ቍሩብ’ዶ ኣይምጸናሕካን ኣያ ተኪአ?

No comments
Spread the love
ኣብርሃም ተስፋልኡል

ቅድሚ ናጽነት ኣቦ-መንበር ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ (ኤራ)፣ ኣብ ፈለማ ናጽነት ሓላፊ ማእከል ወፍሪ ኤርትራ፣ ድሒሩ ድማ ኣማሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ፣ ከምኡ’ውን ኣቦል ቦርድ ምስንዳእ መጽሔት ሕውየት ዝነበረ ገዲም ተቓላሲን ጸሓፊን ተኪአ በየነ᎓ ኣብ መበል 78 ዓመቱ᎓ 13 ሚያዝያ ናብ ሰንበት ዘውግሕ ለይቲ ከም ዝዓረፈ ድሮ ኣብ ኵሉ ተባጺሑ ኣሎ።

መርድእ ተኪአ በየነ ከምቲ ንዅሎም ናይ ቀረባን ርሑቕን ፈለጥቱ–መርኣያ’ቲ ኣብ ልቢ ብዙሓት ዝነበሮ ኣኽብሮትን ፍቕሪን–ከቢድ ስንባድ ፈጢሩ’ሎ።

ንተኪአ ከም ኵሉ ኤርትራዊ ኣቐዲመ ብርሑቕን ስሙን ደኣ እፈልጦ ይንበር’ምበር᎓ ካብ 2006 ኣትሒዝና ግን ናይ ቀረባ መሳርሕቲ᎓ መማኽርቲን ናብ ቤተሰብ ዝሰገረ ኣዝዩ ጥቡቕ ዕርክነትን ነይሩና። ሕጂ’ምበኣር በታ ዝፈልጦ᎓ ገና ምስ ግንፉል ስምዒተይ᎓ ንኣያ ተኪአ (ከምቲ ኵሎም ቀረብቱ ዝጽውዑዎ) ከም ሰብ ህይወቱ ክጽንብሎ።

እዞም ዝስዕቡ ዛንታታት ሓደ መስመር ፈትሊ ክህሉዎም ግድን ኣይኰነን።

* * *

ሌላና ምስ ተኪአ ብመገዲ’ታ ካብ እንግሊዘኛ ናብ ትግርኛ ሶፊያ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተረጐማ መጽሓፍ ኖርወጃዊ ኦስታይን ጎርደር–Sophie’s World–’ዩ። እዛ መጽሓፍ ተተርጒማ ተወዲኣ ደኣ ትንበር’ምበር᎓ ኣቐዲሙ ዝተጀመረ መስርሕ ምርታዕ ምስ ምቕያርን ኵነታት ጥዕናን ናይቲ ሽዑ ዋና ኣርታዒ ኣሕተምቲ ሕድሪ ዝነበረ ሃይለ ቢዘን ስለ ዝተጓናደበ ናባይ ሰጊራ።

ቅድሚኡን ድሕሪኡን ብዙሕ መጽሓፍቲ ኣብ ምርታዕ እሳተፍ ደኣ’ምበር᎓ እዛ ትርጕማዊት ስራሕ ግን ብትሕዝቶኣን ሰንኪ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ዝነበረ ውሱንነት ፍልስፍናዊ ቃላትን ዝዓበየ ሓላፍነት ነይሩዋ። ተኪአ–ክሳብ መጨረሽታ’ውን–ኣብ ህንጻ ሳባ ካምፖቦሎ ምስ “ዜጋታት ንሰላም ኣብ ኤርትራ” ብምዃን ዝሰርሓላ ኵርናዕ ነይራቶ። ንኣሳልጦ’ቲ ስራሕ ኢልና ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ስራሑ ክንራኸብ ተሰማሚዕና። ኣጸሓሕፋ ተኪአ ኣዝዩ ቀጥታዊን ንጹርን ስለ ዝዀነ ኣብኡ ዝጠፍእ ግዜ ኣይነበረን። ኣብ ኣመራርጻ ቃላት ግን᎓ ንብዙሕ ካብቲ ኣብ እንግሊዘኛ ውሁብ ዝዀነ ኣምራት እንታይ ኢልና ንተርጕሞ᎓ ንነዊሕ ዝርርብ ንራኸብ ኔርና።

