ተጋዳላይ ሰኣላይ ስዩም ጸሃየ

No comments
ኣብርሃም ተስፋልኡል*

መስከረም 16 2015

ፎቶግራፍን ተንቀሳቓሲን ስእሊ ኤርትራ ክለዓል ከሎ ቀዲሙ ዝጥቀስ ስዩም ጸሃየ፡ ኣብ 1952 ካብታ 12 ቈልዑ ዝፈረየት ስድራቤት ኣቶ ጸሃየ ወልደማርያምን ወ/ሮ ሮማ ሰሎሞንን ኣብ ትዅል ተወሊዱ። ኣብ ትዅል ደኣ ይወለድ እምበር፡ ኣብ ከባቢ ጸጸራት ኣስመራ ክዓቢ ከሎ፡ ትምህርቱ’ውን ኣብ ኣስመራ’ዩ ተኸተቲሉ። እዛ ብዙሓት ቈልዑ ዝወለደት ስድራ ማዕረ ብዝሒ ዝፈረየቶም ደቂ’ያ ንቓልሲ ናጽነት ኣሰሊፋ። ስዩም ዝርከቦም ሸሞንተ ደቂ ንገድሊ ተሰሊፎም፣ እስቲፋኖስ ዝተባህለ ኣባል እዛ ስድራ ንስለ ናጽነት ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ክስዋእ ከሎ፡ እቶም ሸውዓተ ግን ብሰላም ተመሊሶም። ኣደ ስዩም ወይዘሮ ሮማ እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኣስር ደቀን ብምኽታል፡ ሓፋሽ-ውድብ ኰይነን ንነዊሕ ዓመታት ሰሪሐን። ስድራቤት ጸሃየ ወልደማርያም ደሓን ደረጃ መነባብሮ ስለ ዝነበሮም ባር ዳኦስታ’ውን (ኣብ ኣስመራ ከባቢ መዓስከር ቃኘው እትርከብ ሲማፎሮ ዘላ) ዋንነታ ናይዛ ስድራ’ያ፡ ስዩም ናብ ዝሓሸ ቤት ትምህርቲ ክለኣኽ ኣኽኢሉዎ።

(ምስ ስዩም ጸሃየ ውልቃዊ ሌላ ኣይነበረናን፣ ኣብዚ ዝጠቕሶ ሓበሬታ ግን ሓያሎ መጋድልቱ ዝነበሩ’ሞ ስሞም ክዕቀበሎም ካብ ዝሓተቱ ወይ ድማ ቤተሰቡ ዝትረኸበ ሓበሬታ’ዩ።)

ስዩም ተመሃራይ ኣላይንስ ፍራንስ ብምንባሩ፡ ብዘይካ’ቲ ምልከት ቋንቋታት ፈረንሳይ፡ ጣልያንን እንግሊዘኛን ኣብ ባህሪ’ውን ካብ ብዙሓት መዛንኡ ዝተፈልየ ጽልዋ ከም ዝነበሮ መሳቱኡ ይምስክሩ። ስዩም ፈለማ ኣብ ኣስመራ ትምህርቱ ድሕሪ ምክትታል፡ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ብምኻድ ኣብ ፍረንች-ኮለጅ ትምህርቱ ቀጸለ’ሞ ድሕሪ ምውዳኡ ድማ መምህር ቋንቋ ፈረንሳይ ኰይኑ ንሓደ ዓመት ኣብ ኣስመራ ሰርሐ። ሕጂ’ውን ኣብ ኣስመራ ዝነበረ እብኡብ ህይወት ክጸሮ ስለ ዘይክኣለን በቲ-በቲ’ውን ምስ ቃልሲ መስመር ስለ ዝጸንሖን ድማ ኣብ 1978 ናብ ቃልሲ ወጸ።

