ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ

No comments
ተስፋጊዮርጊስ ሃብተ*

ካብ ዝኽሪ ዝተጻሕፈት

* * *

30 ሰነ 2012

ኣብ ሓንቲ ኣብ ሃገርና ካብ ዝርከባ ብዙሓት ስሙያት መቐፈዲ ንጹሃን ዝዀና ማይ-ስርዋ ዝተባህለት ጥቡቕ ሓለዋ ዝካየደላ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ እየ ዘለኹ። ሎሚ ቀዳም ኢዩ። ካብ ቤት ጽሕፈተይ – ሚኒስትሪ ትምህርቲ – ተወጢጠ ካብ ዝእሰር እነሆ 1,227 መዓልታት ሓሊፉ። መዓልታዊ᎓ ከም ኵላቶም ኣብዚ ዘለዉ እሱራት፤ “መዓስ’የ ካብዚ ዝወጽእ? እንታይ ኮን`የ’ኸ በዲለ? ንምዃኑ’ኸ ብርሃን ዝርእየሉን ምስ ስድራይን ዝተሓቛቘፈሉን መዓልቲ ክመጽእ ድዩ?” እናበልኩ`የ ዝሓስብ።

ቤት ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ᎓ ብሰሚንቶ ዝተሃንጸ ሸላታትን ኮንተይነራትን ዝሓዘ ክልተ ክፋላት ዘለዎ ኰይኑ᎓ ክሳብ 150 ኣብሊና ንበጽሕ እሱራት ድማ ኣብዚ ንርከብ። ኣነ ኣብ ሸላ እየ ዘለኹ። እሱራት ከም ሕብርናን መልክዕናን ዝፈላለ ዕድመ፣ ድሕረ-ባይታን መእሰሪ ጉዳያትን ኣሎና። ልዑል ጽፍሒ ዝነበሮም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ`ውን ኣብ`ዚ ኣለዉ። ብዙሓት ብምኽንያት ምጥፍፋእ᎓ ስግረ-ዶብ᎓ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ከም ዝተኣስሩ በዚ መጺኡኒ ዘይትብሎ ምንጪ ይሕብረካ። ምኽንያት መእሰሪ ሓደ-ሓደ እሱራት`ውን መበገሲኡ`ውን ኣይፍለጥን ኢዩ። ገለ ካብ`ቶም ጠንቂ እሰሪኦም ዘይፈልጡ ኣነ እንርከባ ጕጅለ ረድዮ ባናን ምስታ ረድዮ “ተኣሳሲሩ” ክኸውን ዝኽእል ምኽንያትን ኢና።

ገለ እሱራት ውሑድ ግዜ ጥራይ ዝጸንሑ ክኾኑ ከለዉ፣ ገሊኦም ግን ዓመታት ዘቑጸሩ ኢዮም። ንሕና`ኳ እነሆ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ኣቝጺርና። ቤት ማእሰርትና፣ ብፈራዲ ኣካል ዝካየድ ሕጋዊ መርመራን ፍርድን ኣይምልከቶን ኢዩ። ካብ`ዘን 1,227 ተኣሲረለን ዘለኹ መዓልታት፣ ብዘይካ 180 መዓልታት፣ ኣብዛ ክልተ-ብኽልተ ሜትሮ ዝግፍሓ ሸላ እየ ኣሕሊፈየን። ሽቓቕ የብላን። ኣብ ባይታ ኮቦርታ ኣንጺፈ እየ ዝድቅስ። ነጻ ንወጻሉ ግዜ እናረሓቐ ምስ ከደ᎓ ነዛ ሸላይ ከም ቤተይ ክሓስባ እየ መሪጸ። ምችእቲ ክገብራ ከኣ ይጽዕር። ዝገብረላ`ኳ እንታይ ኣሎኒ፧ ግን የጸራርያ።

እቶም ብሓደ ዝተኣሰርና ጉጅለ 28 ሰባት ኢና ኔርና። ንዓይን ገለ ካልኦትን ከካብ ቤት ጽሕፈትና ለቒሞም ናብቲ ብዕጡቓት ተኸቢቡ ዝጸንሓኒ ቤት ጽሕፈት ረድዮ ባና ኢዮም ወሲዶምና። ምስ`ቶም ኣብቲ ህንጻ ዝጸንሑ ናይ ሻሂ ሰራሕተኛ ከይተረፈ ገፊጦም ድማ ንዓዲ-ኣበይቶ ወሲዶምና። ካልኦት᎓ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና ሓዊስካ᎓ ከካብ ናይ ስራሕ ቦታኦም`ዮም ኣምጺኦሞም። ንዅልና ምስ ረድዮ ባና ዘራኽብ ስራሕ የብልናን። መብዛሕትኦም ካብ ኣባላት ጕጅለና ግን ኣብ ዓይኒ ሚኒስተር ዜና ኰይኑ ዝነበረ ዓሊ ዓብዱ ጽቡቕ ዘይረኣዩ ዝነበሩ ኢዮም። ከም ኵሉ ምንጩ ንምፍላጥ ዘጸግም ጉዳያት ኤርትራ ንምጽራዩ ዘጸግም ደኣ ይዅን እምበር᎓ ንማእሰርትና ዝሃንደሶን ዝእሰሩ ሰባትን ትካልን ዝመመየን ዓሊ ዓብዱ ምዃኑ ኢዩ ዝእመን። ብዘይ ምኽንያት ግን ኣይኮነን፣ ዓሊ ዓብዱ ነታ ብእተቕርቦም ትምህርታዊ መደባታ ኣብ ሰማዒ ልዑል ተቐባልነት ኣጥርያ ዝነበረት ረድዮ ባና ከም መቐናቕንቱ ቈጺሩ᎓ ኣብ 2008 ዓ.ም. ንኽልተ ኣዋርሕ ዝኸውን ከም ትዕጾ ገይሩ ነይሩ ኢዩ።

