‘ሸኻ ስምልተ እንተዘይትመጽእስ… ኣበይ ምሃለኻ፧’ ዝኽሪ ፈለማን መወዳእታን – ዮሱፍ መሓመድዓሊ

No comments

*ኣኸድር ኣሕመዲን

. . . ብፍላይ ኣብ ዝኽሪ ቅንያት ‘ቲ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ኣብ ኤርትራ ዝተዀልፈሉን፡ ተስፋ ዝተነብሮ መስርሕ ፖለቲካዊ ህንጸት ዝሓለቐሉን እዋናት. . .ስምካ እንክለዓል፡ ካብቲ ከም መሳርሕቲ፡ ከም ዓቢይ ሓው፡ ኣያን ንኡስን ኴንና ብሓባር ዝሰራሕናለን ዓመታት ምስንዳእ ጋዜጣ ጽጌናይ ነቲ ፈለማ ዝተላለናሉን መወዳእታ ዝተፈላለናሉን እዋናት እየ ዝያዳ ዝዝክር፤ ነናተን መዘክር ይነብረን!

ትዝክር ኢኻ. . . ናብ ምስንዳእ ጋዜጣ ቅድሚ ምምጻእ፡ ፈለማ ኣብታ ንብዙሓት ከም ዘይወግዓዊት ክበብ ጸሓፍቲ ዝነበረት ቤት ሻሂ ሸኻ-ስምልተ ኢና ተላሊላ – 1997። ካብ ሳዋ ታዕሊም ሻውዓይ ዙርያ ተመሊሰ፡ ንስኻ ነታ ክበብ ካብ ዋናታታ እንዳቦይ ሃለቃ ተካሪኻስ. . . ንዓማውል’ውን ከምቲ ዝነበርዎ ካብ ዋና ክትርከቦም ግዜ ኣይወሰድካን. . . ኣይርስዖን።

ሽዑ ካብ ገድልን ከርተት ሰደትን ዓዲ ኣቲኻ፡ ‘ናጽነት ኣብ ሃገረይ. . .’ መቺኡካ ምስ ስድራኻ ሩፍ ኢልካ ንፋስ ሓርነት ዓድኻ፡ ዕላል ምስ ደቂ ዓድኻን ከስተማቕር፡ እቲ ዝኽሪ ልክዕ ከም ሎሚ ሓዲስ እዩ።

ኣመና ዕላል ትፈቱ፡ ኣዕላልን ስለዝነበካ፡ ተዕልል. . . ሰባት፡ ብገድሊ ዝነብሩ፡ ካብ ስደት ዝተመልሱ፡ ኣብ ዓዲ ዝጸንሑ ፈለጥትኻ ዓጒጐም. . . ብናጽነት ተዕልል…ትካታዕ። ብዝነበረካ ምልከት ቋንቋታት ዓረብ ትግርኛ፡ ትግረን፡ እንግሊዝኛ’ውን ብመጠኑ . . ብኡ መንጽር መኽዘን ሓበሬታን ፍልጠትን ኢኻ ዝነበርካ።

ዓዲ ኣቲኻ፡ ካልእ ንጥፈታት ንግዲ ይዅን ዝካረ እንዳ ሻሂ ፈቲንካ ምንባርካ ኸኣ ‘ባ እዝክር፣ ደሓር ግን እቲ ‘ወዲ ሓጐስ’ ትብሎ ዝነበርካ ደላላ እዩ መስለኒ ኣጥበልቢሉ ናብታ ምስ ጸሓፍቲን ደሓር ጋዜጠኛታትን ዘላለየትካ እንዳ-ሻሂ ከራኽበካ ዝኸኣለ። ንደሓር ሕሳብ ግዲ ነቢርዋ ኸኣስ. . . ካብቲ ብዙሕ ጻዕርን ኰለል ኣሻብ ሰሊጡካ ኣብኣ ደኣ ዓለብካ. . .፤ ምስ ኵሎም ደቂ ‘ታ ክበብ ድማ ቀልጢፍካ ኢኻ ዝተጸናበርካ!