ድሕሪ ታዕሊም ስዩም ናብ ኣሃዱ ሃንደሳ’ዩ ተመዲቡ። ሓያሎ መጋድልቱ ዘዘንትዉዋን ስዩም ባዕሉ’ውን ቀጻሊ ዝጠቕሳ ዝነበረትን ዘይትርሳዕ ግዜ ኣብ ኣሃዱ ሃንደሳ ተመዲቡ ኣብ ዝነበረሉ ፈለማ ዓመታት ቃልሲ’ዩ። እታ ጋንታ ሃንደሳ ንጸላኢ ኣብ ዝቐርብ ድፋዓት ቅድመ-ግንባር (ምናልባት ከባቢ ግንባር ከረን) ተፈልያ ነዊሕ ጸኒሓ። ኣብታ ጋንታ ዝርአ ዝነበረ መለሳ-ኣልቦ ህይወትን ኣንጻር ምሁራን ዝቐንዐ መልክዕ ዝሓዘ ኣጠማምታን’ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ምሁራን ዝነበረ ኣጠማምታ ዘብርህ’ዩ። ስዩም እቲ “ደርቢ ምስባር” ዝብል ኣካይዳ ስለ ዘይኣመነሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቃልሲ ዝህሉዎ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዝዓቢ ስለ ዝተገንዘበ፡ ብሻዓኡ’ዩ ኣንጻሩ ደው ኢሉ። እታ ጋንታ ምስ ካልኦት ኣሃዱታት ኣብ ዘይትራኸበሉ ሓዲግ ቦታ ብምዃናን ብተዛማዲ ስራሓ’ውን ኣብ ቀጻሊ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ትሳተፍ ብዘይ ምንባራ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ዝህሉ ምጥምማት ዝዓበየ ስራሕ ኰነ። መራሕ-ጋንታ በዓል ስዩምን ካልኦት ንዕኡ መሰልቱን ፊደል ዘቝጸሩዎ እምበር ትምህርቲ ዝነበሮ ኣይኰነን።

ኣብታ ጋንታ ከኣ እንትርፎ እቲ ዝዀነ ትምህርቲ ዘይብሉን ጽልዋ ከተማ’ውን ፈጺሙ ዘይነበሮን “መፍለስ” ዝሳጓኡ ኣባል ቀራቢ ስዩም ኣይነበረን። ኣብቲ ዘየቋርጽ ኣኼባ መስርዕን ጋንታን እናተበራረዩ ስዩም ዘርእዮ ዝነበረ ጠባያት ንኡስ-ብርዥዋ ክነቕፉዎ ከለዉ፡ ወትሩ ክከላኸለሉ ዝፍትን መፍለስ ጥራይ’ዩ ነይሩ። ስዩም ግን ካብ ምንባብን ምጽሓፍን ከይበዀረ፡ ካልእ እታ ጋንታ ኣብ እትጠልቦ ወተሃደራዊ ስራሓት’ውን ልዕሊ ሰቡ ይሳተፍ ነይሩ። ዝበዝሕ ግዜኣ ኣብ ዕጹው ከባቢ ብደቂቕ ጉዳያት እተሕልፎ ዝነበረት ጋንታ ሓደ እዋን ውግእ ስለ ዝነበረ ክትገጥም ትግደድ። ኣብቲ ውግእ ስዩም ልዕሊ ሰቡ ጸብለል ክብል ከሎ እቶም ብነቕፌታ ሞኽታ ዘብልዑዎ መራሕቲ መሳርዕን ጋንታን ግን ከድሓርሕሩ ተራእዮም። በዚ ዘንጸርጸር ስዩም፡ ካብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ ሰፈር ደፊኡ ብምውጻእ፡ “ኣብ ኣኼባ ምንቃፍ ጥራይ ኣይኰነን፣ ሓቂ እንተልይኩም ንዑ ምሳና ቅድሚት እተዉ” ኢሉ ደፊኡ ኣውጸኦም። ግድን ስለ ዝነበረ፡ እቶም ከድሓርሕሩ ዝጸንሑ መራሕቲ፡ ቅድሚት ኣትዮም።