* * *

መብዛሕትኡ ግዜ “ጽቡቕ” ‘የ ዝድቅስ – ግዱድ ድቃስ። ግድን ስቕ ጥራይ ክብል ስለዘሎኒ፣ ኩሉ ግዜ ዳርጋ ከም ዝደቀስኩ ኢዩ። ነፍሲ-ወከፍ እሱር፣ ኣብ ሸላኡ’ውን ኰይኑ᎓ ጸጥ ክብል ስለዝሕተት ምዝማር ወይ ምድራፍስ ይትረፍ ብፋጻ ዜማ ምግባር’ውን ፍጹም ክልኩል ኢዩ። ሎሚ ለይቲ ግን እታ “ጥዕምቲ” ድቃሰይ’ውን ብሰንብድ ድምጺ ሓድሽ እሱር ካብ ቦታ መርመራ ባህሪራ ኢያ ጠፊኣትኒ ሓዲራ። መመርመሪ ክፍልታት ካብ ሸላይ ኣስታት 60 ሜትሮ ኢዩ ርሒቑ ዘሎ።

ብዙሕ ግዜ ሓደስቲ እሱራት ብለይቲ ይመጽኡ ኢዮም። ብቐጥታ ከኣ ናብ መርመራ ኢዮም ዝውሰዱ። እቶም መርመርቲ፣ ‘ሓደ ሰብ ምስ ተኣስረ፣ ኣፈራሪሕካ ድዩ ቀጥቂጥካ፣ ዝተኸሰሰሉ ጉዳይ ውዒልዎ ድዩ ኣይወዓሎን ብዘየገድስ፣ ከም ዝኣምን ክትገብሮ ኣሎካ’ ዝብል ርድኢት ዘለዎም ይመስለኒ። መብዛሕትኡ ድሕረ-ባይተኣዊ መጽናዕቲ ድሒሩ ኢዩ ዝስዕብ። ምስ ብዝሒ እሱር’ውን ከምኡ ክገብሩ ግዜ ዘለዎም ኣይመስለንን። ንዕኦም እቲ ዝቐለለ፣ ነቲ እሱር ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ዋላ’ውን ንዘይወዓሎ ሓጥያት ሐራይ ኣቢልካ ምዕራፍ ኢዩ። ድሕሪኡ ናብ ካልእ ሓድሽ እሱር ይቕጽሉ።

ካብ’ቲ መመርመሪ ክፍልታት ዝመጻኒ ድምጺ ኣውያትን ቃንዛን እሱራት ሓደ ካብቶም ፍጹም ጭንቀትን ስእነት ዕረፍቲን ዝፈጥረለይ ኵነት’ዩ። ብኸምዚ እንተ ተበራቢረ፣ ተመሊሰ ክድቅስ ኣይሕሰብ ኢዩ። ምስ ሕልናይ እናተራጸምኩ ወገግ ትብል።

* * *

ወጊሑ።

እቶም ኣባላት ሓለዋ በቲ ታሕቲ ሸላታት ይደሃዩ ኣለዉ። ንሽንቲ ከውጽኡና ኢዮም። ምሻን መብዛሕትኡ እዋን ብተራ’ዩ። ገለ ውሱናት ከኣ በብጉጅለ ብዘይ ዘረባ ዘብዘብ እናበሉ ኣብ ደገ ይሸኑ። ኣብ ሽቓቕ ክትኣቱን ‘ቀልጥፍ ወድእ’ ክትበሃልን ዳርጋ ሓደ ኢዩ። ደገ ክትወጽእ ዝሓሰብካ ኣብ መንጐ ምዅላፍ ንቡር’ዩ። ‘ያላ ቀልጥፍ ወድእ!’ ዝብል ረባሺ ድምጺ ሓለውቲ ድማ ለሚድናዮ ኢና። ምናልባት እቲ ዝገደደ መልክዑ ድማ ብድምጺ ምፍርራሕ ጥራሕ ዘይኰነስ ማዕጾ ምዅሕኳሕ፣ ካብኡ ሓሊፉ ንማዕጾ ብእግሮም ሃሪሞም ብሓይሊ ምኽፋት’ውን ዘይተርፍ ኢዩ። እዛ ህሞት ንፋስ ኣዱንያ ክወስደላ ዝብህጋ’ኳ እንተዀንኩ᎓ ብግቡእ ሸይነ ክውድእ ስለ ዘይክእል ግን ተወሳኺ ጭንቀት እናዀነትኒ’ያ መጺኣ።

