On the occasion of International Translation Day, PEN International selected the award winning poem of Amanuel Asrat “ኣበሳ ኲናት” to be translated into many languages. So far it has been translated into eight major world languages and the translations will follow, but here is the English translation of the original by Tedros Abraham in collaboration
ዳንኤል ረዘነ* ሓደ ካብቶም ብዘይ ክሲ ንልዕሊ 14 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ መድሃኔ ሃይለ፡ መማህርተይ፡ ናይ ስራሕ ብጻየይን ናይ ቀረባ ዓርከይን’ዩ ነይሩ–ገና ብኣይ ወገን’ውን ዘሎ። መድሃኔ ሃይለ ሓደ ካብቶም መስረትቲ’ቲ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ኰይኑ፡ ክሳብ ዝተኣስረሉ እዋን ከም ምኽትል ኣሰናዳኢ ኰይኑ ይሰርሕ ነይሩ። ከም ጋዜጠኛን ምኽትል ኣሰናዳኢን ድማ ሓያሎ ዓንቀጻት–ብሕልፊ እኳ ርእሲ-ዓንቀጻት ጽሒፉ። እታ ብተሪር
ኣብርሃም ተስፋልኡል* መስከረም 16 2015 ፎቶግራፍን ተንቀሳቓሲን ስእሊ ኤርትራ ክለዓል ከሎ ቀዲሙ ዝጥቀስ ስዩም ጸሃየ፡ ኣብ 1952 ካብታ 12 ቈልዑ ዝፈረየት ስድራቤት ኣቶ ጸሃየ ወልደማርያምን ወ/ሮ ሮማ ሰሎሞንን ኣብ ትዅል ተወሊዱ። ኣብ ትዅል ደኣ ይወለድ እምበር፡ ኣብ ከባቢ ጸጸራት ኣስመራ ክዓቢ ከሎ፡ ትምህርቱ’ውን ኣብ ኣስመራ’ዩ ተኸተቲሉ። እዛ ብዙሓት ቈልዑ ዝወለደት ስድራ ማዕረ ብዝሒ ዝፈረየቶም ደቂ’ያ ንቓልሲ
ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርድም)* ካብ ቀሺ ጸጋዝኣብን ኢታይ ለተሃይማኖትን ኣብ ዓዲ-ንፋስ (እገላ-ሓመስ) ዝተወልደ ሳህለ (ወዲ-ኢታይ) ሕሳስ-ልደ ናይታ ሸውዓተ ቈልዑ ዝወለደት ስድራ’ዩ። መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማይ-ዕዳጋ ድሕሪ ምቕሳም ካልኣይ ደረጃ ኣብ ደቀምሓረ ብምቕጻል ክሳብ ንሜዳ ዝስለፍ ብልዑል ተገዳስነት ተኸታቲሉ። መተዓብይቲን መማህርቲን ሳህለ ከም ዝምስክሩዎ፡ ካብ መባእታ ኣትሒዙ ክሳብ መወዳእታ ተሸላሚ ብልጫ’ዩ ነይሩ። ኣብ
በየነ ሰመረ* መሬት ኣይደሓነን ን19 ለካቲት 2009 ልክዕ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኵሎም ኣባላት ረድዮ ባና ዓመታዊ ናይ ስራሕ ገምጋም ንምግባር ኣኼባ ከም ዘሎ ካብ ዝንገር ሳልስቲ ኣቝጺሩ ነበረ። እቶም ደጋጊሞም ንስራሕ ዘይኣትዉ ኣባላት’ውን ኣብታ መዓልቲ ከይበዅሩ ከም ዝድውለሎም ተገይሩ። ገለ ኣባላት ነብሶም ግዲ ነጊሩዎም ኣብቲ ኣኼባ ክዳን ደሪቦም’ዮም መጺኦም። ኣካያዲ ኣኼባ ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ
ፈናን እድሪስ መሐመድ-ዐሊ ዕሽሪን ሰነት በዘሐ ዲቡ ዐለየ-ከ፡ “እግል ነአቅብልቱ ዲብ እንብል ዕሽሪን ሰነት ወዴነ” ቤለ። ሸዐብ ኤረትርየ ላኪን አስክ አዜ እት ልጁእ ነብር ሀለ። ምስለ በዲር እት መዐሳክር ልጁእ ነብር ለዐለ ሸዐብ ዮም ሱዳን እንዴ ተሐለፈት ኤረትሪ ለኢነብር እተ ቃረት ናይ ዐለም ይህሌት። (Click here to play) እድሪስ፡ እት ሰነት 1956 እት ሳሕል ናሮ-ቃምጬወ
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል* ነዊሕ ዝጠመታኡ ራእይ ከም ዝነበሮ፡ ገና ካብታ ክላለየካ ከሎ ኣትሒዙ ዝጅምረልካ ዕላል’ዩ በሪሁ ዝርኣየካ። እቲ ነዊሕ ዝጠመተኡ ራእይ፡ ነታ ኣብ ዓመተ 1999 ምስ ብጾቱ ኰይኑ ዝጀመራ እሞ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንምቕጻል ዘይከኣለት ጋዜጣ ኣድማስ ኣብ መጀመርታ ዓመተ 2000 ብስም ሓዳስ ኣድማስ ኣተንሲኡ ዳግማይ ህይወት ስለ ዘትከላ ኣይኰነን። ድሒሩ፡ ነታ ወትሩ ሓሙስ እትዝርጋሕ ዝነበረት
ኣብቲ መንገዲ ኣርብዓ ‘ይሓይሽ’ ኣብ ዝበለቶ ተጸጊዓ ዝፍቀዳ ሳናቲም ኣብ ቅድሚኣ ዝርካቡ ጕልባባ ንወዳ ኣማሚቛ ድንን ምሽክንክን ሓዊሳ ናብቲ ቀዝሒ ኢዳ ልኢኻ ዕሸላ ክትዕንግል ስለ ዝነበራ ከይፈተወት ከምኡ ጌራ ጌና ብሓራሳ’ያ ሓጋዚ ስኢና ዝርንዛሕ ነቢዓ ዕድላ ኣማሪራ “ሓራስ ጓል ማርያም” ዘበላ እንሆ ሕጂ ዓዂኹላ የጻውታ ኣሎ የዕልላ “ማማየ’ቲ ጅንሒ ከልኤኪ” “እንታይ?” “ከምጂ” ዝጸምለወ ገጻ ተስፋ
Abraham T. Zere’s article in the Guardian regarding Eritrea’s jailed journalists. « GO BACK