ደራሲ ሚኪኤል በርሀ ካብ ዝሓልፍ፡ 30 ነሓሰ 2026 ድሮ ሓደ ዓመት ተቘጺሩ። ብድሕሪ ሕልፈቱ፡ ፈታዊ ሰዓት እትብል መጽሓፉ ንዳግመ-ሕትመት በቒዓ ኣብ ዝተመረቐትሉ ዕለት ዝቐረበ ስነጽሑፋዊ ገምጋምን ምስትምቓርን እነሆ።
_______________________
ኣርእስቲ መጽሓፍ፥ ሓላው ሰዓት
ደራሲ፡ ሚኪኤል በርሀ
ዕለተ ሕትመት- 2ይ ሕታም 2026
ቅየሳ ገበር፥ ብርሃነ ኣዶናይ
ጅር፥ ሓጺር ዛንታ፥
ብዝሒ ገጻት፡ 182
ብዝሒ ዛንታታት- 10
‘ሚኪኤል በርሀ’ እንተ ኢልና ወይ’ውን ‘ዕዮታት ሚኪኤል በርበ’ ኢልና ክንጠርቅስ እንተ ጀሚርና፥ ‘ሰውራዊ ስነ-ጽሑፍን እንታይነቱን’ ክንብል’ውን ግድን እዩ። ዝበዝሑ ሰውራውያን ጸሓፍቲ፡ “ስነ-ጽሑፍ ነጸብራቕ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ’ዩ፤” ብኻልእ ኣዘራርባ፥ “ስነ-ጽሑፍ፡ ናይ ወዲ-ሰብ ስነ-ጽባቐኣዊ ስምዒት ምስኡ ዝተወልደ ዘይኮነስ ካብ ሕብረተሰብ ዝተቐስመ’ዩ፤” ኢሎም’ዮም ዝገልጽዎ። በቲ ካልእ መዳይ ድማ ምዕራባዊ ፍልስፍና፥ ንስነ-ጽሑፍ ካብቲ ማሕበረ-ቝጠባዊ ሰረቱ ነጺሎም ከም ሕልማዊ ዓለም ወይ እውን ካብ ምድሪ ንላዕሊ ሰማያዊ ጽፍሒ ዘለዎ፥ ፍጹም መንፈስ ወይ’ውን መንፈሳዊ ራኢ ናይቲ ደራሲ ውሽጣዊ ስምዒታት’ዩ፤” ኢሎም’ዮም ዝገልጽዎ። ስለዚ’ዩ ከኣ ቪክቶር ሁጎ – ንሸክስፒር ከም “Semi God” ዝርእዮ ዝነበረ። ዝበዝሑ ሰውራውያን ጸሓፍቲ ከም በዓል ሚኪኤል በርሀ፥ ከምቲ ልዕል ኢለ ዝተቐስክዎ ኣብ ፍጹም መሕበራዊ ክውንነት ብምዕስካር፡ ንኣዕማድ ማርክስ-ኤንግልስ “On Literature and Art” ዝኽተሉ ጸሓፍቲ’ዮም ነይሮም። ስለዚ ዝበዝሑ ጽሑፋት ሚኪኤል በርሀ ኣብቲ ማሕበራዊ ክውንነት ሰረት ብምግባር፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ደርባዊ ምዝመዛን ጭቆናን ንምብዳህን ንምቅላሕን ኢሉ – ኣብ ውሽጢ’ቲ ማሕበረሰቡ ፍጹም ዓስኪሩ ዝነበረ ጸሓፊ’ዩ።
ነዚ ዛዕባ’ዚ ኣጉሊሐን ካብ ዘርእያና፥ ካብ መጽሓፍ ‘ፈታዊ ሰዓት’ ከይርሓቕና’ኳ ንባዕላ፥ ፈታው ሰዓት፡ ምዕልባጥ፡ ምርእኣይ፡ ስረ ሓራጅ ከምኡ’ውን ሓላው መቓብር ከም ኣብነት ምውሳድ ይከኣል።
1ይ. ሓላው መቓብር
