“ነቦኻ”

No comments

ኣብቲ መንገዲ ኣርብዓ

‘ይሓይሽ’ ኣብ ዝበለቶ ተጸጊዓ

ዝፍቀዳ ሳናቲም ኣብ ቅድሚኣ

ዝርካቡ ጕልባባ ንወዳ ኣማሚቛ

ድንን ምሽክንክን ሓዊሳ

ናብቲ ቀዝሒ ኢዳ ልኢኻ

ዕሸላ ክትዕንግል ስለ ዝነበራ

ከይፈተወት ከምኡ ጌራ

ጌና ብሓራሳ’ያ ሓጋዚ ስኢና

ዝርንዛሕ ነቢዓ ዕድላ ኣማሪራ

“ሓራስ ጓል ማርያም” ዘበላ

እንሆ ሕጂ ዓዂኹላ

የጻውታ ኣሎ የዕልላ

“ማማየ’ቲ ጅንሒ ከልኤኪ”

“እንታይ?”

“ከምጂ”

ዝጸምለወ ገጻ ተስፋ ተቐልቂሉዎ

ጻውቱ ርእያ ስሓቕ ክትክውሖ

ኣብ ተጠንቀቕ ኢያ ነይራ

ተዋዲዱ ፍቕራ

ንሱ ከም ናታ ስለ ዝኸኣለ

ፍንጭሕጭሕ እናበለ

“ሽለ ማልያም” ኢሉዋ ኢዱ እናሰደደ

ስንባደ ከም ሕሱም ዘበጣ

ንኸይስበሎ ኣንፈጥፊጣ

ምስ ተበራበረት ካብቲ ዘኸንደዳ

ገለ ነገር ክትገብር ተገዲዳ

ጀመረት ድማ ክትዝርዝሮ

ነቲ ጸወታ ቀደም ነቲ ትዝክሮ

ኛው ኛው ኣቀናጥዋ ድሙ

ቲኽ ቲኽ

በዚኣ መጸ በዚኣ መላጸ

እምባሕ

“ቱፍ እሞ በለለይ”

“ቱፍ እሞ በልለይ”

ለመዱዎ እቲ ሰሓቕ

ለመዶም ለመዱዎ ጸወታ

ሓደ መዓልቲ ግን

ኣይከምቀደሙን

ቀጨውጨው ኣብዚሑ

ግና ኣይጠዓሞን

ሽዑ ምስ ተኣበደ ብ“ቱፍ እሞ በለለይ”

ንሱ ድማ በለ “ቱፍ እሞ በልለይ

ንመን ቱፍ ክብለልኪ ማማየ”

“ነቦኻ” በለቶ መሊቝዋ

ኣፋ ግን ዓበሰት ነታ ቃል

ትመልሳ መሲሉዋ።

ሳባ ኪዳነ

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email