ነዛ ህሞት’ዚኣ እንክዝክር. . . ምስቲ ደሓር ዝዀነ ሕማቕ ተጓንፎ፡ ‘ናብ ሸኻ ስምልተ እንተዘይትመጽእስ ኣበይ ኰን ምሃለኻ፧ ሕጂ ኵሉሳዕ እሓስብን።

እቲ ሽዑ ብጽቡቕ ዝተሓስበ ንቕሎ፡ መወዳእታኡ ንዅሉ እንትናኻ ‘ሃኛካ!’ ኢሉ ምጽቃጡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካባኻ ሰጊሩ፡ ነቶም ህጻውንቲ ዝገደፍካዮም ደቅኻን፡ ነቲ ንማሕበራዊ ‘ቲ ከባቢ ጋሻ ዝነበረት ደገ ከይወጸት ኵሉ ባዕልኻ ትዓመላ ዝነበርካ በዓልቲ ቤትካ ኣኺሉ ክተርፎም ክርኢ እንከለኹስ. . . እቓዝን።

‘ናብዛ ገዛ እንተዘይመጽእስ. . . እዚ ኵሉ ኣይምዀነን ዶ፧’ ኢለ ምስ ነብሰይ እሓስብየ። ግን ከኣ ይመስለንን. . . ስብእናኻ፡ ኣብቲ ጸቢብ ወይ ዘየለ፡ ጨካን ዘየናሕሲ ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ክነብር ዝኽእል ኣይነበረን እሞ፡ በቲ ይዅን በቲስ . . . ኢለ እርእዮ። መቸም ከምቶም ብዙሓት ተስፋኦም ዝተዀልፈ፡ ናብቲ ዝተጸየንካዮ ናብራ ስደት’ኳ ትምለስ ኣይመስለንን። በዚ ይዅን በቲ ግን ካብ ምእሳር ግን ኣይመምለጥካን ከኣ እብል። እወ. . . ብኣረኣእያኻን፡ ድፍረትካን፡ ክፉት ዝነበረ ዕላልካንሲ. . . እምቧእ. . . ማእሰርቲ ደኣ ነቲ ህጻን. . . ህጻን ዝገደፍካዮ ወድኻ’ኳ ኣረኻኺብሉ……፡ ኣብ ገዛውትኹም – ኣኽርያ – ጕዳይ ቤት ትምህርቲ ዲያእ መጺኡ፡ ማእሰርትን ሞትን ሓጂ ሙሳ [ኣላህ የርሓምሁ] ስዒቡስ ማእሰርቲ ነቲ ህጻን ዝገደፍካዮ ወድኻ’ኳ ተኣሳሲሩ።

ኣብቲ ካሳ ሸኻ ስምልተ፡ ነተን ካብ ዝተፈላለየ መገዲ ኣየራት ዝመጽኣ ዝነበራ ዓበይቲ ጋዜጣታት ኦክያለኻ እናሰሓብካ ከተንበብ፡ እቲ ሰፊሕ ነባብነትካ ይረኣየኒ። ሽዑ እዝክር፡ ሕኑን ጀብሃዊ ስምዒትካ ኣይገደፈካን፣ ሓቂ ‘ሓይሽ ኣብቲ ግዜ ልዕሊ ዓቕምና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሃዋሁ ናጽነት ኣጽሊሉ ስለዝነበረ ብዙሕ ነገራት ኣየስተውዓልናን። ውሽጣዊ ኵነታትን ቅሩቝስን ሰውራ ካበይ ናበይ ከም ዝማዕበለን፡ እቲ ደሓር ኣብ ኤርትራ ዘሳፍሐ መላኺ ባህሪ ኣብ ታሪኽ ኣእቲካ ተዕልሎ ዝነበርካ ዝርሳዕ ኣይኰነን። ልዕሊ ኵሉ ግን፡ ካብ ትምህርቲ፡ ነቢይ መሓመድ ጠቒስካ ‘ከማ ተኵኑ ትወላ ዓለይኩ’፡ ማለት [መራሕትኹም ንዓኹም ይመስሉ] ዝብል ዝነበረ ኽርክርካ’ውን ሎሚ’ውን ዝዛረበሉ እዩ። እኩብ ኣተሓሳስባ፡ ባህልን ኣረኣእያን ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ መራሕቱ ይንጸባረቕ፡ ወይ ስነልቦና መራሕቲ ኣብ ምቕራጽ ተራ ኣለዎ፡ ግደኡ ይገብር እዩ ዝነበርካ ትንታነኻ – ህዝቢ’ውን ዲክታቶራቱ ባዕሉ እዩ ዝሰርሕ’ውን ትምጕት ነቢርካ!