ሸላይ ጥቓ ሽቓቕ ኢያ። ኵሉ እቲ ሸላታት መግቢ መእተዊ ተባሂሉ ብደገ ዝዕጾ ንኣሽቱ መሳዅትቲ ኣለዎ፤ ክንዲ ናይ ብሌኮቲ ዝዓቐና። እታ ‘መስኮት’᎓ብግዜ ሽንቲ᎓ ሓደስቲ እሱራት ክመጹ እንከለዉ᎓ ብግዜ ቀትሪ ብዝሕ ዝበለ መርመራታት ክካየድ ከሎ᎓ ካብ ሰዓት ሓሙሽተ ንደሓር ኵሉ ግዜ ኢያ ትዕጾ። ይኹን’በር፣ ምዕጻዋ በቲ ኣፍ ደገን ከባቢ ሽቓቕን ንዝካየድ ንጥፈታት ካብ ምክትታል ኣይዓግተንን ኢዩ። በቲ ፈቓቕ ኣስሊዀ፣ ንኹሎም እሱራት ክርእዮም ዕድል ስለ ዘሎኒ ከም ሓለፋ’የ ዝርእያ። ምናልባት ናብ ኮንተይነራት እንተ ዘይተወሲደሞም ነቶም ለይቲ ዝመጹ ሓደስቲ እሱራት ንኽርኢን ክቋመትን’ውን ተኽእለኒ’ያ።

ሓደስቲ እሱራት ድሕሪ ኵሉ እሱር’ዮም ዝሸኑ። እንሆ እኳ ሓደ ብኸቢድ መግረፍቲ ሰንቢሩ ንምስጓም እናተቓለሰ ይመጽእ። ኣእዳዉ ብካቴና ተኣሲሩ ኣሎ። ኩሉ ነገር ጋን ኰይኑዎ፣ ብፍርሒ ተዋሒጡ ቀባሕባሕ እናበለ ይመጽእ ኣሎ። “ዓይንኻ ርአ’ታ ፈዛዝ፣ ትኽ ኢልካ ኪድ” እና በሉ የዘባዝቡዎ ኣለዉ እቶም ሓለዋ።ንሓድሽ እሩር ምድሃል ሓደ ካብቲ ልሙድ ባህርያቶም ኰይኑ፣ ንዅሉ ሓድሽ ምጻእ ከኣ እተን ቀዳሞት መዓልታት ኣዝየን በዳህቲ ኢየን።

ድሕሪ ሽንቲ፣ ኣብታ ጸባብ ሸላይ ቍሩብ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ይገብር እየ። እቲ ናሕሲ ሸላ ርእሰይ ስለዘርክበኒ ግን ንላዕሊ ክዘልል ኣይክእልን’የ። ሎሚ ግን በቲ ናይ ተመርመርቲ ኣውያት መንፈሰይ ተረቢሹ ከሰርሕ ኣይከኣልኩን።

ሰዓት ቍርሲ ኣኺሉ።

ንማለቱ ስርናይ ዝተሓወሶ ቍራስ ቅጫ መሸላ ምስ ሻሂ ኢያ ቍርሲ። ብዙሕ ግዜ ዝመንገነት ስለዝዀነት፣ ሽታኣ ብዙሕ ከየስተውዓልካ ክትበልዓ ኣሎካ። ንምሳሕን ድራርን ሓንቲ ጣይታ መሸላ’ውን ክንዕደል ኢና። ንሳ’ውን ዝበዝሕ ግዜ ንምርዳኡ ዘጸግም ሽታ ኣለዋ። እቲ ጸብሒ ዓደስ ዝበሃል’ውን ዳርጋ ማይ ጭብራቕ ኢዩ። ኣማራጺ ስለ ዘየሎ ግን ክንበልዖ ግድን’ዩ። እቶም መብረ መግቢ ካብ ገዛ ዘይመጾም ከመይ ኢሎም ብህይወት ይነብሩ ምሕሳቡ ይሕርብተኒ።

