
ብኣብርሃም ተስፋልኡል

ሓጻር-ዛንታ

-ኣብ ገድላዊ ህይወተይ: መበቈል ዓደይ ወይ ድማ ዝተሰለፍኵሉ ከባቢ ንዋላ ሓደ መጋድልተይ ዘይንጋረይ: ምስጢር ንምዕቃብ ዘይኰነስ: ከምኡ ኢለ ንኽዛረብ ኣብ ኣፈይ ስለ ዘይመጸለይ ጥራየ’የ።

-ድሕሪ ከባቢ ዓሰርተ ዓመታት ንኸበሳታት ኤርትራ እድይብ ምንባረይ: ጠሊ ከበሳ ዝረኸቦ ነብሰይ ምስ ሽታኡ ተደማሚሩ: ኣካላተይ ፍንጥሕ-ጥሕ በለ፣ ሓሳባተይ ዝሕው በለኒ። ከብደይ ከኣ ብትንትን አረ ብትንትንትን በለኒ።

-ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንኸበሳ ደዪብና ብዓድና ምሕላፍና: ሳሕቲ ኣብ ዕምሪ ሓደ ሰብ ከጋጥም ዝኽእል ፍሉይ ተረኽቦ ገይረ ሓሰብኩዎ።

* * *

“ኣየ ወዲ-ጅምዕ… እንታይ ድዩ ወሪዱካ? ንኸበሳ ኣብ ክንዲ ዝተባሃልካስ ከምዚ ጌርካ ትዕዘም? ፍጹም እኳ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ኣይተዛረብካን:” በለትኒ ጓል-ሃይለ። ኣብ ሓጺር መዓልታት ዘጥረኹዎ ስቕታ ምሉእ ጋንታና ከስተውዕልሉ ከም ዝኽእሉ ኣይሰሓትኩዎን።

“ጸገሙ ፈሊጥናዮ ኣለና… እታ ንፈልጣ ኣብ ሳሕል ገዲፉዋ ይመጽእ ስለ ዘሎ’ዩ። ቀደም ኣብ ከበሳታት ከዛውረኪ’የ እንድዩ ዝብላ ነይሩ… ሕጂ በይኑ ምስ መጸ ከኣ:” ኢሉ ኣርዓዶም ምስ ኣስዓበላ: ልዕሊ’ቲ ዋዛዊ ሓይላ ምልእቲ መስርዕ ሰሓቐት። ናብ ንቡር ህይወተይ ክመልሱኒ ዘካይዱዎ ዝነበሩ ጻዕሪ ምዃኑ እኳ እንተ ዘይዘንጋዕኩዎ: መሊሱ ግን ኣናቐጸኒ። በታ ኣርዓዶም ዘምጽኣ ምሽምጣጥ እትመስል ዘረባ በዅሪ ኣፍቃሪተይ ድየ ክብላ መዛምድተይ ሳባ ኵልዕ በለትኒ።
ብሓሳብ ምስኣ ነዊሕ ክሳለ እናተጸበኹ ግን ውሑዳት ስጕምታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ፈጺመ ርሲዐያ: ሓንጐለይ ብኻልእ ተገዝአ።

ናብታ ዓዲ ብለይቲ ኣቲና ኣብ ጸግዒ ሓደ ጎቦ እኳ እንተ ሓደርና። ዘዕበየኒ ጐላጕልን ጎቦታትን ዓደይ ዝፈጠረለይ ዝተዘባረቐ ስምዒት ግን ምግላጹ’ውን ሓርበተኒ። ዝኽረይ ምሉእ ብምሉእ ደስኪሉ ነይሩስ ከም ብሓድሽ “ሀ” ኢለ መለስኩዎ። ስለምንታይን ክንድኡን ብዛዕባ ዓዲናን ዘዕበየኒ ከባቢን ረሲዐ ምንባረይ ሓቲተ’ውን መልሲ ኣይረኸብኵሉን። ነቲ ኣጋጣሚ ከምዞም ኣብ ኲናት ርእሶም ተሃሪሙ ዝኽሮም ዝጠፍኦም’ሞ ቀስ ብቐስ ዝሕደሱ ኣመሳሰልኩዎ።

ምስ ኣባላት መስርዕና ኰነ ካልኦት ኣባላት ክዛረብ ስለ ዘይመረጽኩ: ንግሆ ተንሲአ ኣብ ብርኽ ዝበለ ስፍራ ኰይነ ንዓዲና ክዕዘባ ተፈለኹ። ደቂ ዓዲና ከም ኵለን ገጠራት ከበሳ ንግሆ ተንሲኦም ኣመት ዕለታዊ ሸበድበዶም ክገብሩ ኣማዕድየ ረኣኹዎም።
ድምጺ ከብቲን ጤለ-በጊዕን ምስ ሰማዕኩ ከብደይ ተገላበጠ። ቍንንቲ ሰበይቲ ካብ ዘይርኢ ክንደይ ዓመታት ከም ዝሓለፈኒ ሽዑ ተሰቈረኒ። ድምጺ ቈልዓ: ዡዥታ ኣናህብ: ሽታ ዒባ: ሽታ ጡሽ… ኵሉ-ምሉ ተደማሚሩ ብጽቡቕ ሰርሰረኒ።
ደጋጊመ ሓሲበ: ንበየነይ ዋርድያ ክወጽእ ከለኹ–ብሕልፊ ዝሓስቦ ስኽርታት ክሕርብተኒ ከሎ–ስለምንታይ ብዛዕባ ዓዲና ሓሲበ እዘናጋዕ ዘይምንባረይ ገረመኒ።

ንሜዳ ቅድሚ ምውጻአይ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታት ዝመስለኒ ዝነበረ: ኣጸቢቑ ቀረባ ኰይኑ ጸንሓኒ። ብቐንዳ ዓዲና ዓባይ ዓዲ ገይረ እስእላ እኳ እንተ ነበርኩ: ኣብ ማልሳ-እግረ ግን ንእሽቶ ደምበ-መሰል ቍሸት ተቐዪራ ረኸብኩዋ።

“ቍርሲ! ቍርሲ ወዲ-ጅምዕ! ቍርሲ!” ኣድሃየ መን ምዃኑ ካብ መስርዐይ።

“ኣይቈርስን’የ ቍረሱ!” ክልጽ ከይበልኩ መለስኩ። መራሕ መስርዕ ኰይነ እንተ ዘይተናሒፈ ኣብ ቀረባ እዋናት ዘርእዮ ዝነበርኩ ጠባይ ኣደዳ ነቕፌታ ኣባላት መስርዐይ ክገብረኒ ከም ዝኽእል ኣይሰሓትኩዎን።

