Category: behind bars

ተጋዳላይ ሰኣላይ ስዩም ጸሃየ

ኣብርሃም ተስፋልኡል* መስከረም 16 2015 ፎቶግራፍን ተንቀሳቓሲን ስእሊ ኤርትራ ክለዓል ከሎ ቀዲሙ ዝጥቀስ ስዩም ጸሃየ፡ ኣብ 1952 ካብታ 12 ቈልዑ ዝፈረየት ስድራቤት ኣቶ ጸሃየ ወልደማርያምን ወ/ሮ ሮማ ሰሎሞንን ኣብ ትዅል ተወሊዱ። ኣብ ትዅል ደኣ ይወለድ እምበር፡ ኣብ ከባቢ ጸጸራት ኣስመራ ክዓቢ ከሎ፡ ትምህርቱ’ውን ኣብ ኣስመራ’ዩ ተኸተቲሉ። እዛ ብዙሓት ቈልዑ ዝወለደት ስድራ ማዕረ ብዝሒ ዝፈረየቶም ደቂ’ያ ንቓልሲ

Continue reading

ንልዕልና ሕጊ እናተቓለሰ ግዳይ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ዝዀነ ሳህለ ጸጋዝኣብ (ወዲ-ኢታይ)

ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርድም)* ካብ ቀሺ ጸጋዝኣብን ኢታይ ለተሃይማኖትን ኣብ ዓዲ-ንፋስ (እገላ-ሓመስ) ዝተወልደ ሳህለ (ወዲ-ኢታይ) ሕሳስ-ልደ ናይታ ሸውዓተ ቈልዑ ዝወለደት ስድራ’ዩ። መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማይ-ዕዳጋ ድሕሪ ምቕሳም ካልኣይ ደረጃ ኣብ ደቀምሓረ ብምቕጻል ክሳብ ንሜዳ ዝስለፍ ብልዑል ተገዳስነት ተኸታቲሉ። መተዓብይቲን መማህርቲን ሳህለ ከም ዝምስክሩዎ፡ ካብ መባእታ ኣትሒዙ ክሳብ መወዳእታ ተሸላሚ ብልጫ’ዩ ነይሩ። ኣብ

Continue reading

ኣድማሰ-ኣእምሮ ናይ ዋና ኣዳላዊ ጋዜጣ ሓዳስ ኣድማስ

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል* ነዊሕ ዝጠመታኡ ራእይ ከም ዝነበሮ፡ ገና ካብታ ክላለየካ ከሎ ኣትሒዙ ዝጅምረልካ ዕላል’ዩ በሪሁ ዝርኣየካ። እቲ ነዊሕ ዝጠመተኡ ራእይ፡ ነታ ኣብ ዓመተ 1999 ምስ ብጾቱ ኰይኑ ዝጀመራ እሞ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንምቕጻል ዘይከኣለት ጋዜጣ ኣድማስ ኣብ መጀመርታ ዓመተ 2000 ብስም ሓዳስ ኣድማስ ኣተንሲኡ ዳግማይ ህይወት ስለ ዘትከላ ኣይኰነን። ድሒሩ፡ ነታ ወትሩ ሓሙስ እትዝርጋሕ ዝነበረት

Continue reading

​ዘይተጽዓዲ ፍስሃ ዮሃንስ (ጆሽዋ)

ኣሮን ብርሃነ*   ኣብ ዓለመ ስነ-ጥበብ፡ ጋዜጠኝነትን ሰርከስን ኤርትራ ተገዳስነት ንዘለዎ ሰብ፡ ተወሳኺ መብርሂ ዘየድልዮ ስም እንተልዩ ፍስሃ ዮሃንስ (ጆሽዋ) ጥራሕ’ዩ። ኣብዞም ዓውድታት ኢዱ ዘሕለፈሎም ስራሓት ብዙሓትን ድሙቓትን ስለ ዝዀኑ። ጆሽዋ ኣብ 1959 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ፡ ኣብ 1977 ድማ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ተሰሊፉ። ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ተመዲቡ ሞይኡን ዓቕሙን ዘፍቅዶ ኣበርክቶ ገይሩ። ኣብ መፋርቕ 80ታት

Continue reading

​ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ እቶም ዝ’ናፈቑ ዶ እቶም ዝናፈቑ?

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል* ንኽእሰሩ (ወይ ብእሩም ኣዘራርባ ኣብ ቤት ንኽሕየሩ ዝገበሮም) ጠንቂ እንታይ ነበረ? ዝምድና መንግስቲ ኤርትራን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያንን’ከ ኣብቲ ጉዳይ ከመይ ከመይ ጌርካ’ዩ ክግለጽ ዝከኣል? ናይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ስልጣን ምውራድ፣ ፖሊቲካዊ ጥራይ ድዩ ወይስ ሃይማኖታዊ ዛዕባ’ውን ኣለዎ? ንምዃኑ ኣቡነ እንጦንዮስ ከም ሰብ ብኸመይ ይዝከሩ? ዝብሉ ሓሳባት ሒዝና ኢና ሰለይ ክንብል። ንፈላሲ

Continue reading

ማቴዎስ ሃብተኣብ (ማቹ) ኣብ ዘለኻዮ

የዕብዮ ገብረመድህን* መተዓብይተይ መሳርሕተይ ነበርን ማቴዎስ ሃብተኣብ ገብረጊዮርጊስ፡ በታ ካብ ብንእሽቶኡ ዘዕበየቶ “ማቹ” እትብል ሳጓ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብ መንጎ ቀረባ ኣዕሩኽቱን ፈለጥቱን’ውን ክሳብ ሎሚ በታ ሳጓ’ቲኣ’ዩ ዝለዓል። ቦኽሪ ንወለዱ ማቴዎስ ኣብታ መበቈል ዓዱ’ውን ዝዀነት ጎዳይፍ’ዩ ብ1974 ተወሊዱ። መባእታ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ጎዳይፍ፣ ማእከላይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ባና፣ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሓላይ ድሕሪ ምምሃሩ ድማ ኣብ

Continue reading

ናይ መጨረሽታ ርክብ ምስ ጋዜጠኛ ዳዊት ሃብተሚካኤል

ደሳለ በረኸት*   ኣብዛ ንእሽቶ ነርወጃዊት ከተማ ‘Bø’ (ቧ) ካብ ዝቕመጥ ክልተ ዓመት ኣሕሊፈ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብ መጸበዪ ባቡር ዘጓነፈኒ ፍጻመ’ዩ። ባቡር ክሳብ ትመጽእ መጽሓፍ ከንብብ ስለ ዝደለኹ፡ ናብታ ብዙሕ ካልእ ቀንጠ-መንጢ’ውን ሒዛ ዝነበረት ዝተጠርነቐት ቦርሳይ ኢደይ ሰደድኩ። ነታ መጽሓፍ ክግንጽላ ክብል ግን፡ ሓንቲ ኣብ መንጐ እቲ ፊልዮታት ተቐርቂራ ዝጸንሐት ስእሊ ናብ ባይታ ጥብ

Continue reading