ኣብ ዓዲ-ኣበይቶ ከለኹ ዘምጻእኩዎ ሒደት መጽሓፍቲን ቅዳሕ መጽሔት ‘ታይም መጋዚን’ን ‘ውን ኣሎኒ። ብብዝሒ ምድግጋም፣ ነዞም ጽሑፋት ከክንደይ ግዜ ከም ዘንበብኩዎም ክዝክሮ’ውን ኣይክእልን። ብፍላይ መጽሓፍ ኣኒስ ኒን ካብቲ ናይ ማእሰርቲ ሃዋህው ኣብ ምውጻእ ብዙሕ ጠቒማትኒ ኢያ። ዕላማ ደጋጊምካ ምንባብ ካብ’ቲ ዘለኹዎ ህሉው ኵነት ንምህዳም ዝግበር ነብሰ-ምትዕሽሻው ኢዩ። ምስቲ ብኽቱር ምድግጋም ዘሰንበርኩዎ ቃላት እንተ ዘይተፋጢጠ ከኣ ግድን ናብቲ ዘድከመኒ ጭንቀትን ስእላዊ ምስልታትን’የ ክምለስ።

ካልእ ትንበብ ከኣ’ባ ኔራትና – ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ። ንሳ’ውን ድሕሪ ክንደይ ጥርዓንን ልመናን ኢያ ገዚእና ክንጥቀመላ ተፈቒዳትልና። ድሕሪ ሽንቲ ዘላ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ግዜ ንዓኣ ብምንባብ’የ ዘሕልፎ። እታ ጋዜጣ’ውን ሽዑ ኢያ ትዕደለና። ከይተነበበ ዝሓልፍ ኣርእስቲ የለን – ዋላ’ቲ ናይ መርድእን ምውዕዋዕን። ሓደ ሰሙን ግን ‘ምስ ጎረቤትካ እሱር ተዛሪብካ’ ተባሂለ፣ መጽሓፍተይ ተሃጊሩ፣ እታ ጋዜጣ’ውን ተኣጊደ ነይረ። ኣዒንተይ’ኳ ኣመስጊነንኦም ይዀና’የን፣ ቍሩብ ዕረፍቲ ረኺበን ቀንየን፣ እንተ ሓንጐለይ ግን እዝጊሄር ዋናኡ።

ብዘይካ’ቶም ብዛዕባ ስድራይ ዘሰላስሎም ሓሳባት፣ ብዙሕ ግዜ ኣብ ኣእምሮይ ዝሰርሖም ተንቀሳቓሲ ስእልታት ኣለዉኒ። ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብጋዜጠኝነት ምስ ተመረቕኩ፣ ካብ መጀምርታ 2005 ዓ.ም. ኣብ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ምስቶም መንነቶም ዘይፈልጦም ሰባት ክውሰድ ከለኹ ዝገበርኩዎ ምምልላስ፣ ንሳቶም ዘርኣዩኒ ናይ ብድዐ ባህርያትን ምጉጣጥን፣ ኣብ ዙርያ ረድዮ ባና ዝጸንሓኒ ከበባ ሰራውቲን ናይ ወጥሪ መንፈሱን ቅጅል እናበለ የባሳጭወኒ።

ዓሰርተ-ትሽዓተ ሰባት ካብ`ቶም ብዕለት 19-02-2009 ዝተኣሰርና፣ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዓዲ-ኣበይቶ ኢና ኔርና። እቶም ካልኦት ግን ሽዑ ብቐጥታ ኢዮም ንማይ-ስርዋ ተወሲዶም። ኣብዚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝዀነ መርመራ ኣይተኻየደልናን። ካብ ስድራን’ውን መግቢ ኰነ ክዳን ይመጻና ነይሩ ኢዩ። ሽሕ’ኳ ‘ስለምንታይ ንጹሃት ከለና ንእሰር?’ ዝብል ቍጥዐ እንተ ነበረና፣ ‘ሎሚ-ጽባሕ ክንፍታሕ ኢና’ ዝብል ተስፋታት ግን ነይሩና። ‘ዋላ ሓንቲ ከም ዘይብልና ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ስለዚ ክሰዱና ኢዮም’ ኢና ንብል ኔርና። እቲ ኣተሓሕዛኦም ከም ኣጀማምራኦም ኣይነበረን። ሓደ ካባና ብናይ ስም ጌጋ ተኣሲሩ ነይሩ – እኳ ደኣ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት። ተጋግዮም ከም ዘለዉ ተሓቢሮም ክንሶም ግን ኣይተገደስሉን። ካልእ ሰብ’ውን ካብ መጀመርታኡ ክኣስሩዎ ይደልዩዎ ነይሮም። ስሙ ክጽውዑ ከለዉ ኢና ፈሊጥና፣ ግን ድሕሪ ወርሒ ኢዮም ኣምጺኦሞ። ጉዳይና ኣዝዩ ከቢድ ገይሮም እንተ ዝርእዩዎ፣ ከምኡ ዓይነት ኣተሓሕዛን ጌጋን ክገብሩ ትጽቢት ኣይገበርናን። ምናልባት ጉዳይና ቀሊል’ዩ ናብ ዝብል ነብሰ-ምትዕሽሻው’ውን ወሲዱና።