ብቐረባ ዝፈልጦምን ንሳቶም’ውን ቅድሚ ንገድሊ ምኻደይ ኣጸቢቖም ዝፈልጡኒን ኣዝማድን ደቂ ዓዲን ብቕድመይ ክሓልፉ ረኣኹዎም። ረሲዐዮም ዝነበርኩ ኣስማት ድሕሪ ዓመታት ኣብ ርእሰይ ተዘርዘሩ። ነተን ዝዕዘበን ዝነበርኩ ሃድሙ’ውን ዝኽረይ ከሐድስ ብምባል ኰለል ኢለ ነበርተን ክጽብጽብ ፈተንኩ። ኣብ ብዙሓት ተዓዊተ። ኣስማት ኣብ ምዝርዛር ምስ ኣተኹ: ነበርተን’ከ ኣበይ ኮን ይህልዉ ዝብል ባህርያዊ ሕቶ ሰዓበኒ። ገለ ምዕባየይ: ገለ መሳቶይ: ገለ ምንኣሰይ: ገለ ዓበይቲ ሰብኡት: ካልኦት ሕያዎት ኣንስቲ… ክንደይ እሞ ክብል! መን ጐዲሉ: መን’ከ መልክዕ ቀዪሩ ዘገም ይብል ኣሎ ክፈልጥ ተረበጽኩ። ስሕት ኢለ ብመገዲ ድምጺ-ሓፋሽ: “ኣብ ልዕሊ ነባሪ ከበሳ ባርባራዊ ግድዒ ወሪዱ: ንጹህ ህዝቢ ተሓሪዱ:” ወዘተ ዝብል ዜና ክሰምዕ ከለኹ ንዓዲና ምስተን ዝጸነታ ዓድታት እምድባ ነይረ። ንሓንሳብ ወለዶ ዘቐጽል መንእሰይ’ውን ዘይተረፋ መሲላ ትስምዓኒ ነይራ። ውሽጣ ገዲፈ: ዳርጋ ኵለን እተን ዝገደፍኩወን ኣባይቲ ቈይመን ምስ ረኣኹወን ግን ብመጠኑ ሩፍታ ተሰምዓኒ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግን ዓበይቲ ዓዲ: “ዝኸፍቶ ዝሰኣነ ገዛ” ኢሎም ዝዛረብሉ ተዘኪሩኒ ሽቝርር በልኩ። ግድን ኣብተን ዝሓለፋ ዓመታት ዝኸፍተን ዝሰኣና ገዛውቲ ከም ዝፍጠራ ኣይተጠራጠርኩን። ቀጥታ ኵናት ጥራይ ዘይኰነስ መግዛእቲ ተደማሚሩ ዕድመ ከም ዘሕጽር ኣይዘንጋዕኩን።

እታ ኣዝያ እተሻቕለኒ ግን ብትሕተ-ውነይ ክከላኸላ ዝጽዕር ዝነበርኩ ሓሳብ ህሩግ በለትኒ። ገዛና ከመይ ይህሉዉ? ብድሕረይ እንታይ ኰይኖም ይዀኑ? ኣደይ: ኣቦይ: ንኣሽቱ ኣሕዋተይ…! ኣማዕድየ ምስ ረኣኹዋ ብደጋዊ ትርኢታ ከምታ ዝገደፍኩዋ ነይራ። ውሽጣ ግን ከመይ ትህሉ ኢለ ግን ዕግርግር በለኩ። ምስሊ ኣባላት ስድራይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እናተመላለሰ ኣሕወዝወዘ። ብርሑቕ ከለልየን ዘይከኣልኩ ክልተ-ሰለስተ ኣንስቲ ኣብ ኣፍደገ ገዛና እርኢ ምንባረይ መዓንጣ ክበደይ ተገላበጠ።
ኣብ ነዊሕ ገድላዊ ህይወተይ: እሞ ከኣ ክንደይ ብጾት ቀቢረ: ከምዚ ገይረ ክቓዝን ዘይዝክረኒ ሕጂ ሃንደበት ወላእላእ ምባለይ ነብሰይ ከዓብኩዋ። ኣባላት መስርዐይ ወዝቢ ከይርእዩኒ’ሞ ብድሕሪኡ “ፈታው ነብሱ” እናበሉ ከየላገጹለይ ተቐላጢፈ ነብሰይ ከረጋጋእ ጸዓርኩ።

ወዲ-ብርዡዋ ናባይ ገጹ ክስጕም: ብርእሱ ኣሕሊፈ ድማ: ኣብቲ መስርዕና ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ቦታ ነጸላ ዝተወንዘፈ ሰብኣይ ረኣኹ። ንበየነይ ተፈልየ እንታይ ይገብር ከም ዘለኹ ግር ከይብሎ: ጸብጻብ ስራሕ ዝጽሕፍ ዘለኹ ንኸምስል: ወዲ-ብርዡዋ ከይለገበኒ: ፒሮን ወረቐትን ካብ ጃኬተይ ኣውጺአ ተተኸልኩ። ነቲ ምስ ኣባላት መስርዐይ ዝነበረ ሰብኣይ ርእየ: ወዲ-ብርዡዋ ዝምእከል ሓበሬታ ሒዙ ይመጸኒ ከም ዝነበረ ኣይሰሓትኩዎን።

“ወዲ-ጅምዕ… ኣብታ ገዛ’ቲኣ ቀትሪ ጸበል ስለ ዘሎ ምሳና ተመስሑ ኢሎም ኣለዉ እዞም መጺኦም ዝጸንሑ ኳደረ ሰብኣይ:” ኢሉ ናብ ገዛና ኣመልከተለይ።

“ሐራይ ደሓን ንመጋቦ ምሳሕ ኣይትስርሑ በሎም ሓቢርና ክንከይድ ኢና:” ምስ በልኩዎ: ደሓን ይእቶ ዘረባ ከይወሰኸ: ግልብጥ ኢሉ ናብ መምጽኢኡ ተመልሰ።

ሓንሳብ ኣብ ሩባ ዕድል እንተ ተቐሚጥካ: ውሕጅ ኣጋጣሚ ሒዙካ ከም ዝኸይድ ብዘይ መስካሪ ኣረጋገጽኩ። ካብ ምልእቲ ዓዲ እታ ዝተባህለት ጸበል ኣብ ገዛና ምዃና ግርም በለኒ። ነቲ ገዛ ክኸይድ ድየ ኣይከይድን ዝብሎ ዝነበርኩ ሓሳበይ ዘይተሓስበ መደምደምታ ረኸብኵሉ። ካልእ ተጋዳለይ ተመሲለ: ብጥቓ ገዛና ሓሊፈ: ኵነታት ተዓዚበ ክመጽእ እወላወል እኳ እንተ ነበርኩ: ባዕላ እታ ኣጋጣሚ ካብ ተፈጠረት ግን ክኸይድ ወሰንኩ። ስድራይ ምስቲ ዘምጻእኩዎ ኣካላዊ ለውጢ: ፍርቂ ገጸይ ብዕማ እንተ ሸፊነዮ ከለልዩኒ ከም ዘይክእሉ ርግጸኛ ኰንኩ።

* * *

ሰዓት ምሳሕ ኣኺሉ: መስርዐይ ጠርኒፈ ንገዛና ተበገስኩ። ከበሳ ዝሓደሶም ኣባላት መስርዐይ ዘይንቡር ሓጐስን ሓድሽ ሓድሕዳዊ ፍቕሪን መስሪቶም ነይሮም። ካልእ እዋን እንተ ዝነብር መራሒ ናይቲ ሓጐስ ኣነ’የ ምዀንኩ። እታ ቦምባ ኣብ ልዕለይ ምስ ወደቐት ግን ኣላዪ ኰይነ ላዕሊን ታሕቲን ዝብለሉ ኣጋጣሚ ኣይተፈጥረለይን። ነቲ ነዊሕ ዓመታት ሃረር ዝበልኩዎ ከበሳ ብኸምኡ ዝመስል ቃዛኒ ስምዒትን ስቕታን እሓልፎ ምንባረይ፣ ምናልባት ንሳሕል ምስ ተመለስኩ ክጠዓሰሉ ምዃነይ ኣይዘንጋዕኩን።