Tekie-Beyene-photo-1
Tekie Beyene

ኣያ ተኪአ ዓርኪ ኵሉ

ኵሉ ፈላጢኡ ዝሰማምዕዓሉ ባህርያት ተኪአ ምስ ዓቢን ንእሽቶን᎓ ወዲን ጓልን᎓ ከተማን ገጠርን᎓ ምሁርን ተራን ቀልጢፉ ዝላገብን ነቲ ሰብ ብቛንቋኡን ባህሩን ዝቐርቦ ምዃኑ’ዩ። ካብታ ፈለማ–ብመገዲ ዘምህረት ዮሃንስ ኣቢልና ዝተራኸብናላ እዋን ኣትሒዝና ድማ–ኣይተጋየሽናን ጥራይ ዘይኰነስ ቅጽበት ናብ ኣዕሩኽ ሰጊርና። ብዕድመን ተመኵሮን ካብኡ ኣመና ዝንእስ ደኣ ይዅን’ምበር᎓ ሓደ ብልጫ ተኪአ ናይ ምስማዕ ክእለቱ’ዩ። ንዝዀነ ጸሓፊ እታ ካብ ኣርታዒ ከይትመጾ ዝጽበየ᎓ “እዚን እዚን ብኸምዚ ይቀየር፣ እዚ ደጊምካ ይሰራሕ፣ እዚን እዚን ምምሕያሽ የድልዮ ኣሎ᎓” ዝብል ክኸውን ከሎ᎓ ተኪአ ግን ንኸምዚ ዝመስል ዘይተርፍ መስርሕ ሕትመት ድሉው’ዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ሰሙን ዝኣከብኩዎ ርእይቶታን ክቕየር ኣለዎ ዝብሎ ኣተረጓጕማን ሒዘሉ ምስ መጻእኩ᎓ ፈለማ ሓሳባተይ ክዛረብን ስለምንታይ ክገልጽን ብጽሞና ይሰምዓኒ። ዘረባይ ምስ ወዳእኩ ድማ ኣብቲ ዝሃብኩዎ ርእይቶ ብልዙብ ምብህሃልን ናይ ምርድዳእ መንፈስን ንካታዕ፣ ንሰማምዕ፣ ሓቢርና ካልእ ኣማራጺታት ንደሊ።

ብኸምዚ እታ መጽሓፍ ተዛዚማ። ድሕሪ ሕትመታ ዝነበረ ተቓባልነት መዳርግቲ ኣይነበሮን። ቀዳሞት ሓደ ሽሕ ሕታማት ኣብ ሓሙሽተ መዓልታት ተሸይጠን፣ ዘይተጸበዩዎ ቤት-ማሕተም ክጓየዩ ነይሩዎም። ኣነ ብዝፈልጦን ክሳብ ዝነበረኩሉን’ውን እታ ኣብ ሓጺር እዋን ዝበዝሐት ቅዳሓታ ዝሸጠት መጽሓፍ’ያ ነይራ።

ከምኡ እናበልናስ መማኽርቲ᎓ እንተ ደንጐና ኣብ ሳልስቲ ቡን መሳትይቲ᎓ ገዛኡ ከይተሰከፍኩ ዝኣትዎን ዝወጾን ኴንና። ህይወቱ ኣዝዩ ስሩዕ ስለዝዀነ᎓ ኣበየናይ ሰዓት ኣበይ ቦታ ከም ዘሎ ኣይስሕቶን። ንግሆ ማኪያቶ–ምስ ብዙሓት የዕሩኽቱ–ኣብ ኤክስፖ ሆቴል (እንዳ ስዱስቱ) እዩ ዝሰቲ። ኣነ’ውን ብኣኣ ኣቢለ ነታ ጕጅለ ተሓዊሰያን ምስ ኵላቶም ክላል በቒዐን። ድሕሪኡ ናብታ ብውልቁ ዝሰርሓላ ህንጻ ሳባ ይኸይድ። ቀትሪ ንምሳሕን ንእሽቶ ድቃስን (ምስ ስድራኡን ደቂ-ደቁን ዘሕልፋ ዘይሰግራ እዋን’ያ) ገዛኡ ምስ ከደ ድማ᎓ ከባቢ ሰዓት 3᎓00 ድ/ቀ ኣቢሉ ንስራሕ ተመሊሱ ኣሎ። ኣጋ-ምሸት ከኣ ምስ ብዙሓት ፈተውቱ ኣብ ሜድያን ሆቴል’ዩ ዝርከብ ነይሩ። (እዚ ምስ ምጕስቓል᎓ ሞትን ማእሰርትን ገለ ኣባላት’ታ ጕጅለ ከምኡ’ውን ምዕጻው ትካላት ብድሕረይ ተቐያዪሩ ክኸውን ከም ዝኽእል እግምት።)

