ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ፤ ጸሓፊ፡ ሓኪም፡ ካህንን መምህርን ንልዕሊ 14 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ

“እቲ ብጉባኤ ሊቃውንቲ ኣርሞ ዝተብሃልካዮሲ ኣይኣረምካዮን ዲኻ?” ኢሉ ኣቶ ዩፍታሄ ንቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ሓተቶ።

Print Friendly, PDF & Email
No comments

በየነ ሰመረ


ዓርቢ 19 ሕዳር 2004 ዓ.ም. ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ናይ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣኼባ ነበረ። እቶም ኣባላት ናይቲ ሚኒስትሪ ዝዀኑ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብን ንሆስፒታል ጥዕና ኣእምሮ ኤርትራ ዝመርሕ ቀሺ ዶ/ር ፍጹምብርሃን ገብረንጉስን ናይቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ነበሩ። ቀሺ ዶ/ር ፍጹምብርሃን ገብረንጉስ ኣብቲ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ጽሑፍ ከቕርብ መደብ ተታሒዙሉ ስለ ዝነበረ፡ ተጋባእቲ ምምጻእ ቀሺ ዶ/ር ፍጹምብርሃን ከም ሽታ ማይ ዝዀኖም ‘ሕጂ መጸ’ ክብሉ ደቓይቕን ሰዓታትን ሓለፈ። ብፍላይ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ልዕሊ ሰቡ ክሻቐል ጀመረ። ኵነታቶም ኣብ ናይ መወዳእታ ጥርዙ በጺሑ ዝነበረሉ እዋን ምንባሩ ውሽጡ ክሻቐል ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ። ቀሺ ዶ/ር ፍጹምብርሃን ኣብታ ዕለት ዝግባእ ናይ ኣኼባ ክዳን ተኸዲኑ፡ ነቲ ኣኼባ ዘቕርቦ ወረቓቕቲ ሒዙ ናብቲ ኣኼባ እናኸደ፡ ንስድራኡን መሳርሕቱን ከይተሰናበተን ሓደራ ከይገደፈን እዩ ብሓይልታት ጸጥታ ካብ መገዲ ተጨውዩ። መስርሕ ክሲን ፍርዲን ከይረኸበ ከኣ ዛጊት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ልዕሊ 14 ዓመታት ኣቚጺሩ ኣሎ።

እቲ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ዝነበረ መዓልታዊ ናይ ዕንወት ምንቅስቓስ፡ እቲ መንግስትን ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ዝጸሓሓፍዎን ዝለኣኣኽዎን ዝነበሩ ብቐረባ ዝከታተል ዝነበረ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ናይ ሓደጋ ደበና ኣንጸላልዩ ከም ዝነበረ ይፈልጥ እዩ። ቀሺ ዶ/ር ፍጹምብርሃን ካብቲ ኣኼባ ከም ዝበኾረ ምስ ፈለጠ፡ ናብ ንእሽቶ ሓዉ ኣቶ በረኸት መንግስተኣብ ክድውል ወጸ። ኣብቲ እዋን ኩሉ ሰብ ሞባይል ኣይነበሮን፡ ናብ ገዛ ደዊሉ ግና ንሓዉ ንኣቶ በረኸት ረኺቡ ናይ መወዳእታ ቃሉ ሃቦ “ቀሺ ዶ/ር ፍጹምብርሃን ኣብ ኣኼባ ተረኺቡ ሰሚናሩ ከቕርብ ነይሩዎ፡ ክሳብ ሕጂ ግና ኣይመጸን ዘሎ፡ ኵነታት እዚ ዘሎናዮ ትፈልጥ ኢኻ፡ ድሃዩ ፍለጡ፡ ድሃይና’ውን ግበሩ ሓደራ” ኢሉ
ተሌፎን ዓጽዩ ናብቲ ሰሚናር ዝግበረሉ ዝነበረ ኣዳራሽ ተመለሰ። ኣቶ በረኸት በቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ክከታተል ጀመረ። እንተዀነ ግና ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ’ውን ካብቲ ኣኼባ ናብ ገዛኡ ከይተመልሰ ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብታ ዕለት ምስ ተወስደ ብዘይ ክሲን ፍርዲን ንልዕሊ 14 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካርሼሊ ብስቓይን መከራን ይነብር ኣሎ።