ውግእ ተወዲኡ፣ ንጽባሒቱ ጋንታ ኣብቲ ዘላደያ ኣኼባ ተመሊሳ። ጋንታ ብዛዕባ ዝነበረ ውግእ ገምጋም ክቐርብ እናተጸበዩ፡ መራሕ ጋንታ ኣብ ቅድሚት ወጺኡ (በቲ ተላማዲ ፊደል ዝጸሓፎ መዘከር ነጥብታት)፡ “ሎሚ እምበኣር ብዛዕባ ባህርያት ንኡስ-ብርዥዋ ኢና ክንዛረብ፡” በለ። ጋንታ በቲ ዝነበረ ውግእ ጸምልዮም ከለዉ፡ መራሕ-ጋንታ ከኣ፡ “ኣብዚ ቃልሲና ብዙሓት ንኡስ-ብርዥዋታት ስለ ዘለዉ መታን ከነለልዮም፡ ባህርያቶም ክገልጽ’የ፡” ኢሉ ዘረባኡ ጀመረ። ቀጸለ ከኣ፤ “ንኡስ-ብርዥዋ ኵሉ  ግዜ መጽሓፍ ኣይፈልዩን’ዮም፣ ንኡስ-ብርዥዋ መታን ንኸምስሉን ንሓፋሽ ከደናግሩን ኣብ ማእቶትን ካልእ ስራሓት ጋንታን ብንጥፈት ይዋስኡ፣ ንኡስ-ብርዥዋ ክሳብ ኣጠዓዒሞም ዝሃድሙን መድሎ ዝረኸቡን ኣብ ውግእ ቅድሚ ሰቦም ክኣትዉ ይርኣዩ። እዚ ግን ንምድንጋርን በለጽን’ዩ፡” ኢሉ እናቐጸለ፡ ስዩም ብውሽጡ ተዅምቲሩ ብድሕሪት ተጐምጒሙ ነበረ። እቲ እንኮ ፈታዊኡ ኣብታ ጋንታ መፍለስ ከኣ ቅድሚት እኳ እንተ ነበረ፡ ምስ ነፍሲ-ወከፍ ዝጥቀስ ዝነበረ ባህርያት ንኡስ-ብርዥዋ ንስዩም ከመሳስሎ ስለ ዝጀመረ ናብኡ ንምርኣይ ዳርጋ ፍርቁ ጎኑ ለወጠ። መራሕ-ጋንታ ዝርዝር ጠባያት ንኡስ-ብርዥዋ ምግላጽ ቀጺሉ፤ “ንኡስ-ብርዥዋ መብዛሕትኡ ግዜ ጽሙእ ነብሲን ቀጢን ሰውነትን ኣለዎም፣ ንኡስ-ብርዥዋ ብዙሕ ስለ ዘንብቡ መብዛሕትኡ ግዜ በርሓት’ዮም፡” ምስ በለ፡ ቀስ ብቐስ ናብ ስዩም ገጹ እናተጠወየ ክመጽእ ዝጸንሐ መፍለስ ዘረባ ስዒሩዎ፡ “ኣታ ወዲ-ጸሃየ ዓርከይ… ዘይፈለጥኩኻስ እምበኣር ንስኻ ከኣ ንኡስ-ብርዥዋ ኴንካ ጸኒሕካ?” በሎ።

ስዩም የዘንትዎ ከም ዝነበረ ልዕሊ ኵሉ ዘሕዘኖ ነቲ እንኮ ፈታዊኡ መፍለስ’ውን ከም ዝጸልኦን ዝፍንፍኖን ምስ ገበሩዎ’ዩ። ኣይጸንሐን ንሱን ካልእ ክስታትን ወሲኾም ንማእሰርቲ (ሓለዋ-ሰውራ) ሰደዱዎ። ብኣገላልጻ ስዩም ግን ህይወት ሓለዋ-ሰውራ ኣብታ ጋንታ ካብ ዝነበሮ ናብራ ኣጸቢቑ ይበልጽ። “ናብታ ጋንታ ከይመልሱኒ ስለ ዝፈራሕኩ፡ ኣብቲ ሓለዋ-ሰውራ ኣዝየ ክነጥፍ ጀሚረ፡” ይብል ምንባሩ ነዚ ዕላል ደጋጊሞም ዘዘንትዉ ኣዕሩኽቱን መጋድልቱን ይገልጹ። “ናብ ጸላኢ ኢድና ክንህብ’ዮም ዝደፍኡ ነይሮም። ኣብኡ እልፊ ዘይረብሑ ሰባት ሕማቕ ተዛሪቦምኒ ኢልካ ዕላማኻ ምርሳዕ ግን ኣይተራእየንን፣ ብቐንዱ ክስዋእ’ውን ድሉው ኰይነ’የ ተጋዲለ፡ እቲ ዝወርደኒ ዝነበረ ምጕስቓል ከኣ ኣካል ናይቲ ቃልሲ ምዃኑ ኣሚነ ተቐቢለዮ፡” ከም ዝበሎ ካብ 1986 ምስ ስዩም ዝፋለጥን ሕጂ ኣብ ኖርወይ ተሰዲዱ ዝርከብን ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ይዝክር።

