By Yirgalem Fisseha Mebrahtu* Part three “You did not need three men: you could have killed me with a gun” I assume the medics of Mai-Serwa prison have handled many horrendous cases. It was common to see a young man with good health going to the interrogation room and coming out broken, bruised and bloodied
Category: behind bars
By Yirgalem Fisseha Mebrahtu* Part One “You called for the President’s assassination” For the safety of the people discussed in the story, I will not mention names. Following a strong official notice from a day before to all employees of Radio Bana to duly come to a meeting on 19 February 2009 at 4:00 p.m.,
By Yirgalem Fisseha Mebrahtu* Part Two “I am on a period… Could you please change the date for me?” Wednesday, 20th of October 2010, just after breakfast, the guard opened my cell and called my name. “You are summoned.” I followed him. Summons to the prison head office produces conflicting feelings – hope and fear.
ይርጋኣለም ፍስሃ* ራብዓይን መወዳእታን ክፋል መፈጸምታ ናይቲ መጀመሪ ነቲ እናወደቕኩ እናተንሳእኩ᎓ ተስፋ እናቘረጽኩ ሓቦ እናጸፈኹ᎓ ከምኡ’ውን እናነባዕኩ ሳሕቲ ከኣ እናተተስፈኹ᎓ ዝሓለፍኩዎ ህይወት እናሰሓቕኩ ከዘንትወሉ ስለ ዝበቓዕኩ ንፈጣርየይ አመስግን። ንኵሉ ደላይ ሰላምን ደጋፊ ውጹዕን ኣኽብሮተይ እገልጽ። ናባይ ብምድዋልን ኣብ መውሃቢ ርእይቶ ሓሳብኩም ብምስፋር ኰነ ደገፍኩም ብምግላጽ ሞራል ዝሃብኩምኒ ኣንበብቲ ልባዊ ምስጋናይ አቕርብ። ኣብዚ ስለስተ ክፋላት ዘቕረብኩዎ
ይርጋኣለም ፍስሃ* ሳልሳይ ክፋል “ሰለስተ ሰብኡት ኣይመድለዩን፣ ብሽጉጥ ክትቀትሉኒ ትኽእሉ ኔርኩም” ሓሙስ 21/10/2010 ንሓካይም ቤት-ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ᎓ ሓንቲ ካብተን ዘይጥዑማት ዕለታት ምንባራ እግምት። ቅድሚኡን ድሕሪኡን᎓ ሎሚ ክጠቕሶ ግዜኡ ዘይኣኸለ᎓ ብዙሕ ኣሰቃቒ ትርኢታት ከም ዝርኣዩ ርግጸኛ’የ። ምስ ምሉእ ጕልበቱን ጥዕናኡን ናብ መርመራ ክውሰድ ዝረኣኻዮ ጐበዝ ድሕሪ ገለ ሰዓታት᎓ ብወተሃደራት ተጸይሩ ወይ ተደጊፉ ክምለስ ምርኣይ ልሙድ’ዩ። ናተይ ከኣ
ይርጋኣለም ፍስሃ* ካልኣይ ክፋል “ወርሓዊ ጽግያት ኣለኒ… መዓልቲ’ባ ቀይረለይ በጃኻ” ረቡዕ 20/10/2010 ሰዓታት ቍርሲ ሓሊፉ። ተሓዚ መፍትሕ᎓ ሸላና እናኸፈተ᎓ ስመይ ረቝሐ። “ትጽውዒ’ለኺ።” ብድድ ኢለ ነቐልኩ። ምጽዋዕ ዝተፈላለየ ስምዒታት’ዩ ዝፈጥር–ፍርሒን ተስፋን። “እንታይ’ኮን ከምጽኡለይ’ዮም? ብኸመይ ትሓልፈለይ ትኸውን?” ዝብሉ ሕቶታት ኣናዊጾም ፍርሒ ክፈጥሩልካ ከለዉ᎓ ጕዳዮም ዘይፈለጡን ሓታቲ ዘይረኸቡን᎓ እሱራት ስለ እትፈልጥ፣ ምጽዋዕካ ከም ብልጫ ወሲድካ ትትስፎ። ኣብቲ እዋን
ይርጋኣለም ፍስሃ* ቀዳማይ ክፋል “ነዚ ሰብኣይ ትኸውን ሓንቲ ጥይት ድያ ተሳኢና ኢልኪ ተዛሪብኪ” ንውሕሰነት ሓያሎ ሰብ ዛንታ ክብል᎓ ኣብ ጽሑፈይ ስም ኣይክጠቅስን’የ። “19 ለካቲት 2009 ልክዕ ሰዓት 4 ድ/ቀ/ ኣገዳሲ ኣኼባ ስለዘሎ ኵሉ ኣባል ኣብ ኮረድዮ ክርከብ ንሕብር” ኣብ መስቀሊ ሓበሬታ ቤት-ጽሕፈት ሬድዮ ባና ተሰቒላ ናይ ዝሓደረትን ዝወዓለትን ወረቐት፣ ትእዛዝ ኣኽቢሩ ዝተኣኻኸበ ሰራሕተኛ᎓ ርዝነት ዘይዋሃቦም
ተስፋጊዮርጊስ ሃብተ* ካብ ዝኽሪ ዝተጻሕፈት * * * 30 ሰነ 2012 ኣብ ሓንቲ ኣብ ሃገርና ካብ ዝርከባ ብዙሓት ስሙያት መቐፈዲ ንጹሃን ዝዀና ማይ-ስርዋ ዝተባህለት ጥቡቕ ሓለዋ ዝካየደላ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ እየ ዘለኹ። ሎሚ ቀዳም ኢዩ። ካብ ቤት ጽሕፈተይ – ሚኒስትሪ ትምህርቲ – ተወጢጠ ካብ ዝእሰር እነሆ 1,227 መዓልታት ሓሊፉ። መዓልታዊ᎓ ከም ኵላቶም ኣብዚ ዘለዉ እሱራት፤
By Tesfagiorgis Habte* A day reconstructed from memory June 30, 2012 It is an ordinary day in Mai-Serwa military prison camp, one of the most notorious higher-security military prison camps in Eritrea. Since February 19, 2009, when I was escorted from my office in the Ministry of Education, it has been 1,227 days in state