Dr.-Tekleab.jpg
ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ

ዶ/ር ተኽለኣብ ብዓቢኡ ከም ሓኪምን ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ዝፍለጥኳ እንተዀነ፥ ኣብ መንፈሳዊን ማሕበራዊን ስነ- ጽሑፍ ትግርኛ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረን ሓደ ካብ ጠንቂ ብዘይ ፍርዲ ንልዕሊ 14 ዓመታት ዘእሰሮውን ጸሓፊ ምዃኑ እዩ። እዚ ጽሑፍዚ እምበኣር፡ ነቲ ምስ ብጾቱ ዕድመኡ ኣብ ማእሰርቲ ዝበሊ ዘሎ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ፡ ከም ጸሓፋይ ዘበርከቶም ስራሓት፡ ኣብ ጕዕዞ ምጽሓፍን ምሕታምን ዘጋጥሞ ዝነበረ ማሕለኻታትን ናብ ማእሰርቲ ዘምርሖ ጉዕዞን ዝጥምት ጽሑፍ አዩ።

ዶ/ር ተኽለኣብ ካብ ግዜ ንእስነተይ ኣትሒዘ በቲ ኣብ ቀጽሪ መካነ ህይወት ዝህቦ ዝነበረ ትምህርቲታት ዝፈልጦ እኳ እንተዀንኩ፡ ኣዝየ ክቐርቦ ዝጀመርኩ ግና ቀቅድሚ እታ ናይ መወዳእታ መጽሓፉ ካልእ ወንጌል ወዲኡ ምሕታሙ እዩ።

ንሱ ከም ሓኪም ኣብ ሆስፒታል ሓዝሓዝ ክሰርሕ ብፍላይ ናይ ለይቲ ተረኛ ኣብ ዝዀነሉ፡ ስራሕ ቅድሚ ምጅማሩ ኣቐድም ኣቢሉ ናብቲ ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል ዝርከብ ገዛና ይመጽእ እሞ ተተሓሒዝና ናብቲ ሆስፒታል እትርከብ ንእሽቶ መመርመሪት ክፍሉ ኮፍ ኢልና ዝበዝሕ እዋን ግዜ ወሲድና ብዛዕባ ስነ ጽሑፍ ነዕልል ነበርና። እቲ ህዱእን ካብ ምዝራብ ምስማዕ ዝፈቱ ዶ/ር ተኽለኣብ፡ ነቲ ኣነ ዝጽሕፎ ዝነበርኩ ሓጸርቲ ዛንታታት ከንብበሉ ከለኹ ብተመስጦ ይሰምዓኒ እሞ፡ ኣብ ጽሑፍ ጥራይ ኣድሂበ ክሰርሕ ይምዕደኒ። ለይቲን መዓልቲን ኣንቢቡን ጽሒፉን ኣይደክምን’ዩ። ጣውላኡ ወትሩ ፈሕ- ብትን ዝበሉ ብወረቓቕቲ ዝመልአት’ያ። ዝምድናና ኣብዚ ከምዚ ኵነታት እናሃለወ እዩ ነታ ናይ መወዳእታ መጽሓፉ ወዲኡ ብዛዕባኣ ብዙሕ እዋን እናተዘራረብና፡ ንዓይን ንሓደ ካልእን ክንከታተላን ዲዛይን ክንገብረላን ገዲፉልና ናይ ሓጺር እዋን ትምህርቲ ንምውሳድ ናብ እስራኤል ገይሹ ዝተመልሰ። እቲ እዋን እዋን ጽልግልግን ብመንግስቲን ብገለ ገለ ካህናትን ይጥመት ከምዝነበረን ክእሰር ከምዝኽእልን ይፍለጥ ብምንባሩ፡ ገለ ፈተውቱ “ኣታ ዶ/ር ተኽለኣብ ብእኡ ጌርካ እንዶ ትረፍ” እንተበልናዮ እኳ ዝረኸበ ይርከበኒ ናብ ዓደይ ደኣ ይምለስ ኢሉ ኣቕቢጹ ተመልሰ። ኣይጸንሐንድማ ብኸምቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ኣገባብ ምስተወስደ ዕድመ እኹል መንእሰይ ዝኣክል ንዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ ኣሎ።

ኣርእስታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወንጌል ጥዑም ዜና፡ ራእይ፡ ካልእ ወንጌል ዝብላ መጽሓፍትን 17 ሕታማት መጽሄት እንጌራ ህይወትን ተሓቲመን ዝወጻ፡ ናይ ቐሺ ዶክተር ተኽለኣብ መንግስተኣብ ጽሑፋት ኰይነን፡ ዝበዝሐ ኣብ መጽሄት መካነ ህይወት ዝወጽእ ዝነበረ ብዙሕ ዓንቀጻት ዝተጸሓፉ ጽሑፋት ባዕሉ ዝጸሓፎም እዮም። ብዘይካ’ዚ ናብ ሕትመት ዘይበቕዐ 13 ዓበይትን ንኣሽቱ መጽሓፍቲ፡ ሓጸርትን መሃርትን ጽሑፋት መምሃሪ ኣዳልዩ ነይሩ። ብዘይካ’ቲ ዝሓዙዎም መንፈሳዊን ማሕበራዊን መልእኽታት፡ ኣገባብ ኣጠቓቕማ ቃላት፡ ሰሓቢ ኣበሃህላታትን ንጽሑፋት ዶ/ር ተኽለኣብ ተነበብቲን ተባሃግቲን ካብ ዝገብርዎም ረቛሒታት እዮም። እታ ናይ መወዳእታን ብድሕሪ’ታ መጽሓፍ ተሓቲማ ናብ ህዝቢ ምዝርግሓ ናብ ማእሰርቲ ዘምርሓላ መጽሓፍ ካልእ ወንጌል ከም ኣብነት ወሲድና ከም ጸሓፊ ንምንታይ ዕላማ ጽሒፉዋ ንኸሕትማ ዘጋጠሞ ሕልኽላኻትን ንርአ።

ኣብ መወዳእታ ተስዓታት ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ምንቅስቓሳት ዝገነነሉ ወቕቲ እዩ ነይሩ። ብዙሓት መንእሰያት፡ ኣብዚ መንፈሳዊ ምንቅስቓሳት ይጽምበሩ ኔሮም። ሓደ ካብቲ ገኒኑ ዝነበረ ሓደስቲ እምነታት፡ ‘ሬማ’ ናይ ዝተባህለ መንፈሳዊ ምንቅስቓስ እዩ። ካብ ኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ፡ ካቶሊክ፡ ወንጌላዊትን መንእሰያት ናብቲ ‘ሬማ’ ዝብሃል ምንቅስቓስ ብብዝሒ ዝውሕዝሉ እዋን እዩ ዝነበረ። እቶም ብብዝሒ ናብቲ ሓድሽ ምንቅስቓስ ዝኸዱ ዝነበሩ፡ ካብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝነበሩ መንእሰያት ነበሩ። እቶም ንምህሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ንእስነቶም ኣጽኒዖም ምሉእ ዕድሚኦም ዝተማህርዎን ዝመሃርሉን ብዓል ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብን ብጾቱን ነዚ “ንመንእሰያት ካብቲ ስሩት እምነት እናባሕጎገ ዝወስድ ከም መንሽሮ ዝልሕም ዝነበረ ትምህርቲ ምዕጋት” ብዝብል ብዘይካ ዝህቡዎ ዝነበሩ ምህሮ፡ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ 420 ገጽ ዘለዋ፡ ካልእ ወንጌል ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ 2002 ዓ.ም. ኣዳለወ።