ድሕሪ ሓለዋ-ሰውራ ናብታ ዘሰንበረቶ ጋንታ ሃንደሳ ኣይተመልሰን። “ንሓደ ጸልማት ዝተባህለ ጕዕዞ ንምርቓ ኰይኑ፡” ኢሉ ባዕሉ ስዩም ናይ 4 ሓምለ 2001 ሕታም ጋዜጣ ቀስተ-ደበና  ኣብ ዝግበሮ ቃለ-ምልልስ፣ ንቕያር ኣሃዱ ካብ ሃንደሳ ናብ ክፍሊ ዜና ክገልጽ እንከሎ። ኣብ 1982 እምበኣር’ዩ ናብ ክፍሊ ዜናን ምንቕቓሕን ተቐዪሩ። ምስ ካልኦት ብጾቱ በዓል ዘርኣይ ሃይለን ካልኦትን ኰይና ዝቘመት ኣሃዱ ስእሊ ድማ ተጸንበረ። እዛ ኣሃዱ’ዚኣ ተመኵሮ ንዝጸንሖም ካብ ዝተፈለለየ ተጋደልቲ ካብ በበይኑ ኣሃዱታት እናሰሓበት፡ ካልኦት ጽቡቕ ኣንፈት ዝነበሮም መንእሰያት ከኣ እናሰልጠነት ኣብ ሓጺር እዋን ዓበይቲ ስራሓት ክትገብር በቕዐት። ነዛ ክፍሊ ስእሊ “ሂላል” ብዝብል ሳጓ ዝፍልጥ ፈረንሳዊ’ውን ቀንዲ ሞተር ኰነ። ናብ ዝተፋለለየ ኣሃዱታት ቅድመ-ግንባር ኣባላት እናለኣኸት ደረቕ ስእሊን ቪድዮን ብምልዓል (ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣገልግሎት ቴለቪዥን ኤርትራ ዝጥቀምሉ ቪድዮን ኣብ ጨንፈር ስእሊ ሚኒስትሪ ዜና ዘሎ ሃብታም ስእልታት ቃልሲን) ክትስንድ ከኣለት። ተራ ስዩም ኣብዚ ኣመና ዓቢ’ዩ ነይሩ። ከም ኣላዪን ባዕሉ ድማ ንፉዕ ሰኣሊን ነቲ ቃልሲ ኣብ ምስናድን ንዓለም ኣብ ምፍላጥን ዝለዓለ ተራ ተጻዊቱ።

ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ሰነድ ቪድዮ (ዶክመንታሪ) ክገብሩ ናብ ሜዳ ኤርትራ ንዝኣትዉ ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ግዱሳትን ዝመርሖም ወይ’ውን በቲ ዝነበሮ ምልከታት ቋንቋታት እንግሊዘኛ፡ ጣልያንን ፈረንሳይን ቃለ-መጠየቕ ዝገብር ስዩም’ዩ ነይሩ። ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት ቴለቪዥን ኤርትራ ብቐንዱ ከኣ ሚኒስትሪ ዜና ከም ቀንዲን ምኵራትን ደረቐን ተንቀሳቓሲን ስእሊ ዝፍለጡ ከም በዓል ታእዛዝ ኣብርሃ (ዕንድኵር)፡ ስዩም ገብረማርያም (ባርካ)፡ ኣማኑኤል ሓድጉ (ባርያ)፡ ርእሶም ፍስሃየ፡ ፍረሚናጦስ እስቲፋኖስ፡ ኤድዋርዶ ኣርኣያ፡ ስብሃቱ (ሚሊሻ)፡ ኪዳነ ተኻሊ፡ ኣይንኣለም በየነ (ፈጠሮ)ን ካልኦት ብውልቂ ዝነጥፉ ዝነበሩ ከም ስዉእ ወዲ-ፈረጅ፡ ሩት ስምኦን ወዘተ እውን ውጽኢት እዛ ብስዩምን ብጾቱን ዝተበጋገሰት ኣሃዱ እዮም።