ካብ ኵሎም ኣባላት መስርዕና ምስ ወዲ-ብርዡዋ ብድሕሪት ዝሕጥ ኢለ’የ ዝስጕም ነይረ።

“ኣብዛ ናይ ሕጂ ኲናት መን ይስውኡ: መን ይስንክሉ: መን ከኣ ብህይወት ይወጹ ዕጫ ጌርና። ሰለስተ ግዜ ወረቐት ኣውዲቕና: ንስኻ: ጓል-ሃይለን ወዲ-ቅጫን ክትስውኡ በጺሕኩም ኣሎ። ኣነን እድሪስን ክንስንክል: ካልኦት ከኣ ብሰላም ክወጹ እዮም:” በለኒ ወዲ-ብርዡዋ እናሰጐምና። ቅድሚ ኲናት ምእታውና መን ይስዋእ: መን’ከ ብህወይት ይወጽእ ዕጫ ምውዳቕ ዝውቱር ጸወታ እታ መስርዕ እዩ ነይሩ። ገሊኡ እዋናት ኣንጻር ናይቲ ዕጫ ይበጽሕ: ዝበዝሕ ግዜ ግን ከመይ ኢሉ ከም ዝኸውን ከምቲ ኣቐዲሙ ዕጫ ዝወደቖ ይኸውን። ወዲ-ብርዡዋ ነቲ ናይ ሞትን ህይወትን ዕጫ ክነግረኒ ከሎ እናሰሓቐ ግን ከኣ ብውሽጡ ሓቁ ምዃኑ ኣሚኑ’ዩ ዝዛረብ ነይሩ።

“እግበረልና’ኸ ወደይ ቀልጢፍና እኳ ንካረጅ:” በልኩዎ ብዙሕ ግልጽ ከይበልኩ። ኣቓልቦይ ምስኡ ኣይነበረን፣ ኵነታተይ ግዲ ኣስተውዒሉ ከኣ ዘረባ ከይቀጸለ ማዕረ-ማዕረይ ሰጐመ።

ደጐል ገዛና ምስ ረገጽኩ ቈርበተይ ብሓንሳብ ክይፍ ኢሉ ተላዕለ። ከብደይ ክገላበጥ ከሎ ብርሑቕ ዝስምዓ ዘሎ መሰለኒ። ኣብ ነብሰይ ዘይጸንሐ ስምዒታት ብዅሉ ነብሰይ ገሪፉ ኣማሰነኒ። ኣብ ኵሉ ውግኣት ክኣቱ ዘየረኣኹዎ ፍርሒ ኣብ ኣፍደገ ገዛና ሰዓረኒ። ደንበርበር ኢለ ከይወድቕ ብምባል ንወዲ-ብርዡዋ ተደገፍኩዎ። ነቲ ዝረግጾ ዝነበርኩ መሬት መሊአ ክርእዮ ኣይከኣልኩን። ልክዕ ከምዚ ቈልዑ ከሎና ኣብ ዙርያና ሸንኮለል ክንብል ጸኒሕና ደሓር ኮፍ ኢልና ክንጥምት መሬት ዝዘውር ዘሎ ዝመስለና ዝነበረ ስምዒት ተመልሰኒ። ተጋዳላይ ተባሂለ ክሳብ ክንድኡ ብስምዒት ክግዛእ ከም ዘይብለይ ደጋጊመ ምስ ነብሰይ እኳ እንተ ዘተኹ: ኣካላተይ ግን ከድዓኒ ደኣ። ምስ ውሽጠይ ዝገብሮ ቅልስ ጸሚዱ ሒዙኒ ከሎ: ኣረጊት ከልቢ ተሳጊረ ኣፍደገ ገዛና ረገጽኩ። ነቲ ብቕድመይ ዝኣቱን ዝወጽእን ዝነበረ ምስልታት ኣበይ ከም ዘጥፋእኩዎ ኣይተረድኣንን: ኣደይ ካብ ውሻጠ ንምድሪ-ቤት ክትስጕም ረኣኹዋ። በቲ ዝኸፍአ ምጽናት ቀሪጸዮ ዝነበርኩ: ሓንቲ ኣደይ ጥራይ ብምርኣየይ ሓደ ጐነይ ሮፍ በለ።

“ንበሩ… ንበሩ… እዞም ደቀይ… ኣጎዛ ኣንጽፍሎም። ኣበይ’ለኺ ምልእተ…” እናበለት ናባና ገጻ ምስ ቀረበት እናጐየኹ ኣብ ክሳዳ ክጥምጠማ ኣይጸላእኩን። ድምጻ ምስ ሰማዕኩ ስምዒተይ ተኸፋፈለ። ኣብ
ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ልክዕ ናይ ዕስራ ዓመት እርጋን ኣመዝጊባ ነይራ። ኣብ ገጻ ዝተወቕጠ እርጋንን ክትንቀሳቐስ ከላ እተርእዮ ዝነበረት ምግዳልን ኣስተውዒለ: ብድሕረይ ኣብ ገዛና ዝነበረ ኵነታት ክግምት ፈተንኩ።

ከም በዓልቲ ውራይ መጠን ንዅላትና ሰላም ክትብል ብዙርያ መጸትና። ኣባይ በጺሓ ኢዳ ምስ ጨበጥኩ ፍሉይ ስምዒት ወረረኒ። ካብ ካልኦት ኣባላትና ንላዕሊ ጨቢጠያ ደው ከም ዝበልኩ ደንጕዩ’ዩ ተረዲኡኒ። ክሳብ ክንድኡ ብስምዒት እንተ ተኸፋፊለ ክውጥኖ ዝውዓልኩ ናይ ምውሳእ ተራይ ብቐሊሉ ኣይክወጾን’የ።

መብዛሕትኦም ጸበል ክካፈሉ ዝመጹ ኣጋይሽ ንሕና ምስ ኣቶና: ተጋደልቲ ናይ ምርኣይ ወኖም ኣጽጊቦም ወይ ድማ እቲ ክርእዩዎ ሃረር ዝብሉ ምስሊ ተጋዳላይ መቕርቦም ኣብ መንጐና ምስ ሰኣኑዎ ይዀኑ ቀስ-ብቐስ ወሓዱ። ገዛና ከኣ እቶም ናይ ቀረባ ቤተ-ዘመድ ጥራይ ሒዛ ተረፈት። ክንደይ ረሲዐዮም ዝነበርኩ ደቂ ዓዲና ምስ ረኣኹዎም እኳ እንተ ሓደሰኒ: ብቐንዱ ልዕሊ ኣባላት ስድራይ ክሰርዖም ስለ ዘይከኣልኩ ግን ውሑድ ጥራይ ብዛዕባኦም ሓሲበ ናብቲ ወጢሩኒ ዝነበረ ኵነታት ገዛና ተመለስኩ።

እንግዶት ምስ ተቐረበ: ንኸመስልን ኣቓልቦ ከይስሕብን ጥራይ ኢደይ መላለስኩ። ብሓይሊ ፈቲነ: ኵላሶ ንምውራድ’ውን ተጋደልኩ። ክሕተት ዝገበኦ ሕቶታት ኣብ ሓጺር ግዜ መልሲ ክሰምዕ ተሃንጠኹ። ኣቦይ እታ ቀደም ዝገደፍኩዋ ስእሉ እምበር ብኣካል ኣይረኣኹዎን፣ መሓሪ ሓወይ ብኣካል እንተ ዝነብር ግድን ኣብተን ዝጸናሕናለን እዋናት ክቕልቀል ዝነበሮ ከምቲ ዝገመትኩዎ ኣይመጸን፣ ለተንስአ ሓብተይ ተመርዕያ ክትከውን ትኽእል’ያ ኢለ ፍርሐይ ከህድም እኳ እንተ ፈተንኩ መሊአ ግን ኣይቀሰንኩን። ብኣንጻሩ: ቅምጥ ኢለ ንለተንስአ ሓብተይ እትመስል ከባቢ ዓሰርተ ዓመት እትኸውን ቈልዓ ናብዚን ናብቲን ክትብል እርኢ ብምባረይ ብድሕረይ ዝተወልደት ሓብቲና ክትከውን ከም እትኽእል ገመተኩ። ለተንጉስ ሓብተይ’ውን ነዊሕ ረሲዐያ ጸኒሐ ሃንደበት ምስላ ኵልዕ በለኒ። ንስኻ’ኸ ተመርዕያ’ዶ ትኸውን?

