Category: blog

እንታይ ኣሎዎ (እንታይከ ዘይብሉ) እዚ ግዜ…

ግርማይ ዮውሃንስ* ወርሒ መስከረም ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ’ተን ልሳናት ህዝቢ ዝዀና ናጻ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ጋዜጠኛታተንን ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ፍትሕን መሰልን ዝሓተቱ ኣባላት ባይቶን ዝወሰዶ ዓፋኒ ስጕምቲ ከም ጸላም ወርሒ ካብ ትጽብጸብ ነዊሕ ግዜ ኰይኑ ኣሎ። ድሮ ድማ 20 ዓመታት ሓሊፎም ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ እዚ 20 ዓመታት ’ዚ ከኣ ገለኦም

Continue reading

Adieu Aaron Gracious

 Björn Tunbäck* “Yesterday was a sad day for me and many Eritrean journalists. We lost a hero, a fighter, a fighter for the freedom of the press. A man who founded a newspaper to fight for justice, a man who was never afraid to express his views, a man who was a voice for the

Continue reading

ተዘክሮታተይ ብዛዕባ ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ

ብቴድሮስ ኣብርሃም ጸጋይ* ኣብ መዓልቲ ብውሕዱ ሓደ ግዜ፡ ሓደስቲ ሓበሬታታት እንተለው ንምክትታል ውሱናት መርበባት ዩትዩብ ሃሰስ ምባል ልማድ ኣሎኒ። ኣብ መንጐ’ዚ ስእሊ መስራቲን ኣሰናዳኢን ጋዜጣ ሰቲት ነበር ኣሮን ብርሃነ ተዓዘብኩ’ሞ ንሱ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ’ዩ ዝኸውን ኢለ ክሓልፎ ምስ በልኩ ግን መርድእ ምዃኑ ተገንዘብኩ። ኣእምሮይ ነቲ ዜና ንምቕባሉ ደኣ ይሓንግድ እምበር፡ እቲ ዜና ብቴለቪዥን ኣሰና ዝተዳለወ ምዃኑ

Continue reading

ሓጺር ታሪኽ ሂወት ጋዜጠኛ ፕሮ. ኣሮን ብርሃነ [1969-2021]

ነፍሰ-ሄር ኣቶ ኣሮን ብርሃነ ካብቶም ሓምሽተ ኣሕዋቱን ክልተ ኣሓቱን መበል ራብዓይ ኰይኑ፡ ብ 06 ጥቅምቲ 1969 ኣብ ኣስመራ ተወልደ። እቶም ሰለስተ ኣሕዋቱ ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ኤርትራ ዝተሰውኡ ኣሮን፡ ኣብ ኣዝዩ ንኡስ ዕድመ – ወዲ 09 ዓመት ኣብ ዝኣኸለሉ’ዩ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 1978 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ፣ ብኡ ንብኡ ኸኣ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ

Continue reading

ንግንቦት’ዶ ኣይተቛጸርናን… ክንደይ ደኣ ተሃዊኽካ ኣሮን ብርሃነ?

ኣብርሃም ተስፋልኡል*   ምስ ኣሮን ብርሃነ፡ ንመጨረሽታ ግዜ፡ ብ30 መጋቢት ኢና ተጸሓሒፍና። ንምድላው ፍልይቲ ሕታም ዝኽሪ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ዝተኣኻኸበት ጉጅለ፡ ብዛዕባ ሞት ጋዜጠኛ ሚልኪያስ ምሕረትኣብ ኣመልኪቱ ዝጸሓፎ’ዩ ነይሩ እቲ ጉዳይ። “እታ ናይ እንግሊዘኛ ንኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ኢለ ዘዳለኹዋ’ያ ነይራ፣ ኣየሕተሙዋን፣ ዳሕራይ ብትግርኛ ተርጒመያ፡” ኢሉ ኣብታ ናይ መጨረሽታ መልእኽቱ። ልዕል ኢሉ፡ ኣብታ ባዕሉ ኣሮን

Continue reading

“ኣቡዬ” [ሚልኪያስ ምሕረተኣብ] ኣነ ብዝፈልጦ

ሃብተኣብ የማነ* ሚያዝያ 2 2021 ልዕሊ’ታ ወለዱ ዘውጽእሉ ሚልኪያስ እትበሃል ወግዓዊት ስሙ፣ ዝያዳ ብብዙሕ ሰብ ዝፍለጠሉ ስም “ማስተሬ” ገለ መቕርብ ድማ “ኣቡዬ” እቶም ሰብ ውሻጠ ድማ “ኣተሽም” ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። እተን ክልተ ቀዳሞት ናይ ቅብጥሮት እታ ዳሕረወይቲ ድማ በታ ኣብታ ንሱ ከም ዋና-ኣሰናዳኢ ኰይኑ ዝመርሓ ጋዜጣ ቀስተ–ደበና ኣብ ዓምዲ ፖለቲካ ዝጥቀመላ ዝነበረ ናይ ብርዒ ስሙ’የን።

Continue reading

ቅጽበታዊ ዝኽሪ፤ መርድእ ዕረፍቲ ጋዜጠኛ ሚልኪያስ ምሕረትኣብ ዘፈልፈሎ

ኣኸደር ኣሕመዲን* መጋቢት 26 2021 ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ኣስመራ መበገሲኡ ዘይፍለጥ ‘ሚልኪያስ ሞይቱ’ ዝብል ወረ ይነፍስ ስለዝነበረ፡ እቲ ስንባደን ጓህን ሽዑ ተመቒሉለይ ይኸውን እዩ።  እዚ ናይ ሕጂ ዜና ዕረፍቲ ግን ርግጽ መዋእል-ዕረፍቲ ናይታ ዘየስተርሓየት ነብሱ ብምዃኑ ክመርር። ሚልኪያስ፡ ሓደ ካብቶም ንመሰል ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት [ኣብ ኤርትራ] ደው ዝበሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናጽነቱ ብግብሪ ከረጋገጽ ዝተቓለሰ፡

Continue reading

እቲ ካልእ ኣምላኽ

Response to COVID-19 and One Day Eritrea series 6 ኣኽበረት መሓሪ Dec. 1, 2020 ካብ ገዛይ ኣርሒቐ ተጓዒዘ እፈልጥ ኣይነበርኩን። ካብ ኣስመራ ናብ ከረን ዝተጓዓዝኩዋ እታ ዝነውሐት ነበረት –  91 ኪሎሜትር። ክልተ መዓልቲ ዝወሰደ ጕዕዞና ናብ ሳዋ ድማ ኣብ ህይወተይ ዝነውሐ መንገዲ ኰነ። ናብ መዕለቢና ክንበጽሕ ቀሪብና እናበልና ኣብ ከባቢ ኬሩ ውሕጅ ስለ ዝዓገተና ኢና

Continue reading

ሓንቲ ዕለት ካብ 54 መዓልታት ውሸባ

Response to COVID-19 and One Day Eritrea series 5 ሳባ ኪዳነ Nov. 27, 2020 25 መጋቢት 2020 ፓሪስ – ፈረንሳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ዝነበረ ፈለማ ኣዋርሕ እየ ተለኺፈ። ናይ ስምዒት ህዋሳተይ ርሒቖሙኒ ኣለዉ፣ ብፍላይ ምሽታትን ምስትምቓርን። እዚ ንዅለንትናይ ጋሻ ዝዀነ ናይ ባዶሽ ስምዒት’ዚ ንማንም ዘመኒ ኣይኰነን። ሎሚ ንግሆ ጥሜት ተሰሚዑኒ ምብርባረይ ከም ዓቢ ዕድል

Continue reading