ኣብቲ እዋን ግና መጽሓፍ ምሕታም ተኸልኪሉ ስለ ዝነበረ፡ ሚኒስትሪ ዜና ፍቓድ ዘይሃቦ ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ ኣይሕተምን ነበረ። መንፈሳዊ ጽሑፋት ንኽሕተም ፍቓድ እንተ ተሓቲቱ፡ ንምቍጽጻር ሃይማኖታዊ ትካላት ዝቘመ መሓውር ካብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት መሰነይታ ደብዳቤ ይሓቱ ነበሩ። ካብቲ ቤት ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጉዳያት መሰነይታ ንምርካብ’ውን ካብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናይ ደገፍ ደብዳቤ ክትረክብ ኣለካ። እምበኣር ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ መጽሓፍ ንኽሕተመልካ ሰለስተ ኣርባዕተ ናይ ሳንሱር ሓጹር ተሰጊሩ እዩ ዝትግበር። ኣብ ሓንቲ ካብዘን ሓጹራት ናይ ምትራፍ ተኽእሎታት ድማ ዝዓበየ ኣጋጣሚ ኣሎ። መራሕቲ ማሕበር መካነ ህይወት ግና ኣድላይነትን ህጹጽነትን
እቲ ትምህርታዊ መጽሓፍ ስለ እተረድኦም ነታ መጽሓፍ ከሕትምዋ ላዕሊ ታሕቲ ምባል ጀመሩ።

ነታ ለይቲን መዓልቲን እተደኽመላ ዓባይ መጽሓፍ ናይ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ንኽትሕተም ንኣቡነ እንጦንዮስ ሕቶ ቐረበሎም። ብድሕርዚ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ “ጉባኤ ሊቃውንቲ ይመርምርዎ’ሞ ምትሕብባር ይገበረሎም” ኢሎም ወሰኑ። ብዝቐልጠፈ ድማ ኣብቲ እዋን ጉባኤ ሊቃውንቲ ብዝነበሩ ነቲ ናይ ምምርማር ስራሕ ተተሓሓዝዎ።

እቶም ናይ መንበረ ፓትርያርክ ጉባኤ ሊቃውንቲ ናይ ፈለማ ክፍሊ ሳንሱር ብምዃኖም፥ ንቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ሓደ ብሓደ ሕቶታት ክዘንበሉ ጀመረ። ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ክምልሶ ዝተሓተቶ፡ ብምሉኡ ገለጸሎም፡ እቲ ዝሃቦም መግለጺ ኣዕጋቢ ስለ ዝነበረ ኩሎም ተቐቢሎሞ እዮም። ነቲ በቶም ሊቃውንቲ ዝቐረበሉ ናይ ቃላት እርማት ዝነበረ ግን “ካብ እዚኣስ እዚኣ እንተ በልካያ ይሓይሽ” ዝበሉዎ ኲሉ ከም ዘለዎ ነቲ ሓሳባቶም ተቐቢሉዎ “ሎሚ መዓልቲ ኣሪመ ወዲኤ ድሕሪ ጽባሕ ኣብዚኣ ከምጽኣልኩም እየ” ኢሉ ተፋነዎም።

