መድሃኔ ሃይለ –– ስለ ናጻ ፕረስ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ ዓርኪ

No comments
ዳንኤል ረዘነ*

ሓደ ካብቶም ብዘይ ክሲ ንልዕሊ 14 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ መድሃኔ ሃይለ፡ መማህርተይ፡ ናይ ስራሕ ብጻየይን ናይ ቀረባ ዓርከይን’ዩ ነይሩ–ገና ብኣይ ወገን’ውን ዘሎ። መድሃኔ ሃይለ ሓደ ካብቶም መስረትቲ’ቲ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ኰይኑ፡ ክሳብ ዝተኣስረሉ እዋን ከም ምኽትል ኣሰናዳኢ ኰይኑ ይሰርሕ ነይሩ። ከም ጋዜጠኛን ምኽትል ኣሰናዳኢን ድማ ሓያሎ ዓንቀጻት–ብሕልፊ እኳ ርእሲ-ዓንቀጻት ጽሒፉ። እታ ብተሪር መርገጺኣን ነቕፌታኣን እትልለ ዝነበረት ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ነቲ ሒዛቶ ዝነበረት ደረጃን ስምን ክትሕዙ ካብ ዘብቅዑ (ምስ መሳርሕቱ) መድሃኔ ምዃኑ’ዩ።

መድሃኔ ሃይለ ኣብ 1971 ኣብ ዕዳጋ-ሓሙስ ኣስመራ ተወሊዱ። መባእታን ካልኣይን ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ከባቢ ገዛውቱ ዕዳጋ-ሓሙስ ድሕሪ ምክትታል ድማ ካልኣይ ደረጃ ናብቲ ሽዑ ከኾብ ሰሜን ወይ ሳንታ-ኣና ተባሂሉ ዝጽዋዕ (ናይ ሎሚ ሰማእታት) ቀጺሉ። ምስ መድሃኔ ዝነበረኒ ሌላ፡ ከም ምስ ብዙሓት ካልኦት ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተመሃሩን ዝተመረቑንን ተመሃሮ፡ ካብ 1993’ዩ ዝጅምር። ንሱ ምስቲ ናይ 1991 “ባች” ናብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዝኣተወ ክኸውን እንከሎ፡ ኣነ ድማ ኣብ 1992 እየ ኣትየ። ካብቲ እዋን  ሚሩ ድማ ክሳብ 1998 ብሓንሳብ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ቀሲምና ብሓደ ድማ ተመሪቕና። ኣነ ቅድሚ ናብ ዩኒቨርስቲ ምእታወይ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ምምህርና ኣገልግሎት ኣብ 1991 ወዲአ ስለ ዝነበርኩ፡ ናይ 2ይ ዓመት ተመሃራይ ምስ ኰንኩ፡ ከም ካልኦት ተመሃሮ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከይወጻእኩ ትኽ ኢለ’የ ትምህርተይ ቀጺለ። ምስቶም ናይ ሓደ ዓመት ናይ ምምህርና ኣገልግሎት ወዲኦም ናብ ዩኒቨርስቲ ዝምለሱ ዝነበሩ ድማ ኣብ 1993 ብሓደ ናይ ካልኣይ ዓመት ተመሃሮ ኴንና ቀጺልና። መድሃኔ ሓደ ካብኣቶም ስለ ዝነበረ ኣብ 1993 ኢና ተላሊና። ብድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ክሳብ ኣብ 1998 ትምህርቲ ወዲእና እንምረቕ ድማ፡ መድሃኔ ሓደ ካብቶም ምሳይ ጥቡቕ ዕርከነት ዝነበሮም መማህረተይ ኰነ።

ክፍሊ ሕጊ ናይ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ፡ ኣብ 1991 ክጅምር እንከሎ፡ ብናይ ዲፕሎማ መዓርግ ጥራይ ከመርቕ ተባሂሉ ዝተበገሰ ብምንባሩ ኣብ 1995-96 ኩላትና ብዲፕሎማ’ኳ እንተ ተመረቕና፡ ድሕሪ ዓመት ናይ ዲግሪ ፕሮግራም ክቕጽል’ዩ ስለ ዝተባህለ፡ ነቲ ግዜ ክንጥቀመሉ ብዝብል ሓሳብ ናብ ሳዋ ወረድና። መድሃኔን ካልኦትን ሓንቲ ዙርያ ቅድሜና ኣብ ሳልሳይ ዙርያ ንሳዋ ወረዱ።