ገስጋስ ሰውራ ኣብ ዝሓየለሉ፡ ሰነድ ስዩም’ውን ማዕረኡ’ዩ ቀጺሉ። ንሓርነት ከተማ ምጽዋዕ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣብ ሲቪላውያን ዜጋታት ዝወረደ ግፍዒን ማህሰይቲን “ቅብጸት” ብዝብል ኣርእስቲ ሰነድ ፊልም ገይሩ። እዛ “ቅብጸት” እትብል ፊልም ክሳብ ዳሕራይ እዋናት ኣብ መደበር ቴለቪዥን ኤርትራ ደጋጊማ እትፍኖ ዝነበረት፡ ብቐንዱ ንናጽነት ንምምጻእ ኣብ ሲቪላዊ ህዝቢ ዝወረደ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኣደራዕ ኲናት እተርኢ እያ። እቶም ኣብ ናይ ሞትን ህይወትን ኲናት (ኣብ መንጎ ሞያዊ ስራሕ ስእሊን ሰባዊ ሓልዮት ዜጋታትን ተቐርቂሮም) ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰኣልቲ እንታይ ዝመስል ህይወት ከም ዝነበሮም ከኣ ካልእ ሰነድ ቪድዮ ኣዳልዩ። እታ “ተጋዳላይ ሰኣላይ” እትብል ዶክመንታሪ ድማ ናብራ ሰኣልቲ ተጋደልቲ እተርኢ’ያ።

ድሕሪ ናጽነት ስዩም ኣባል ዜና ኰይኑ ኣብ ዓሰብ’ዩ ነይሩ። ነቶም መዋእሎም መስመር መራኸቢ-ብዙሃን ሰውራ ኤርትራ ተበቲኹዎም ዝነበሩ ህዝቢ ከኣ ብሳላ ሓርኮትኮት ስዩም ምስ መራኸቢ-ብዙሃን ኤርትራ ክጽንበሩ በቕዑ። ስዩም ባዕሉ ተጣቢቡን በቲ ኣብ ከባቢኡ ዝረኸቦ ጥረ-ነገራት ትጠቒሙን ኣብ ዓሰብን ከባቢኣን እታ እትበጋገስ ዝነበረት ቴለቪዥን ኤርትራ ከም እትፍኖ ገበረ። ድሕሪ ነዊሕ ስራሕን መፈተኒ እዋንን ወግዓዊ ፈነዋኣ ምስ ጀመረት ከኣ ዳይረክተር እታ መደበር ቴለቪዥን ብምዃን ናብ ኣስመራ ተሳሕበ። ኵሉ ፈላጢኡ ዝምስክረሉ መለለዪ ባህርያት ስዩም ቃል-ዓለም ዘይገብር ጥራይ ዘይኰነስ ዝስምዖ ዝዛረብ ምዃኑ’ዩ። ንሱ ሓሊፉ ኣመና ንዘሕርቑዎ ሰባት ብኢዱ ይጸፍዕ ምንባሩ’ውን ኣዕሩኽቱ ይጠቕሱ። ተጋዳላይ ኰይኑ ነዊሕ ዓመታት ኣብቲ መሊሱ ዝምስርሕ ባህሊ ገድሊ ይጽናሕ እምበር፡ ከምቶም “ደርቦም ሓኺኾም” ተባሂሎም ጥቕስ ዝብሉ’ውን ፈጺሙ ኣይነበረን። ንሱ ጥራይ ዘየኰነስ ክሳብ ማእሰርቱ’ውን ካብ ብዙሓት መጋድልቱ ብዝተፈልየ ኣፉ ከፊቱ ምስ ኵሉ ተራን ሓላፊን’ዩ ዝዛረብ ነይሩ። ንኣብነት እኳ ኤረ-ቲቪ ጀሚራ ቍሩብ ምስ ተሳለየት፡ መራሒ-ሃገር ኣቶ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብቲ ዝነበረ መደባት ገለ ዘይዕግበት ስለ ዝነበሮ ንስዩም ናብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑዎ። ዳሕራይ ኢሳይያስ፡ “እንታይ ኢኹም ከምዚን ከምቲን ዘይትገብሩ?” ኢሉ ክዛረቦ ምስ ጀመረ፡ ስዩም በቲ ምትእትታው ስለ ዘይተሓጐሰ፡ “እንታይ ኢኻ ክንገብር ደሊኻና? ቅድሚ ሕጂ እኳ ባዕልኻ ኢኻ እዚን እቲን ግብሩ ኢልካኒ፡ ከምኡ ከኣ ንገብር ኣለና፡” ኢሉዎ።ከምኡ ተሪሩ ዝምልሰሉ ዘይለመደ ኢሳይያስ፡ “መን ከምኡ ኢሉካ?” በሎ።

