ናይ ደረስቲ ናጽነት

“ናይ ደረስቲ ናጽነት” ብዕለት 27 ሕዳር 1992 ኣብ ከበብ ሰራሕተኛታት ኣስመራ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ ብግርማይ ነጋሽ  ግርማይ ነጋሽ ንናይ ደረስቲ ናጽነት ኣመልኪቱ ኣስተምህሮ ሂቡ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ክበብ ሰራሕተኛታት ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ግርማይ ነጋሽ፡ እታ ሓደስ ሃገር ንመሰል ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝለዓለ ጠመተ ክትህቦ ኣስሚሩሉ ነይሩ። ኣብ ኣፍሪቃን ካልኦት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን ዝርአ ጭቆና ናጻፕረሰን ሓሳብካ ምግላጽን ድሕሪ ምዝርዛር ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ ገና ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ናጽነት ንዝተገንዘቦ ርድኢት ብኸምዚ ገሊጹዎ ነይሩ፤  “ብሕልፊ እኳ ደረስቲ ‘መንግስትና ከይነቐይሞ’፡ ወይ’ውን

Continue reading

ኣናብባይ ን”ሃብቱ ነዳቓይ”

ኣብርሃም ተስፋልኡል* ሃብቱ ነዳቓይ ትርኢቱ ብጸሓይ በሲሉ ዓይኑ ብድኻም ሰሊሉ ብስዋ ግን ተሸምጊሉ ሃብቱ … እናተመልሰ ቤቱ ወርሒ ወጽያ… ቅርኒብ ዓይኒ ተዃሒላ ዓውዲ ቀውዒ ተመሲላ ርእያቶ ርእዩዋ ስሒቑ ስሒቓ ብኡ-ብኡ ተብተብ ኢሉ ናብታ … ናብ … ናብ ጸማልያ መብራህቲ ሽሮ’ታ ድስክልቲ ሰበነ ቍንንቲ ብትንፋስ ትመውቕ ኣብታ ጸባብ ክፍሊ ሉቺ ተጸብያቶም ከም ወትሩ ብዓቕሊ ምንኻስ ኣምሲሉ

Continue reading

​ቅዋመይ

ቅዋመይ መንቀጽ ደመይ ከመይ ከመይ? ቀሪብኪ ኔርኪ ክትኣትዊ ዓዲ ትኽ ኢልኪ ከይትኸዲ ተኣሊኺ እንዳ እቲ ወዲ ፈቲኽዮ ዲኺ ብግዲ? ደንጒኺ ኣብ መገዲ እስከ ድሃይ ስደዲ ቅዋመይ ፈውሲ ሕማመይ ከመይ ከመይ? ኣይቆቡዕ ኣይሮቡዕ ንዒ እባ ሓዳር ግበሪ ንዒ እባ ኣመሓድሪ ንዒ መስከረም ንዒ ጥሪ ብፈረንጂ ዲኺ ብሓበሻ ትቘጽሪ? ቅዋመይ መንቀጽደመይ ከመይከመይ? ዶር/ ርእሶም ሃይለ ምንጪ– ዕንክሊል (2002) « GO BACK

The freedom of the Writer

Particularly, the writers will have to be alert against becoming victims of a paralyzing “self-censorship” that expresses itself in thoughts such as, “we should not offend our government,” or “maybe our government will not like this,” or “if I write this, people will think this.” One may ask the question “Why?” The answer – as

Continue reading

ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ፡ እምረታዊ መቓን ንሓርነት

“ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዉ ህዝብታት ንዓሰርተታት ዓመታት፡ አረ ገሊኡስ ንዘመናት ዝኣክል ብናይ ውሽጥን ወጻእን መበቆል ዘለዎ ጭቆና ተሳቕዮም እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ንሰብ-መዝን ገዛእትን ብዘይሕቶ ኣሜን ኢልካ ናይ ምእዛዝ ባህሊ ከምዝሰርጽ ተገይሩ’ዩ። ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ድማ፡ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ክህልዉ ብዝኽእሉ ማሕበራዊ ፣ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ሃይማኖታዊ ትካላት’ውን ከይተረፉ፡ ብደይመደይ ተዳኺሞም ጽግዕተኛታት ከምዝኾኑ ተጌሮምን፣ ወይ’ውን በቶም

Continue reading

ኣማኑኤል ኣስራት–ገጣሚ፡ ሃያሲ፡ ኣማእዛኒ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ

ኣብርሃም ተስፋልኡል* ገጣሚ፡ ሃያሲ፡ ኣማእዛኒ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ ብ1971፡ ካብታ ሸውዓተ ቈልዑ ዝወለደት ስድራቤት ኣስራት መብራህቱን ኣብርሃጽዮን ሃይለን ኣብ ኣስመራ ዝተወልደ ኣማኑኤል: ምንኣስ ቦኽሪ ኰይኑ: መባእታ ኣብቲ ሽዑ “ሰሜናዊ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፣ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሽወደን ኣኽርያ፣ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ሳንታ-ኣና (ናይ ሎሚ ሰማእታት) ወዲኡ። ብድሕሪኡ ኣብ 1989 ናብ ባህርዳር ብምኻድ ፔዳጎጂ (ትምህርቲ ስነ-ምምህርና) ንሓደ ዓመት

Continue reading

​እድሪስ ኣባ ዓረ ብዝፈልጦ

እስጢፋኖስ ገብረሚካኤ* እድሪስ ኣባዓረ፡ ብ1953፡ ኣብ ዓዲ-ሹማ ዝተባህለት ንእሽቶ ዓዲ ክውለድ ከሎ ብንእሽቶኡ ግን ንጊንዳዕ ብምምጻእ ኣብኡ ተማሂሩ። እድሪስ ኣብ 1970 ኣብ ህሓሓኤ ተሰሊፉ። ምስ እድሪስ ኣብ ጊንዳዕ ክንፋለጥ ይግብኣና’ኳ እንተ ነበረ፡ ትምህርቲ ክልተ ዓመት ድሕረይ ስለ ዝነበረን ኣብ በበይኑ ዞባ ንቕመጥ ብምንባርናን ተመሃሮ ከለና ዘራኽብ ኣጋጣሚ ኣይተፈጥረን። ናይ ቀረባ ፍልጠት ኣይንበረና ደኣ’ምበር ብማዕዶ ግን ከም ካልኦት ደቂ ጊንዳዕ እርእዮ ነይረ። ምስ ስዉእ ምንኣሰይ ሓወይ

Continue reading