ወረ ክንደይ ዓመታት ስለምንታይ’የ ብዛዕባ ስድራይ ዘይሓስብ ነይረ?! ዝኸዳዕኩዎም ስለ ዝመሰለኒ ናይ ነብሰ-ውንጃለ ስምዒት ገረፈኒ። ንሳቶም ክኣትዉን ክወጹን ብዛዕባይ ከም ዝሓስቡ ኣይሰሓትኩዎን። እንተ ኣነ ግን ኣመና ንዝቐርቦም’ውን ኵነታቶም ከዕልሎም ኣይዝክረንን። ክንድኡ ዝገዝፍ ከልካሊ ዝኽሪ ድፋዕ ሰሪሐ ንዓመታት ምጕዓዘይ ሽዑ ተረድኣኒ። ኣብቲ ፈለማ ምስላፈይ ርግጽ ነዊሕ ብዛዕባኦም እሓስብ ነይረ’የ። ጸኒሖም ግን ቀስ-ብቐስ ካብ ዝኽረይ እናረሓቑ መጺኦም። ደጊመ ክሓስቦ ብንእሽቶይ ምግዳለይ’ዩ ከምኡ ገይረ ክርስዖም ደፊኡኒ ዝኸውን። ኣብ ገድሊ ብዙሓት ስድራ ስለ ዘጥረኹ’ውን ዝተክኡለይ መሲሉኒ ይኸውን።

ራሕቂ ቦታ ኣብ ዝኽሪ ዓቢ ግደ ከም ዘለዎ ትዝ በለኒ። ነቲ ኵሉ ጎቦታት ሳሕል ሰንጢቐ: ብዝኽሪ ንዓዲና ክምለስ ይነውሓኒ ነይሩ ይኸውን። ምናልባት ከኣ ተደፋኒቐ ካብ ሰውራዊ መስመረይ ዝሕጥ ከይብል: ንስድራይ ካብ ዝኽረይ ክረሕቖም ትሕተ-ውነይ ደፊኡኒ ይኸውን። ብኣዝዩ ውሑድ ዓቐን ዝኽሪ እሞ ከኣ ብሃሳስ ምስሊ ይመላለሱኒ ምንባሮም ኣይረሳዕኩን። ቀጻሊ ኣብ ዝዅሕኵሑኒ ግን ቀልጢፎም’ዮም ዝሃፉ ነይሮም። “ንምዃኑ ስድራ ነይሮምኒ ድዮም ወይስ ኣብዚ ሜዳ’የ በቚለ:” ዝብል ሓሳብ ሳሕቲ ይሻመወኒ ከም ዝነበረ ዘኪረ ነብሰይ ፈንፈንኩ። እናዓበኹ: ዝኽረይ ተሓዲሱ: መበቈል ዓደይ ከገድሰኒ ምዃኑ ሃንደበት ተዘከረኒ።

“ደሓን… ደሓን መኣዲ ይዓቢ ኣብ ዘለዎ ከለዉ ጥራይ ሰላም በልዮም’ዛ ጓለይ:” ኢላ ንሓንቲ ቈልዓ ሓዚላ ብደገ ዝኣተወት መርዓት ኣመልከተት ኣደይ። ምስቲ ኵሉ ዘርኣየቶ ዕብየትን ሕሰም ናብራ ዘበገሶ ዝመስል ለውጢን: ብሓንቲ ጠመተ ለተንሰአ ሓብተይ ምዃና ቆብ ኣበልኩዋ። ኢዳ ክትንክፍ ሃረር ስለ ዝበልኩን ምናልባት ከኣ ብኣካል ዘተናኽፍ ኣጋጣሚ ከይተፈጥረ ንዘልኣለም ከይንፈላለ’ሞ ክጠዓስ ከይነብርን ኢለ: ኣንጻር ትእዛዝ ኣደይ: ሰላም ንኽብላ ኢደይ ወስ ኣበልኩ። ግንቦ ኢደይ ምስ ተንከፈትኒ ካብታ ናይ ኣደይ ዘይትፍለ ተዘዝታ ፈጠረትለይ። ንገለ ብኢዶም ንኻልኦት ከኣ ብማዕዶ ሰላም ኢላ ከኣ ንውሻጠ ሓለፈት።

“ዓባይ ጓለይ’ያ… ምንኣስ ቦኽሪ…” ኣብ ፊትና: ኣብ መደብ: ትሕቲ’ቲ ቆፎ ኮፍ ኢላ ዝነበረት ኣደይ መግለጺ ሃበት ለተንሰኣ ሓብተይ ንውሻጠ ምስ ተኸወለት። “እቲ ቦኽሪ’ኳ ቀደም ምስ ከደ’ዩ ምሳኹም’ዩ ዘሎ:” ኣስዓበት ሓውሲ ምቝዛምን ንዓና ብዝጥዕም ኣዘራርባን። ብዛዕባይ ይዝረብ ምንባሩ ፈሊጠ ነብሰይ ቅፍፍ በለኒ። ምስ ጥፉኣት ድየ ትጽብጽበኒ ወይስ ምስ ህሉዋት ክፈልጥ እታ ዕላል ክትቅጽል ደለኹዋ። ተጋዳለይ ክለዓል ከሎ ምስ መስዋእቲ ተኣሳሲሩ ስለ ዝመጽእ: እሞ ከኣ እቲ ዝኸፍአ ወገን ስለ ዝጥመት: “መን ደኣ ይበሃል? ኣበይ ኣሃዱ’ኸ ኣሎ?” ኢሉ ክሓትት ዝህንጠ ተጋዳላይ ዳርጋ የሎን። ኵላቶም ኣባላት መስርዕና ግን ብውሽጦም: “ገለ ኣይትፈልጡዎን?” እትብል ሕቶ ክትስዕቦም ምዃና ኣይዘንግዑን ይዀኑ።

“እዚ ጸበል ደኣ ናይ ምንታይ’ዩ ኣደ?” ኣሻቒላትኒ ዝነበረት ሕቶ ኣበይ ከም ተዕልበኒ ከይፈለጥኩ ሰንደኹዋ። ንኽንደይ ኣደታት “ኣደ” ኢለ ጸዊዐ እኳ እንተ ነበርኩ: ነታ ዝወለደትኒ ከምኡ ኢለ ክጽውዕ ከለኹ ግን ቅድሚ ሕጂ ዘየስተወዓልኵሉ ፍሉይ መቐረት ነይሩዎ። ቅድሚ ሜዳ ምውጻአይ ነታ ቃል ብኾንቱ አልዕላ ምንባረይ ኣይሰሓትኩዎን።

“እንታይ ትብል’ዚ ወደይ?” ወደይ! ወደይ! ወደይ! ኣሽሓት “ወደይ”ዝብላ ቃላት ከምዚ ኣብ ዲጋ እምኒ ምስ ደርበኻ እናገፍሐ ዝኸይድ ከቢብ ምስልታት: እተን ቃላት’ውን ነቲ ከባቢ መሊአን ከዕለቕልቓ ተሳእላኒ። ንዅላትና ከም ደቃ ሓሲባ “ወደይ” ትብለኒ ምንባራ አስተውዕል ደኣ’ምበር ፍሉይ ስምዒት ግን ሻሞጠኒ። ንእግረ-መገደይ ከኣ ኣደይ: ብድሕረይ: እዝና ክጻንዓ ከም ዝጀመረ ተረዳእኩ።

