መጽሓፍ “ኣበሳ ኲናት” ተምሳሌት እምቢታን ህያው ሰነድን

No comments

ኣብርሃም ተስፋልኡል*

ኣብ መወዳእታ ናይ ዓመተ-2025 ብመንገዲ ኣሕታሚ እምኵሉ ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሐት፡ “ኣበሳ ኲናት” ዝተሰምየት ሕሩይ ቅንየት ኣማኑኤል ኣስራት ብብዙሕ ምኽንያት ኣብ ከብሒ መጽሓፍቲ ነፍሲ-ወከፍ ግዱስ ኣንባቢ ክትቅመጥ ዘለዋን’ያ። እዛ 48 ግጥምታት–ካብ ጋዜጣታትን ናይ ቀረባ ፈለጥትቱን ብምውህላል–ናብ ማሕተም ዝበቕዐት መጽሓፍ ግጥሚ፡ ናይቲ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዙ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተጨውየን ገና’ውን ደሃዩ ዘየሎን ኣማኑኤል ኣስራት ከም ምዃና መጠን፡ ከም ሰነድ ጥራይ ዓባይ ህያብ’ያ። ምሕታም እዛ መጽሓፍ ድማ ኣማኑኤልን ካልኦት ኣሽሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ኤርትራ ተምሳሌት ኣንጻር ምርሳዕን እምቢታ ንስቕታን መሲላ ትስመዓኒ። ብሕልፊ እኳ ነቶም ተመሳሳሊ ዕጫ ዝገጠሞም ጋዜጠኛታት ኤርትራ፡ ከምቲ ኣርእስታ’ውን ዝገልጾ፡ እዛ መጽሓፍ ብልጽቲ መርኣያ ኣበሳ ኲናትን ንዕኡ ስዒቡ ዝተራእየ ቄናን ምሕደራን’ያ።

እዞም ግጥምታት፡ ደራሲ ቅድሚ ማእሰርቱ ዝጸሓፎም ደኣ ይዅኑ እምበር፡ ብግዜን ቦታን ፍንትት ኢልካ ክርእዩ እንከለዉ፡ ነፍሲ-ወከፎም ድምጺ ኣውያት ናይቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ሰማዒ ኣብ ዘይርከቦ ስንጭሮታትን ጎዳጕዲን ተሰዊሮም ዘለዉ ናይ ሕልና እሱራት ኤርትራውያን ይንበብ።ዕ

ኣብዛ መጽሓፍ ተጠርኒፎም ዘለዉ ግጥምታት ኣብ ምጅማር ሓድሽ መዋእል (2000) ዝተጻሕፉ ብምዃኖም ብግዜን ቴማታት ንመሳግሮ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ ዘንጸባርቑ’ዮም። ዳርጋ ኵላቶም እዞም ግጥምታት ዶባዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ይካየደሉ ወይ ድማ ኣብ ገሊኡ ኣዕሪፉ ንኻልእ ሰንፈላል ቦታ ኣብ ዝኸፈተሉ እዋን ዝተሰነዱ’ዮም። እቲ እዋን፡ ብብዙሕ ምኽንያታት ንዝደሓረ ምሕደራን ናብራ ኤርትራን ድፍኢት ዝዀነ ወሳነ መሰጋገሪ መድረኽ ከም ምዃኑ እምበኣር እዞም ተጠርኒፎም ዘለዉ ግጥምታት ናይቲ ወሳኒ እዋን ምስክር’ውን’ዮም።

ዳርጋ ኩላቶም እዞም ግጥምታት ብዝተፈለለየ ናይ ብርዒ ኣስማት ኣብ ጋዜጣ ዝተሓትሙ’ዮም። እዚ ልምዲ’ዚ ኣብ እዋን ጋዜጣታት ብሕቲ ኣዝዩ ዝውቱር ብምንባሩ–ሎሚ ደጊምካ ክትንተን እንከሎ–ምስክር ናይ ስእነት ምትእምማንን ዘየቋርጽ ፍርሒን ኰይኑ ይንበብ። እዚ ዘይንቡር ተርእዮ ንሰነድን ከምዚ ዝመስል ናይ ምእካብ መስርሕን ፈጺሙ ዘይምችእ ብምዃኑ እምበኣር’ዩ እዚ መጽሓፍ ንምጥርናፍ ተበግሶ ምስ ተወስደ’ውን ንምጽፋፉን ምጽጻዩን ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ዝሓተተ። እዚ’ውን ሓደ መርኣያ ናይቲ ግዜ ብምዃኑ፡ እዛ መጽሓፍ ብኸምኡ ዓይኒ ክትንበብ እንከላ፡ ካልእ ህያው ሰነድ’ያ።