ድሕሪ ወተሃደራዊ ታዕሊም፡ ተመሊስና ትምህርቲና ክንቅጽል ስለ ዝተፈቕደ፡ ነታ ዲፕሎም ናብ ዲግሪ ንምስጋራ ትምህርቲ ቀጸልና። ሕጂ’ውን ምስ መድሃኔን ካልኦት መምሃርቲናን ድማ ኣብ ሓምለ 1998 ብሓሳንሳብ ተመሪቕና። ድሕሪ መመረቕታና ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1998 ስለ ዝተወልዐ፡ ክንከትት ግድን ኰነ። ሕጂ’ውን ብሓደ መስመር ግን ኣብ በበይኑ ኣሃዱ ከተትና። ኣብቲ ክተት መድሃኔ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ባጽዕ’ዩ ተመዲቡ። ነዊሕ ከይጸናሕና፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ ምሩቓት ሕጊ ክሰሓቡ ብዝጠለቦ መሰረት ድማ ሕጂ’ውን ድሕሪት ተመሊስና፣ መድሃኔ ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ክፍሊ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ተመደበ። ድሕሪ’ዚ መድሃኔ እንደገና ናብ ሰራዊት ከቲቱ ኣብ ክፍለ ሰራዊት 44 ኣባል ፋይናንስ ኰይኑ ሰሪሑ። ቅድሚ ማእሰርቱ ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር’ዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ንትምህርቲ ንደቡብ-ኣፍሪቃ ክቕጽል ይዳለወሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ ንግሆ ዕለት 23 መስከረም 2001 ምስ ካልኦት ጋዜጠኛታት ብሕቲ ተጨውዩ ተወስደ። ምስ መድሃኔ ምናልባት ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ሓጺር እዋናት ብኣካል ምስ ተራኽብና፡ እንሆ 14 ዓመት ኰይኑ፡ ደሃይ ሃለዋቱ የብለይን። ቅድሚ ንደቡብ-ኣፍሪቃ ምኻድና፡ እቶም ጋዜጠኛታት ብሕቲ ኣብ ቀዳማይ መደበር ፖሊስ ስለ ዝነበሩ፡ ምስ ገለ ጾተይን ኣዕሩኽተይን ክንበጽሖ ኬድና። መግቢ ወይ ካልእ ቀረባት ምብጻሕ እምበር ብኣካል ምርኻብ ስለ ዘይነበረ፡ ብኣካል ክንረኽቦ ዕድል ኣይረኸብናን። ንሕና ምዃንና ስለ ዘለለየ፡ መድሃኔ ብመስኮት ሓዂሩ ክርእየና ግን ክሳብ ሎሚ ካብ ዝኽረይ ኣይሃስስን። እተን ነቲ መኸልከሊ ሓጺን ቤት ማእሰርቲ ሰንጢቐን ዝጥምታና ዝነበራ ኣዒንቱን ናይ ጽንዓት፡ ተስፋን እምነትን ኣጠማምታኡ ድማ ክዝክሮ ከለኹ ወትሩ ይረኣያኒ። ድሕሪኡ ዝቐጸለ 14 ዓመታት
ኣብ ነቶም ጋዜጠኛታት ኣመልኪቱ ክዝረብን ክጸሓፍን ከሎ ድማ እታ ብህይወት ክሳብ ዘለኹ’ውን ከተሰንየኒ ምዃና ዘይተጠራጥረኒ በታ መስኮት ዝረኣኹዋ ገጽ መድሃኔ ትዝከረኒ።