“እዚ ውራይ ናይ ምንታይ’ዩ?” በለ እድሪስ ላዛ ብዘይብሉ ኣገባብ: ኵላሶ ኣብ ኣፉ የእትዩ።

“ዝኽሪ ናይ በዓል-ቤተይ። ሎሚ ሳልሳይ ዓመቱ’ዩ።” ሓጻር: ገላጺትን ሓባሪትን መልሲ። ኣብታ ህሞት’ቲኣ ኣነ ጥራይ እርዳእ ምንባረይ ዝፈለጠ ሰብ ኣይነበረን። ኣደይ’ውን ነታ ቃል ኣፍኲሳ ካብ ኣውጽኣታ ካብ ስምዒት ርሒቓ ተዘንቱ ምንባራ ኣስተወዓልኩ። ከምቲ መስዋእቲ ናይ ቀረባ መጋድልተይ ክሰምዕ ከለኹ ዝዀኖ: በርቂ ዝመስል ገዚፍ ሓይሊ ብርእሰይ ጀሚሩ: መላእ ኣካላተይ ጠቢሑ: ኣብ መሬት ተሰትየ። ነቦይ ሓንሳብ ብዝኽሪ ክምለሶ ብዝብል ሓሳብ ርእሰይ ኣቕኒዐ ናብ ስእሉ ተመልከትኩ።

“ብላዕ እባ ወዲ-ጅምዓ። እዚ ኵሉ ራሕባ ምሉእ ቦጅቦጅ በይንኻ ትውድእ ከም ዘይነበርካስ ኣብ ሎሚ በጺሕካ…” መለሰትኒ ጓል-ሃይለ።

“እበልዕ ኣለኹ!” ሰንቢደ ናብ መኣዲ ተመለስኩ። ኣስምር ኣቢለ: ኣደይ ክትሰምዓ ብእትኽእል መገዲ: “ወዲ-ጅምዕ” ኢላ ስለ ዝጸወዓትኒ ቍሩብ ሮፍ በልኩ። ክሳብ ግንባረይ ብዕማ ተሸፊነ እኳ እንተ ነበርኩ: ገለ ዘይርዳእ ውሽጣዊ ሓይሊ ሓጊዙዋ ኣደይ ከይተላልየኒ ስግኣት ነይሩኒ። ወዲ-ጅምዕ ዝብል ስም ምስ ሰምዐት ግን ጌጋ ግምት ምንባሩ’ውን ክስቈራ ይኽእል’ዩ። ፈጺመ ሓሲበላ ዘይፈልጥ: ብወዝቢ ዝለገበትኒ ሳጓ: ኣገልግሎት ከም ዘለዋ ሽዕኡ ተረዲኡኒ። ናብ ሓድሽ ኣሃዱ ምስ ተለወጥኩ’የ “ወዲ-ጅምዕ ዝብሃል ኣባል’ዛ ጋንታ ዝነበረ ትመስል” ኢሎም ነታ ሳጓ ኣጥቢቖምለይ። ብድሕሪኡ ተወሃሂዳትኒስ ስመይ በራኺ ምዃኑ ክሳብ ምርሳዕ በጺሐ። ወዲ-ጅምዕ እበሃል እናበልኩ’የ ምስ ጋሻ ዝላለ። ብሕልፊ እቲ ብድሕሪኡ ስሙ ዝሓዝኩ ብጻይ ከም ዝተሰውአ ምስ ፈለጥኩ: ነታ ስም ዝያዳ ኣፍቀርኩዋ። እንትርፎ ኣብ መዝገብ: ሓቀኛ ስመይ ዝፈልጥ ኣባል ጋንታና’ውን ውሑድ’ዩ።

ኣብ መላግቦ ግንባረይን ኣፍንቓይን ጨሊፋ ዝሓለፈት ጥይት: ነቲ ናይ ቀደም መልክዐይ ኣብ ምግጋይ’ውን ተራ ይህሉዋ ኢለ ሓሰብኩ። ሰለስቲኡ ደማሚረ: እቲ ከይልለ ዝብል ስግኣተይ ናብ ዓሰርተ ሚእታዊት ኣውረድኩዎ።

መኣዲ ተበሊዑ: ርግእ ኢልና ከነዕልል ብዙርያ ኮፍ በልና። ኣባላት መስርዐይ ህይወት ከበሳ ሓዲሱዎም ገና ኣብ ፈንጠዝያ ዝነበሩ’ዮም ዝመስሉ። ምናልባት ካብኣቶም ብዙሓት ገዛውቶም ስድራቤቶምን ዘኪሮም ይዀኑ።

“እንህለኽልኩም ክንደይ ከም ዘይወለድኩ እዛ ሓንቲ ቈልዓ ጥራይ ሒዘ ተሪፈ። እዛ ዓባይ ጓል ሕጂ’ያ ተፈቲሓ መጺኣ: ምንኣሳ ከኣ እንዳ ሓሙኣ ኔው’ዩ ኣብኡ ኣላ:” ኢላ ኣደይ ከተስቈምቍም ጀመረት። ብድሕረይ ክንደይ ሕሰም የሕሊፋ ክትከውን ከም እትኽእል ገመትኩ። ለተንጉስ ሓብተይ ተመርዕያ ብህይወት ምህላዋ ጠልጠል ኢሉ ዝነበረ ርቡጽ ጎነይ መወደቒ ረኸበ።

“ተፈቲሓ እባ ኣይትበላ ኣትን’ደ፣ ተፋቲሖም’ዩ ዝብሃል። እቲ ሓዳር እኳ ሰብኣይ ጥራይ ኣይኰነን ዝምስርቶ። ስለዚ ተፋቲሖም’ዩ ዝኸውን ዘሎ:” ጓል-ሃይለ ክትዕ ክትጸምድ ተበገሰት። ማዕርነት ደቀንስትዮ ዝኣምነሉን ዝቃለሰሉን ዕላማ’ኳ እንተዀነ: ጓል-ሃይለ ኣብ ገዛና: እሞ ከኣ ነታ ዘፍቅራ ኣደይ ተዋጥራ ምንባራ ቆለጭ በለኒ።

“እንታይ መለሳ ኣለዎ’ዛ ጓለይ ኵሉ ሓደ’ዩ። እታ ጽብቕቲስ ሓንቲ ቈልዓ ስለ ዝወለደትሉ መዘናግዒ ረኺባ እምበር ጽቡቕ ኣይፈደያን፣ ደዊኑዋ’ዩ።”

“እንታይ’ዩ ወሊዳትሉ ኢልካ’ኸ? ወሊዶም በላ:” ቀጸለት ጓል-ሃይለ። ኣነ’ኳ ስቕ እንተ መረጽኩ: ኣባላት መስርዕና ግን ክድህሉዋ ብምባል ኵላቶም ኣዒንቶም ኣፍጠጡላ። ዝያዳ መግናሕቲ ወይ ደገፍ ካባይ ግዲ ተጸብዮም ከኣ ዳርጋ ምሉኣት ኣዒንቲ ናባይ ተወርወራ።

ወልፊ ቡን ፍጹም ኣይነበረንን። ኣብ ምሉእ ዕምረይ ሰትየ ዝፈልጥን ዘይፈልጥን’ውን ተጠራጠርኩ። ኣብ ሽዑ በጺሐ ግን ኣብቲ ገዛ ነዊሕ ክጸንሕ ስለ ዝደለኹ ነቲ ዝቐረበልና ናይ ቡን ጠለብ ከም ዘይንቃወም ገለጽኩ።