ሓጻር ዛንታ “ሓላው መቓብር፡” ናብ ኖቬላ ዝኸደ ኣዘናትዋ ዝተኸተለት ኰይና፡ ቀንዲ ገጸባህሪ ናይዛ ዛንታ ድማ ተኽለገርግሽ እዩ። ተኽለገርግሽ ካብ መንእሰይ ገጸባህሪ ናብ ሽማግለ ኣያ ተኽለገርግሽ ዝተሰጋገረ ቀንደ-ጠባይ እዩ። ተኽለገርግሽ ካብ ፋሓሪ-ጉድጓድን ቀባሪ-ሬሳን ክሳብ ሓላው መቓብር ዝበጽሐ’ዩ። እዚ ገጸ-ባህሪ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ንሞት ዘይፈርሕ፥ ካብ ንእሽቶይ ክሳብ ዓብዪ ዝቐበረ ክንሱ – ዓይኑ ምስ ፈዘዘ፡ ብርኩ ምስ ተታሕዘ ግና ንሞት ይፈርሓ። ኣመና ይጀጁ። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ሞት ንምምላጥ ናብ ዓደ’ቦኡ ይሃድም። ካብ ሞት ክሕባእ! ንሞት ከሽክዕ – ዝሕልን ሰብ’ዩ – እቲ መወዳእታ ህይወቱ። ኣያ ተኽለገርግሽ፥ ካብ ሞት ግን ኣየምለጠን።ሞትስ ኣቕረየቶ ደኣ!
በቲ ሓደ ወገን ድማ፥ መንእሰይ ቲፋኖስ ከም ተዓዛቢ ገጸ-ባህሪ ኰይኑ ዝተሃንጸ፥ ወላ ደኣ ንውሱን ግዜ ምስ በዓል ኣያ ተኽለገርግሽ ይስራሕ እምበር፡ ከም ምሉእ-ትዓዛቢ ጠባይ ግን ክንሪኦ ንኽእል ኢና። ንቲፋኖስ ስለምንታይ ከም ተዓዛቢ ጠባይ ንወስዶ፧ ስለምንታይ ጸሓፊ ብኸምኡ ንኽህነጽ ደልይዎ፧ ከምዚ ዓይነት ኣጸሓሕፋ-ኸ ብኻልኦት ደረስቲ ይዝውተር ድዩ፧ ተዓዛቢ ገጸባህሪኸ እንታይ ማለት’ዩ? ተንተንቲ ናይዚ ዓውዲ ነናቶም ግንዛበ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም።
ቅድሚ ናብቲ ትንታነ ምሕላፈይ፡ ንእንታይነትን ግደን ተዓዛቢ ገጸባህሪ (Observer character) ክገልጽ። ተዓዛቢ ገጸባህሪ፥ኣብቲ ዛንታ ንዝፍጸም ፍጻሜታት ብቐጥታ ጣልቃ ዘይኣቱ ወይ ውሱን ጣልቃ ዝገብር ኰይኑ፡ ነቲ ፍጻሜታት ግን ብጥንቃቐ ዝከታተል ገጸባህሪ’ዩ። ብኸምዚኦም ዝተዓዩ ዛንታታት ብዙሓት ኣንቢብና ኣሎና። ንኣብነት ናይቲ ውሩይ ጽሓፊ ሓጺር ዛንታ ኤርነስት ሄሚንግዌይ – ኣብ ዝበዝሕ ዛንታታቱ፡ ኒክ ኣዳምስ – እቲ ንኡስ መንእሰይ ከም ተዓዛቢ ጠባይ ወትሩ ምስ ተኻተተ’ዩ። ኣብ Indian Camp ከምኡ እውን The killers ኣብ ዝብላ ዛንታታት ምዝካር ይከኣል።
ሓጺር ዛንታ Indian Camp፥ ኒክ ኣዳምስ ገና ንእሽቶ ቈልዓ ከሎ ምስ ኣቦኡ ዶክተር ኣዳምስን ምስ ኣኮኡ ጆርጅን ኰይኑ ናብ ሓደ ናይ ደቀባት ኣመሪካውያን መዓስከር ይጓዓዝ፤ ኣብኡ ድማ ንሓንቲ ንነዊሕ መዓልታት ዝቐጸለ ከቢድ ሕማም ሕርሲ ዝተትሓዘት ጓል ኣንስተይቲ ንምድሓን፥ ኣቦኡ ብዘይ መደንዘዚ፣ ብናይ ካራ ጁባ (jack-knife) ህጹጽ መጥባሕቲ ክገብር ከሎ፡ ኒክ ከም ስቕተኛ ተዓዛቢ (observer) ኰይኑ፡ ነቲ ኵነታት