ብድሆታት ምግላጽ ክዉንነት ኣብ ‘ተደጐል’

No comments
ቴድሮስ ኣብርሃም*

ተደጐል ብማሕሙድ ኢብራሂም ተደሪሳ ብ2014 ንሕትመት ዝበቐዐት ልብ-ወለዳዊት ታሪኽ ኰይና፡ ኣብ ዳሕረዋይ ገበር እዛ መጽሓፍ ኣለምሰገድ ተስፋይ ንብቕዓት ደራሲ ብኸም’ዚ ዝስዕብ ገሊጹዎ ይርከብ፤ “ሳሕቲ ዝቕልቀሉ፡ ንኻልኣይ ቋንቋኦም ዓይነታዊ ኣበርክቶ ዘወፍዩ ደረስቲ ኣለዉ። ፖላንዳዊ ጆሴፍ ኮንራድ ኣብ 20 ዓመቱ ንዝተላለዮ ቋንቋ እንግሊዝ ብስጕምትታት ንቕድሚት ወንጭፍዎ’ዩ። ማሕሙድ ኢብራሂም ድማ፡ ኣብ 15 ዓመቱ ንዝተማህሮ ቋንቋ ትግርኛ፡ በዚ ኣገራሚ ብቕዓት ምጅማሩ ምስ ጆሴፍ ኮንራድ ዘመሳስሎ እዩ። ተወሰኽቲ ዓበይቲ ስራሓት ከኣ ንጽበ ኣሎና። ”

ኣብ ተመሳሳሊ ገበር እታ መጽሓፍ፡ ንትሕዝቶ ዛንታ’ዛ መጽሓፍ ኣመልኪቱ ኣኸድር ኣሕመዲን’ውን እዚ ዝስዕብ ኣስፊሩ’ሎ፤ “ተደጐል፡ ነቲ ዛጊት ዘይተጻሕፈ ዛንታ መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዋሕዚ ብዘለዎ ስእላዊ ኣቀራርባ እተዘንቱ ተነባቢት መጽሓፍ እያ። ኣብዛ መጽሓፍ፡ ተውህቦ ምጽሓፍ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኩሉ’ቲ ኣብ ሓደ ዘይምኩር መንእሰይ ዘሎ ስምዒት ብዘይንሕፈት ተንጸባሪቑ’ሎ። ነቲ ደራሲ ከም ድሕረ-ባይታ ዝተጠቕመሉ ናይ ኲናት ምከና ብቕንዕና፡ በቲ ሰብኣዊ ሸነኹ፡ ከተቕርቦ ምኽኣላ ከኣ ንተደጐል ፍልይቲ ይገብራ።”

እዞም ክልተ ንመእተዊ ዝተጠቐምኩሎም ጥቕስታት፡ እሰማምዓሎምን ንደራሲን እታ መጽሓፍን ብመጠኑ ከላልዩ ይኽእሉ’ዮም ኢለ ድማ እኣምን። ዛንታ ተደጐል ብመቓን ግዜ ካብ 1998 ክሳብ 2007 ዝምጠጥ’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ዝዓበየ ክፋል ዛንታ ግን ካብ 1998 ብሓርፋፍ ግምት ክሳብ 2001 ኣብ ዘሎ ግዜ ይፍጸም። እዚ ሓጺር ዓንቀጽ ኣብ’ቲ ድሕሪ 2001 ዘሎ ፍጻሜታት ዝትርኽ ክፋል ዛንታ ብምትኳር ክድህስስ ክፍትን እዩ።