ስዩም ከኣ ትቕብል ኣቢሉ፡ “ንስኻ ባዕልኻ!” በሎ ተሪሩ። ድሕሪኡ ዘረባ ኣቋሪጾም ስዩም ወጺኡ። ካብቲ ቤት ጽሕፈት ወጺኡ ንስራሑ ክኸይድ ከሎ ግን ለውጥታት መጺኡ። “ካብኣ ወጺአ ንቤት-ጽሕፈትና (ካፒቶል) ክሳብ ዝኸይድ ኣብ መገዲ ከለኹ ጥራይ ናብ ሓለፍተይ ቴለፎን ደዊሉ ኣደስኪሉኒ፡” ይብል ነይሩ ስዩም እናሰሓቐ፣ ሕጂ ኣብ ስደት ዘሎ ዓርኩ ከም ዝገልጾ።

 

 

በዚን ክንድዚን ኣብቲ ስራሕ ክቕጽል ዘይከኣለ ስዩም ብጠለቡ ናብ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ተለወጠ። ኣብኡ’ውን እቲ ሓርኮትኮት ምባል ዝመለለዪኡ ስዩም፡ ኣሃዱ ፎቶግራፍን ቪድዮን ኣቚሙ ጽቡቕ ክስንድ ጀመረ። ኣብ ዝተመደቦ ኣሃዱ ብዝጐንፎ ዝነበረ ዘይውዳእ ቢሮክራሲያዊ ማሕለኻታት ምስራሕ ስለ ዝተጸገም፡ ኣብ 1995 ተፋንዩ ውልቃዊ ህይወት ክመርሕ ጀመረ። ብኸምዚ ድማ ካብ 1995 ኣትሒዙ ከም ናጻ ጋዜጠኛ፡ ተርጓማይ፡ ከም ሰኣላይን ዝተፈላለየ ንባህሪ ይዅን ንፍሉይ ኣቀማምጣ መሬት ዘንጸባርቕ ነገራት ብምስኣል ስራሓቱ ኣብ ኣላያንስ ፍራንስ ንህዝቢ የላልን ይሸይጥን ነይሩ። ካብዚ ዝተበገሰ ምስ ጋዜጠኛታት ፈረንሳን ባህላዊ ጕዳያት ፈረንሳን ጽቡቕ ርክብ ነይሩዎ። ዕላማ ስዩም ሓደ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ገዛ ተኻርዩ ናይ ቪድዮን ስእልን ስራሓት ምክያድ’ዩ ነይሩ።