እታ መጽሓፍ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ዩፍታሄ ምስ ኣተወት፡ (ኣቶ ዩፍታሄ ዲሜጥሮስ ወኪል መንግስ ኤርትራ ኣብ መንበረ ፓትርያርክን ኣመሓድርን እታ ቤተ ክርስትያን ዝነበረ እዩ።) ኣቶ ዩፍታሄ ንጸሓፊ መሪ-ጌታ ይትባረኽ “እዛ መጽሓፍ ናብ ቤት ማሕተም ክትከይድ ደብዳቤ ጽሓፍ” ብምባል ኣዘዞ። መሪ-ጌታ ከኣ ከምታ ትእዛዝ ዝተኣዘዛ ንእኣ ዝምልከት ምሉእ ደብዳቤ ጸሓፈ። ማዕረኡ ግን ጸገም ዝፈጥር ወረ ክናፈስ ጀሚሩ ነበረ። መን ከም ዘውረዮ ዘይተፈልጠ “ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ጉባኤ ሊቃውንቲ ኣርሞ ዝበልዎ ከይኣረመ ነታ መጽሓፍ ከምታ ዝነበረታ የሕትማ ኣሎ” ዝብል ወረ፡ ካብ መንበረ ፓትርያርክ ሓሊፉ ናብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት በጽሐ። ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብወገኖም ነቲ ስራሕ ክዕንቅፍዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ ሓደ ሰበብ ብምርካቦም ሕጕሳት ነበሩ። ኣቶ ዩፍታሄ ነታ ደብዳቤ ምስ ሰደዳ፡ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ንኣቶ ዩፍታሄ “ሓደ ንሕና ንኣኻ ኢና ንፈልጥ፡ ንምንታይ ብመሪ-ጌታ ይትባረኽ ጌርካ ተጽሕፎ፡ ካልኣይ ድማ ጉባኤ ሊቃውንቲ ይተኣረም ዝበልዎ ኣይተኣረመን” ኢሎም ብላዕሊ ምስ ኣጉባዕብዕሉ። ኣቶ ዩፍታሄ ሸበድበድ ኢሉ ንቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ኣጸውዖ።

“እቲ ብጉባኤ ሊቃውንቲ ኣርሞ ዝተብሃልካዮሲ ኣይኣረምካዮን ዲኻ?” ኢሉ ኣቶ ዩፍታሄ ንቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ሓተቶ። “በቲ ዝተብሃልኩዎ መሰረት ከም ዝግባእ ኣሪመዮ እየ” ብምባል ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ብምትእምማን መለሰ። “እታ ክእርመላ ዝተዋሃበትንን እታ ዝኣረምኩዋን እውን ንቤት ጽሕፈት ኣረኪበዮ እየ፡ ሕጂ እተን ኣብታ መጽሓፍ ይተኣረማ እተባህላ፡ ዘይተኣረማ እንተልየን ሕጂ ብሓባር ኴይንና ክንርእየን ንኽእል ኢና” ብምባል ደጊሙ ብምትእምማንተዛረበ።

