ፐን ኤርትራ ንምፍታሕ ብንያም ‘ኮብራ’ ዝደንጎየ ግን ድማ ከም ትስፉው ተበግሶ ትርእዮ።
BBC ኸም ዝጸብጸቦ፡ ኮብራ ብዝብል ሳጓ ዝፈለጥ ውሩይ ቅየዓዊ ሰኣላይ (ካርቱኒስት) ብንያም ሶሎሞን፡ ድሕሪ 15 ዓመታት ካብ ማእሰርት ተለቒቑ። ብዘይዝኾነ ሕጋዊ ፍርዲን ስርዓትን ን15 ዓመታት ተዳጒኑ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቅንያት ከም ዝወጸ፡ BBC ንቤተሰብ ብንያም ብምጥቃስ ጽሑፉ።
ኮብራ፥ ኣብ 2011 ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ምእሳሩ፡ ምስ ቤተሰቡ ክራኸብ ኣብ ዘይተፈቕደሉ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ’ዩ ተሰዊሩ ጸኒሑ። ብዘይካ ሳሕቲ ዝረኽቦ ዝነበረ ሕክምናዊ ሓገዝ፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ኩሉ-መዳያዊ ንፍገት ተመቚሑ ከም ዝጸንሐ ቤተሰቡ ሓቢሮም።
ብንያም፥ ከም ካርቱኒስት ዝሃበበሉ ኣብ መወዳእታ 1990ታትን ኰይኑ፡ ብምኽንያት ዘፍረዮ ረቂቕ፥ ኣስሓቒን ፖለቲካዊ ጒጥያ ዘካተተን ስርሓቱ ኣቢሉ እዩ ተፈላጥነቱ ኣዕብዩ። ጋዜጣታት ብሕቲ ብወግዒ ብመንግስቲ ቅድሚ ምዕጻወን፡ ኣብ ኤርትራ ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል ሰሲነናሉ ኣብ ዝነበረ ሒደት ዓመታት፡ ኣብ ብዙሓት ካብተን ጋዜጣታት ቅየዓዊ ስርሓት ብንያም ብቐጻሊ ዝሕተምሉ ዝነበሩ እዋን እዩ። ብዘይካ ስነጥበባዊ ስርሑ፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ናይ ፊዝክስ መምህር ኰይኑ ሰሪሑ።
ብመንገዲ ካርቱናቱ ኣቢሉ ማሕበራዊ ኰነ ፖለቲካዊ ርእይቶኡ ዝስንዝር ዝነበረ ብንያም፡ ቅድሚ እቲ ዘጋጠሞ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ስርሓቱ ዝጠርነፉ ሕትመታት ኣቕሪቡ ነይሩ።
ፐን ኤርትራ ምፍታሕ ብንያም ከም ዓቢ ተስፋን እፎይታን ትርእዮ ኰይና፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ገና ንርብዒ ዘመን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይሓቁ ምህላዎም ግን ተስምረሉ። ንምፍትሖም ድማ ቅልጡፍ ተበግሶን ድሌትን ክንጸባረቕ ደጊማ ትጽውዕ።
