በጺሐ

በጺሐ እብለኪ በጺሐ… ናብቲ ዝነውነወ ነውኒዉኒ ሃው! ዝበልኩዎ ከይበልኩዂ ደሓን ኵኒ ናብቲ በቲ ሓደ ሸነኽ ዘሎ ሳዕሪ ናብቲ ርሁው ዓለም ናብቲ’ኳ… ኣካውናኡ እዝጊ ዋናኡ ግና ስድራ ጠዋሪ ዓለባ ቀያሪ   …በጺሐ። በሰላ ዝሓንጸጾ ካርታ ሒዘ ኣይሂ ንብዓት ብዝፈጠሮ ሩባ ሩባ ተጓዒዘ ኣደን ጓልን: ሓውን ሓብትን ብዘይንቡር ኣጐዛጒዘ ከምዘይብጻሕ የልቦን በጺሐ። ሕላገት ራዕዲ ኣብ ዝባነይ ተሸሪጡ

Continue reading

War’s curse (English translation of “ኣበሳ ኲናት”)

​On the occasion of International Translation Day, PEN International selected the award winning poem of Amanuel Asrat “ኣበሳ ኲናት” to be translated into many languages. So far it has been translated into eight major world languages and the translations will follow, but here is the English translation of the original by Tedros Abraham in collaboration

Continue reading

መድሃኔ ሃይለ –– ስለ ናጻ ፕረስ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ ዓርኪ

ዳንኤል ረዘነ* ሓደ ካብቶም ብዘይ ክሲ ንልዕሊ 14 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ መድሃኔ ሃይለ፡ መማህርተይ፡ ናይ ስራሕ ብጻየይን ናይ ቀረባ ዓርከይን’ዩ ነይሩ–ገና ብኣይ ወገን’ውን ዘሎ። መድሃኔ ሃይለ ሓደ ካብቶም መስረትቲ’ቲ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ኰይኑ፡ ክሳብ ዝተኣስረሉ እዋን ከም ምኽትል ኣሰናዳኢ ኰይኑ ይሰርሕ ነይሩ። ከም ጋዜጠኛን ምኽትል ኣሰናዳኢን ድማ ሓያሎ ዓንቀጻት–ብሕልፊ እኳ ርእሲ-ዓንቀጻት ጽሒፉ። እታ ብተሪር

Continue reading

ተጋዳላይ ሰኣላይ ስዩም ጸሃየ

ኣብርሃም ተስፋልኡል* መስከረም 16 2015 ፎቶግራፍን ተንቀሳቓሲን ስእሊ ኤርትራ ክለዓል ከሎ ቀዲሙ ዝጥቀስ ስዩም ጸሃየ፡ ኣብ 1952 ካብታ 12 ቈልዑ ዝፈረየት ስድራቤት ኣቶ ጸሃየ ወልደማርያምን ወ/ሮ ሮማ ሰሎሞንን ኣብ ትዅል ተወሊዱ። ኣብ ትዅል ደኣ ይወለድ እምበር፡ ኣብ ከባቢ ጸጸራት ኣስመራ ክዓቢ ከሎ፡ ትምህርቱ’ውን ኣብ ኣስመራ’ዩ ተኸተቲሉ። እዛ ብዙሓት ቈልዑ ዝወለደት ስድራ ማዕረ ብዝሒ ዝፈረየቶም ደቂ’ያ ንቓልሲ

Continue reading

ንልዕልና ሕጊ እናተቓለሰ ግዳይ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ዝዀነ ሳህለ ጸጋዝኣብ (ወዲ-ኢታይ)

ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርድም)* ካብ ቀሺ ጸጋዝኣብን ኢታይ ለተሃይማኖትን ኣብ ዓዲ-ንፋስ (እገላ-ሓመስ) ዝተወልደ ሳህለ (ወዲ-ኢታይ) ሕሳስ-ልደ ናይታ ሸውዓተ ቈልዑ ዝወለደት ስድራ’ዩ። መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማይ-ዕዳጋ ድሕሪ ምቕሳም ካልኣይ ደረጃ ኣብ ደቀምሓረ ብምቕጻል ክሳብ ንሜዳ ዝስለፍ ብልዑል ተገዳስነት ተኸታቲሉ። መተዓብይቲን መማህርቲን ሳህለ ከም ዝምስክሩዎ፡ ካብ መባእታ ኣትሒዙ ክሳብ መወዳእታ ተሸላሚ ብልጫ’ዩ ነይሩ። ኣብ

Continue reading

እታ መንግስቲ ዝተጻብኣ ናይ መንግስቲ ረድዮ

በየነ ሰመረ* መሬት ኣይደሓነን ን19 ለካቲት 2009 ልክዕ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኵሎም ኣባላት ረድዮ ባና ዓመታዊ ናይ ስራሕ ገምጋም ንምግባር ኣኼባ ከም ዘሎ ካብ ዝንገር ሳልስቲ ኣቝጺሩ ነበረ። እቶም ደጋጊሞም ንስራሕ ዘይኣትዉ ኣባላት’ውን ኣብታ መዓልቲ ከይበዅሩ ከም ዝድውለሎም ተገይሩ። ገለ ኣባላት ነብሶም ግዲ ነጊሩዎም ኣብቲ ኣኼባ ክዳን ደሪቦም’ዮም መጺኦም። ኣካያዲ ኣኼባ ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ

Continue reading

ፈናን እድሪስ መሐመድ-ዐሊ፡ እት ምሽዋር 30 ሰነት

ፈናን እድሪስ መሐመድ-ዐሊ ዕሽሪን ሰነት በዘሐ ዲቡ ዐለየ-ከ፡ “እግል ነአቅብልቱ ዲብ እንብል ዕሽሪን ሰነት ወዴነ” ቤለ። ሸዐብ ኤረትርየ ላኪን አስክ አዜ እት ልጁእ ነብር ሀለ። ምስለ በዲር እት መዐሳክር ልጁእ ነብር ለዐለ ሸዐብ ዮም ሱዳን እንዴ ተሐለፈት ኤረትሪ ለኢነብር እተ ቃረት ናይ ዐለም ይህሌት። (Click here to play) እድሪስ፡ እት ሰነት 1956 እት ሳሕል ናሮ-ቃምጬወ

Continue reading

ኣድማሰ-ኣእምሮ ናይ ዋና ኣዳላዊ ጋዜጣ ሓዳስ ኣድማስ

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል* ነዊሕ ዝጠመታኡ ራእይ ከም ዝነበሮ፡ ገና ካብታ ክላለየካ ከሎ ኣትሒዙ ዝጅምረልካ ዕላል’ዩ በሪሁ ዝርኣየካ። እቲ ነዊሕ ዝጠመተኡ ራእይ፡ ነታ ኣብ ዓመተ 1999 ምስ ብጾቱ ኰይኑ ዝጀመራ እሞ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንምቕጻል ዘይከኣለት ጋዜጣ ኣድማስ ኣብ መጀመርታ ዓመተ 2000 ብስም ሓዳስ ኣድማስ ኣተንሲኡ ዳግማይ ህይወት ስለ ዘትከላ ኣይኰነን። ድሒሩ፡ ነታ ወትሩ ሓሙስ እትዝርጋሕ ዝነበረት

Continue reading