እቲ ቀንዲ ዕላማ ግና እታ መጽሓፍ ከይትሕተም ንምዕንቃፍ ስለ ዝነበረ “ያእ ጉባኤ ሊቃውንቲ ተኣኪቦም ነቲ መጽሓፍ ከም ብሓድሽ ይመርምርዋ!” ዝብል ትእዛዝ ተዋህበ። በዚ ድማ እታ መጽሓፍ ከም ብሓድሽ ክትምርመር ዳግም ናብቶም ጉባኤ ሊቃውንቲ ተመልሰት። እቲ ጉዳይ ዳግም ክምርመረሉ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ተጸውዐ። “እሞ እንደገና እቲ ምልክት ጌርክምሉ ዝነበርኩም ክንሓልፎ ኢና” ኢሉ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ይጅምር። ድሕሪ ክንደይ ምምልላስ ጉባኤ ሊቃውንቲ ስርሖም ወዲኦም ተሰማሚዖም ቃለ ጉባኤኦም ምስ ጸሓፉ፡ ፈሪሞም ብደብዳቤ ተሰንያ ናብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ከም ትኸይድ ተገብረ። እታ ተኣሪማ ዝተባህለት መጽሓፍ ካብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብድሕሪኡ ድማ ናብ ሚኒስትሪ ዜና ተላእከት። ድሕሪ ቍሩብ እዋን ሚኒስትሪ ዜና ናብ መንበረ ፓትርያርክ ደወሉ፡ መሪ-ጌታ ይትባረክ ድማ ተቐበሎም፡ “ናበየናይ ቤት ማሕተም ኢኹም ክጽሓፈልኩም ትደልዩ፧” ኢሎም ሚኒስትሪ ዜና ሓተቱ። ሚኒስትሪ ዜና ሳንሱር ገይሩ ዘሕለፎ ንሱ እቲ ሚኒስትሪ ባዕሉ እዩ ናብታ ዝተረቚሐት ቤት ማሕተም ደብዳቤ ጽሒፉ ነታ መጽሓፍ ዝልእካ። መሪ-ጌታ ይትባረክ ነቲ ሕቶ ሚኒስትሪ ዜና ተቐቢሉ ናብ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ደዊሉ ሓተቶ፡ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብድማ ኣብ ሰምሃር ግራፊክስ ኣርት ክትሕተመሉ ከም ዝደሊ ገለጸ፡፡ እታ ደብዳቤ ናብ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ትመጽእ እሞ “እንካ እዛ ደብዳቤ እዚኣ ናብ ሰምሃር ግራፊክስ ኣርት ውሰዳ” ተባሂሉ፡ መጽሓፍ ካልእ ወንጌል ሳንሱር መንበረ ፓትርያርክ፡ ቤት ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ሚኒስትሪ ዜናን ሰጊራ ኣብ 2003 ዓ.ም. ተሓቲማ ተዘርግሐት።

ኣብ መወዳእታ ግን ሓንቲ ካብ ምኽንያት መእሰሪኡ ኰይና ጥራይ ዘይኰነስ እቶም ብመንግስቲ ዝዝወሩ መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ንሱ “ኣንጻር እታ ቤተ ክርስትያን ዝኸይድ ዝነበረ ምህሮ ንምውቃዕ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ካልእ ወንጌል ዝብል መጽሓፍ ጽሒፉ ንመንእሰያትና ናብ ካልእ ሃይማኖት ክወስዶም ደልዩ” ብምባል ብግልባጡ ነታ መጽሓፍ መኽሰሲቱ ጌሮም ኣብ ዝኸዱዎ ክሳብ ለይተ ሎሚ መውጽኢት ኣፎም ጌሮም ብእስሩ በታ መጽሓፉ ይዅንኑዎ ኣለዉ።

ቀሺ ዶክተር ተኽለኣብ መንግስትኣብ ካብ ኣቦኡ ኣቶ መንግስትኣብ ዮሃንስን ኣዲኡ ወይዘሮ ተቐባሽ ፍስሓጽዮንን ብ12 ሓምለ, 1963 ዓ/ም ኣብ ኣስመራ እዩ ተወሊዱ። ካብ ቅድመ ትምህርቲ ክሳብ ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኮምቦኒ ኮሌጅ ኣስመራ ተማሂሩ ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 1985/86 ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ወዲኡ። ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ልዑል ነጥቢ ኣምጺኡ ከኣ ካብ 1985/86-1990/91 ኣብ ዩኒቨርስቲ ጂማ ኢትዮጵያ ትምህርቱ ብምክትታል፡ ብዓውዲ ሕክምና፡ ዶክተር ኰይኑ ትምህርቱ ዛዚሙ።

