ኮኾብ ተስፋልደት* ኵሉ ግዜ ቈጸራ ኣብ ዝህልዋ፣ ምስኡ፡ ምስ እቲ ‘ልበይ’ እትብሎ ሰብ፥ ልባ ጥራይ እኹል ከም ዝዀነ ስለ ዘይነገራ፣ ዓይና ክትኰሓሕል ብዙሕ ግዜ እያ ተጥፍእ። ኣብ ቈጸራ ከኣ “ደንጒኺ” ’ምበር፣ “ክንደይ ደኣ ጸቢቕኪ መጺእኪ” ተባሂላ ኣይትፈልጥን። ካብ ዝተራኸቡላ ሰዓት ጀሚራ ብዛዕባ ዓይናን ከናፍራን ክዛረብ ክትጽበዮ፡ ብዛዕባ ሕልምታታ ክትዛረብ ክሰምዓ፡ ብዛዕባ ህይወቱ ከዘንትወላ ጽን ክትብሎ፡
Author: staff
ኢሳያስ በየነ* ኢሳያስ በየነ፤ ኣብቲ ብደራሲ በየነ ሃይለ ዝምራሕ ዝነበረ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ስራሕ ብዝጀመረ፣ ንበየነ ብቕርበት ከዕልሎ፡ ክዕዘቦ፡ ክብርብሮ፡ ክሓትቶ፡ ከድንቖን ክሳብ ክስዕቦን ከኣለ። ኣብ 2009፡ ን11 ሰዓታት ምስ በየነ ካብ ዝገበሮ፡ ብድምጺ ናይ ዝተሰነደ ሰፊሕ ወግዒ፣ ቍንጫል ትሕዝቶ እነሆ። _______________________________________________ ‘ካብ ዓዲ–ግራት ኣትሒዙ ዝጀመረኒ ጎቦ ምድያብ’ ኢልካ’ሞ ከመይ እዩ እዚ፧
ይርጋኣለም ፍስሃ* ይርጋኣለም፤ ካብ 14-16 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ከተማ በርሊን-ጀርመን፤ Archaeology Of Loss ብዝብል ስያመ ዝፍለጥ ፈስቲቫል ስነጽሑፍ፥ ተዓዲማን ተሳቲፋን ነይራ። ትጽቢት ናይቲ ዝተኻየደ ስነጽሑፋዊ ፈስቲቫል፡ ጸሓፍቲ፥ ኣብ ሕሉፎም ከም ውሁብ ዝወስድዎ ዝነበሩ፥ ኣብ ህሉው ህይወቶም ግን ዝበዀረ፡ ዝተኸስረ፡ ፈጺሙ’ውን ዝተቐብጸ ዝተፈላለየ ግኡዝ ኰነ ስምዒት ኣድሂቦም ክጽሕፉ ምትብባዕ እዩ። በዚ ምኽንያት፡ እዛ ናይ ሎሚ
Eritrean renowned and award-winning singer and songwriter Abrar Osman has received Pen Eritrea’s Freedom of Expression award at the closing ceremony of Pen Eritrea’s annual meeting held in Stockholm-Sweden from 1st to 2nd October 2022. Abrar was announced the winner of the award on 18 September to mark the assault on freedom of the press
Eritrean renowned and award-winning singer and songwriter Abrar Osman has received Pen Eritrea’s Freedom of Expression award at the closing ceremony of Pen Eritrea’s annual meeting held in Stockholm-Sweden from 1st to 2nd October 2022. Abrar was announced the winner of the award on 18 September to mark the assault on freedom of the
ፐን ኤርትራ፡ መቐጸልታ እቲ ብ1 ጥቅምቲ ዝተጀመረ ናይ ዓመተ 2022 ጒባኤኡ፡ ብ2 ጥቅምቲ ኣብ ዘቃንዖ ካልኣይን ናይ መወዳእታን መዓልቲ ኣኼባኡ ዛዚሙ። መወዳእታ መዓልቲ ጕባኤ ፐን ኤርትራ 2022፡ ብመረጻ መሪሕነት ጀሚሩ ብወግዒ ምዕዳል ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት እዩ ተዛዙሙ። ኣብቲ ዕለት፡ ኣባላት ፐን ኤርትራ ብኣካልን ብቐጥታዊ መስመር ኢንተርነትን ኣቢሎም ፈጻሚ ስራሕን ተሓዝ-ገንዘብን መሪጾም። ዕዉት ሽልማት
ዓመታዊ ጕባኤ ፐን ኤርትራ 2022 ቀዳማይ መዓልቱ ሎሚ 1 ትቅምቲ 2022 ኣብ ሃገረ ሽወደን ከተማ ስተኮልም ተቓኒዑ ውዒሉ። ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ 20 ኣባላት ፐን ኤርትራ ኣብ ዝተሳተፍሉ ቀዳማይ መዓልቲ ዓመታዊ ጕባኤ ፐን ኤርትራ፡ ካብ ሰዓት ትሸዓተ ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት ተኻይዱ። ፐን ኤርትራ ኣብ ናይ ሎሚ ጕባኤኡ ካብ ዝዘተየሎም ነጥብታት፣
Dawit, the son of Isaac Enough was his decency to be respected, and For the truth he shared The principles he stood For the pen his might For his fight for right He deserved dignity and award Not a detaining chain from a coward. My Dawit, is physically locked in Era-Ero But spiritually present
ከመይ’ኮን ትህልዉ ኣያታተይ፧ ርስትታትኩም ኔረን ግራውተይ። ቁርይ እንካ በልኩ ከም’ዛ ዝደወኹ ፍስስ… እንካ በልኩ ብደወይ ከለኹ። ኣካ ኣይንርኣዮ ከም’ቲ ሽዑ! በዓል ልቢ-ልቡ፡ በዓል ብርዒ-ብርዑ ብዓል ሓቂ-ሓቁ፡ በዓል ርትዒ-ርትዑ ኣብ ዓይኒ ከእተዎ፣ ዓይኒ ሓያኺ ስኒ ኣብ ልቢ ከእተዎ፣ ልቢ ነኻሲ ዓጽሚ… ከም’ዛ ትማሊ፡ ቅድሚ ትማሊ ቅጅል ይብለኒ! ፈታውን ቀራብን ዓናኒዱ ረኣይን ሰማዕን ኣሰምቢዱ ሓመድ-ድበ ትብዓትና