ይከታተል። እቲ ዘሕዝን ክፋል ናይዚ ዛንታ፣ ብዓል-ቤት እታ ሰበይቲ እግሩ ተሰይሩ ኣብ ላዕለዋይ ዓራት (bunk bed) ብቓንዛ ይልሎ ነበረ። ነቲ ቃንዛኡን ተወሳኺ ቃንዛ ሰበይቱን ክጻወሮ ስለዘይከኣለ፣ ተስፋ ቆሪጹ፣ ክሳዱ ብምቑራጽ ይመውት። ዶክተር ኣዳምስ ነቲ ሕጻን ኣውጺኡ፡ ናብቲ ላዕለዋይ ዓራት እንተ ጠመተ፡ እቲ ሰብኣይ ነብሱ ከም ዘጥፈአ ይርኢ። ኒክ ነዚ ኵሉ ዘስካሕክሕ ፍጻመታት፥ ስቓይን ሞትን – ምሉእ ተዓዛቢ ኰይኑ፥ ብዓይኑ ብምርኣዩ ድማ ንፈለማ ግዜ፡ ኣብ ሓንቲ ህሞት ምስ ጭካነን ክውንነት ህይወትን ፊት ንፊት ክጋጠም እንከሎ ንሪኦ። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ካብቲ ቦታ ምስ ኣቦኡ ብጃልባ ክምለስ ከሎ፣ ነቲ ዝረኣዮ ዘስካሕክሕ ፍጻሜታት ንምዕባጥ ብዝመስል ናይ ሕጻንነት ንጽህናኡ ብምዝካር፡ ፈጺሙ ዘይመውት ኰይኑ ተሰምዖ።
ሄሚንግዌይ ነቲ “ፈጺሙ ከም ዘይመውት ኰይኑ ተሰምዖ” ዝብል ሓሳብ ዘቐመጠሉ ምኽንያት፡ ኒክ ንጽህናኡ ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምጥፍኡ ዝተሰምዖ ናይ መወዳእታ ናይ ሕጻንነት ስምዒት ንምግላጽ እዩ። ንሱ ገና ንሓቀኛ ትርጉም ሞት ክርድኦ ኣይደለየን። ብሓጺሩ፥ ሄሚንግዌይ ኣብቲ ዛንታ ከነጽሮ ዝደለየ፡ ኒክ ካብቲ ዝረኣዮ ዘስካሕክሕ ፍጻሜታት ንምህዳም፡ ንሞት ብምኽሓድ ናይ ሕጻንነት ንጽህናኡ ክሕዝ ስለ ዝፈተነ’ዩ። እዚ ድማ ወድሰብ፡ ከቢድ ስንባደ ክጋጠም ከሎ ዝጥቀመሉ ናይ ተፈጥሮ ናይ ምክልኻል ስምዒት ዘርእየና ኣገባብ እዩ።
ከምኡ’ውን ሓጺር ዛንታ “The Killers” ኣብ መጽሓፍ World Literature Series for Eritrean Readers V.4 ብፕሮፌሰር ተጅ ደሃር’ ዝተዳለወ፥ ‘Old And New Voices’ ኢሉ ዝሰመያ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 157 ተኻቲታ ኣላ።ነዛ ሓጻር ዛንታ – ኵሉ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዝግደስ ኤርትራዊ ኣንቢብዋ ከም ዘሎ ፍሉጥ’ዩ።
The killers – ምስ ዛንታ “ሓላው መቓብር” ብብዙሕ ኵርናዕ ዘመሳስል ኣለወን’ኳ እንተዘይበልና፥ ቲፋኖስን ኒክን ግና ኣብ ብዙሕ ተመሳሳሊ ተመኵሮን ግንዛበን ዘለዎም ገጸባህርያት’ዮም። ብፍላይ’ኳ ክልቲኦም ከም ተዓዘብቲ ገጸባህሪ እንተ ወሲድናዮም።