ትምህርቱ ምስ ወደአ፡ 7 ዓመት ኣብ መንደፈራ፡ 4 ዓመት ኣብ ዓዲ ዃላ፡ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ናቕፋ፡ 2 ዓመትን ሓሙሽተ ኣዋርሕን ኣብ ሆስፒታል ሓዝሓዝ ኣስመራ፡ ሓኪም ኰይኑ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ከም ክኢላ ሕማም ሽኮርያ ኰይኑ ናይ ህዝቡ ጥዕና ኣብ ምሕላው ኣገልጊሉ። ኣብቲ መንፈሳዊ ጕዕዞ ህይወት ድማ፡ ካብ መስከረም 1979 ኣትሒዙ ብስብከትን ምህሮን መንፈሳዊ ጽሑፋት ብምጽሓፍን ዘገልገለ ኮይኑ፡ ብ1982 ዓ/ም፡ ማዕርገ ዲቁና፡ ብ12 ሓምለ 2000 ዓ/ም ድማ ካብ ኢድ ብጹዕ ኣቡነ እንጦንዮስ ማዕርገ ክህነት ተቐቢሉ። ክሳዕ እታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተዉላ 19 ሕዳር 2004 ድማ ንህዝቡ መጻሕፍቲ ብምጽሓፍ መንፈሳዊ ትምህርቲ ብምምሃርን ሓኪም
ኰይኑን ኣገልጊሉ።

***

ሓደ መዓልቲ ካብ ናይ ዓመተ 2009፡ ሕሙም ንኽበጽሕ ብንግሆኡ ናብ ሆስፒታል ከድኩ’ሞ፡ ካብቲ ክበጽሖ ዝኸድኩዎ ሕሙም ውጽእ ክብልን ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ብክልተ ዕጡቓት ተዓጂቡ ክሕከም ናብቲ ዝነበርኩዎ ክመጽእ ረኣኹዎ። ነፍሰይ ክቈጻጸር ስለዘይከኣልኩ፡ ‘ተኽለኣብ!” ኢለ ንብዓት ብዝሰርነቖ ድምጺ ኣውጺአ ደድሕሪኡ ክስዕብ ምስ በልኩ፡ በቲ ንድሕሪት ብሰንሰለት ተኣሲሩ ዝነበረ ኣእዳዉ ረሓቕ ኣይትቕረብ ዝብል ምልክት ገበረለይ፡ ንድሕነተይ ሓልዩ። ብድሕሪኡ እቲ ምሁር፡ ጸሓፊን ካህንን ዳርጋ ምሉእ ገጹ ብጭሕሚ ተሸፊኑ ብወተሃደራት ዝተዓጀበ ዝረኣኹዎ ምስሊ፡ ወትሩ ኣብ ሓሳበይ ተወቂጡ ክሳብ ሎሚ ነቲ ምርኢት እናሓሰብኩ ብውሽጠይ ክሓዝን እነብር ኣለኹ።

(ዝበዝሐ ትሕዝቶ ናይዚ ጽሑፍ ካብታ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ብ በየነ ሰመረን ቀሺ ተስፋኣለም በራኺን ተጻሒፋ፡ ተሓቶማን ተዘርጊሓን ዘላ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦዮስ፡ ቃልሲ ንሃይማኖታዊ ነጻነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን እትብል መጽሓፍ እተወስደ እዩ። ንዝርዝር ታሪኽ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ፥ ቀሺ ዶ/ር ፍጹምን ካልኦትን ነታ መጽሓፍ ተወከስ።)

_____________________________

*በየነ ሰመረ ጸሓፊን ጋዜጠኛን ኰይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኣብ መጨረሽታ ድማ ትካል Rural Enterprise Unit ከም ኣወሃሃዲ ፕሮጀክት ኰይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ካብታ ሃገር ብ 2010
ወጺኡ። ኣብ ኣውስትራልያ ተሰዲዱ ዝርከብ ጸሓፊ ሕጂ ዳይረክተር ፕሮግራም ትግርኛ ረድዮ ኤስ.ቢ.ኤስ (SBS) ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ንጸሓፊ beyenezemen@yahoo.com ወይ’ውን beyene.weldegiorgis@sbs.com.au
ብዝብል ኢመይል ምውካሱ ይከኣል።

 

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email