መዳ–ከምቲ ኣዕሩኽቱን መማህርቱን ጌርና እንጽውዖ–ኣዝዩ ህዱእ፡ ኣብ ሕጋውነት እምነት ዘለዎ፡ ኣብ ዝተንከፋ ዓውዲ ጸብለል ኢሉ ዝወጽእ ሰብ’ዩ። መምህርትናን ናይ ኵሉ ጕዕዞ ብጻይናን ሳሙኤል ቢዘን፡ “ከም ናይ ሕጊ ምሁር፡ ንልዕልና ሕጊ ዝቃለስ፡ ንትግባረ ቅዋማን ስርዓታዊ መንግስቲን ዝጽሕፍን ዝጣበቕን ሕጊ ተሓታትነት ክነግስ ዝምነን ተቓላሲ፡” ኢሉ ይገልጾ። ኣብ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ኣዘውቲሩ ይጽሕፎ ካብ ዝነበረ ርእሰ-ዓንቀጻት’ውን ነዚ ሓሳብ’ዚ ዘራጉዱ ምንባሮም መሳርሕቱ ዝነበሩ ይምስክሩ። ጋዜጣታት ብሕቲ ተደጋጋሚ ምጕስቓልን ዘይምትሕብባርን ይገጥመን ደኣ ይንበር እምበር፡ መድሃኔ ግን ግዜኡ ሓልዩ ክመሓየሽ ዝኽእል መስርሕ ምዃኑ’ዩ ዝኣምን ነይሩ። ስለ ዝዀነ ከኣ’ዩ፡ “ኣብ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ስርዓተ-ሕጊ ከም ድላይና” ብዝመስል ኣረኣእያ፡ ክፍት ኢሉ ዝጽሕፍን ኣፍ ኣውጺኡ ዝዛረብን ዝነበረ። ዳሕራይ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ክህደኑ ምስ  መሩ’ውን፡ መድሃኔ ክመጽእ ዝኽእል የለን’ሞ ነብስና ክንርብሽ የብልናን ይብል ምንባሩ ገለ ኣዕሩኽትና ይዝክሩ።

መድሃኔ ንፉዕ ጋዜጠኛን ናይ ሕጊ ሰብን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ስፖርት’ውን ክንደኡ ሓለፋ ነይሩዎ። ካብ ቅድሚ ናጽነት ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ካብ ዝነበሩ ተጻወትቲ ሰደቓ-ቴንስ ካልኣይ ዝስራዕ’ዩ ነይሩ። ብውልቁ ብዙሕ ዓወታት ከመዝግብን ሻምፕዮን ኣብ ኤርትራ ክኸውን ከሎን ንኤርትራ ወኪሉ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድ’ውን ተሳቲፉ ነይሩ። ብዘይካ’ዚ ናይ ሰደቓ-ቴንስ ተውህቦኡ፡ ኣብ ኵዕሶ-መርበብን ሰኪዐትን እዋን ብሃገር ደረጃ ካብ ዝጥቀሱ ደያኑ’ዩ ነይሩ።