ኒክ ኣዳምስ፥ ከም ቀንዲ ተዓዛቢ ገጸ-ባህሪ ኰይኑ፣ ንፈለማ ግዜ ንህይወቱ ምስ ሞትን ሕየትን ዝተፋጠጠላ ድቦላዊት ተጓንፎ’ያ ነይራ። እዚ ተጓንፎ፥ ኣብ ስነጽሑፋዊ ስርሓት ናይ ምስግጋር ጉርዝውና (coming-of-age) ተራ’ዩ ዘለዎ።
እቲ ዛንታ፡ ኣብ ሓደ (Henry’s Lunch-Room) እትበሃል ንእሽቶ ቤት መግቢ’ዩ ዝጅምር። ክልተ ኣልን ማክስን ቀተልቲ (gangsters) ንኦሌ ኣንድረሰን ዝበሃል ሽወደናዊ ቦክሰረኛ ንምቕታል ቆሪጾም ዝመጹ’ዮም። ነቶም ኣብቲ ቤት መግቢ ዝነበሩ -ሰራሕተኛታት ጆርጅን ኒክ ኣዳምስን ኣሲሮም፥ ነቲ ሽወደናዊ ቦክሰኛ (ነበር) ክጽበይዎ ይጅምሩ።ኦሌ ኣብቲ ቤት መግቢ ቀዋሚ ዓሚል ስለ ዝነበረ ከም ዝመጽእ ትሑዝ ጌሮም’ዮም ዝጽበይዎ።
ሽወደናዊ ኦሌ ኣንድረሰን ግና፡ በቲ ልሙድ ሰዓቱ ስለ ዘይመጸ፡ እቶም ቀተልቲ ተስፋ ቈሪጾም፡ንጆርጅን ኒክን ፈቲሖም ገዲፎሞም ይኸዱ። ኒክ ኣዳምስ ናብ ገዛ ኦሌ ከይዱ ቀተልቲ ይደልይዎ ከም ዘለዉ የጠንቅቖ። ኦሌ ኣንድረሰን ግን ኣብ ዓራት በጥ ኢሉ፣ ንዘረባ ኒክ ግዲ ከይገበረ፥ ፍጹም ተስፋ ዝቘረጸን ንሞት ዝተቐበላን ኰይኑ’ዩ ዝጸንሕ። ካብ ሞት ንምህዳም ምንም ጻዕሪ ክገብር ከም ዘይደሊ ድማ ንኒክ ይነግሮ። ኒክ ብዛዕባዚ ኵነታት ኣዝዩ ተሰናቢዱን ሓዚኑን ይምለስ።
ኣብዚ ዛንታ፡ ኒክ ኣዳምስ ገና መንእሰይ ከሎ፡ ንህይወት ማንካ ከየልዓለላ ደበና ሞትን ክፋእ ናይ ደቂ ሰባትን ብኣካል ይዕዘባ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ኒክ ነቲ ኵነታት ተጻዊሩ ክነብር ስለ ዘይክእል፣ ካብታ ከተማ ርሒቑ ክሃድም ይውስን። ሄሚንግዌይ በዛ ዛንታ እዚኣ ኣቢሉ፡ ኒክ ኣዳምስ ካብ ቆልዓ ናብ ዓብዪ ሰብኣይ ዝተሰጋገረሉ (Coming of age) መድረኽ ብምርኣይ – ዓለም ክሳብ ክንደይ ጨካንን ትርጉም ኣልቦ ምዃናን ብመገዲ ኒክ ከርእየና’ዩ ዝህቕን።
ሚኪኤል በርሀ’ውን ንቲፋኖስ ምስቶም ፋሓርቲ ጉድጓድን ቀበርቲ ሬሳን – ብኸፊል ከዋስኦ ብምፍታኑ ንናብራን ትርጉም ህይወትን ክዕዘብ ኣኽኢልዎ’ዩ። እቶም ንቲፋኖስ መሳርሕቱ፥ ሬሳ ርእዮም ድምብርጽ ዘይብሎም፡ ነቲ መዋቲ ድማ ምዕይ ከምዘይብል ጌሮም ብሓመድን እምንን ብጭካነ ክዓብጡ ምስ ተመልከተ፥ ኣብኡ ምስኦም ሓቢሩ ምስርሑ ስግድግድ ከም ዝበሎ የርእየና። በዚ ድማ ቲፋኖስ፡ እታ ዝበለጸት ህይወትን ዓለምን ኣብታ መሮር ዓዱ ከም ዘላ ብምግንዛብ ንሃገረሰቡ ይምርቀፍ። ቲፋኖስ፡ ወላ’ኳ ነቲ ምዅዓትን ምቕባርን ይጽላእዮ እምበር፡ ብዙሕ ህይወት ክርእስ ቀሲብዎ’ዩ። ገጽ ሬሳ ንዘይምርኣይ ብምውሳን ድማ ንዓዱ ተመሊሱ ይነብር።