ኣብ ጉዳይ ጽጌናይ ክንምለስ. . .ሓቂ ይሓይሽ ሽዑ ዝነበረና ዝንባለ ኣብ ስነጽሑፍ፡ ግጥምታትን ሓጺር ዛንታታት ምጽሓፍ፣ ንዕኡ ተሃንና ነውጽኣሉ ባይታ ምርካብ ድማ። ግዜ ስለዝሓለፈ ዶ ሕጂ ከነመላኽዖን ገዘፍቲ ሓሳባት ኣለልዒልና ክንፋጋእ. . . ! ግዳስ መድረኽ’ውን ስለዝስሕልን ዝሰርሕን ሲ፡ ጋዜጣታት ባዕለን፡ ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍትን ኣካየድተንን’ውን ኣብቲ መድረኽ እናተሳሕሉን እናወርጸጹን እዮም ከይዶም፣ [እዚ ንታሪኽ ምርምርን መጽናዕትን ዝጸንሕ’ዩ።]

እዝክር ሽዑ እዋናት፡ ጽልዋ ዓበይቲ ጋዜጣታት ኢትዮጵያ፡ ሪፖርተር፡ ኣዲስ ዘመንን  ካልኦት ብርክት ዝበላ መጽሔታትን ብመገዲ ኣየር ኢትዮጲያ እናመጽኣ ኣብ ጐደናታት ኣስመራ ይሽየጣ ስለዝነበራ፡ ጽልዋአንን ድርኺተንን ቀሊል ዝነበረ ኣይመስለንን።

ኣብቲ ከምኡ ዝበለ ሓድሽ መድረኽን ተመኵሮን ነጻ ፕረስ፡ ብውሕዱ ከማኻ ዝበለ ብሱል ኣያ፡ ብርግጽ የድልየና ነይሩ። ፈለማ ግን ንዓኻስ ፈጺምና፣ ክንደይ ግዜ ነግፈረግ ከም ዝበልና እንተ ትፈልጥሲ እንታይ ምበልካ ትኸውን፧ ከም ገለ ምሽ ኣሎ. . . ዕድል ተረኺቡ ነታ ህሞት እንተንጸውየላ’ሞ፡ ነቲ ዝወረደካ ስቓይን መከራን ርኢኻ፡ ‘ብኻ ተሪፋትኒ ዶ ምበልካ? ግን ኣይመስለንን – ሽዑ ዘይርስዖ ብሓጐስ እንዲኻ ተቐቢልካዮ። ከም ዜጋ፡ ኣብ ውልቃዊ ዋኒንካ ጥራይ ከይተደረትካ፡ ንዓድኻን ህዝብኻን ገለ ቅውም ነገር ክትገብረሉ ዘኽእል ባይታ ከም ዝመጽአ ሓሲብካ ክትፍሳህ ኣይርስዖን እየ። ደሓር’ውን ጠቕሊልካ ስራሕ እንዳ ሻሂ ገዲፍካ፡ ዓቲብካ ምስ ሓዝካዮስ፡ ብውሽጢ ዝንውንወካ ዕቝር ድሌትን ዓቕምን ከም ዝነበረ ርኢና መስኪርና ኢና – ኣይተጠዓስናን፡ ከምኡ’ውን ንስኻ።

ደሓር ግን እቲ ኣብ መፋርቕ 2000 ዝዀነ እዩ። ኣነ፡ ማቲዎስ ሃብተኣብ [ካብ መቓልሕ] ምልክያስ ምሕረትኣብ [ካብ ቀስተደበና] ቅድሚ ምሉእ ዕጽዋ ጋዜጣታት፡ ቅድሚ ሓደ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ኣቢሉ፡ በቲ ብኮሎኔል እዝራ ኣብ ሓዝሓዝ ዓስኪሩ ዝነበረ ኣሃዱ ግፋ ኣቢልና ናብ ዓዲ ኣቤቶ፡ ካብኡ ናብ ትራክቢ፡ ናብ በለዛ ናብ ምክልኻል ፋሕ ዝበልናሉ ግዜ ትዝ ይብለካ ይኸውን።