ሓደ እሱር ለይቲን መዓልቲን ንበይኑ ተነጺሉ ምስ ተኣስረ እሞ ድማ ‘ከምዚ ጌርካ ኢኻ ተኣሲርካ’ ተባሂሉ እንተ ዘይተነጊሩ፣ መእሰሪኡ ምኽንያት ባዕሉ ኣብ ሓንጐሉ ክፈጥር ግድን’ዩ። ‘እቲ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣኼባ ዝሃብኩዎ ርእይቶ’ዶ ይኸውን? ኣብ ሓደ እንዳ ሻሂ ምስ እከለ ከምዚ ኢልና ኣዕሊልና ኔርና እሞ ንሱ’ዶ ድኣ መቀባበሊ ኔሩ ኣሕሊፉ ሂቡኒ?’ ወዘተ.።

እቶም ናይ ጸጥታ ኣካላት ዝጥቀምሉ ሜላታት’ውን ኣሎ። ከምዚ ናትና ዋላ ሓንቲ ጭብጢ ከይሓዙ ይኣስሩኻ’ሞ፣ ኣብ ከተማ ተባራሪ ወረ ይዝርግሑ፣ ወይ እቲ ህዝቢ ብዛዕባኻ እንታይ ይብል ኣሎ ጽን ይብሉን ይእክቡን። እዚታት ተኣኪቡ መኽሰሲኻ ይኸውን። ሕቶታቶምን መግረፍቶምን ዘዳኸሞ እሱር፣ ንዘይወዓሎ ገበን ክእመን ዝግደደሉ ኣጋጣሚታት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ሽዑ እቶም መርመርቲ᎓ ኣብ ልዕሊ እሱር ነባሪ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ከም ዝገደፉ’ውን ከይተረድኡ᎓ ናብ ካልእ መስርሖም ይቕጽሉ። መብዛሕትኦም መርመርቲ’ኳ መርመራ ማለት ንእሱር እቲ ዝበልካዮ ክሳብ ዝኣምን ምቕጥቃጥን ምስቓይን ማለት ኢዩ።

እቲ ኣብታ ሸላይ ኰይነ ዝሰርሖ ፊልምታት ብዙሕ ግዜ ጥርዚ ምስ ኣብጻሕኩዎ ይፈርሰኒ ኢዩ። ንኣብነት᎓ ኣነ ወዲ 15 ዓመት ከለኹ’የ ኣብ’ቲ ንናጽነት ዝቃለስ ዝነበረ ግንባር ኣባል ኮይነ – መምህር ድማ ተመዲበ። ድሕሪ ናጽነት፣ እቲ ግንባር ኣብ ዝመደበኒ እናሰራሕኩ᎓ ንባዕለይ ክመሃር ሰውራ ኣካይደ። ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና ብዓወት ሰጊረ ክንሰይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ከይኣቱ ተኸሊአ። ድሕሪ ክንደይ ልማኖ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ክመሃር ተፈቒዱለይ᎓ ተማሂረ፤ ብዝነበረኒ ነጥቢ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክቕጽል እናተገብኣኒ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብግዲ ተመዲበ። ተቐሲብካ ምስራሕ ከም ውሁብ ሓሲበ፣ ካልእ ጽባሕ ክትመጽእ ምዃና ኣሚነ ብዘይ ተጒላባነት እናሰራሕኩ᎓ ካብ ቤት ጽሕፈተይ ብሓይሊ ብረት ተዓጂበ ተቐፊደ። ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን መኽሰሲ ክረኽቡለይ ኣይከኣሉን፣ ኣይክእሉን’ውን። ሕጂ ነዛ ፊልም ብኸመይ ክዛዝማ? እቲ ካብዚ ማእሰርቲ ዘውጸኣኒ እንታይ ኢሉ ኰን የፋንወኒ ይኸውን? ምግማቱ ስለ ዝኸብደኒ᎓ ነታ ፊልም ከይዛዘምኩ ጠልጠል ኣቢለ እሓድጋ።

ካልእ እንተ ተረፈስ ምኽንያት መእሰሪየይ ክነግረኒ ዝኽእል ጥራይ እንተ ዝረክብ ክንደይ ምፈተኹ፣ መዕረፍኩ ከኣ።

ካብ ንእስር ክልተ ብጾትና ተፈቲሖም ኢዮም። ገለ ተስፋ ዝህብ ኢዩ። ይኹን’ምበር᎓ ነቶም ኣብ መስከረም 2001 ምስ ተኣሰሩ ድሃዮም’ውን ዘይንፈልጦ ጋዜጠኛታት ክትዝክር ከለኻ ሕልናኻ ኢዩ ዝዓርበካ። ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ማእሰርቲ᎓ ተስፋ ምህላውን ተስፋ ምቝራጽን ክልተ ገጻት ናይ ሓንቲ ሳንቲም ኢየን። ናብታ ናይ ‘ተስፋ ቍርጸት’ ገጽ ከይግምጠል ግን ምሒር’የ ዝቃለስ።