ንልዕሊ ሓሙሽተ-ስድሲት ክፋል እቲ ዛንታ ብተመስጦን ነቲ ምስ ቀንዲ ጠባይ’ዛ መጽሓፍ ሓደ ስም ዝነበሮ ኣባል ቀዳማይ ዙር ዝነበረ ዓላሚየይ ሓፊዝ እናዘከርኩን ኣንቢበዮ።ዛንታ ንምዝዛም ክቃረብ እንከሎ ግን፡ እቲ ዝድነቕ ስእለ-ኣእምሮ ዝፈጥር ኣጸሓሓፋ ሓሓሊፎም ናብ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ዝቐርቡ ዝርዝራት ክዝርጉዎ ተዓዚበ። መዛዘሚ’ውን ብርዒ ጸሓፊ ብምጕዳማ ከይጐሃኹ ኣይተርፍኩን። ብሓጐስ ዛዚማ ርሽታት ክትኰስ ወይ ፍቑራት ብመርዓ ዕሰለ ክብሉ ብዘይ ምንባበይ ኣይኰነን እቲ ጓሂ። እቲ ጓሂ፡ ግርማይ ነጋሽ ኣብቲ ቅድሚ 22 ዓመታት “ናይ ደርስቲ ናጽነት” ዝብል ዘቕረቦ መደረ ዘጠንቀቖ ሰማዒ ከይረኸብ ብምትራፉ እዩ።

ግርማይ ኣብ መደረኡ ከም’ዚ ኢሉ ነይሩ፤ “ብሕልፊ’ኳ ደርስቲ፡ ‘መንግስትና ከይነቐይም’፡ ወይ’ውን ‘እዚ መንግስትና ኣይፈትዎን ይኸውን’ዩ’፡ ወይ’ውን ‘ከም’ዚ እንተጸሓፍኩስ ከም’ዚ ስለ ዝዀነ’ዩ ኪብሉኒ ኢዮም’ ናይ ዚብል ረማሲ ርእሰ-ሳንሱር (self-censorship) ግዙኣት ከይኰኑ ምጥንቃቕ ከድልዮም ኢዩ።” (31-32) ክሳብ ከባቢ መወዳእታ፡ ሓፊዝ — ኣዘንታዊን ቀንዲ ጠባይን ዛንታ — ዝቕልሶ ዝነበረ ትረኻ ዋሕዙ ተበቲኹ ናብ ኢድ ደራሲ ተረኪቡ ንዕዘብ። ሓፊዝ፡ እቲ ትጉህን እሙንን ወትሃደር፡ ባእታታት ጠባዩ ከይተቐየረ ክሳብ መወዳእታ’ኳ እንተኸደ፡ ምስቲ ሽግር ክልተ ኣህዛብ ኰይኑ ዘሎ ኲናት ብኣምላኽ ክፍታሕ ዝምነዮ ምግርጫው ትዕዘብ። እዚ ምግርጫው፡ ደራሲ ዛንታኡ ንምዝዛም ኣዝዩ ምሽጋሩ ዘርእይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንላዕለዎት ተጻውቲ’ቲ ሽግር ንኸይትንክፍ ብፍላጥ ይዅን ብዘይ ፍላጥ ዝሰረጾ ርእሰ-ሳንሱር የመልክት። ሓደ ካብ’ቶም ክዉንነት ንምግላጽ ዝጐነፉዎ ብድሆታት ድማ ክውሰድ ይከኣል።

ጆን ሩስኪን ኣብ “ዎርክስ” ዝብል ስራሑ ንገጣሚን ቀባኢን ከምኡ’ውን ስነ-ግጥሚን ቅብኣን ከም ሓደ ብምቝጻር እዚ ዝስዕብ ይብል፤ “ቀባኢ ቅርጺ-መሬት፡ ወትሩ ክልተ ዓበይትን ንጹራትን ዓላማታት ክህልዉዎ ይግባእ፣ እቲ ቀዳማይ፡ ኣብ ኣእምሮ ተዓዛቢ ተኣማኒ እማረ ናይ ኵሎም ባህርያውያን ነገራት ምስራጽ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ካልኣይ፡ ንኣእምሮ ተዓዛቢ ናብ’ቶም ንምምርማር ዘገድሱ ነገራት ክመርሖ፡ ከምኡ’ውን እቲ ስነ-ጥበበኛ ብዛዕባ’ቶም ኣገደስቲ ኢሉ ዝመረጾም ዘለዎ ሓሳባትን ስምዒታትን ምሕባር እዩ።” ካብ’ዞም ክልተ ነጥቢታት ሩስኪን፡ እቲ ቀዳማይ ኣብ ተደጐል ብውሑሉል ኣገባብ ቀሪቡ ንረኽቦ። እቲ ካልኣይ’ውን ኣብ’ቶም ኣገደስቲን ተዓዛቢ ክመራመረሎም ኣለዎ ዝበሃለሎም ነገራት ምምእዛን ተዓዊቱ ክበሃል ይከኣል። ኣብ’ቲ ናይ መዛዘሚ ክፋል ተደጐል ዝርከብ ስምዒትን ሓሳባትን ግን ምልኣት ኣይርከቦን። ነዚ ኣብነት ክዀነና ዝኽእል ዝስዕብ ጥቕሲ ንመልከት፤