በቲ ዘካይዶ ዝነበረ ስራሓት ርቡሕ ኣታዊ ደኣ ኣይርከብ እምበር፡ ስዩም ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ውልቃዊ ህይወቱ ክመርሕ ስለ ዝጀመረ፡ ሓዳር ክገብር’ውን መደበ። እቲ ኣብ እዋን ቃልሲ፡ “እንተ ተሰዋእኩስ ዘኽታማት ቈልዑ ክገድፍ ኣይደልን’የ” ዝብል ዝነበረ ስዩም ኣብብ30 ግንቦት 1999 ሓዳር መስረተ። እቲ ቀደም ዝብሎ ዝነበረ መልክዑ ቀይሩ መጺኡዎ ድማ ቦኽሪ ጓሉ ጓል ክልተ ዓመት፡ እታ ዝነኣሰት ድማ ናይ ሸውዓተ ወርሒ ጥንሲ ከላ ግዳይ ኰነ።

ኣብ 2001 ፖለቲካዊ መንደቕ ኤርትራ ክሸራረፍን ማዕረኡ ድማ ኣንፈት ምጥፋእ ምስ ሰዓበ ስዩም ሕጂ’ውን ጽምጺ ውጹዓት ከስምዕ ተላዕለ። ነቶም ሕልሞም ፈሪሱ ኣብ ውዱቕ መነባብሮ ዝተደርበዩ ጥዩሳት ተጋደልቲ እናዛረበ ድማ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ደጋጊሙ ከሕትም ጀመረ። ብሕልፊ እኳ ተጋደልቲ ደቀንስትዮ (መብዛሕትአን ኣብ ስራሕ ፓርኪንግ ተዋፊረን ዝነበራ) ዝነበረን ራኢን ዘጓነፈን ወደቓን በቲ መሪር ቃላተን ከም ዝስነድ ገይሩዎ። ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረን ሕጂ ኣብ ካናዳ ተሰዲዱ ዝርከብን ኣሮን ብርሃነ ከም ዝገልጾ ድማ፡ ስዩም፡ “ንሕና ድምጺ እንተ ዘይህቢናዮም ካልእ ድምጺ ዝህቦምን ኣብ ክንዳኦም ዝዛረብን ኣካል የለን፡” ይብል ነበረ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ንእስጢፋኖስ ገብረሚካኤል’ውን ዝፍቀድ እንተዀይኑ ነቶም ናዕቢ ገይሮም ተባሂሎም ዝተኣስሩ ተጋደልቲ መታን ከዘራርቦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ጸጸራት ሒዝካኒ ክትከይድ ኢኻ ይብሎ ምንባር ይጠቅስ።

ፖለቲካዊ መርገጺ ስዩም ካብ መሪሕነት ክፍለ ምስ ጀመረ፡ እቲ ብመጠኑ ዝነበሮ ናይ ስራሕ ዕድላት’ውን ክዕጾ ጀመረ። ኣብ ወግዓዊ ጽንባል በዓል ናጽነት 2001 ናብቲ ንሰኣልቲ ዝተሓዝአ ሰፈር ምእታው ስለ ዝተኸልከለ፡ ምስ ተራ ህዝቢ ኰይኑ ነቲ ጽንብል ክዕዘብ ተገደደ። ኣብቲ መዐዘቢ ኵዕሶ ኰይኑ ነቲ መኸልከሊ የሕሊፉ ዝወሰዳን ስእሊ ድማ ዳሕራይ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ምስ ቃለ-መጠየቑ ተሓቲማ ነበረት። ኣብቲ ቃለ-መጠየቑ ብግልጺ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዝነበረ ኣበሳ ተዛሪቡ። ኣብ ርእሲኡ ምቕጻዕ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲን ተሓተትቲ ናይቶም ዝሞቱ ፕረሲደንት እቲ ዩንቨርስቲ ዶክተር ወልደኣብ ይስሓቕን ልዕሊኡ ዝርከቡ ሓለፍቲን ምዃኑ ብግልጺ ተዛሪቡ። “ናይ መጻኢ ወለዶ መራሕቲ ብናይ ሎሚ መራሕቲ ይቕተሉ ኣለዉ” ክብል ድማ ጸሓፈ።