ኣያ ተኽለገርግሽ ከኣ ድሕሪ 40 ዓመታት ናይ ስራሕ ተመኵሮ ህይወቱ፥ እርጋን ምስ ኣሰነፈቶ፡ ካብ ሞት ክሃድም ሞት ኣብቲ መሮር በረኻ ተረኽቦ። በቲ ጸላኢ ሞት ፡ ጸላኢ ጉድጓድ ምፍሓር፡ ጸላኢ ቀብሪ ዝዀነ ቲፋኖስ – ጉድጓድ ክፈሓረሉ ንሪኦ። በቲ ካልእ ወገን እቲ ተዓዛቢ ገጸባህሪ ዝዀነ፡ መዓር እንዳ በርበረ፡ ገበል ኣፉ ሃህ ኣቢሉ ንኽውሕጦ እናተዳለወ፥ እቲ ዛንታ ብኽፍቱ ይውዳእ። (እቲ ዛንታ ብናይ ቲፋኖስ ወጣሪ ህሞት ምውድኡ ድማ እቲ ከም ተዓዛቢ ገጸባህሪ ዝነበረ ቲፋኖስ፥ ካብ ምሉእ ተዓዛብነት ናብ ውሱን ጣልቃነት ዝተሰጋገረሉ ፍጻመ ኢና ንግንዘብ!)
ብሓፈሻ፡ ኒክን ቲፋኖስን ኣብ ጉዕዞ ህይወቶም – ብዙሕ ፍጻመታት ብምርኣይ፡ ንገዛእ ህይወቶም ክምህርዋን ከእርምዋን ኢና ንርኢ።
2ይ. ዛንታ ምዕልባጥ
እታ ኣብ ገጽ-76 ዘላ ዛንታ “ምዕልባጥ” ምስ እንምልከት ድማ፥ ሓደ በየነ ዝተባህለ ደራሲ ገጸ-ባህሪ ኢና ንረክብ። ምስቶም ዝፈጠሮም ገጸ ባህሪ ድማ ካብ ምሒር ምፍቃር ዝተላዕለ፥ ከይብድሎም፡ ከየቖጥዖም፡ ከየዘኽትሞም፡ ከይጐድኦም፡ ከይቀትሎም፥ ክፍኦም ከይርኢ ኣመና ዝጥንቀቕ ደራሲ እዩ። በየነ ብዙሕ ዝጽሓፈ ግን ከኣ፡ መጽሓፍ ከሕትም ዘይከኣለ፥ ሳንድቑ ብጽሑፋት ዝተደርቀቐት’ያ። ሓደ መዓልቲ ኣብታ ኣዝያ ጸባብ ገዛኡ ብጽሑፋቱ እናስተንተነ እንከሎ፥ ሓንቲ ካብ ማእከል ዝዓመለት ወረቐት ብኽልተ ገጻ ዝተጻሕፈት ዛንታ መዘዘ። ኣትኪሉ ድማ ናብ ኣርእስቲ፡ እቲ ዛንታ ይምልከት። በቲ ዝሃቦ ኣርእስቲ ክኣምን ኣይከኣለን። ደጋጊሙ ከኣ ይርእያ። ኣይኣመነን። ኣዒንቱ ሓጺቡ እውን ሰለሳ፣ ረብዓ። እታ ኣርእስቲ ግን ኣይተቐየረትን። “ንብዓት” ተጻሒፋ ድማ ነበረት።
ነቲ ዛንታ ከንብቦ ምስ ጀመረ ከኣ፡ በቲ ዛንታ ትርሓስን ሰለስተ ደቃን “ንምንታይ ፈጠርክዎም፧” ኢሉ፣ ኣመና ተጠዕሰ። ‘መጻኢ እቶም ቆልዑ እንታይ’ዩ ክኸውን፧’ እናበለ ድማ ክቕንዞን ክጥዓስን ንሪኦ። ንዕኡ ገዲፉ ድማ ካልእ ዛንታ ክጽሕፍ ንሪኦ። ዛንታ፡ ኣያ ወልዱ!። ንዛንታ ኣያ ወልዱ እውን ጽሒፉ ምስ ወድአ ‘ኣያ ወልዱ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ፥ ክዋረድ ርትዓዊ ድዩ ኣይኰነን፧’ ኣብ ዝብል ሓሳብ ሰፍሊሉ’ዩ ዘዕለብጥ፥ምዕልባጥ ደራሲ!። እቲ Semi-Autographical ሚኪኤል በርሀ ዝዀነ፡ ደራሲ ገጸባህሪ በየነ!!
