ናብ ሲሃም. . .

No comments

ይዋእ ዕሸለይየ ዋና ጻዕዳ ልቢ

ዓመትኪ’ዶ ኮይኑ ሕማቕ ካብ ትረኽቢ?

እንታይ ትብሊ’ለኺ እንታይከ ትሓስቢ

ንብዓትዶ ትቖርሲ ካብ ዓርቢ ናብ ዓርቢ?

 

“ካብ…” ዶ ስኢንክሉ እዚ መልእኽቲ

ካብ  መቕርብ ኣይኮነን ካብ ፈተውቲ

ካብ ጋሻኺ ኣይኮነን ካብ በጻሕቲ

መሻግርትኺ’የ ናይ’ቲ ዘለኽዮ

‘ሰላምታይ’ ይብጻሕኪ ክንዲ “ኮሎክዮ”

 

ድሓንዶ ኣለኺኸ ከመይ ትህልዊ?

እንታይ ርኢኺ ኣብኡ ካብ ትኣትዊ?

ኣስካሕኪሑኪዶ ናብራ ኣብ’ቲ ጸልማት?

ፍልልይ ዘይብሉ ቋሕታ ምስ ምዕማት

ብተስፋ ጥራይ’ዩ ዝፍለ ካብ ምሟት!!

 

እስከ በሊ…

እንታይ በዲለዶ ትብሊ?

ኣቦኺ’ንድዩ ነይሩ ምኽንያት ዘይደሊ

ንእስነት ኣሽሓት ከምክን ከብሊ

ዕድሉ’ምበር ሃየ ተቐበሊ

ካብ ወረደ እንታይከ ክትገብሪ?

 

ሕነ ወጽዓይ፡ ፍዳ ዘለኽዎ

ኣብ ኣቦኺ’ኳ እንተደለኽዎ

እንቋዕ ረኸብክያስ ነይብለኪ

ወሪዱኪ’ምበር፡

ኣብ ምንታይ ውዒልኪ. . .

ኣንቲ ዕሸል! ውልዶ ሸዊት ብርስን

ጅሆ ናይ በዳሊ ምዃንኪ እሓዝን!!

ይርጋኣለም ፍስሃ

(2013 ማይ-ስርዋ)

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email