“በቃ ድሕሪ ሕጂ፡ ኲናት የለ! ሰላም የለ! ሰንፈላል ጥራይ’ዩ ዘሎ! ባዕሉ ይፈልጥ ከኣ ንሕና ክንደይ ግዜ ኢና ኣይ ኣብዚ ኣይ ኣብቲ ኴንና ሕማቕ መነባብሮ ከነሕልፍ?!” ኢለ ብምንጽርጻር ኣብ መንኩበይ ዝነበረት ኣፍራዛ ብሓይሊ ኣብ መሬት ነቚተን፡ ተሓንጊጠዮ ዝነበርኩ ብረት፡ ሸሪጥን ዕጥቅን ክብሪ ብዘይብሉ ኣገባብ ኣብ መሬት ደርብየን ኮፍ በልኩ።

ከምኡ ክገብርን፡ መሬት ነዝ!… ነዝ!… ነዝ!… ኢሉ ናብ ኣሰንባዲ ነገር ክቕየረኒን ሓደ ኰነ። ብራዕዲ ተዋሒጠ፡ ነጢረ ቦታ ቐረኩ። ለውጢ ግን ኣይረኸብኩን፡ መሬት ኩሉ ተነዛነዘኒ።

“ኣዑዙቢላሂ ሚነ’ሸይታኒ ‘ረጂም! ቢስሚላሂ ኣ’ራሕማን ኣ’ራሒም!” ኢለ ሸይጣን ከባርር ጸለኹ።

ጸሎተይ ከይወዳእኩ ምስቲ ምንዝናዝ መሬት ለጊቡ ተወሳኺ ዘባህርር ደሃይ ካብ ሰማይ፥ “ተደጒልካ ኢኻ ዘለኻ፡ ተደጐል! ተደጐል!” ክብል መጽኣኒ። ነቲ ኣርዓዲ ድምጺ ሰሚዐ ንሰማይ ገጸይ ምስ ጠመትኩ፡ ነቲ ድምጺ ተኪኡ መሬት ከም ቀደሙ
ኣንፈጥፈጠኒ። ናብ መሬት እንተ ጠመትኩ፡ መሬት ቆይሙ እቲ ኣካለ-ሕቡእ ድምጺ መጸ። (308-309)

ኣብ’ዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰን ካልኦት ክፋላት እቲ ዛንታን፡ ደራሲ ንሳዕቤንን መረረኡን ኣብ ልዕሊ ኣይሰላም-ኣይኲናት ብዝግባእ ኣብ ኣእምሮ ኣንባቢ ከስርጾም ብዝኽእል ኣገባብ ኣቕሪቡዎም ይርከብ። ንኣእምሮ ኣንባቢ ናብ’ቶም ጠንቂን መፍትሒን እቲ ጸገም ኢሉ ዝሓስቦምን ዝስምዕዎን ኣብ ምምእዛን ግን ነቲ ምሉእ መጽሓፍ ዘጓዓዞ ቅዲ ክዉንነት የፍርስ።