ኣብ ስነ-ጽሑፍ፡ ሓደ ደራሲ ባዕሉ ዝፈጠሮም ገጸ-ባህርያት፡ ናብኡ ተመሊሶም ክማጎትዎ ወይ ክኸስዎ (ደራሲ እውን ብሰንኮም ክጣዓስ) ዝርኣየሉ ፥ ፍቱው ኣገባብ ኣጸሓሕፋ እዩ። ካብቶም ኣብ ሓጺር ዛንታታት ብብሉጽ ኣገባብ ዝተጠቀምሉ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዓበይቲ ደረስቲ ከም ኢታልያዊ ሉዊጂ ፒራንደሎ፡ እታ ፍልጥቲ ድራማዊት ዛንታኡ፡ “Six Characters in Search of an Author” ዝሰመያ፤ እቲ ደራሲ ዝፈጠሮም ግን ከኣ፡ መወዳእታ ከይገበረ ዝሓደጎም ገጸ-ባህርያት፡ ናብ ቤት-ጽሕፈቱ እናመጹ ሕቶታትን ጥርዓንን የቕርቡሉ። እቲ ደራሲ ብሰንኪ እቲ ዝፈጠሮም ህይወትን ዝሃቦም ስቓይን ክጣዓስን ክጭነቕን’ዩ ዝርአ።
ካልእ ስጳኛዊ ደራሲ ሚጎል ኡናሙኖ [Miguel Unamuno] (Mist / ግመ) ዝሰመያ ሓጻር ኖቨላ (Novella)፥ ንኣውጉስቶስ ዝስሙ ገጸ-ባህሪ፡ እቲ ደራሲ (ኡናሙኖ) ክቐትሎ፡ ካብ’ቲ ዛንታ ከውጽኦ፡ ከም ዝደለየ ምስ ፈለጠ፥ ብቐጥታ ናብ ኡናሙኖ ከይዱ ይማጎቶ። “ንስኻ እውን ከማይ ፍጡር ኢኻ፤ እግዚኣብሔር ከኣ ዛንታኻ ምስ ኣብቅዐ ክቐትለካ እዩ፤” ብምባል ንደራሲኡ የጨንቖን የጣዕሶን።
ብሓፈሻ፡ እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ስነ-ጽሑፍ “Meta-fiction” (ሜታፊክሽን) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ እቲ ደራሲ ኣብ መንጎ ክውንነትን ፈጠራን ዘሎ ጋግ ንምጽባብን ብዛዕባ ሓላፍነት ፈጣሪ ወይ ደራሲ ንምምጓትን – ዝጥቀምሉ ብሉጽ ስነ-ጽሑፋዊ ስልቲ ወይ ሜላ እዩ።
3ይ. ዛንታ “ምርእኣይ”
መከራ ወለዶታት፣ ውሉድ ብሰንኪ ውግእ ንዘጋጥም ከቢድ ስንክልና፣ ከምኡ’ውን እቲ ኣብ መወዳእታ ዘጋጥም ዘሕዝን ሞት — ኣብ ዓለምለኻዊ ስነ-ጽሑፍ ፡ “ትራጀዲ” ወይ’ውን “ከንቱኣዊ ክውንነት” (Bleak Realism) ብዝብል ኣምር’ዩ ዝፍለጥ። ውግእ ዘውርዶ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላን ናይ ስድራቤታት ምብትታን ከቢድ ሳዕቤን ከም ዘኸትል ፍሉጥ’ዩ። ምስ ዛንታ “ምርእኣይ” ኣዝዮም ዝመሳሰሉ ፍሉጣት ናይ ዓለም ዛንታታት ብዙሓት – ብዙሓት – ብዙሓት -ብዙሓት’ዮም። ገለ ኣብነት ንኸፊላዊ መረዳእታ ዝዀነና ክጠቕስ፥