* * *

መሰረታዊ ናይ ጥዕና ጸገም እኳ እንተ ዘይብለይ᎓ ውጽኣትን ናይ ኣፍንጫ ኣለርጂን ግን ምኽኣል ስኢነ። እቲ ውጽኣት ብሰንኪ ሃታሃታ ኣገባብ ኣሻይና’ቲ ቤት ማእሰርቲ፣ ብግቡእ ደገ ክትወጽእ ብዘይምኽኣልን ጉድለት ጽሬትን ምዃኑ ኣየጥራጥርን። በዚ ሕማም’ዚ ብዙሓት እሱራት ኢዮም ዝሳቐዩ። እቲ ናይ ኣፍንጫ ኣለርጂ ድማ እቲ ሸላ ቀጻሊ ብምዕጻዉ እኹል ኣየር ክረክብ ብዘይምኻኣለይ ኢዩ። ደሮና ምስ ኣተወ ብቐሊሉ ኣይወጽእን ኢዩ። ከብደይ ክሓምም ከለኹ ካብቲ ምሕማም፣ እቲ ነቶም ተረኛታት ‘ኣሽኑኒ’ ክብል ዝሽገሮ ኢዩ ዓቢ ሕማመይ። ካብ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ድሕሪ ቀትሪ’ኳ ዘይሕለም እንድዩ፣ እቲ ቀትሪ እምቢ ክብሉኻ ምኽንያት ኣይስእኑን ኢዮም። ናይ ብሓቂ ዝሓምመምካ ዘይመስሎም’ውን ኣይሰኣኑን። ብዝዀነ᎓ ዕድለኛ እንተዄይንካ ሓንሳብ ዝተሓባበርካ ክትረክብ ትኽእል። ክትደጋግም ግን መከራ። ውጽኣት እንዶ’ሞ ደጋጊምካ ምውጻእ ትፈቱ ኰይና! ዝበዝሑ ተረኛታት ሕጽር ዝበለ መልሲ ኢዮም ዝህቡኻ – ‘ትም በል’። ካብኡ ሓሊፉ ክብርታትካ ዝትንክፍ ዘለፋታት ክገጥመካ ንቡር ኢዩ። ብዝኾነ፣ ነቶም ዓቕሞም ዝፈቕዶ ዝተሓባበሩኒ ምስጋናይ ይብጻሓዮም።

እዛ ውጽኣት ምስ ተረኛታት ካብ ዘጋራጭዋኒ ቀንዲ ዛዕባ ካብ ትኸውን ዳርጋ ካብ ዝእሰር ኣትሒዛ ኢያ። ናይ ብሓቂ ኢያ ከኣ ጭንቀት ትፈጥረለይ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ደገ ክንሸይን ከሎና ሓደ እሱር ነታ መግቢ ዝበልዓላ እናተፈናፈነ ደጋጊሙ ክሓጽባ ርእየዮ። ኵነታቱ ከኣ ቆብ ኣቢለዮ። ኣነ’ውን ናቱ ኣገባብ ክጥቀም ወሲነ። ነታ ጸብሒ ዘሙቐላ ድስተይ፣ ሽቓቐይ’ውን ገይረያ።ድሕሪኡ ምስ ተረኛታት ብሽቓቕ ምጭቕጫቕ ኣብቂዑ።

ክዳነይን ነብሰይን ምሕጻብ ‘ውን ብዙሕ ግዜ ምስ ተረኛታት ወተሃደራት ካብ ዘባኣሳኒ ጉድያት ኢየን ነይረን። ሕጂ ግን ኩሉ ብጥበብ ኣብ ገዛይ ኮይነ’የ ዝውድኦ። ‘ገዛይ’ ዶ ኢለ፧ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ድኣ ገዛይ ምባላ ይሕሸኒ – ነብሰይ ክጥብር መታን። እታ ሽቓቕ’ውን ኰይና እተገልግለኒ ድስተይ፣ ጥስተይ’ውን ገይረያ እየ። እንተ እቲ ኣብ ሳልስቲ ሳልስቲ ምልጻይ ዝለመደ ጭሕመይን ዘጊፉ ዘይፈልጥ ጸጉረይን ግን ደልኦም ይዅኑ።

ናይ ምሳሕ ግዜ ኣኺሉ።

ካብ`ዛ ግናይ ለይቲስ እዛ መዓልቲ’ኳ ትሓይሽ። ሰላም ውዒልና፣ ይመልኣዮ። እዛ መርመራ ካብቶም ዝምርመሩ ንላዕሊ’ኮ ሰላም ከሊኣትኒ። እቲ ናይ ምህራም ድምጺ ድዩ ኣውያት እሱራት ኣብ ርእሰይ እናቃልሐ ዕረፍቲ ምሃብ ከሊኡኒ።