ሓንሳብ ኣዝዩ ዘገድሰኒ: ካልእ እዋን ፈጺሙ ዘየድልየኒ ደቀቕቲ ዝርዝራት ካብ ኣደይን ዝተረፉ ኣዝማድን እናዋህለልኩ ነዊሕ ጸናሕኩ። ናጽነት ኰይኑ ምናልባት ከኣ ብህይወት እንተ ኣትየ: ተመሊሰ ንገዛና መጺአ ከም ዝነበርኩ ምስ ዝነግሮም ከመይ ዝበለ ኣሰናብዳ ክስንብዱ ከም ዝኽእሉ ክስእሎ እፍትን ነይረ። ደጋጊመ እቲ ሃረር እትብሎ ወዳ ኣነ ምዃነይ ነደይ ክነግራ ድንዕ እብል ነይረ። ጸኒሑ ግን ሓሳባተይ አፍርሓኒ። ንወሳኒ መጥቃዕቲ ንኸይድ ምንባርና ኣይሰሓትኩዎን። ኣብቲ ውግእ እንተ ተሰዊአ ነታ ረኺቦማ ዝነበሩ ተስፋ ክስእኑዋ እዮም። ከምታ ቀደም ዝቐበጹዋ ክሳብ መወዳእታ ዕድሎም ክርእዮ ከኣ ወሰንኩ። ብቐደሙ ደሃይ ዘይልእከሎም ዝነበርኩ’ውን ኣብ ሓዲግ ተስፋ ከየንብሮም ብምባል’የ።

ብዙሓት ፈዳኢን ብጾት: ንኸተማ ምስ ኣተዉ ደቂ-ገዛውቶምን ገዛውቶምን ርእዮም ከም ዝተደፋነቑ: ካልኦት ከኣ ንዓዶምን ገዛኦምን ተጐዝጒዞም እናሓለፉ ገጾም ሸፊኖም ከም ዝሰገሩዋ ከዘንትዉ እሰምዕ ነይረ። ንዛታኦም ከም ተራ ነገርን ኣብ መስርሕ ቃልሲ ከጋጥም ባህርያዊ ምዃኑን እሓስቦ እኳ እንተ ነበርኩ: ኣባይ ምስ ወረደ ግን ክብደቱ ክርደኣኒ ጀሚሩ። ናፍቖት ክሳብ ክንድዲ ድዩ ኵርማጅ ኣውጺኡ ዝገርፍ! ኣብ ኵርናዕ ገዛና ተቐሚጠ ኵሉ ናይ ቀደም ምስ ረኣኹዎ ክሃፍ ቍሩብ ተረፈኒ። ዝድቅሰሉ ዝነበርኩ ንእዲ: ዝሰትየሉ ዝነበርኩ ጓጉድ: ዝበላዕኵሉ መሶብ: ዘናብረኒ ቆፎ…! ብሕልፊ ከኣ ካምቻይ ዝነበረት መከላኸሊ ደሮና ተባሂላ ስፈ ሸፊና ምስ ረኣኹዋ ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጦ ስምዒት ኣውዲቑ ሓሰየኒ። ነቶም ካብ ገድሊ ብወዝቢ ንዓዶም ምስ ተኣልዩ ብእኡ ገይሮም ዕጥቃዊ ቃልሶም ዘቋርጹዎ ይቕየመሎም እኳ እንተ ነበርኩ: ኣብ ሽዑ በጺሐ ግን ሓደግኩሎም ደኣ። ብሕልፊ ቈልዓ-ሰበይቲ ገዲፎም ዝወጹ እቲ ቃልሲ ክሳብ ክንደይ ከም ዝመሮም ተሳእለኒ። ነቶም ብዕድመ ዝዓብዩ መገድልቲና ብደቆም ንሽምጥጦምን ንጻወቶን ዝነበርና ንኣሽቱ ኢሎም ይጽመሙና ከም ዝነበሩ በርሃለይ። ለካ እቲ ቃልሲ ዘቐጽሎ ዘሎስ ብዙሓት ካብቶም ተጋደልቲ ካልእ ህይወት ዘይረኣዩ መንእሰያት ስለ ዝወሓጡዎ’ዩ። እምበር ብዙሓት
መነባብሮ ገዲፎም እንተ ዝመጹስ: “ብናፍቖት ስድራ ተሰዊኡ:” “ብትጽቢት በዓልቲ-ቤቱ ሰንኪሉ:” “መነባብሮኡ ብሕልሚ ተራእዩዎስ ለሚሱ ሓዲሩ:” ወዘተ. ዝብል ዛንታታት ምሰማዕና።

ኣደይ ንውሻጠ ኣትያ: ኣብ ገዚፍ ፍሬም ዝኣተወ ስእሊ ሒዛትልና መጸት። ክንርእዮ ናባና ኣቐቢላ ከኣ: “እንህለኩም እዚ’ዩ በዅሪ ወደይ። በራኺ’ዩ ሽሙ፣ ቀደም መዓንጣ ከይቈጸረ ሃጽ ኢሉ ናባኻትኩም ምስ ወጸ ሽታ ማይ ኰይኑ። ዘዝመጹ ተጋደልቲ ሓቲተ’ሞ ደሃዩ ኣይረኸብኩን፣ ኣብ ሳሕል’ዮም ዘለዉ ክበሃል ጥራይ መዋእል ኰይኑ።”

ብኣባላት መስርዕና ዘይራ: ናይ ንእስነት ስእለይ ኣብ ልዕለይ በጽሐት። ናይ ንእሽቶይ ስእሊ ስለ ዘይነበረኒ: ከመይ ይመስል ምንባረይ ክርኢ ስለ ዝደለኹ: ተቐቢለ ቀው ኢለ ጠመትኩዋ። ሃንደበት ኣብ ልዕሊኣ ንብዓት ከየንጥብ ስለ ዝፈራሕኩ ከኣ ከምታ ዝመጸትኒ: ገና ርእየ ከይጸገብኩዋ: ናብቶም ዝቐጸሉ ኣሕለፍኩዋ። ምናልባት ስእለይ ሓጠቕ ዝበለቶ ወዲ-መስርዕና ኣይሰኣንን ይኸውን፣ ብድሕሪኣ እትስዕብ ሰንሰለታዊት ሕቶ ዘይተመኰረላ ተጋዳላይ ስለ ዘየሎ ግን ደፊሩ: “ኣብ ገለስ ዝረኣኹዎ ይመስለኒ:” ዝብል ክህሉ ከም ዘይክእል ተኣማመንኩ።

“ገለ ኣይትፈልጡዎን?” ብተስፋ ንምሉእና ብጠመተ እናዘሮት ሓተተት ኣደይ። ነዛ ሕቶ’ዚኣ ንኽንደይ ተጋደልቲ ሓቲታቶም ከም እትኸውን ርዱእ’ዩ። ብተመሳሳሊ እዛ ስእለይ ኣብ ክንደይ ተጋደልቲ በጺሓ ትኸውን! ብሕጂ’ውን ከይሰልከየት ክትደግማ–አረ ክትደጋግማ ምዃና ርጉጽ ነበርኩ።

“ሳሕል ክበሃል ከሎ’ኳ ኣዝዩ ገፊሕ’ዩ ኣደ። እዚ ኵሉ ተጋዳላይ ኣብኡ እንድዩ ዘሎ። ብኣሃዱታት ስለ እንፈላለለ ከኣ ክትፈልጦ ከቢድ’ዩ፣ ኣጋጣሚ ጥራይ ኢኻ እንተ ተራኸብካ:” መብርሂ ሃበ ወዲ-ብርዡዋ።