ተኪአ ኣብ ኵሉ ጽፍሒ ህይወት ናይ ቀረባ ኣዕሩኽን መማኽርቲን ነይሮሞ። ኣብ መንጎ እኩብ ዕላል ቍሩብ ውስን ኢሉ ምስ ገለ ሰባት ተማኺሩን ተላዚቡን ክመጽእ ከኣ ዝውቱር’ዩ። እንተስ ነቶም ምኽሪ ወይ ሓገዝ ደልዮም ዝመጹዎ ቤተ-ሰብን መቃልስቱን ወይ ድማ ተራ የዕሩኽቱ ግን ወትሩ ብጭርቃንን ፍሕሽው ገጽን’ዩ ዝቕበሎም።

ካብ ዋዛ ኣሻቡ ናብ ቍምነገር ንምስጋር ኣይጽግሞን። ክፋኖ ከሎ ከኣ ወትሩ ምስ ዋዛን ጭርቃንን።

ተኪአ ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ፍቕሪን ተቐባልነት ዝያዳ ዝጐልሓለይ ግን ሓደ እዋን ብሓደ ንኸረን ሓቢርና ምስ ገሽና’ዩ። ብሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ ንሶፊያ ኣመልኪቱ መደረ ክህብ ዕድመ ምስ ቀረበሉ᎓ ንዓይን ዓርከይ ገጣሚ በየነ ሃለማርያምን ከነስንዮ ሓቲቱና። ቅድሚ ሜዳ ምኻዱ ኣብ ከረን ሓላፊ ባንኪ ኰይኑ ይሰርሕ ስለ ዝነበረ (ንዝያዳ ዝርዝር መጽሓፍ ካብ ሪቕ-ሕፍንቲ ተወከስ) ኵላቶም እቶሞ ፍሩያት ሰብ ዋኒንን ገዳይምን ነበርቲ ከረንን ክቱር ኣኽብሮት’ዩ ዘለዎም። ከረን ኣብ ዝጸናሕናሉ ክልተ መዓልታት ድማ ኣብ ዝኣተናዮ ቦታ ዝገብሩልና ይጠፍኦም ነይሩ። ኣስማትን ደቀቕቲ ዝርዝራትን ዘይርስዕ ተኪአ ድማ ንነፍሲ-ወከፍ ጋሻ ብቐረባ ዘተኣሳስር ዕላላት የምጽእ።

ከረን ኣብ ዝገሽናሉ ሓንቲ ዘይርስዓ ንእሽቶ ኣጋጣሚ᎓ ኣብ ሳሪና ሆቴል የዕሪፍና ስለ ዝነበረና᎓ ኣብ መደቀሲ ክንፍርም ምስ ተሓተትና᎓ ንፌርማ ተኪአ ዘስትወዓለት መንእሰይ ተቐባሊት ጋሻ᎓ “እዋእ እዚኣ ደኣ ኣብ ናቕፋ ዘላ ፌርማ እንድያ?”ኢላትና። ንተኪአ መን ምዃኑ ትፈልጦ ኣይነበረትን፣ ነታ ፌርማ ግን ክትስሕታ ከም ዘይከኣለት ነጊራትና።

 

ደስኪሉ ድዩ ብፍቓዱ ተኣልዩ?