ናይ ድሕሪ ቀትሪ ናይ ሽንቲ ሰዓት ኣኺሉ። ተረኛ ወተሃደር ‘ፍኒስትራኻ ዕጾ’ ይብል ኣሎ። ናይ ገለ ውሑዳት ገዲፍካ ናይ ዝበዝሑ እሱራት ሸላታት መስኮታት 24 ሰዓታት ዕጹው ኢዩ – ብዘይካ ኣብ ግዜ መግቢ ምዕዳል። ንዓይ እዛ ንእሽቶ መስኮት ናብቲ ገፊሕ ዓለም ተሳግረኒ መትረብ ብርሃን ኢያ። ዋላ እንተ ዓጸዉዋ ‘ውን በቲ ናታ ፈቓቓት ገፊሕ ምርኣየይ ኣይክተርፍን ኢዩ። አረ ምስ ውሽጠይ ጸልማት ከይረኣየኒ ተወዓዒለ’የ።

መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ቀትሪ᎓ ናይ ምሻን መስርሕ ምስ ተወድአ᎓ ቀም ከብል ይፍትን እየ። ሎሚ እሞ ከኣ ተድልየኒ ኢያ ምኽንያቱ ድቃስ ዘይብለይ’የ ሓዲረ። ኣይይ ምስዚኦም ድቃስ የለን። እቲ መራሒ ጋንታ ከኣ በቲ ታሕቲ ሸላታት ኰይኑ᎓ “ሀይ ኩልኻ ፍኒስትራኻ ዕጾ። ኣታ ቊጽሪ ገለ ንዓኻ እንድየ” እናበለ ይውጭጭ ኣሎ። እቲ ሸላታት ቊጽርታት ኣለዎ፤ ንሱ ከኣ’ዩ መለለዪና። ገለ ጸገም ተፈጢሩ ኣሎ ማለት ኢዩ። መስኮተይ ዓጽየ፣ ከም ልማደይ በቲ ፍቓቕ ይርኢ ኣለኹ። ክልተ እሱራት ኣእዳዎም ብፌሮ ኣሲሮም ናብ ፊተይ ከባቢ’ቲ ቡምባ ማይ ኣምጺአሞም። እቲ ሓደ ደኣ ኣባል’ዛ ጕጅለና እንድዩ። ክልቲኦም ጐረባብቲ ኢዮም። እቲ መራሒ ጋንታ ምስ ተረኛ ወተሃደር ብሓባር ናይ ማይ ረጒድ ከርቱሽ በትሪ እናኣወጣወጡ፣ “እንታይ ኣዴኹም ኢኹም ክትዛረቡ ጸኒሕኩም? ሓቂ ተዛረቡ ወይ ክኽትክተኩም’የ᎓” ይብሎም ኣሎ እቲ ኣዛዚ።

‘ተዛሪብኩም’ ተባሂሎም ኢዮም ክቕጽዑ ኣምጺኦሞም።

ክልቲኦም እሱራት፣ “ንሕና ዋላ ሓንቲ ኣይተዛረብናን” ይብሉ ኣለዉ። ብፍላይ እቲ ኣባልና፣ “ኣነ ምስ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይተዛረብኩን። ይደርፍ ግን ነይረ። ተደናጊርኩም ከይትዀኑ። ብመሰረቱ’ውን ኮፍ ኢለ ኢየ ነይረ᎓” እናበለ ዓው ኢሉ ይምልሰሎም ኣሎ።

እቲ ኣዛዚ፣ “ኣንቱም ሓሰውቲ፣ ንዓይ ከተታልሉኒ ኣይትኽእልን ኢኹም።” ነቲ ተረኛ፣ “ማይ እሞ ኣምጽእ። ሓቂ ከይተዛረቡ ኣይንለቆምን ኢና” እና በለ ብሳንኬሎ ማይ እና’ምጽኡ የጀብጅብዎምን በቲ ጎማ በትሪ ይሃርምዎም ኣለዉ። ኦ ሕጅስ ደኺሞም፣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣእጋሮም ኣእትዮምሎም ዝነበሩ ዕንጸይቲ ኣልጊሶም ኣብቲ ዝጨቀወ ባያታ ጠንቀላዕላዕ የብሉዎም ኣለዉ።

እዚ ከምዚ ዓይነት መቕጻዕቲ ተደጋጋሚ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፣ ከምቲ መጀመርታ ዘስካሕካሓኒ ዝነበረ ምዃን ገዲፈዮ። ለካ ሓሳረ-መከራ ‘ውን ይልመድ ኢዩ።

* * *

ካብ ዝእሰር ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ እየ ተጸዊዐ – ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን።

እቲ ዝገረመኒ፣ እቲ መርማሪ፣ “ስለምንታይ ተኣሲርካ ከም ዘሎኻ ትፈልጥ ዲኻ?” ኢሉ ምስ ሓተተኒ ኢዩ። ዓይኒ ዓይኑ እናጠመትኩ፣ “ትዋዘ ከይትህሉ ተስፋ እገብር። ‘ክንፈትሓካ ኢና ጸዊዕናካ’ ክትብለኒ ጥራይ እየ ዝጽበየካ። ዘእስር ከም ዘይብለይ’ሞ ኩልና ንፈልጥ ኢና” ኢለ መለስክሉ። “ዘእስር ምኽንያት ስለዘይብለይ፣ ‘ፍትሑኒ’ ኢለ ኣብ ዓዲ-ኣበይቶ ሽዑ ምስ ኣሰርኩምና’ውን ደብዳበ ጽሒፈልኩም ነይረ᎓” ወሰኽክሉ።