ሽዑ ኣብቲ ጽዑን ዝነበረ ግዜ፡ ሰራዊት ካብቲ መሪር ደማዊ ኲናት ወጺኡ፡ ብዙሕ መስዋእትን መጕዳእትን ወሪዱ፡ ህዝቢ ተፈናቒሉ፡ ኵሉ ኣብ ኣስተንትኖ ዝነበረሉ ረዚን ወቕቲ እዩ ዝነበረ። ብቝዕ፡ መመደቢ ወረቐት ከይሓዝኩ፡ ምስቶም ከቲቶም ዝነበሩ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ [ማዕረ ጋዜጣ ተመሃራይ ራብዓይ ዓመት ስለዝነበርኩ] ከም ተመሃራይ ክምለስ ፈቲነ፤ ብጋዜጠኝነት’ውን ፈቲነ ኣይሰለጠን። ደሓር ከም ዝተነግረኒ፡ ‘ኵነታቱ ክሳብ ዝሕበረኩም ኣጽንሕዎ’ ዝብል መልእክቲ እዩ ነይሩ። ጽልምትምት ኢሉ ስለዝነበረ ነቲ ሽዑ መልእኽቲን ዝሃብካዮ መልስን፡ መተዓብይቲ ሙሴ ወዲኣቢስ ኣብ ካናዳ ኰይኑ ክሳብ ሎሚ ኣይርስዖን’ሞ ብኡኡ ኸኣ ንዝክረካ።

‘በዚ ኣቢልና ንሱዳንና ንኺድ ተስፋ ዘለዎ ኣይመስልን እዩ ‘ዚ ጕዳይ’ ዓይነት እዩ ነይሩ። ወዲ ኣቢስ እንክዝርክ፡ ‘ዘሎ ንብረት ሸያይጥካ ምጻእ በዚ ኣቢልና ክንከይድ እያ ነይራ ታ ልክዕ ሽዓ ዘብጻሕኩሉ መልእኽቲ’ ይዝክር ወዲ ኣቢስ፡፡ ብዛዕባ ንብረት ግን ኣይፍለጠንን። “ሽዑ ከምኡ ምስ በልኩዎ ክርትም ኢሉ፡ ክሳብ ዝነብዕ እዩ ስሒቝ” እዩ ዝብለካ። ምኽንያት መስሓቒኻ ደሓር ድሕሪ ኣዋርሕ ንዕረፍቲ መጺአ ምስተራኸብና’ውን እናሰሓቕካ ዝተዛረብካዮ ኣይርስዖን።

ብኸምቲ ልሙድ ኣዘራርባኻ ‘ያኣኺ’ እናበልካ፡ “ያኣኺ እንታይ ኢኹም ንስኻትኩም፡ ናበይ ዶ ኼድካ ኢኻ ክንድዚ ዓቕሊ ተጽብብ፣ ካብ ስደት ሃዲምናስ መሊስካ ንስደት… “ ኢልካ፡ እቲ ሓሳብ ዘይብሱል ስምዒታዊ ምንባሩ፡ ምጽዋር፡ ምቅላስ ከምዘድሊ ኢኻ ምዒድካ። ኣይርስዖን ኦክያለኻ እናኣዐረካ መመሊስካ ስሒቕካ። ገና ብቈልዓኻ ንስደት፡ ወዲ 17 ዓመት እንከለኻ ናብ ጀብሃ ከም ዝተሰለፍካ፡ ኣብ በረኻታት ገድሊ ከርቲትካ፡ መሪር ኲናት ሓድሕድ ርኢኻ፡ እንደገና ካብ ስደት ናብ ስደት ከም ዝኸርተትካን’ በዚ ኸኣ ስብእናኻ ከም ዝተሃነጸን ዘዕለልካንን ምጽዋር ከም ዘድልን፤ ኵሉ ክቕየርን ከምኡ ኢሉ ዝነብር ከምዘየለን ዝነበረካ ተስፋ ኸኣ ልዕሊ ኵሉ ይድንጽወኒ።