ሓያሎ ሰባት ተኪአ ካብ ኣማሓዳሪ ባንክ ኤርትራ ከም ዝደስከለ’ዮም ዝዛረቡ። ዘይሩ-ዘይሩ ኣብ ሓደ መደምደምታ ዝወስድ ደኣ ይዅን እምበር᎓ ተኪአ የዕልለኒ ከም ዝነበረ ግን᎓ ኣብ ባንክ ኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ተደጋጋሚ ምትእትታው–ብሕልፊ ከኣ ብመገዲ ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት (ክሻ)–ምጻሩ ስለ ዝኸበዶ ብጥዕና ኣመኽንዩ ካብ ስራሕ ከዕርፍ ደጋጊሙ ጠሊቡ። ብቐድሙ ኣማሕዳሪ ባንክ ክኸውን ሃንደትን ዘይተጸበዮን’ዩ ነይሩ። ተኪአ ከም ዘዕለልኒ፣ ኣምባሳዳር
ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ’ውን ኣብ መጽሓፉ ጠቒሱዋ ከም ዘሎ᎓ ኢሳይያስ ምስ ዓንደብርሃን ምስ ተሓራረቐ᎓ ንኣጋ-ምሸት ባንክ ከረክብ ሓቲቱዎ። ሽዑ ተኪአ ሓላፊ ማእከል ወፍሪ ኤርትራ’ዩ ነይሩ።

“እንታይ ማለት’ካ’ዩ ከመይ’ለ ሃንደበት ምሉእ ሓላፍነት ይስከም?” ኢሉ ምስ መለሰሉ ድማ ኢሳይያስ᎓ “ኣነ ነጊረካ ኣለኹ፣ ግድን ሕጂ ኬድካ ተረከቦ፣ እዛ ባንክ ሎሚ ለይቲ ምስኡ ከይትሓድር᎓” ኢሉ ኣጥቢቑ ተዛሪቡዎ። ከም ዝበሎ ድማ ንድሕሪ-ቀትሪ ተረኪቡዎ፣ ኣማሕዳሪ ባንክ ኤርትራን ሓላፊ ማእከል ወፍሪን ኰይኑ ንግሆን ኣጋ-ምሸትን ኣበራርዩ ኣብ ክልተ እናወፈረ ተሳልዩ። ድሕሪ ነዊሕ ክርክር ከኣ እታ ናይ ወፍሪ ስራሕ ተኣልያትሉ።

ናይ ባንክ’ውን ክላቐቕ ደጋጊሙ ሓቲቱ። ገንዘብ ባንክ᎓ ገንዘብ ህዝቢ እምበር ገንዘብ መንግስቲ ከም ዘይኰነ ብሕልፊ ብኢሳይያስን ሓጎስ ኪሻን እኹል ግንዛበ ዘሎ ስለ ዘይመሰሎ ድማ እናሓደረ ክቝንዞ ጀሚሩ። ክፋኖ ምስ ሓተተ ድማ ኢሳይያስ᎓ “እሞ ሐራይ ኪድ ገዛኻ ኮፍ በል᎓” ኢሉዎ። ተኪአ ከኣ ወግዓዊ መፋነዊ ወረቐት ጽሓፈለይ ኢሉ ስለ ዝተረረ᎓ ኣብ መጨረሽታ ኢሳይያስ “ብሕማም ምኽንያት ካብ ስራሕ ከዕርፍ ብዝሓተቶ መሰረት ተሰናቢቱ ኣሎ᎓” ኢሉ ጽሑፉሉ–ተኪአ ከም ዘዕለለኒ።