“ኣየ’ወ እዚ ብርሃን ዓይነይ! መዓንጣ እኳ ዘየቈጸረ! ዓሰርተ ሰለስቲኡ ከይመልአ’ዩ ከይዱ።”

“መዓስ’ዩ ተሰሊፉ?” ቀጸለ ወዲ-ብርዡዋ።

“ጽባሕ ምኪኤል 15 ዓመቱ ክመልእ’ዩ።”

ዝተሰለፍኵሉ ዕድመ ብኽልተ ዓመት ኣንኢሳ: ንውሓት ኣብ ሜዳ ዝጸናሕኵሉ ግዜያት ከኣ ብሓሙሽተ ዓመት ምዝያዳ ድንግርግር በለኒ። ክሳብ ክንድኡ ዝኽራ ዝተሓዋወሳ ኣይትመስልን ነበረት። ጸኒሐ እንተ ሓሰብኩዎ ግን እቲ ዘንኣሰትኒ ገና ርእያ ስለ ዘይጸገበትኒ፣ ምንዋሕ ናይ ቃልሲ ዓመታተይ ከኣ ምስ ናፍቖት ተደራሪቡዋ ክኸውን ከም ዝኽእል ገመትኩ። ብእኡ መንጽር: ክሳብ ክንደይ ናፊቓትኒ ከም ዘላ ነዛ ሓንሳብ ጥራይ ክትርእየኒ ዘለዋ ሃረርታን ሰኣልኩዎ።

“ዋላ ኣብቲ ሳሕል ትብልዎ ከይደ ነዛ ንዓይነይ ጥራይ ርእየዮ እንተ ዝምለስ:” ኢላ ነታ ነታ ኣብ ልበይ ዝነበረት ሓሳብ ኣቃልሓታ። ኣብ መንጐ ወዲን ኣደን ዝነበረ ምትእስሳር ዕትብቲ ዝያዳ ተጣበቐ።

“ካሊእ ወዲ’ከ ኣለክን ድዩ ዋላ በስ ንሱ ጥራይ’ዩ?” ምስታ ወዲ-ጅምዕ እትብል መጸውዒተይ ከመሳስል ብዝበርትዐ ናይ ትግረ ላህጃ ሓተትኩ። መጠኑ ዝሓለፎ ናይ ምውሳእ እጃመይ ንደቂ መስርዐይ’ውን ሓዲሱዎም ይኸውን። ሕቶይ ብተዘዋዋሪ ኵነታት መሓሪ ሓወይ ንምፍላጥ’ያ ነይራ።

“ምንኣስ ምንኣሱ’ባ ነይሩ። ንሱ ከኣ እንህለኩም እዛ ቤት ዓድዩ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣሰሩ ስዒቡ፣ ገዛ ዘኸስትን ዘይብላ ሰብኣይ ተሪፋ። ኣብዛ ገዛ እዚ ትርእዩዎ ዘለኹም ሓደ ተባዕታይ ከልቢ ጥራይ’ዩ ዘሎ። ንሱ ከኣ ብቐዳማይ ቈንጪ ወዲኦሞ ኢልና ዲዲት ጌርናሉስ ጸላዕላዕ ኢሉዎ ክመውት ደልዩ እንህለኩም…” ኢላ ናብቲ ኣብ ኣፍደገ ተረይዑ ጸሓይ ዝጽሎ ዝነበረ ከልቢ ኣመልከተትልና። ሃንደበት እንታይ ከም ዘሕረቓ ከኣ: “ኪድ እስከ’ታ ኣልግስ ሓሉ! ኣልግስ ኪድ!” ኢላ ገለ ውዳቕ ደርበየትሉ።

ኣቐዲመ ዝቐርጾ ዝነበርኩ ምስልታት ቀስ-ብቐስ ምሉእነት እናለበሰ መጸኒ። ክንደይ ገዛውቲ ተዓድየን ይዀና ኢለ ብንግሆኡ ዝሻቐሎ ዝነበርኩ: ገዛና’ውን ኣብ ደንደስ ምዕጻው ከም ዘላ ዕረ እናጠዓመትኒ ወሓጥኩዎ። ነቲ ተኸታትሊ ዝመጽእ ዝነበረ ዘሕዝን ዛንታታት ዝቕጽል ኣባል ስለ ዝተሳእነ: ኵላትና ቀባሕባሕ ኢልና ዘረባ ክትቅጽል ነደይ ጠመትናያ። እንትርፎ ዝኸፍአ: ካልእ ጥዑም ዛንታ ክንሰምዕ ከም ዘይኰንና ገሚትና ኔርና ንኸውን። ገዛና: ኣብ መንጐ ብዙሓት: ብሰንኪ መግዛእቲ ኣስናነን ዘጕረፋ ስድራቤታት ትኸውን ከም ዘላ ብገዚፍ ስእሊ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተገተረኒ። መሓሪ ሓወይ’ከ ምስቶም ምስ ነፍሲ-ወከፍ ሂምታ ተዅሲ ቀቢርናዮም ዝሓለፍና’ዶ ይኸውን ወይስ ምስቶም ነብሰይ ሓዊስካ: ኣብ መስርዕ መስዋእቲ ክንጽብጸብ ንጽበ ዘለና? “ጋሻ ተጋዳላይ እኳ ጥይት ተላልዮ’ያ” ዝብል ዝውቱር ዕላላትናን ብቐረባ’ውን ባዕለይ ከም ዝርእዮን እቲ ክኸውን ዝኽእል ምስሊ መጸኒ። ምስቲ ኣደይ ዝበለትኒ ዕለተ ምስላፉ ኣተኣሳሲረ: ኣብ መንጐ ዝነበራ ጽዕጹዓት ናይ ውግእ ዓመታት
ገሚተ: ነቲ ዝፈርሖ ስእሊ መስዋእቲ ካብ ሓሳባበይ ንምርሓቕ ተጋደልኩ።

“ኣቦኦም እኳ ብጓሂ’ዩ ሞይቱ፣ እምበር ኣየናይ ሓዳሪ ሕማም ደኣ ነይሩዎ?” ኣቦይ ቀቢጸዮ እኳ እንተ ነበርኩ: ኣብ ሞቱ’ውን ብተዘዋዋሪ ተራ ከም ዝነበረኒ ብወዝቢ ኣደይ ኣንፈሰትለይ።

“ሕጂ ደኣ መን ይሓርሰልክን?” ዕላል ናብ ካልእ ንምምእዛን ጓል-ሃይለ ሓተተት። “ይሓርሰልክን” እትብል ቃል ሸቕ ኣበለትኒ፣ ካብ ሰለስተ ሰብኡት ገዛና ኣንስቲ ጥራይ ሒዛ ምትራፋ ሓድሽ ስምዒት ወረረኒ።

“ኣሕሙትሙተይ። ሓንሳብ ከኣ ብወፈራ ዓዲ አሕርስ።”

ስቕታ! ሽቝራረ! ትጽቢት ንኻልእ መርድእ!