“ስማዕ’ሞ ዮሱፍ. . .፡ እቲ ደሓር ዝዀነ ‘ኮ፡ ኣብታ ዝለኣኽኩልካ ደብዳበ እኮ ኣሚተልካ እየ. . . ብፍላይ ኣብቲ ፈለማ እዋናት ድሕሪ ሳልሳይ ወራር፡ ብምሉኡ ካብ ውዑይ ኲናት ወጺኡ ስለዝነበረ ኵሉ ተጻዒንዎ እዩ ነይሩ። ኣነ ኸኣ ኵነታተይ ክሳብ ነዊሕ ፍሉጥ ኣይነበረን፡ ደሓር እየ ኣብ ኦርኒክ ኣትየ፡ እቲ ፖኬት ማኒ ዝበሃል’ውን ደሓር’ዩ ክመጽኣኒ ጀሚሩ። እቲ ኣመጻጽኣ ዅሉ ከም ገለ ስለዝነበረ ከመይ ዘይሻቐል። ብመሰረቱ ‘ኮ ኣካይዳና ጥዑይ ኣይነበረን፡ ኣብ ዓዲ ኣበይቶ፡ ነዊሕ ተኣሲርና ኢና፣ ጸኒሖም ንማቹ ካባና ንሳዋ ወሲዶሞ። ኣነን ምልኪያስን ግን ኣብ ትራክቢ ነዊሕ ተኣሲርና ኢና። ጆን ዝብልዎ [ኢዱ ስንኩል ሌተና ኮሎኔል] ሓላፊ’ውን ብዙሕ ደዋዊሉ ናብ እንዳ ዜና ዋላ ናብ ገለ. . . ኣይሰልጦን፡ ካብኡ ኸኣ ናብ በለዛ ወሲዶምና. . .፣ ኣብ በለዛ’ውን ኣብ ሓበሬታን ጐስጓስን ክሰርሑ ይኽእሉ እዮም ኢሎም መዲቦምና ኔሮም፤ ደሓር ግን እንታይ ከምዝሓሰቡ ሃንደበት ኣሲሮምና፡ ካብኡ ንግንባራት. . . ንዓይ ንመረብ ሰቲት ንምልክያስ ድማ ንዓሊተና መረብ ፋሕ ኣቢሎምና፡ ደሕሪ’ዚ እንታይ ኣሎ እየ ክጽበ. . .፧”

ይዝከረኒ፡ ፍጹም ኣቕሊልካ ኢኻ ጠሚትካዮ እንታይ’ሞ ዚ – ብዝዓይነቱ። ብተመኵሮኻ ኣብቲ ኣነ ሽዑ ዝነበርኩዎ ዕድመ፡ ንስኻ ዝኸፍአ ናብራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሃይለስላሰ፡ ካብኡ ስደት፡ ገድሊ ኣብ በረኻ ንዓመታት ከርተት፡ ገድሊ፡ ካብ ኲናት ሕድሕድ ወጺኻ፡ መሊስካ ተሰዲድካ ዝበዝሕ ሕማቕ ህይወት ኣብ ንኡስ ዕድመኻ ስለዝወዳእካዮ እኻ መስለኒ. . . ስሒቕካ ጥራይ ብዙሕ ኣየካበድካዮን። እቲ መንፈስካን ትርኻን ግን ሓይሊ ኰይኑና ነበረ ሽዑ – ዘይክሕዶ።