ድሕሪ ምስንባቱ ንጽባሒታ ናብ ቤት-ጽሕፈት ዜጋታት ንሰላም (ህንጻ ሳባ) ብምኻድ መስርሒ ኵርናዕ ክህቡዎ ሓቲቱዎም። ብዙሓት–ብሕልፊ እኳ ደኣ ምስ ህዝቢ ኣብ ዘራኽብ ጽዑቕ ስራሕ ዝጸንሑ–ሃንደበት ገዛ ኮፍ ምባል ኣይክእሉዎን ጥራይ ዘይኰነስ ቀልጢፎም’ዮም ኣደዳ ሕማምን መስተን ዝዀኑ። ተኪአ ግን ግዜ ከይጥፈአ–ሳላ ብዙሓት ፈተውቱ’ውን ዝሓተቶ ካብ ምርካብ ኣይጽገምን’ዩ–ኣብ ምጽሓፍን ምንባብን’ዩ ኣትዩ። ብሰንኪ ዝነበሮ ሕማም ቍጥዐ ጸላም-ከብዲ᎓ ዳሕራይ’ውን ሽኾርያ ስዒባ᎓ ምናልባት ስሕት ኢሉ ሓንቲ ኵባያ ነቢት ደኣ እንተ በጽሐ’ምበር መስተ ኣይሰትን ነይሩ፣ ሽጋራ ግን የትክኽ ነይሩ።

ካልኦት ካብ ስራሕ መንግስቲ ገዛ ዝወዓሉ ክገብሩዎ ዘይሕሰብን ምናልባት ንወሳኒ ኣካል ኣመና ዘቝጥዕን ተግባራት ድማ ኣብ ክንዲ ኣደዳ መስተን ብስጭትን ኰይኑ ህይወቱ ዘሕልፍ᎓ ኣብ ምጽሓፍ᎓ ምስናድ᎓ ካልእ ንኸባቢኡን ብጾቱን ጠቓሚ ምኽርታት ኣብ ምሃብ የሕልፎ ስለ ዝነበረ’ዩ። ካብ ስራሕ ኮፍ ንዝበለ᎓ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኰይኑ ከርእዮ ዝኽእል ተቓውሞ᎓ ነብሱ ምዕቃብ’ዩ።

“ካባይ እንታይ ትደሊ?”

ምስ ምንዋሕ ግዜን ርክብን ዝምዳናን ምስ ተኪአ ኣዝዩ ዓሚቝን ናብ ቤተ-ሰብ ልሑሙን። ከም መሰታይ ዘዕልሎ᎓ ከም ኣያይ ምኽሪ ዝሓቶ᎓ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ኤርትራ ከይተሰከፍኩ ዝዛረቦን ሓበሬታ ዝለዋወጦን ኮታ ንዅሉ ብሓደ ከጣምር ዝኽእል ሰብ ከኣ’ዩ ነይሩ።

ነዚ እተርኢ ንእሽቶ ኣብነት ክጠቅስ።

ኣብ ውሽጢ ወርሒ ንዝፍጸም መርዓ ምስ መደብኩ᎓ ካብቶም ቀዳሞት ከይደ ዘማኸርኩዎ’ዩ ነይሩ። ንዕርክነትና ኣጸቢቑ ይፈልጦ ስለ ዝነበረ ሓጐሱ ምስ ገለጸ ድማ ከም ወትሩ᎓ “ኣነ ዝገብሮ ሕጂ እንታይ ኣሎ? ካባይ እንታይ ትደሊ?” ኢሉኒ።

“ስድራ ክልቴና ጸገም የብሎምን፣ ኵሉ ከኣ ኣብ ክልተና’ዩ ዝውዳእ። ገዝሚን ሽልማትን ኣይንገብርን ኢና። ሕጂ ደልየካ ዘለኹ᎓ ክልተ-ሰለስተ ቤተ-ሰብ ወሲኽካ ነታ ጓል-ሃቡና ወግዒ᎓ ናብ ካልእ ከይመጠጡ ክውድኡዋን ካልእ ከየጋፍሑ ክቕበሉን ከተርድኣለይ᎓” ኢለዮ።

ከም ስምምዕና ድማ᎓ ካልኦት ቤተሰብ ኣኸቲሉ ከይዱ᎓ ብኸምታ ንሕና ዝደለናያ ከም ትውዳእ ገይሩዋ።

ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ ግን ድልዉነቱ ካብ ምግላጽ ኣይቍጠብን ጥራይ ዘይኰነስ ዝከኣሎ ብፍቕሪ ክገብር ወትሩ ብጉስ’ዩ ነይሩ። ሓደ ነገር ከማኽሮ ከለኹ ከኣ ወትሩ ጽን ኢሉ ክሰምዕ ድሕሪ ምጽናሕ᎓ “ሕጂ ካባይ እንታይ ትደሊ?” ኢዩ ዝብለኒ።