ኣደይ ነፍሲ-ወከፍ ኣፋ ኣብ ዝኸፈተትሉ: ድሒሩ ንዓመታት ከሳቕየኒ ዝኽእል: ሕንዚ ትዘርኣለይ ምንባራ ኣይፈለጠትን። ኣብ መንጐ ነቲ ገዛ ገዲፈ ሃጽ ክብል ደጋጊሙ ሓሳባት ይሻመወኒ’ኳ እንተ ነበረ: ዝዀነ ክኸውን ክሳብ መወዳእታ ክገጥሞ ግን ወሰንኩ። ኣብ ገድሊ ዘሕለፍኩዎ ነዊሕ መሪር ናይ ውግእን ኲናትን ዓመታት ኣብዚ’ውን ድርዒ ኰይኑ ንዝዘንብ ዝነበረ ወርወር ዘረባታት ክከላኸለለይ ደጋጊመ ነብሰይ ከረጋግእ ወሰንኩ። ዳርጋ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወስታ ግን ኣይተዓወትኩን። እንትርፎ እታ ብደገ ዘየንተጕኩዋ ሽፋነይ: ውሽጠይ’ሲ በዅቢኹ ዓጠስጠስ ደኣ በለ።

ኣባላት መስርዐይ ኣንፈት ዕላል ክልውጡ ግዲ ኢሎም: ኣብ ንሓድሕዶም: ዋዛ ዝተሓወሶ ዘረባ ጀመሩ። ምናልባት ነቲ ተኸታትሊ ዝመጽእ ዝነበረ ዘይጥዑም ዛንታታት ክሽፍኑዎ ደልዮም ይዀኑ። ኣነ ግን ምሉእ ውነይ ምስ ኣደይ ስለ ዝነበረ ዓይኒ-ዓይና ክጥምት ከፍኣኒ። ነታ ብድሕረይ ዝተወልደት ንእሽቶ ሓብተይን ለተንስአን ኣቓልቦ ከም ዘይሃብኩወን’ውን ኣይተረድኣንን።

“ሓደ ሽኦል ወዲ-ሓወቡኡ ነይሩ… ንሱ’ዩ ለኪሙዎ ከይዱ፣ እምበር እዚ ወደይ’ሲ ኣየናይ ኢሉዎ…” ኣደይ ንበይና ብዛዕባይ ትሓስብ ምንባራ ኣግሃደቶ። ምሳይ ንሜዳ ክጋደል ዝወጸ ትኩእ ወዲ-ሓወቦይ ንሱ ዘይኰነስ ኣነ’የ ክንጋደል ዝደፋፍኦ ነይረ። ብዕድመ ካባይ ይዓቢ ምንባሩ ግን: ብድሕረይ በዓል ኣደይ: ጠንቂ ምግዳልና ንሱ ምዃኑ ከም ዝኣምና ተረዳእኩ። ምስ ትኩእ ብሓደ ተዓሊምና: ብድሕሪኡ’ውን ኣብ ሓንቲ ቦጦሎኒ እዩ በጺሑና። ዓመት ኣይጸንሐን: ቀልጢፉ’ዩ ተሰዊኡ። መንነተይ ምሕባእ መሊሱ አሐጐሰኒ። ኵነታት ትኩእ ተሓቲተ እንታይ ኢለ ምመለስኩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ተወሓጥኩ።

ክንከይድን ክንጸንሕን ትእዛዝ ካባይ ክጽበዩ ዝጸንሑ ደቂ መርዕና በብተራ ብስያፍ ክጥሙትኒ ምስ ጀመሩ ሓጺር ከም ዘየገበርና ተረድኣኒ። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት እሞ ከኣ ኣብ ገዛና! ንዓይ ግን ኣመና ሓጺረናኒ፣ ግን ከኣ ዓርዒረናኒ!

ክንከይድ ምስ ተቐራረብና: ሓደ ነባሪ መዘከርታ ካብ ገዛና ክምላእ ከም ዘለኒ ዘከርኩ። ብጥቓይ ኮፍ ኢለያ ዝነብርኩ ነጸላ: ናይ መን ክትከውን ከም እትኽእል እንድዒ: ጠምጢመ ብትሕቲ ጃኬተይ ኣእተኹዋ። ኣብ ኢደይ ጠምጢመያ ዝነበርኩ ኩሹኽ ድማ ዝረሳዕኩዋ ኣምሲለ ብድሕሪ ዓንዲ ኣጐዝጒዘ: ብውሑዱ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ከም ትርከብ ገይረ ሓደግኩዋ። ሕጂ’ውን ናጽነት ኰይኑ ብሰላም እንተ ኣትየ ነታ ዝገደፍኩዋ ክሹኽን ዝተማላእኩዋ ኣንሶላን ኣልዒለ ነዊሕ ከውግዕ ከም ዝኽእል ትሑዝ ወሰድኩዎ።

ብምጥምማት ጥራይ ብሓንሳብ ብድድ ኢልና ክንወጽእ ተደፋፋእና። ካብቲ ዝወዓልኩዎ ንላዕሊ ብሕማቕ ዝኽሪ ክገርፈኒ ዝኽእል ኣጋጥሚ ክድገም ዝኽእል ኣይመስለንን። የማነ-ጸጋም ከይጠመትኩ ካብቲ ትርኢት ክኽወል ኣለኒ ዝብል ሓሳብ እኳ እንተ ነበረኒ: ባዕለይ ንነብሰይ ቀሺሸ ግን: እናወጻእኩ ቀባሕባሕ ምባል ኣይገደፍኩን።ብየማን ኣፍደገ ቤትና: ቀደም ኣቦይ ዘዕርፈላ ዝነበረ ብምራን ዝተሰርሐት ኣረጊት መንበር ኣሪጋን ጥንቅልዒት ተገልቢጣን ምስ ረኣኹ እንደገና ኣብ ትኽስ ዝኽሪ ተመለስኩ።

በየን ዝመጸኒ ቅልጣፈ’ዩ ኣይፈልጥን: ሃንደበት ግን መስርዐይ ብትኹል ክኸዱ ኣዚዘ: ኣሻበይ ካብ ድሕሪት ናብ ቅድሚት መጺአ መሪሐዮም ካብቲ ከባቢ ተኣለኹ።

እንታይ እዋንና ኣብ መዕረፊና ከም ዝበጻሕና: ኣብ ሓድሕድና ከይተዛራረብና ስለ ዝጸናሕና: ኣስተርሒና ቃላት ክንለዋወጥን ውዕሎና ክንግምግምን ተሃወጽና።

“ኣነስ እዚ ከበሳ ናፊቐዮ ነይረ’ሞ ከምዚ እንተዀይኑስ ብኻ ተሪፉና!” በለ ሃይለ።

“ከምኡ ድንዩ። ብሕልፊ ኣነስ ኣብዚ ገዛ ተባዕታይ ከልቢ ጥራይ ተሪፉ ምስ በለት ከም ገለ ገይሩኒ:” ኣስዓበ ወዲ-ብርዡዋ። ኣብ መንጐ መስርዐይ ኰይነ ንብዓት የንጀርብብ ምንባረይ ኣይተረድኣንን። ዓቚረዮ ዝወዓልኩ ስምዒት ኲኖኡ እንተ ዓብዒበዮ  ዘየድሊ ሕማም ክወስደኒ ምዃኑ ኣይዘንጋዕኩን። መዲበዮ ዘይኰነስ ባዕሉ ፈንጺጉኒ ከኣ: “ኣደይ እንድያ! ኣብ ገዛና’ኳ ኢና ጸኒሕና:” ኢለ ደርጓሕኩሎም።

“እ! እንታይ!” ብሓንሳብ ግልብጥ በሉኒ። ንዅላቶም ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ምግራም ከም ዘደየብኩዎም ኣይፈለጥኩን።

“ኣደይ’ያ! ኣደይ! ኣደይ!” ንብዓተይ ኳሌት ጃኬተይ ሓሊፉ ኣብ መሬት እናነጠበ ጨደርኩ። ካብ ምልእቲ መስርዐይ ከኣ ዝበርትዐ ናይ ስቕታ ኣውያት ሰማዕኩ።

29 ነሓሰ 2008

ኣስመራ

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email