መጀመርታ ኣዝዩ ዕቱብ ኰይኑ ክቐርበኒ’ኳ እንተ ፈተነ ድሓር ግን ልዝብ ኢሉ፣ ዝተኸሰስክሉ ምኽንያት ኣንቢቡለይ፤ “ሓደ፣ ኣዳላዊ ረድዮ ወጋሕታ ኢኻ፣ ካልኣይ᎓ ኣብታ ረድዮ’ውን ቀንዲ ኣንባቢ ኢኻ᎓” ዝብል ኢዩ።

“በል ግዜኻ መታን ክንቊጥብሲ እቲ ጭብጥታት ጥራይ ኣቕርበለይ᎓” ኢለዮ። ካብ ሓደ ብስመይ ዝተቐረበ ፋይል ኣብ’ቲ ቀዳማይ ገጽ ናይ’ቲ ጽሑፍ፣ ሕብራዊ ስእሊ ናይ ፕረዚደንት᎓ የማነ ገብረኣብ᎓ሓጎስ ገብረሂወትን ዓሊ ዓብዱን ኣብ ሓደ ጣውላ ከቢቦም ከለዉ ዘርኢ ኰይኑ፣ እቲ ጽሑፍ’ውን እዞም ሰበ-ስልጣን’ዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርድዎ ዘለዉ ግፍዕታት ዝግልጽ ኢዩ። ሰሓቕ ክመልቆኒ ደልዩ፣ ግን ገቲአዮ፤ እቲ መርማሪ ስለ ዘደንገጸኒ።

“ጸላኢ ጸለሎ ቀባኢ ይብሉ ኣቦታት። እቲ ዘእሰረኒ ክጸልኣኒ ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ ተኽእሎኡ ከም ዘይከውን ክልቴና’ውን ስለ ንፈልጥ፣ እዚ ወረቐት መርትዖ ኢሎም ክህቡኻ ግን ኣይምተገብአን። ስእሊ ኣሰንያ ትፍኑ ረድዮ ክሳብ ሕጂ ኣይፈልጥን። ብዝዀነ᎓ እዚ ክሲ ንዓይ ዝምልከት ኣይኰነን። እንተ ብዛዕባ ‘ወጋሕታ’ ግን መምህራንና ቀደም ዝወግሕ መሲሉዎም፣ ‘ቤት ትምህርቲ ወጋሕታ’ ኢሎም ኣብ ዝሰመይዎ ቤት ትምህርቲ እየ መባእታ ትምህርተይ ተማሂረ’ ብምባል ልዙብ መልሲ ሂበዮ። ንሱ’ውን ነቲ ሓቂ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጦ ኣይተመላለሰንን። ነገረ መርመራ በዚ ተወዲኡ።

* * *

በሉ ሕጅስ ድሮ ድራር ተዓዲልና፣ መሳዅትና’ውን ብደገ ተለኲኸን ኢየን። ባዕልና ክንከፍተን ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ኣዛዚ ሓይሊ ምስ ጉጅልኡ ህላወ ነፍሲ-ወከፍ እሱርን፣ ማዕጾታትናን መሳኹትናን ብግቡእ ምዕጻዉን ንምርግጋጽ ዑደት ጀሚሮም ኣለዉ። ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ምሸት’ውን ደጊሞም ክፍትሹዎ ኢዮም። እታ ካልኣይቲ ተፍትሽ ከይተኻየደት ክድቅስ ኣይደልይን’የ፤ ነቲ መፋትሕ ብሓይሊ እናሰሓቡ ምስቲ መዓጹ ተጋጭዩ ገም እናበለ ስለ ዘበራብረኒ፣ ድሕሪኡ ናብ ድቃስ ክምለስ ነዊሕ ግዜ
ስለዝወስደለይ።

መዓልታዊ ናብራና እምበኣር ከምዚ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ።

___________________________________________________

*ተስፋጊዮርጊስ ሃብተ ኣባል ህዝባዊ ርክባት ሚኒስትሪ ትምህርቲን ኣበርካቲ ጽሑፋት በበይኑ መራኸቢታት ውሽጢ ሃገርን ኰይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብዕለት 19 ለካቲት 2009 ምስቲ ንኣባላት ረድዮ ባና ዝዓለመ ኣልማማ ግፋ ድሕሪ ምእሳሩ᎓ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ዘይፍርዳዊ ማእሰርቲ ብዕለት 19 መጋቢት 2013 ተፈቲሑ። ተፋጊርዮርጊስ ካብ ወርሒ ግንቦት 2017 ጀሚሩ ናይ ICORN ጸሓፋይ ብምዃን ኣብ ሃገረ ሽወደን ይርከብ ኣሎ። ንጸሓፊ tesfahabte7@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email