ሽዑ ዝበልካያ ግን ወትሩ ተተሓሳስበኒ ዘይርስዓ፡ “ያኣኺ እዚኦም እንታይ ከይገብሩ ኢኻ፧ ድሕሪ ሕጂ ኮ እዚኦም [ድሕሪ ሳልሳይ ወራር] ንሓፋሽ ቍሊሕ ኢሎም ክጥምትዎ ኣይክእሉን እዮም፣ ሕጂ ኸ እንታይ ክደግሙ ኣዋሪዶሞ እኮ እዮም ነዚ ህዝቢ. . .!’ ብምባል ነገራት ክዕረ ምዃኑን ክትምጕተኒስ ኣይትርስዖን ትኸውን። እሞ ቍሊሕ ኢሎም ዶ ወይስ ደኒኖም ወይስ መመሊሶም ኣድኒኖሞ ኢለ ግን ኣይሓተካን፤ ካብቲ ኣባኻን ኵሎም ብጾትካን ዝወረደ ምስክር እዩ።

እዚ እናበልካ ኸኣ ካብ ሰራዊት ብኣጋ ክምለስ ትጽዕር ምንባርካ ይዝከረኒ። ‘ያኣኺ ጽሒፍናሎም ኣለና – እንታይ እዘን ጋዜጣታት ኣይትደልይወንን ዲኹም ንዓኹም እኳ እየን ዝሰርሓ ዘለዋ ኢልናዮም . . . ነዚታት’ኳ በራኺ [ገብረስላሰ] ጥራይ እዩ ግዱስ ኔሩ’ ኢልካ ብፍሉይ ዝመስከርካሉ’ውን ኣብ መዝገበ ዝኽረይ ኣሎ።

ኣብ መንጐ ንዝተወሰነ መዓልታት፡ ብዘይካኡ ካብ ባረንቱ ብተሌፎን ንራኸቦ ዝድውሎን ብደብዳበን ንለዋወጦ ዝነበርና ዝርሳዕ ኣይኰነን። እቲ ንመወዳእታ ብኣካል ዝተራኸብናሉ ግዜ ግን ኣብቲ ኣብ ሓምለ 2001፡ ብምኽንያት ሞት ኣቦሓጐይ ንእግረመገደይ ድማ ብዛዕባ ምቕጻል ትምህርቲ ንምስላጥ፡ ናይ ክልተ ቕነ ዕረፍቲ ምስተፈቕደኒ ምዃኑ፡ ትዝክሮ ትኸውን . . .፧ ሽዑኡ ብዙሕ ተዘራሪብና – ብፍላይ ብዛዕባ ‘ቲ ኣንጠጥዩ ዝነበረ ወጥሪ፡ ኵነታት ጕጅለ 15ን ኣተሓሕዛ ጋዜጣታት ነቲ ጕዳይን. . .።

“ያኣኺ፡ እዚኣቶም ኣይሰምዑን እዮም . . . “ያኣኺ እዚኣቶም ኣይርድኦምን እዩ፡ ነዚ ሰብኣይ [ንኢሳያስ] ረሲዖሞ ኣለው መስለኒ” ክትብል እናንጸረጸርካ ክትመጽእ ሓደ መዓልቲ፧ “እቲ ቅሉዕ ደብዳበታትኩም ከምዘለዎ ከነውጽኦ ጸገም ክፈጥር እዩ. . .” ኢልካ ከም ዝመጐትካ’ዮም ኣዕሊልካኒ። “ንዓና ኮ [ከም ጋዜጣ] ክልቴኹም ወገን ሓደ ኢኹም ኢለዮም” ክትብለኒ፧ ዝከኣለካ ሓላፍነታዊ ኴንካ ከም ዝሰራሕካ፡ ሞያውነት ከተኽብር፡ ንሕጊ ፕረስ ከይትጥሕስ ዝከኣል ከም ዝተጠንቀቕካ’ሞ መን ይፈልጠልካ ይኸውን፧

ከመይ ማለት እዩ’ዚ – ክንድቲ ንስኻ ኣስፊሕካ ዝጠመትካዮ ኣይረኣኹዎን መስለኒ ሽዑ። ‘ያኣኺ ንሕና ንሓስባትኩምን መግለጺኹምን መብርሂ ክትህቡሉ ባይታ ክንፈጥር ኣብኡ ክንዘራረብ እዩ እቲ ዝሓሸ፡ እዘን ጋዜጣታት እኮ ናይ ሓደ ምንቅስቓስ ወይ ውድብ ልሳን ኣይኰናን፡ ኣብቲ ዝብልዎ ዘለዉ ንባዕሉ ሕቶታት ኣለና. . .፡ ግን እቲ ሓደ ወገን [መንግስቲ] ዝብሎ ከይተሰምዐ ከም ጋዜጣታት ሚዛን ከስሕተና ይኽእል’ዩ . . .፡ ከም ጋዜጠኛታት ከኣ ሓላፍነት ኣለና፡” ክትብለኒ፤ ብኣተሓሕዛኻ ኣተሓሳስባኻ፡ ሽዑ ይገርመኒ ነይሩ።

