Category: behind the bars

​ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ እቶም ዝ’ናፈቑ ዶ እቶም ዝናፈቑ?

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል* ንኽእሰሩ (ወይ ብእሩም ኣዘራርባ ኣብ ቤት ንኽሕየሩ ዝገበሮም) ጠንቂ እንታይ ነበረ? ዝምድና መንግስቲ ኤርትራን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያንን’ከ ኣብቲ ጉዳይ ከመይ ከመይ ጌርካ’ዩ ክግለጽ ዝከኣል? ናይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ስልጣን ምውራድ፣ ፖሊቲካዊ ጥራይ ድዩ ወይስ ሃይማኖታዊ ዛዕባ’ውን ኣለዎ? ንምዃኑ ኣቡነ እንጦንዮስ ከም ሰብ ብኸመይ ይዝከሩ? ዝብሉ ሓሳባት ሒዝና ኢና ሰለይ ክንብል። ንፈላሲ

Continue reading

ማቴዎስ ሃብተኣብ (ማቹ) ኣብ ዘለኻዮ

የዕብዮ ገብረመድህን* መተዓብይተይ መሳርሕተይ ነበርን ማቴዎስ ሃብተኣብ ገብረጊዮርጊስ፡ በታ ካብ ብንእሽቶኡ ዘዕበየቶ “ማቹ” እትብል ሳጓ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብ መንጎ ቀረባ ኣዕሩኽቱን ፈለጥቱን’ውን ክሳብ ሎሚ በታ ሳጓ’ቲኣ’ዩ ዝለዓል። ቦኽሪ ንወለዱ ማቴዎስ ኣብታ መበቈል ዓዱ’ውን ዝዀነት ጎዳይፍ’ዩ ብ1974 ተወሊዱ። መባእታ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ጎዳይፍ፣ ማእከላይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ባና፣ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሓላይ ድሕሪ ምምሃሩ ድማ ኣብ

Continue reading

ናይ መጨረሽታ ርክብ ምስ ጋዜጠኛ ዳዊት ሃብተሚካኤል

ደሳለ በረኸት*   ኣብዛ ንእሽቶ ነርወጃዊት ከተማ ‘Bø’ (ቧ) ካብ ዝቕመጥ ክልተ ዓመት ኣሕሊፈ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብ መጸበዪ ባቡር ዘጓነፈኒ ፍጻመ’ዩ። ባቡር ክሳብ ትመጽእ መጽሓፍ ከንብብ ስለ ዝደለኹ፡ ናብታ ብዙሕ ካልእ ቀንጠ-መንጢ’ውን ሒዛ ዝነበረት ዝተጠርነቐት ቦርሳይ ኢደይ ሰደድኩ። ነታ መጽሓፍ ክግንጽላ ክብል ግን፡ ሓንቲ ኣብ መንጐ እቲ ፊልዮታት ተቐርቂራ ዝጸንሐት ስእሊ ናብ ባይታ ጥብ

Continue reading

ኣማኑኤል ኣስራት–ገጣሚ፡ ሃያሲ፡ ኣማእዛኒ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ

ኣብርሃም ተስፋልኡል* ገጣሚ፡ ሃያሲ፡ ኣማእዛኒ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ ብ1971፡ ካብታ ሸውዓተ ቈልዑ ዝወለደት ስድራቤት ኣስራት መብራህቱን ኣብርሃጽዮን ሃይለን ኣብ ኣስመራ ዝተወልደ ኣማኑኤል: ምንኣስ ቦኽሪ ኰይኑ: መባእታ ኣብቲ ሽዑ “ሰሜናዊ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፣ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሽወደን ኣኽርያ፣ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ሳንታ-ኣና (ናይ ሎሚ ሰማእታት) ወዲኡ። ብድሕሪኡ ኣብ 1989 ናብ ባህርዳር ብምኻድ ፔዳጎጂ (ትምህርቲ ስነ-ምምህርና) ንሓደ ዓመት

Continue reading

​እድሪስ ኣባ ዓረ ብዝፈልጦ

እስጢፋኖስ ገብረሚካኤ* እድሪስ ኣባዓረ፡ ብ1953፡ ኣብ ዓዲ-ሹማ ዝተባህለት ንእሽቶ ዓዲ ክውለድ ከሎ ብንእሽቶኡ ግን ንጊንዳዕ ብምምጻእ ኣብኡ ተማሂሩ። እድሪስ ኣብ 1970 ኣብ ህሓሓኤ ተሰሊፉ። ምስ እድሪስ ኣብ ጊንዳዕ ክንፋለጥ ይግብኣና’ኳ እንተ ነበረ፡ ትምህርቲ ክልተ ዓመት ድሕረይ ስለ ዝነበረን ኣብ በበይኑ ዞባ ንቕመጥ ብምንባርናን ተመሃሮ ከለና ዘራኽብ ኣጋጣሚ ኣይተፈጥረን። ናይ ቀረባ ፍልጠት ኣይንበረና ደኣ’ምበር ብማዕዶ ግን ከም ካልኦት ደቂ ጊንዳዕ እርእዮ ነይረ። ምስ ስዉእ ምንኣሰይ ሓወይ

Continue reading

Dawit Isaak

Dawit Issak is Eritrean-Swedish poet, journalist, dramatist who was co-owner of the first private newspaper Setit. Dawit was taken to prison in September 2001 along other colleagues and editors of the private newspapers banned then. The following is what his brother wrote on his 5000 days behind the bars. It has been published in Swedish Dissident Blog.

Continue reading