እኳ እታ ሓረሮ

No comments

ሰቲት ዝሞሰብና፡
ጽጌናይ ዝመዓርና፡
መቓልሕ-ዘመን
ኣድማስ ቀስተ-ደበና
ሰላም ምስ ዊንታና
ምተጠልቅዐት ዶ ከርሲ፡
ምሰኣንና ዶ ፈውሲ፡
ቃዕ-ቃዕ ዶ ምበለት ጐረሮ
ዝቕመስ ስኢንናስ፡
ወኻዕኻዕ እንብለላ
እኳ ቡን ሓረሮ፧!

ኡይ እንዶ በሊ፡ ኡይ በሊ ጀበና
ኣገንፊልና፡ ኣሽረቕሪቕና
እክብ-ዕምር ኢልና
ወጃዕጃዕ እንብለላ
እታ ቡን ሓረሮ’ኳ፡
ሎምስ ተሳኢና!

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

Print Friendly, PDF & Email