ብዳልተን ትራምቦ ዝተጻሕፈት ፡ “Johnny Got His Gun” ዘርእስታ ሓያል ጸረ-ውግእ መጽሓፍ፣ ጆ ቦንሃም ዝተባህለ መንእሰይ ኣሜሪካዊ ወተሃደር ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዘጋጠሞ ዘስካሕክሕ ዕጫ ከኣ ተዘንቱ። ጆ ኣብ ውግእ ብዘጋጠሞ ናይ ቦምባ ነተጉታ፣ ክልተ ኣእዳዉን ኣእጋሩን፣ ከምኡ’ውን ገለ ኣካላት ገጹ (ዓይኑ፣ እዝኑ፣ ኣፍንጫኡን ኣፉን) ስለ ዝሰኣነ፣ ክርኢ፣ ክሰምዕ፣ ክዛረብ ወይ ክንቀሳቀስ ዘይክእል ብህይወቱ ዘሎ “ሬሳ” ኰይኑ ይተርፍ።
ኣብዚ ዛንታ ተመሳሳሊ ፍጻመታት ኣሎ፤ ብፍላይ’ኳ ኪንዮ ኵሉ ህዋሳቱን መሓውሩን ምጥፍኡ፡ ስድርኡ ንጆ ምስ ርኣይዎ ኣእምሮኦም ክስሕቱ፡ ከቢድ ስንባደ ክፈጥረሎም ከሎ ኢና ንርኢ። ብፍላይ ኣቦ ጆን ብዓልቲ ቤቱን ንዝገደፈሎም ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ – ምስ ዛንታ “ምርእኣይ” ከነነጻጽራ ከለና ብብዙሕ ፍጻሜታት ይመሳሰላ’የን።
ቅድሚ ናብተን ካልኦት ዛንታታት ምስጋረይ – ካልኣይቲ ኣብነት ኣሕጺረ ክጠቅስ፥
ናይ ኢታልያዊ ደራሲ ሉዊጂ ፒራንደሎ ዝተጻሕፈት “ውግእ” (War) ዘርእስታ ሓጻር ዛንታ፣ ኣብ ግዜ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ኣብ ሓንቲ መንገዲ ባቡር ዝተራኸቡ ኢጣልያውያን ወለዲ፣ ደቆም ናብ ግንባር ብምኻዶም ዝተሰምዖም – ዓሚቝ ስቓይን ሓዘንን ዘንጸባርቕ ዛንታ’ዩ። እቶም ተጓዓዝቲ “መን’ዩ ዝያዳ ዘሕዝን ዕጫ ዘለዎ!፧” (እቲ ሓደ ወዲ ጥራይ ዘኽተተ’ዶ ወይ’ስ እቲ ብዙሓት ደቁ ዝሃበ!፧) ብዝብል ክከራኸሩ ከለዉ፥ ሓደ ወዱ ኣብ ውግእ ዝሞቶ ኣቦ ግን፣ “እዚ ክትዕኹም ብዘየገድስ – ደቅና ንሃገሮም – ተሓጒሶም ክሞቱ ኣለዎም፤ ንሕና ከኣ ክንሓዝነሎም የብልናን!” ኢሉ፣ ብሓያል ስምዒት ይዛረብ። እቶም ኣብ ጎኑ ኰይኖም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ወለዲ ከኣ፥ በቲ ፍልስፍናዊ ዘራርባኡ ተደዓዒሶም ሓዘኖም ክርስዑ ከለዉ፥ ሓንቲ ጸሊም ዝተኸደነት ሰበይቲ ግን ሃንደበት፡ “ወድኻ ግን ብሓቂ ዶ ሞይቱ’ዩ?” ኢላ ትሓቶ። እዛ ቀሊል እትመስል ሕቶ፥ እቲ ሓቃዊ ሞት ወዱ፡ ኣብ ርእሱ ወቕዖ’ሞ፣ ነቲ ሃኒጹዎ ዝነበረ ናይ ስነ-ኣእምሮ መከላኸሊ መጋረጃ ቀደዶ። እቲ ኣቦ እውን ወዱ ንሓዋሩ ከም ዝሰኣኖ ብሓቂ ተሰቆሮ። ንፈለማ ግዜ ከኣ ክቆጻጸሮ ብዘይክእል ስምዒት ብብኽያት ተነኽነኸ። እዚ ዛንታ እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ስብከትን ሓቀኛ ናይ ወለዲ ስቓይን ዘሎ ዘጉልሕ ሓቃዊ ፍጻመ እዩ።