ምስ ምልክያስን ማቹን [ጋዜጣታት ቀስተ ደበናን መቓልሕን] ብፍላይ ጽቡቕ ምርድዳእ ከም ዘማዕበልኩም ዝነገርካኒ’ውን ከምኡ። ኣብ ኣተሓሕዛ ጽሑፋትን ቃለመጠይቓትን ኣባላት ምንቅስቓስ ጕጅለ 15፡ ተመዝማዚ ፈቓቓት ከይርከብ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ፡ ክዝከር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንባዕለን እተን ጋዜጣታትን ኣብ ከምቲ ዝበለ ሕጋውን ፖለቲካውን ወጥርታት ፈለማ እናተመኮራ፡ እናሓየላ ይኸዳ ምንባረን መርኣያ እዩ. . . ግዳስ ኣብቲ ዅሉ ከይተበጽሓ ደኣ፡ ኵነታት ደዊኑ ንሓዋሩ ተዀሊፈን ‘ምበር።

ሰነድ እዩ……፡ ብወገን መንግስቲ ቃል’ውን ምስተቐብጸ፡ ብዝከኣል መጠን እቲ ጉዳይ ብሚዛን ክርአ፡ እቲ ብወገን መንግስቲ ዝበሃል’ውን ክሽፈን ተቓሊስካ፡ ብኽንደይ ጻዕሪ እታ ክሳብ ሕጂ’ውን መወከሲ ዘላ፡ ካብ ጋዜጣ ኣልሓያት ዝተርጐምካያ ቃለመጠይቕ ፕረዚደንት፡ መማዘኒ ኽትከውን ዝጸዓርካዮ’ሞ መን ፈሊጡልካ ይኸውን፧

እታ ብመትከል ትኣምነላ ዝነበርካ፡ “እዚኣቶም ብሕጊ ከም ዘየጥቅዑና ክንገብር፡ ዕድል ጥራይ ክንህቦም የብልናን፡” ወትሩ ተዘካሪት ዘረባኻ እያ። ኣብ ቀዳማይ መደበር ፖሊስ እንከለኹም፡ ብመገዲ ስድራቤትካ ዝበጽሓትኒ ኣብ ንእሽቶ ብጣስ ወረቐት ብእንግሊዘኛ ዝጸሓፍካያ ክሳብ ሎሚ ብኽብሪ ኣቐሚጠልካ ዘለኹ፡ ነዚ መትከልካ መርኣያ እያ። ከምቲ ዝበልካኒ፡ ‘ብዛዕባ’ቲ ዝምስርትዎ ዘለዉ ክሲታት ብዝከኣለካ ኣጻሪኻ ንገርኒ . . .፡’ ክትዳሎ ማለትካ ምዃኑ ተረዲኡኒ። እቲ ኵሉ ግዜ ትብሎ ዝነበርካ ሕጊ ጥራይ ከይወቕዓና ንጠንቀቕ… ሕጊ ግደኡ ክገብር መድሕን ክኸውን ትኣምን ነይርካ። ግዳስ፡ እቲ ጕዳይ ብኸመይ ይተሓዝ ድሮ ተፈሪዱ ነቢሩ እዩ።