ውሑድ ሰሙናት ቅድሚ ማእሰርቱ ዘጋጠመት ፍጻመ’ሞ ሕጂ ኣብ ስደት ዝርከብ ዓርኩ ዘዕልለኒ ንባህሪ ስዩምን መራሕቲ እቲ ስርዓትን ትገልጾ መሲላ ትስመዓኒ። ብዙሓት ዓበይቲ ኣጋይሽ፡ ብቐንዱ ከኣ መራሒ ሃገር ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዝነበሮ ናይ ድራር ግብጃ ስዩም ተሳቲፉ ነይሩ። ድሕሪኡ ኢሳይያስ ብመስተ’ውን ረሲኑ ስለ ዝነበረ ናብ ስዩም ቀሪቡ፡ “The best photographer in Eritrea! ስዩም ጸሃየ ንዓ እስከ ሰዓመኒ፡” ኢሉ ሓቚፉ ሰዓሞ። ስዩም ልዝብ ኢሉ ግን ከኣ ከም ወትሩ ብግርሃና ማዕረኡ መሊሱ። ካብቲ ድምጺ ፍንትት ኢሎም ብሓደ ኮፍ ኢሎም። ድሕሪኡ ኢሳይያስ፡ “ከም በዓል ንስኻ እትመስሉ ዜጋታት ዕድላት ክኽፈተልኩም ኣለዎ፣ ዘድልየካ ንገረኒ ኵሉ ክገብረልካ’የ፡” በሎ። ስዩም ከኣ ናይ ነገር መስተ ምዃኑ’ኳ እንተ ዘይሰሓቶ፡ ምናልባት ግን ኣብቲ ዝጅመሮ ዝነበረ ትካል ሓገዝ እንተ ረኸበ ኢሉ፡ “ዘድለየኒ ደኣ ንዓኻ’ዶ ክጠፍኣካ ኢሉ? ነዚ ትካለይ ዘበጋግሰኒ ቍሩብ ሓገዝ ገንዘብ ምደለኹ፡” ኢሉዎ። ድሕሪኡ ኢሳይያስ፡ “ገንዘብ ደኣ ቀሊል እንድዩ ኣታ ስዩም! እዚ ጸገም የብሉን፣ ድሕሪ ጽባሕ ተመለሰኒ ባዕለይ ዋላ ካብ ውልቃዊ ገንዘበይ ክህበካ’የ፡” ኢሉ ኣብቲ ቈጸራ እንተ ጠሊሙ ግን ካልእ ከመጾ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ሰደዶ።

ስዩም መዓልቱ ጸብጺቡ ናብቲ ዝተባህሎ ቈጸራ ክኸይድ እንከሎ፡ ነዚ ዛንታ ዝነግር ዘሎ ዓርኩ ኣብ መገዲ ረኺቡዎ። እቲ ዝተባህለ ዘርዚሩ ምስ ነገሮ ድማ፡ “እዚኣ ናይ መስተ ነገር’ያ፣ ንዓ በዚኣ ጌርካ ተመለስ፡” ኢሉ ለመኖ። ስዩም ግን ከይትጠልም ኢሉ ኣጠንቂቑኒ’ዩ ኢሉ ኣብዩ ከደ። ሓለዋ ቀጽሪ ኣፍቂዱ ንውሽጢ ቤት ጽሕፈቱ ክኣቱ ምስ በለ ካልእ ስራሕ ሒዙ ከም ዘሎን ካልእ እዋን ክምለስን ሓበሩዎ። ኣብ ሳልስቱ ተመሊሱ፣ ሕጂ’ውን መዓልቲ ክቕይር ተነጊሩ። ቅንይ ኢሎም ግን ንሱ ዘይኰነስ ባዕላቶም’ዮም መጺኦሞ። ዕለት 21 መስከረም 2001፡ ብተብ-ተብ ክለዓል ምስ ተሓበረ ድማ 15 ዓመት ሓሊፉ እንሆ ክሳብ ሎሚ ንገዛኡ ኣይተመልሰን፣ ንህላውነቱ ዝምልከት’ውን ንስድራኡ ኣይተሓበረን።

*ኣብርሃም ተስፋልኡል ዋና ዳይረክተር ፐን ኤርትራን ኣሰናዳኢ እዚ መርበብ ሓበሬታን ኰይኑ  zere1981@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email