Category: behind bars

መድሃኔ ሃይለ –– ስለ ናጻ ፕረስ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ ዓርኪ

ዳንኤል ረዘነ* ሓደ ካብቶም ብዘይ ክሲ ንልዕሊ 14 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ መድሃኔ ሃይለ፡ መማህርተይ፡ ናይ ስራሕ ብጻየይን ናይ ቀረባ ዓርከይን’ዩ ነይሩ–ገና ብኣይ ወገን’ውን ዘሎ። መድሃኔ ሃይለ ሓደ ካብቶም መስረትቲ’ቲ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ኰይኑ፡ ክሳብ ዝተኣስረሉ እዋን ከም ምኽትል ኣሰናዳኢ ኰይኑ ይሰርሕ ነይሩ። ከም ጋዜጠኛን ምኽትል ኣሰናዳኢን ድማ ሓያሎ ዓንቀጻት–ብሕልፊ እኳ ርእሲ-ዓንቀጻት ጽሒፉ። እታ ብተሪር

Continue reading