እቲ፡ ፍርቂ ስራሕ ጋዜጣ ቤት ጽሕፈት ምህላው እዩ ኢልካ ቀዲምካ ዝተኸልካዮ ቤት ጽሕፍት ከባቢ ማይጃሕጃሕ፡ ድሕሪ ዕጽዋን ማእሰርትን፡ ንገለ ዓመታት ተዓሽጕ፤ “ንዋና ገዛ ከፊትካ ድላይካ ግበር፡” እዮም ኢሎሞ። “ይእውዶ እየ ትብሎ ክራይ ድማ ንብረት ሼጥካ ውሰድ።” እዚ ንባዕሉ ኸኣ ዓቢይ ምስክር እዩ፡፡ እቲ ጉዳይ ብሕጋዊ መዳይ እንተዝተሓዝ ነይሩስ፡ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈትና ዝነበረ፡ ወረቓቕቲ ምተፈተሸ፣ ኮምፒተራት ምተጓሕጕሓ፡ መልእኽትታ ፖስጣ፡ ኢመይል፡ ፋክሳትን ካልእን ሓደ-ብሓደ ምተበትበተ ‘መስለኒ፤ ጥር ትብል ወረቐት’ኳ ኣይተላዕለትን ከምቲ ዝገደፍካዮ እዩ ዝነበረ. . .፡ ምዃን፡ ኵሉ ኣብ ትሕተኡ ዝገበረ፡ ፍትሒ ዝቐበረ፡ ዓማጺ እዚ ምግባር ንምንታይ ከድልዮ ኢሉ፧ መን ከይምጕቶ’ሞ፧ ኦፊስና ከምቲ ዝገደፍካዮ፤ እቶም ዝዓሸጉዎ’ኳ ኣብ ኣፍደገ፣ ክኽፈት እንከሎ ኸኣ ብዘይካ ዋና ገዛ ብድሕረኻ ሓደ’ኳ ኣይኣተዎን። ኣይመሰለካን – ኵልና’ውን ኣይመሰለናን እምበር እቲ ጉዳይ’ሲ ብዓንተቦኡ ፍሩድ ነይሩ እዩ።

ዋና ገዛ ግን፡ ልቢ ኣዕብዩ፡ ንገለኡ ካብቲ ንብረት ነታ ብድሕረኻ ተጻጊማ ደቅኹም ዘዕበየት በዓልቲ ቤትካ “ሼጥኪ እንተጠቐመኪ፡” ኢሉ መቒሉዋ እዩ – ዝጠቅም ኣይኰነን እምበር ከምኡ ኸኣ ተገይሩ። ደቅኻ ጐቢዞም ስደትን’ውን ኣርኪቡሎም። ገለ ጽኑዓት ፈተውቲ እንተዘይኰይኖም ብዙሕ እግሩ የሕጽር እዩ – ናይ ሰብ ነገር፡ ከም ከለኻን ኣይከውንን። መቕርብን ገለ ጽኑዓት ኪዳኖም ዘይበትኩ እንተ ዘይኰይኖምሲ ከምቲ ገጽካ ርእዩ ዝመጽእ ዝነበረ ኣይከውንን እዩ። ደቅኻ ግን ኣኺሎም ጸግዒ ኣደኦም ኰይኖም እዮም።

እታ ገርሂ፡ ነቲ ዅሉ ብሜድያ ዝበሃል ዘይትሰምዕ ግዲ ኰይና፡ ወይስ ቅጭ ዝመጽኣ፡ “ሕጅስ ደሃይ ረኺብና ‘ለና ማእሰርቱ ወዲኡ. . .ክፍታሕ እዩ ኢሎምና” ኢላስ ልዳት ከተማዕዱ ነይራ – ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት – በዓልቲ ቤትካ። ነዛ ዘረባ እናደንጸወኒ እንክሰምዕ ገጸይ ክኣሊ’ኳ ዝሕሸኒ እንተዀነ፡ እቲ ሓቂ ከምቲ ግርህናኣ ክኸውን’ሞ ዳግማይ ክንራኸብ ክምነ ጥራይ እደሊ – ተስፋኣ ከኣ ከይኩለፍ፤ ካልእ ቅቡጽ እንተዀነስ፡ ብተስፋ ምንባር ከኣ እኮ’ሎ!

18/09/2022

_______________________________________

 ኣኸድር ኣሕመዲን፤ ጸሓፊ፥ ኤዲተርን ጋዜጠኛን ኰይኑ፡ ብ akialwa@gmail.com ምርካቡ ይከኣል።

 

 

 

                  

 

Print Friendly, PDF & Email