ኣብቲ መንገዲ ኣርብዓ ‘ይሓይሽ’ ኣብ ዝበለቶ ተጸጊዓ ዝፍቀዳ ሳናቲም ኣብ ቅድሚኣ ዝርካቡ ጕልባባ ንወዳ ኣማሚቛ ድንን ምሽክንክን ሓዊሳ ናብቲ ቀዝሒ ኢዳ ልኢኻ ዕሸላ ክትዕንግል ስለ ዝነበራ ከይፈተወት ከምኡ ጌራ ጌና ብሓራሳ’ያ ሓጋዚ ስኢና ዝርንዛሕ ነቢዓ ዕድላ ኣማሪራ “ሓራስ ጓል ማርያም” ዘበላ እንሆ ሕጂ ዓዂኹላ የጻውታ ኣሎ የዕልላ “ማማየ’ቲ ጅንሒ ከልኤኪ” “እንታይ?” “ከምጂ” ዝጸምለወ ገጻ ተስፋ
Author: staff
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል* ነዊሕ ዝጠመታኡ ራእይ ከም ዝነበሮ፡ ገና ካብታ ክላለየካ ከሎ ኣትሒዙ ዝጅምረልካ ዕላል’ዩ በሪሁ ዝርኣየካ። እቲ ነዊሕ ዝጠመተኡ ራእይ፡ ነታ ኣብ ዓመተ 1999 ምስ ብጾቱ ኰይኑ ዝጀመራ እሞ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንምቕጻል ዘይከኣለት ጋዜጣ ኣድማስ ኣብ መጀመርታ ዓመተ 2000 ብስም ሓዳስ ኣድማስ ኣተንሲኡ ዳግማይ ህይወት ስለ ዘትከላ ኣይኰነን። ድሒሩ፡ ነታ ወትሩ ሓሙስ እትዝርጋሕ ዝነበረት
Abraham T. Zere’s article in the Guardian regarding Eritrea’s jailed journalists. « GO BACK
ኣሮን ብርሃነ* ኣብ ዓለመ ስነ-ጥበብ፡ ጋዜጠኝነትን ሰርከስን ኤርትራ ተገዳስነት ንዘለዎ ሰብ፡ ተወሳኺ መብርሂ ዘየድልዮ ስም እንተልዩ ፍስሃ ዮሃንስ (ጆሽዋ) ጥራሕ’ዩ። ኣብዞም ዓውድታት ኢዱ ዘሕለፈሎም ስራሓት ብዙሓትን ድሙቓትን ስለ ዝዀኑ። ጆሽዋ ኣብ 1959 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ፡ ኣብ 1977 ድማ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ተሰሊፉ። ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ተመዲቡ ሞይኡን ዓቕሙን ዘፍቅዶ ኣበርክቶ ገይሩ። ኣብ መፋርቕ 80ታት
By Ahmed Raji* On 17 July 1991, barely seven weeks after liberation day, EPLF soldiers arrested MOHAMMED MARANET and took him to an undisclosed location, not to be heard from again. Thus began the plight of one family in Keren for whom the dark side of our post-Independence reality unfolded much sooner than for many
ተዓዋቲት ፍሉይ ሽልማት ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት 1999 ኣበሳ ኵናት ሓደ ነገር ጓዚሙ ሓደ ነገር ተዳህዩ ንህድኣት በሲዑ ሓደ ነገር ኣቃሊሑ። ኣብታ ክልተ ኣሕዋት ዝተሓላለፉላ ኣብታ ክልተ ኣሕዋት ዝራኸቡላ ኣብታ ክልተ ኣሕዋት ዝዋሰቡላ ኣብ ቅርዓት ሂወትን ሞትን ኣብ ወሽመጥ ጥፍኣትን ልምዓትን ኣብ ስንጭሮ ሻቕሎትን ሰላምን ….ተቐርቒሩ ሓደ ነገር ተዳህዩ። ሽዑ ሓንቲ ፍረ ዘርኢ…. ጭዓን ሰራውን
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል* ንኽእሰሩ (ወይ ብእሩም ኣዘራርባ ኣብ ቤት ንኽሕየሩ ዝገበሮም) ጠንቂ እንታይ ነበረ? ዝምድና መንግስቲ ኤርትራን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያንን’ከ ኣብቲ ጉዳይ ከመይ ከመይ ጌርካ’ዩ ክግለጽ ዝከኣል? ናይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ስልጣን ምውራድ፣ ፖሊቲካዊ ጥራይ ድዩ ወይስ ሃይማኖታዊ ዛዕባ’ውን ኣለዎ? ንምዃኑ ኣቡነ እንጦንዮስ ከም ሰብ ብኸመይ ይዝከሩ? ዝብሉ ሓሳባት ሒዝና ኢና ሰለይ ክንብል። ንፈላሲ
የዕብዮ ገብረመድህን* መተዓብይተይ መሳርሕተይ ነበርን ማቴዎስ ሃብተኣብ ገብረጊዮርጊስ፡ በታ ካብ ብንእሽቶኡ ዘዕበየቶ “ማቹ” እትብል ሳጓ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብ መንጎ ቀረባ ኣዕሩኽቱን ፈለጥቱን’ውን ክሳብ ሎሚ በታ ሳጓ’ቲኣ’ዩ ዝለዓል። ቦኽሪ ንወለዱ ማቴዎስ ኣብታ መበቈል ዓዱ’ውን ዝዀነት ጎዳይፍ’ዩ ብ1974 ተወሊዱ። መባእታ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ጎዳይፍ፣ ማእከላይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ባና፣ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሓላይ ድሕሪ ምምሃሩ ድማ ኣብ
ቴድሮስ ኣብርሃም* ተደጐል ብማሕሙድ ኢብራሂም ተደሪሳ ብ2014 ንሕትመት ዝበቐዐት ልብ-ወለዳዊት ታሪኽ ኰይና፡ ኣብ ዳሕረዋይ ገበር እዛ መጽሓፍ ኣለምሰገድ ተስፋይ ንብቕዓት ደራሲ ብኸም’ዚ ዝስዕብ ገሊጹዎ ይርከብ፤ “ሳሕቲ ዝቕልቀሉ፡ ንኻልኣይ ቋንቋኦም ዓይነታዊ ኣበርክቶ ዘወፍዩ ደረስቲ ኣለዉ። ፖላንዳዊ ጆሴፍ ኮንራድ ኣብ 20 ዓመቱ ንዝተላለዮ ቋንቋ እንግሊዝ ብስጕምትታት ንቕድሚት ወንጭፍዎ’ዩ። ማሕሙድ ኢብራሂም ድማ፡ ኣብ 15 ዓመቱ ንዝተማህሮ ቋንቋ ትግርኛ፡
