መስራትን ወናኒን ቤት ማሕተም መጻሕፍቲ ኣፍሪቃ ወርልድ ፕረስን (Africa World Press)፡ ረድ-ሲ ፕረስን (The Red Sea Press) ካሳሁን ቸኮል፥ ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ብኣሽሓት ኣርእስቲታት ዝጽውዑ መጻሕፍቲ ብምሕታምን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ቅዳሓት ብምዝርጋሕን፡ ስነጽሑፍ ኣብ ምድንፋዕ ብዝተጻወቶ ዕዙዝ ተራ፤ ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ደሞክራሳዊ ስርዓት ንምትካል ብዝገበሮን ይቕጽሎ’ውን ዘሎ ዘይተባተኸ ቃልሲ ተዓዋቲ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ 2023 ኰይኑ ተረቚሑ።
ብዶር ዮናታን ጽገ፡ ይርጋኣለም ፍስሃን ሃብቶም ወልደዮውሃንስን ዝቘመት ኮሚተ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2023፥ ነዊሕ ዝርዝር ተወዳደርትን፡ የዕውቶም እዩ ተባሂሉ ዝቐረበ ረቛሒታትን ድሕሪ ምቕባላ፥ ነቶም ረቛሒታት ብዕምቈት መርሚራ ገምጊማን። እታ ኮሚተ ፈላልያ ብዘቐመጠቶ ንጹር መስፈርቲ መሰረት፥ እቲ ሽልማት፡ ጽብሉል ነጥቢ ንዝረኸበ ኣቶ ካሳሁን ቸኮል ክወሃብ ወሲና።
ኣቶ ካሳሁን ቸኮል ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራን ኣፍሪቃን ዝገብሮ ዓቢ ኣበርክቶ፡ ኲሉ ንምዝርዛር ምናልባት ርእሱ ዝኸኣለ መጽሓፍ ክወጾ ይኽእል እዩ። ኣብ 1983 ብዝጀመሮ ናይ ሕትመት ንጥፈታት ኣቢሉ፥ ኣብ ትሕቲ ጨፍለቕቲ ስርዓታት ዝርከቡ፥ ድምጺ ኣልቦ ኣካላት ክስምዑ ኣኽኢሉ’ዩ። ብዙሓት ጸሓፍቲ ንምዃን ሕልሚ ዘለዎም ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ዘነቓቐሑ፥ ክሳብ ሕጂ’ውን ኣብ ምንቕቓሕ ዝርከቡ መጻሕፍትን መጽሔታትን ሓቲሙ። ብኣስታት 20 ቋንቋታት፤ ን ታሪኽ ኣፍሪቃ፡ መበቆላዊ እምነታት፡ ስነ-ጽሑፍን፡ ብዓብዪኡ ድማ ስነጥበብን ዝድህስሱ ልዕሊ 3500 ንጽል መጻሕፍቲ ከም ዝሕተሙ ገይሩ። ኣበርክቶ ሕትመት ካሳሁን ቸኮል ካብዚ ዝተጠቕሰ ሓሊፉ ክሳብ ትምህርታዊ ምድላዋት ዝኸይድ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ኣብ ኣገልግሎት ሰነዳን መጽናዕታትን እውን ተጠቃሲ እዩ።
ከም መርኣያ ናይቲ ኣፍሪቃዊ-ባዕላዊ ግስጋሰ ንምርግጋጽ ዝተወፈየሉ ምድንፋዕ መበቆላዊ ቋንቋን ስነጽሑፍን፡ ነቲ ኣብ ጥሪ 2000 ኣብ ኣስመራ ዝተሳለጠ “ኣንጻር ኩሉ መሰናኽላት” እተሰምየ ዋዕላ “ቋንቋታትን ስነ-ጽሑፋትን ኣፍሪቃ” ምስ ካልኦት ብጾቱ ብምዃን ወዲቡን ኣካይዱን።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፥ ንፖለቲካዊ ሓርነት ብትብዓት ሕቶታት ካብ ዘልዓሉ፡ ጕጅለ-13 ከተምቲ “ማኒፌስቶ-በርሊን” ብምዃን ታሪኻዊ ግደኡ ዝተጻወተ ምሁር እዩ። ማኒፈስቶ-በርሊን፤ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምርጫ ከይግበር ኰነ ኢሉ ብምድንጓዩ፥ ቅዋም ከይትግበር ብምዕጋቱ፥ ብሓፈሻ ዘይቅዋማዊን ጨፍላቒን ፖሊሲ ብምኽታል ገባርን-ሓዳግን ዝዀነሉ ስርዓት ብምትካሉ ንኢሳያስ ብትብዓት ዝበድሀ ፈላማይ ማኒፈስቶ እዩ ነይሩ። ነቲ ምልካዊ ኣካይዳ ብምቅዋም፡ ኣብ 2001 ፖለቲካዊ ጽገና ክግበር ዝጠለቡ ሰበስልጣናት መንግስቲ ዝነበሩ ጕጅለ 15፡ ተመሳሳሊ ሕቶታት ንኸልዕሉ ጽልዋ ዝፈጠረ ምሕጽንታ እዩ ነይሩ።
ካሳሁን፤ ኣብቲ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ዘሳሳዮ ንጥፈታት ሕትመት፡ ብኤርትራውያን ጸሓፍቲ፤ ከም ኣበባ ተስፋጊዮርግስ፡ ኣለምሰገድ ተስፋይ፥ ግርማይ ነጋሽ፡ በረኸት ሃብተስላሰ፡ ቀሺ እዝራ ገበረመድህን፥ ብብዙሓት ካልኦትን ዝተደርሱ መጻሕፍቲ ዘሕተመ እዩ። ዓለም-ለኻውያን ጸሓፍቲ ከም’ኒ ተሸለምቲ ሽልማት-ኖቤል ዝዀኑ ምብራቕ ቲሞርያዊ ሆሴ ራሞስ-ሆርታን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ካህን-ደዝሞን ቱቱን፡ ውሩይ ኬንያዊ ጸሓፋይ ንጕጊ ዋ ቲዮንጎ፡ ኣመሪካውያን ሶንያ ሳንቸዝን ኖውም ቾምስኪን፡ ከምኡ’ውን ስሙይ ተመራማሪ ታሪኽ ባሲል ደይቪድሰን ዝርከብዎም ኣዝዮም ስሙያትን ተዓወትቲን ደረስቲ መጻሕፍቶም ብምሕታም ኣብ ዓለመ-ስነጽሑፍ ህያው ሓወልቲ ዘምበረ ብርቂ ናይ ስነጽሑፍ ሰብ እዩ።
ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ ካብ 2019 ዝጀመረን፡ ኣብ ምድንፋዕ ስነጽሑፍን ምስጓም ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ልሉይ ኣበርክቶ ንዝገብሩ ውልቀሰባት፡ ጕጅለታትን ትካላትን ዝዕደል እዩ። ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዞም ብዘይፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ዝበልዩ ዘለዉ ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍትቲ፡ ፖለቲከኛታትን ካልኦት ዜጋታትን ንምኽባር ከምኡ’ውን ኣብ 18 መስከረም ንዝተወሰነ ወግዓዊ ምዕጻው ናጽነት ፕረስ ንምዝካር ዓመታዊ ኣብታ ዕለት ውጽኢት ውድድር ንህዝቢ ይግለጽ። ተዓዋቲ/ት ናይዚ ሽልማት $1000ን፡ ምልክት ፐን ኤርትራ ዝሓዘ መዳልን ይቕበል።
እዚን ካልእ ኣዝዩ ብዙሕ ኣበርክቶኡን ኣብ ግምት ብምእታው፡ መስራትን ወናኒን ረድ- ሲ ፕረስን ኣፍርቃ ወርልድ ፕረስን ዝዀነ ኣቶ ካሳሁን፡ ኣብ ዓውዲታት ሕትመትን ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽን ብዘንበሮ ኣንጸባቒ ኣሰር ተዓዋቲ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2023 ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።
ኣቦ-መንበር ኮሚተ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2023 ዮናታን ጽገ፤ “ኣብ ምህናጽ ወደባታዊ ፍልጠት (indigenous knowledge) ኤርትራ: ኣቶ ካሳሁን ቸኮል ዝገበሮ ጻዕርን ዘመዝገቦ ሸቶታን ኣመና ሰፊሕን ብዙሕን ብምዃኑ: ኣባላት ፐን ኤርትራ: ብስም ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትና ነዚ ሽልማት ክንህቦ እንከለና ልዑል ክብረት ይስማዓና::”
ኣባል መማይት ኮሚተ ሽልማት ናይዚ ዓመት ዝዀነት ገጣሚትን ደራሲትን ይርጋለም ፍስሃ፤ “ኣቶ ካሳሁን ካብ ኣፍላ ንእስነቱ ኣትሒዙ መላእ ህይወቱ ን ምሕታም ስነጽሑፋዊ ስራሓት ዘወፈየ፥ ዘይተሓለለ ጻዕሩን ኣፍራይነቱን ንዅሉ ኣፍቃሪ ስነጽሑፍ ህያው ሓወልቲ እዩ” ብምባል ትገልጽ።
ኣቶ ካሳሁን ካብ SUNY Binghamton University ብስነሕብረተሰብን ፖለቲካዊ ስነ ቑጠባን ብልዑል ነጥቢ ዝተመረቐን፡ ብዉሳነ ናብ ዕዮ ሕትመት ቅድሚ ምእታዉ ኸኣ ኣብ ኣመሪካ፡ Rutgers University፤ ኣብ መክሲኮ ድማ El Colegio De Mexico ሞያ ምምህርና ሰሪሑ። ካብዚ ሎሚ ተዓዊቱሉ ዘሎ ሽልማት ፐን ኤርትራ ወጻኢ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታትን ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ኣፍልጦን ክብርን ዘጓናጸፍዎ ብርክት ዝበሉ ሽልማታት ክቕበል በቒዑ እዩ።
ኣቶ ካሳሁን ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፤ “እዚ ሽልማት’ዚ፤ ምስቶም ደሞክራሲን ሰብኣዊ ሓርነትን ንምንጋስ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉን ገና ዝኸፍሉ ዘለዉ ኤርትራውያን: ብሓፈሻ ድማ ኣፍሪቃውያንን ኣዳሪጉ ስለ ዘቐመጠኒ ዓሚቝ ክብሪን ሓላፍነትን እስመዓኒ።”
ኣቶ ካሳሁን ኣብቲ ካብ ዕለት 7-8 ጥቅምቲ ብ ኣንትወፕ-በልጁም ዝካየድ ዓመታዊ ኣኼባ ፐን ኤርትራ ብኣካል ብምርካብ ሽልማቱ ክቕበል እዩ። እቲ ወግዒ ምዕዳል ሽላማት ብመንገዲ fb@PENEritrea ብቐጥታ ክፍኖ እዩ።
ዝቐደሙ ተዓወትቲ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ ኣብራር ዑስማን (2022) ግርማይ ነጋሽ (2021) ሳልሕ ጋዲ ጆሃር (2020) ይርጋኣለም ፍስሃ (2019)