መድሃኔ ጽቡቕ ዝንባለ ዛንታታትን ግጥምታትን ምጽሓፍ’ውን ነይሩዎ’ዩ። ነዚ ናይ ምጽሓፍ ተወህቦኡ ድማ በቲ ዝፈትዎን ብንጥፈት ዝዋሳኣሉን ዓውዲ ስፖርት’ዩ  ሚሩዎ። ምስ ብጾቱ ሚልኪያስ ምሕረትኣብ፡ ሃብተኣብ የማነ፡ ዮሴፍ ኣልኣዛርን ገዛኢ ሓጎስ (ቀልጢፉ ናብ ጋዜጣ ዘመን ዝሰገረ)ን ኰይኑ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ዓምዲ ስፖርት ኣከታቲሉ ይጽሕፍ ነይሩ። ብዘይካ’ቲ ኣጸቢቑ ዝመልኮን ዝዓየሉን ዓይነታት ስፖርት፡ ኣብ ብሽክለታ’ውን ልዑል ተመስጦ ስለ ዝነበሮ፡ ብዛዕባ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ኣስመራ ኣመልኪቱ ብዙሕ ኣንበብቲ ዝረኸቡ ዓንቀጻት ኣብ ሰቲት ይጽሕፍ ምንባሩ ድማ ናይ ቀረባ ዝኽሪ’ዩ። ምስ መድሃኔ ኣተኣሳሲረ ዝዝክሮ ብዙሕ ዝኽርታት’ኳ እንተሎኒ፡ ሓደ ካብቲ ፍሉይ ተዘክሮታት ግን፡ ኣብ 1998 ንመመረቕታ ንዳለወሉ ኣብ ዝነበረና እዋን ዝተለዋወጥናዮ ናይ ሓድሕድና ጉርዲ ስእልታት’ዩ። ብናይ ሽዑኡ እዋን ተኣኒንና ዝተሰኣልናዮ ጉርዲ ስእልታት ከኣ ተለዋዊጥና። እታ ሽዑ ዝሃበኒ ስእልኒ፡ ሃሳስ ሰማያዊ ባድላ/ፓኖ፡ ምስ ዳዕዳ ካምቻን ድምቕ ዝበለ ቡናዊ ክራቫታን ገይሩ ዝተሳእላ ጉርዲ ስእሊ ኰይና፡ ንመ መርታ ግዜ ኣብ ቃልዕ ዝዘርጋሕኩዋ፡ ኣብ ከባቢ 2003 ወይ 2004 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፡ ናይ ኤምዲሰመ ናይ ጎስጓስን ሓበሬታን ሰነዳት ነዳሉ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን’ዩ። እታ ስእሊ ሎሚ፡ ስም መድሃኔ ክለዓል እንከሎ ብብዝሒ እትርአ ስእሊ ኰይና ኣላ። እቲ ተመኵሮ ብገለ መለክዑ ንዝኽርታተይ ወትሩ ዘሕድስ ነገር እኳ እንተዀነ፡ ብኻልእ መዳዩ’ውን ዝፈጥረለይ ዘየቕስን ስምዒታት ኣሎ። ንወጽዓን በደልን መድሃኔን (ብጾቱን) ብዝምልከት ብዙሕ ዘይተሰርሐ ዕማማት ከም ዘሎ ስለ ዝዝክር፡ ምስ ነብሰይ ኣምሪረ ዘስቈርቍረሉ እዋናት ብዙሕ’ዩ። ኣብቲ ንጽሕፍቶ ወዲ ሰብ ዝምልከት
ትዕዝብታት ግን፡ እቲ ጉዳይ ክሳብ ክንደይ ብዝገርምን ዘይንፈልጦን ኣካይዳ ዝለዋወጥ መስርሕ ሂወት ምዃኑ ወትሩ ይድንጽወኒ።

በዓል ብዙሕ ተውህቦን ተስፍዉን መንእሰይ መድሃኔት ሃይለ ኣፍለ፡ ኣብ ኣፍላ ዕድመኡ ተዀሊፉ፡ ብዕለት 23 መስከረም 2001 በቶም ሕጊ ዝጕዕጽጹ ኣካላት ተጨውዩ ተወስደ። እንሆ ድማ 14 ዓመት ደፊኑ፣ መድሃኔን ካልኦት ብጾቱን ብኣካሎም ደኣ ይተኣሰሩ እምበር፡ ሕልፎም ሕልናኦም ተኣሲሩ ዘሎስ እቶም ኣሰርቲ’ዮም። መድሃኔ ብጾቱን ዝወልዑዎ ሽግ ሓርነት ንዘልኣለም ከንበልብል ምዃኑ ኣይጠራጠርን፣ እቶም ኣሰርቲ ድማ እዋኖም ኣኺሉ ፍርዶም ዝቕበልሉ እዋን ርሑቕ ኣይክኸውንን’ዩ።


*ዳንኤል ረዘነ ናይ ሕጊ ምሁር ኰይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ከም ዳኛ ዞባ ማእከል ዘገልግሎ ዝነበረ’ዩ። ጸሓፊ ሕጂ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኑሸተል–ስዊዘርላንድ ኣብ ማእከል ስደተኛታት ክፍሊ ሕጊ ኣባል ኰይኑ Transitional Justice: Framing a Model for Eritrea (2009) ከምኡ’ውን ምስ ካልኣዩ The African Garrison State (2014) ዝብላ መጽሓፍቲ ዘሕተመ’ዩ። ዳንኤል danielrezene@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email