World-known publisher Kassahun Checole accepted PEN Eritrea’s Freedom of Expression Award at the closing ceremony of PEN Eritrea’s annual meeting held in Antwerp, Belgium, from 7 to 8 October 2023. Kassahun was announced the award winner on 18 September to highlight the assault on freedom of the press in Eritrea 22 years ago. According to
ብደረጃ-ዓለም ዝፍለጥ ኤርትራዊ ኣሕታሚ ካሳሁን ቸኮል፡ ካብ ዕለት 7-8 ጥቅምቲ ኣብ ኣንትወፕ-በልጅም (Antwerp – Belgium) ኣብ ዝተቓንዐ ዓመታዊ ኣኼባ ፐን ኤርትራ ብምርካብ፡ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2023 ተቐቢሉ። ኣቶ ካሳሁን ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኣብ ቃልሲ መሰል ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ድንፋዐ ስነጽሑፍን ብዘመዝገቦ ጕሉሕ ኣበርክቶ እዩ ተዓዋቲ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2023 ክኸውን ክኢሉ። ኣቦ-መንበር ኮሚተ ሽልማት
PEN Eritrea conducted its Annual Meeting in Antwerp-Belgium from 7-8 October 2023. PEN members from around the world attended the annual meeting in person and online and discussed multiple topics the centre defends and promotes. Participants elected an Executive Committee (EC) and Advisory Board (AB) for three years of tenure per the PEN Eritrea’s
ፐን ኤርትራ፥ ዓመታዊ ኣኼባኡ ካብ 7-8 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ኣንትወፕ-በልጁም ኣቃኒዑ። ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብኣካል ናብ በልጁም ዝመጽኡን ብመንገዲ ኢንተርነት ብርሑቕ ዝተሳተፉን ኣባላት ፐን ኤርትራ፥ ኣብ ሓያለይ እቲ ማሕበር ዝቃለሰሎምን ዝነጥፈሎምን ጕዳያት ኣድሂቡ ንዝቐረበ ጸብጻባት ድሕሪ ምስማዕ፤ እወታውን ኣሉታውን መዳያት ገምጊሞም። ብመሰረት እቲ ኣብ ነፍስወከፍ ሰለስተ ዓመት ምምራጽ ሓደስቲ ኣባላት ፈጻሚት ኰሚተን ኣማኻሪት
ዓወት መንግስትኣብ* ዕስራን ክልተን ዓመታት ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ እዩ። ቈልዓ ተወሊዱ፡ ጎቢዙ፡ ፊደል ቈጺሩ፡ እንተወሓደ ማእከላይ ደረጃ ዝዛዝመሉ ግዜ እዩ። ኣረ ሻዓ ኢሉ እንተ ጀሚሩን ኣብቲ ምዕቡል ዓለምን ሲ ሞያ ሰኒቑ ስራሕ ክሕዠሉ ዝኽእል ዓመታት እዩ። ብነብስናን ቀረብትናን እንተርኢናዮ ከኣ ኣብዚ ውሽጢ ዕስራን ክልተን ዓመታት ማእለያ ዘይብሎም ተፈጥሮኣዊ ለውጥታት ኴንናን መስኪርናን ንርከብ። ገሌና ሓዳር መስሪትና
ሰቲት ዝሞሰብና፡ ጽጌናይ ዝመዓርና፡ መቓልሕ-ዘመን ኣድማስ ቀስተ-ደበና ሰላም ምስ ዊንታና ምተጠልቅዐት ዶ ከርሲ፡ ምሰኣንና ዶ ፈውሲ፡ ቃዕ-ቃዕ ዶ ምበለት ጐረሮ ዝቕመስ ስኢንናስ፡ ወኻዕኻዕ እንብለላ እኳ ቡን ሓረሮ፧! ኡይ እንዶ በሊ፡ ኡይ በሊ ጀበና ኣገንፊልና፡ ኣሽረቕሪቕና እክብ-ዕምር ኢልና ወጃዕጃዕ እንብለላ እታ ቡን ሓረሮ’ኳ፡ ሎምስ ተሳኢና! ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል
ግርማይ ዮውሃንስ* ዕለት 18 መስከረም 2001 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቅሬታኦም ዘቕረቡ ላዕለዎት ሓለፍትን ኣባላት ባይቶን ክእሰሩ ከለዉን፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ተዓጽየን ጋዜጠኛታተን ክህደኑ ከለዉን ፍስሃ (ጀሽዋ) ብዑደት ስራሕ ናብ ጋሽ-ባርካ ገይሹ ብምንባሩ ብመጠኑ ርግኣት ፈጢሩለይ ነበረ። ክነዖ ሓግዩ ዝኸረመ ፖለቲካ ሃገርና፡ ብዙሕ ነገራት ክለኻኽም ምዃኑ ርዱእ ገይረዮ ነበርኩ። እቲ ብኽልተኦም ጕጅለታት፡ ማለት ብሸነኽ ኣብ ስልጣን ዝነበረ
(To confined Eritrean journalists and writers) You are there, where No word, no light, no hope comes from, Jailed by cursed men Who are enjoying Your incessant pain. You are there, where, Your vintage-young photos in mind, We try to envisage about Your interminable pain, Caused by your gallant pen. And you
ደሳሌ በረኸት ኣብርሃም* ለበዝሐ ወቅት “እስታዝ”፡ መዓልም አው ሙደርስ ዶል እምብል፡ እግለ እት መድረሰት ምህሮ አካዳምየት ለለሀይቡነ መዐልሚን አው ሙድርሲን ሌጠ ነሐስቡ። ተዕሊም አው ምህሮ ላኪን፡ እሊ ለዲብ ፈስል እንዴ ትገሴነ ለእንስኡ ሌጣ ኢኮን። አማንተ፡ እሊ ለዲብ ፈስል እንዴ ትገሴነ ለልትሀየበነ ሕዱ’ድ ተዕሊም አው ምህሮ፡ ለዲብ ሐያትነ አምበል ንዝምት ገበይ ለእንርክቡ ተዕሊም ወተጃርብ ሐያት በዝሕ።