ከምኡ እውን ናይ ፍራንዝ ካፍካ ዛንታ “Metamorphosis” ናይ ዊልፍረድ ኦውን (Wilfred Owen) “Disabled” ግጥማዊት ዛንታ – ኣዝየን ምስ ዛንታ ‘ምርእኣይ’ ዝመሳሰላ ዛንታታት እየን።
እታ ኣብ ናይ ሚኪኤል በርሀ ዘላ ዛንታ፡ “ምርእኣይ” ግን፥ ፍሉይነታ – ነቲ “ሰለስተ ወለዶታት” (ኣቦሓጎ፡ ኣቦ፣ ውሉድን ኣደን) ዝበተኸ ሓረግ-ወለዶ ምዃኑ ጥራይ’ዩ ፍሉይ ዝገብሮ። እዚ ተኸታታሊ መከራ፣ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዓለም ብብዝሒ ምስቲ ናይ ጥንቲ ግሪኻዊ ትራጀዲ (ከም ስድራቤት ኦሬስቴስ ወይ ኦዲፐስ) ዝመሳሰል ኰይኑ፣ ንዓና ንኤርትራውያን ግን ማሕበራዊ ክውንነትና ዘንጸባረቐት ፍልይቲ ምስለ-ታሪኻዊት ዛንታና እያ።
ብሓፈሻ ስነጽሑፋዊ ዕዮታት ሚኪኤል በርሀ ክንሪኦም ከለና፥ ምስቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕብረተሰብና ኣዝዮም ዝጠለቑ ኰይኖም፥ ሕማምና፡ ጸገምና፡ ስሬትና፡ ደውታና ቀላሊዖም ዘርእዩና ዛንታታት ኢና ንረክብ።
ቅድሚ ምዝዛመይ – ዛንታ ‘ስረ ሓራጅ’ እውን እንተዀነት፥ ኣብቲ ዛንታኣ ብጥልቀት እንተ ርኢናዮ ወይ እውን እንተ ኣስተንቲንናዮ፥ ኪንዮ እቲ ተጋዳላይ – ኣብ ቅድሚ ናጽነት ኰይኑ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዝሓልሞ ዝነበረ ናይ ትጽቢትን ክውንነትን – እቲ ሕብረተሰብ ኤርትራ እውን ካብኡ ዝሓልፍ ፡ ገጅፍ ባህግን ተስፋን እምበር፡ ከምቲ ኣብ ዛንታ ስረ-ሓራጅ ዘሎ ሕልምልም ዝብል ቤት ንኽፍጠር ፍጹም ዝተሓስበ ኣይነበረን። ስለዚ ህይወት ፡ ኣብ ሕልማዊ ትጽቢት ዘይኮነትስ -ቀንድስ ኣብ ክውንነት ከም እትምርኰስ’ዩ ዘርኢ – እቲ ፍጻመ።
ሚኪኤል በርሀ! ኣይሞተን – ኣይገሸን – ኣየርሓቐን
ምናልባት ግን ‘ፈታዊ ሰዓት’ ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ!
የቐንየለይ!
ተስፊት ኣብርሃም