ክዉንነት ክንብል እንከሎናኣብዚ፡ ንህልው ህይወት እዛ ስራሕ ዝፈረየትሉ ሕብረተሰብ ወይ’ውን ነቲ ኣብቲ ዛንታ ተፈጢሩ ዝርከብ ህይወት ከመልክት ይኽእል። ንኽዉንነት ዛንታ ምስ ህልው ህይወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ እንተ ኣነጻጸርና ኣብ ንሓድሕዶም ዝራጸሙ ነገራት ጥሒልና ክንተርፍ ስለ እንኽእል፡ ኣብዚ ዘይምልዓሉ ይምረጽ። ነቲ ደራሲ ኣብቲ ዛንታ ዘልዓሎ ክዉንነት ግን ምስ’ቲ ክዀኖ እትጽበዮ ባህርያዊ ዋሕዙ ምንጽጻር ይከኣል። ሓፊዝ፡ ኣብቲ ንስዉኣት ብጾቱ ዝግበር ዝክረ-ሰማእታት ከም’ዚ ይብል፤

ሕነ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ስዉኣት ተፈድየ ማለት ብዝሒ ጸላኢ ተቐትለ ከም ማለት እንተዝወስዶ፡ ልዕሊ’ቲ ዝቐተልናዮ ጸላኢ ክንቀትል ኢለ ምቕጻል ኲናት ኣይምተመነኹን። እዞም ስዉኣት ብሓበን ተዘኪሮም ማለት እታ ከም ሰበብ ኲናት እትጥቀስ ባድመ
ኣብ ኢድና ኣትያ ከም ማለት እንተ ዝወስዶ’ውን ምቕጻል ኲናት ኣይምተማህለልኩን። ንባዕለይ ሩፍ ክብል እንተዀይነ ግን ነቲ እናሰዓበና ንበዓል ውባ ዘትረፈ ጸላኢ እናሰዓብኩዎን እናቐተልኩሉን ኣብ መቓብሮም ድው ክብል ነይሩኒ።

ሓፊዝ፡ ብዛዕባ ኲናት ዘለዎ ኣረኣእያ ካብ’ዚን፡ ካብ’ቲ ብጾቱን ስድራኡን ብሰንኪ ኲናት ዝገጠሞም ማሕበራዊ ጸገማ ዘስተንትኖን ክንርዳእ ቀሊል እዩ። እዚ ዋላ’ኳ ንውትህድርና ከም ዝተፈጠረ ተጊሁ ኣብ እሳት ዝድብል መንእሰይ ኰይኑ ዝተሃንጸ ጠባይ፡ ብዂናት ሰልክዩን ንቡር ህይወት ክመርሕ ዘቋምት ምዃኑ ንዝእምቱ (ብዘይካ እዞም ልዒሎም ዝተጠቕሱ) ብዙሓት ፍጻሜታት ይረኣዩሉ። እቲ ኣብ ምዝዛም ዛንታ ኣኳሊሙ ‘ተደጐል’ ዝብል ሃለውሳ ዝመስል ድምጺ፡ ንውኖኡ ሰሊቡ ንኽድጐል ከርዕሞ ምርኣይ ምስ’ቲ ዝተፈጥረ ክዉንነት ዛንታ ኣይቃዶን።

ተወላዲ ቸክ-ራፕብሊክ ዝዀነ ደራሲን ሃያሲን ሚላን ኩንዴራ፡ “Dialogue on the arts of the novel” ኣብ ዝብል ቃለ-መሕትቱ፡ እዚ ዝስዕብ ንረክብ፤ “ሰብ፡ ንምስሉ ብመገዲ ተግባሩ ከርኢ’ኳ እንተ ተተተስፈወ፡ እቲ ምስሊ ግን ምስ ገዛእ-ነብሱ ዋላ ሓንቲ ምምስሳል የብሉን። እዚ ግርምቢጣዊ ባህሪ ናይ ተግባር ድማ፡ ሓደ ካብ’ቶም ዓበይቲ ክስተታት ኣብ ልብ-ወለድ ታሪኽ እዩ። ንስነት ብተግባር ክትጭበጥ ምስ ዘይትከኣል ግን፡ ኣበይን ብኸመይን ኢና ክንጭብጣ፧ ስለዚ፡ ልብ-ወለድ ኣብ እለሻ ንስነት፡ ካብ’ቲ ናይ ተግባር ግሁድ ዓለም ተኣልዩ፡ ንዘይግሁድ ውሽጣዊ ህይወት ክምርምር ተቐሲቡ።”

ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር፡ ሓፊዝ መፍትሒ’ቲ ኲናት’ዩ ኢሉ ዝኣመነሉን ደራሲ ንመዛዘሚ ዛንታኡ ኢሉ ዝወሸሎ ፍጻሜን ካብ ቀረባኦም ሰጊሮም ናብ ርእሰ-ፍጡራን ዝዀነ ሓይሊ የቋምቱ። እቲ ቀዳማይ፡ ንቐቢጸ-ተስፋኣዊ ስምዒት ወለዶ ሓፊዝ’ኳ እንተ ኣድመቐ፡ ነቲ ካብ ባህርያዊ ሓቅታት ዝብገስ ግብረ-መልሶም ግን ኣይበቕዖን። ሓፊዝ ንውሽጡ ዝፍትሽ ሕቶታት ከይሓትት እቲ ርእሰ-ፍጡራን ንዝብሎ ክገብር’ዩ ንባዕሉን ንነባቢን ክርድእዎ ዘጸግም ሃለውሳ ዝትርኽ። ኣእዛኑን እምሮኡን ክኸፍት ብዝተኣዘዘ፡ ከምኡ ምግባሩ ድሕሪ ምትራኽ፡ በዚ ቀጺሉ ዝጥቀስ ተባሂለዮ ዝበሎ ድማ ዛንታኡ ይዛዝም፤ ““ነቲ ጸላኢኻ ክረኽቦ ቀሊል፡ ንስኻ ንኽትረኽቦ ግን ሓያል ዝነበረ ነገር ረኺብካ ስለዘለኻ፡ ተደሰት! ነቲ ንምርካቡ ዘይጽግመካ ርኹብ ንምርካብ ድማ ተደጐል! መሬት ተላሒጕ፡ ጸጕሩ ከዪፉ፡ ኣስናኑ ገዪጹ፡ ሕኒን. . . ዝብል ሕሱም ከልቢ ምሰል! ተደጐል!. . .።” ኣንባቢስ ይትረፍ፡ ሓፊዝ’ውን እንታይ’ዩ ረኺቡ ዝፈልጥ ኣይመስልን።

እቲ ካልኣይ፡ ተራ ደራሲ ነቶም ብተግባር ዘይበጸሖም፡ ንውሽጢ ቀንዲ ጠባዩ ፈቲሹ ናብ’ቶም መጨረሽታ ዘይብሎም ተኽእሎታት ዘይምጥሓሉ የመልክት። እዚ ኣገባብ፡ ምስ’ቶም ብኣጋጣሚታት መፍትሒ ዛንታታት ዝቕርቡ ልብ-ወለዳት ንኸይነመሳስሎ፡ እቲ ናብ መዛዘሚ ዘጓዕዘና ውሕሉል ትርኻ’ዛ ልብ-ወለድ ዓቢ እምባ ኰይኑ ይጋርደና። ብኣንጻሩ ግን፡ እቲ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ርእሰ-ሳንሱር ወይ’ውን ኣብቲ ዝተጸርገ መገዲ ምጕዓዝ ንደራሲ ናብ ከምዚ ዓይነት ቍልቍለት ከም ዝሃትፍ ገይሩዎ ኢልና ክንግምት ንኽእል።


*ጋዜጠኛን ደራሲን ቴድሮስ ኣብርሃም ትረጀረር ናይዚ ኣብ ስደት ዝቘመ ፐን ኤርትራ ኰይኑ tedros@peneritrea.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email