ጽሑፋዊ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ (ብሕልፊ እኳ ናይ ትግርኛ) በበይኑ መድረኻት ሰጊሩ ኣሎ። ኣቐዲሙ ኣብ 1940ታትን 1950ታትን ኣብ እዋን ኣብ ጋዜጣታት ዝሕተም ዝነበረ፡ ካብቲ ኣፋዊ ቅንየት ብዙሕ ዘይፍለን’ዩ ነይሩ። ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲን ብማዕረኡ ድማ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኢትዮጵያን ዝነበረ ስፍራታት ግን–ትሕዝቶኡን ቃናኡን በበይኑ ደኣ ይንበር እምበር–ጽሑፋዊ መልክዕ ሒዙ። “ኣበሳ ኲናት” ኣብ ዝብብል ኣርእስቲ ተጠርኒፎም ዘለዉ ግጥምታት ከኣ ካብቶም ብኲናትን ውላድ ኲናትን ኣመልኪቶም ብተደጋጋሚ ዝጸሓፉ ዝነበሩ ግጥምታት ንምፍላይ ኣብ ዝብገሰሉ ዝነበረ እዋን’ዮም። እዞም ግጥምታት ዋላ’ኳ ካብቲ ኣዝዩ ዓብላሊ ቴማ ኲናት ፈጺሞም ዝተፈንተቱ ክዀኑ ዘይክእሉ እንተዀኑ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝጸሓፍ ዝነበረ ግን ብዝያዳ ኣብ ማሕበራዊ ህይወትን ነቶም ኣብ ዝተሓተ ቀጻላ ህይወት ዝርከቡ ወገናት ሕብረተሰብ ኣመልክቶም ዝተጻሕፉን ይርከቡዎም። ካብታ ኣርእስቲ ኰይና ተመሪጻ ዘላ ግጥሚ ኣትሒዝካ’ውን ነቲ “ዜና ዓወት” ዝትሕዝተኡ ግን ነዊሕ ሰረት ዝጸንሖ ቃናታት ግጥሚ’ውን ካልእ ኵርናዕ ብምቕላስ፡ እቲ ኲናት ዝወልዶ ኣበሳን ነባሪ ሰቖቓን ከርኢ ክኢሉ’ዩ።

ኣማኑኤል ኣስራት ብግጥምታቱ፡ ንሱ ኣብ ዘሰናድኦ ዝነበረ ጋዜጣ ዘመነ፡ ብህየሳዊ ጽሑፋትን ንሱ ዘማእከሎም መድረኻት (ቍርሲ ቀዳም ኣብ ጥዓሞት) ኣብ ምስግጋር ስነ-ግጥሚ ኤርትራ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ገይሩ’ዩ። ግጥምታቱ’ውን ሓደ ካብቶም ኣብ ወሳኒ እዋን ዝተጻሕፉን ነቲ ዝነበረ መድረኽ ዝገልጹን’ዮም። ምጥርናፍ እዚ ስራሕ እምበኣር በዚ ምኽንያት’ውን ኣዝዩ ኣገዳሲን መወከሲን ዝኸውን’ዩ። ሕትመት እዛ መጽሓፍ ፈላሚ ዕዮ ንምእካብ ስራሓት ኣማኑኤል፣ ተምሳሌት ወኪል ሰነድ ኣሽሓት እሱራት ፖለቲካ ኤርትራ፣ ምልክት ንቴማ ጸረ-ኲናት፣ መርኣያ ሓበጅራዋይ መድረኽ ሽቝረራርን ምስሳን ኣስማት ብርዒን ወዘተ. ስለዝዀነት ኣገዳስነታ ዕዙዝ’ዩ።

_______________________________________________________________________________________________________________

*ኣብርሃም ተስፋልኡል ናይ ፈለማ፡ ፈጻሚ ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ኰይኑ ካብ መፋርቕ 2021 ክሳብ ምዕጻው እቲ ረድዮ (መጋቢት 2025) ድማ ዋና ኣሰናዳኢ ድምጺ ኣመሪካ ፕሮግራም ትግርኛ ኰይኑ ሰሪሑ። ጸሓፊ zere1981@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

_______________________________

**ብኣሕታሚ እምኵሉ ዝተሰናደአት መጽሓፍ ኣበሳ ኲናት ንምግዛእ ካብዚ ወይ ድማ ነቶም ኣብ ኣመሪካ እትቕመጡ ካብዚ መሻጣ መጽሓፍቲ ሰማያት ኣብዚ መላግቦ’ዚ ብምጥዋቕ ክትእዝዙዋ ትኽእሉ።