ንደቡብ ኣፍሪቃ ከይደ ኣብ ካልኣይ መዓልተይ ሓደጋ መኪና ምስ ገጠመኒ’ውን᎓ ዳሕራይ ደኣ ክጸንሕ ሓካይም ስለ ዘማኽሩዎ’ምበር᎓ ክርእየኒ ክመጽእ ይቀራረብ ነይሩ።

ሓደ ዓርኩ ኣነ ጥራይ ስለ ዘይነበርኩ᎓ እዚ ዝመስል ተግባራት ብመጠን’ቶም ቀረብቱ ክራባሓ ከሎ እንታይ ዝመስል ሓልዮት ከም ዝነበሮ ንምርኣይ ይሕግዝ። ስድራቤት ስዉኣት የዕሩኽቱ ስሩዕ ክፍሊት ፈልዩ’ዩ ዝሕግዝን ወትሩ መነባብሮኦም ዝከታተልን
ነይሩ።

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መርዓ ተኪአ

ተኪአ ቀልጢፉ’ዩ ተመርዕዩን ሓላፍነት ስድራ ተሰኪሙን። ብንእሽቶኡ ዝጀመረቶ ሓላፍነት ግን ክሳብ ዕለተ-ሞቱ መልክዓ እናቐየረት ኣሳልያቶ። ዝዓበየሉን ዝተማህረሉን ቤት-ትምህርቲ ቅድም ገዛ-ከንሻ᎓ ዳሕራይ ከኣ ቅሃስ (ናይ ሎሚ ቀይሕ-ባሕሪ) ኰይኑ ነቲ ዳሕራይ ፕረሲደንት ዝዀነ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ’ውን ገና ካብ ብቘልዕኡ’ዩ ዝፈልጦ። ርክቦም ግን ተኪአ ሰላማዊ ሰልፊን ካልእን ክውድብ ከሎ᎓ ኢሳይያስ ንእሽቶ ኣድናቒ ወዲ-ገዛውቲ ተኪአ’ዩ ነይሩ። ፈለማ መን ከም ዝዛከራ እንድዒ᎓ ተደጋጊማ እትዕለል ዘረባ ግን ኣብ መርዓ ተኪአ በየነ᎓ ኢሳይያስ ንእሽቶ ወዲ ኰይኑ እንጀራ ተሰኪሙ መጺኡ ነይሩ። ኢሳይያስ ነዚኣ᎓ ኣያ ተኪአ ከም ዝመርሖም ደጋጊሙ ዝጥቀመላ ዋዛ ክትከውን ከላ᎓ ተኪአ ድማ᎓ “እቲ እንጀራ’ሞ መዓስ ኣረኪብካዮ? ኣብጽሕ ምስ ተበሃልካ ባዕልኻ እንዲኻ ኣብ መገዲ በሊዕካዮስ ጊባቦ ጥራይ ሒዝካ ናብ ዳስ ዝመጻእካ᎓” ይምልስ።

ሕትመት መጽሓፍ ካብ ሪቕ-ሕፍንቲን ዝሰዓበ ምጕስቓልን

ኣብ ሶፊያ ዝረኸቦ ኣዝዩ ዘተባብዕ ግብረ-መልሲ ካልኦት ስራሓት ክትርጕም የድፍኣዮ ደኣ’ምበር ሓያሎ ቀረብቱ ግን ዛንታኡ ክጽሕፍ ኢና ነተባብዖ ኔርና። ንፉዕ ኣዘንታዊ᎓ ዘካሪ᎓ ቅርጡው ጸሓፊ᎓ ብቐንዱ ከኣ ተሳታፊ ወሰንቲ ታሪኻውያን ፍጻመታት ስለ ዝነበረ ከኣ (ምስቲ ዝነበሮ ናይ ስራሕ ዲሲፕሊን) ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ተግባር ንምውዓል ኣይተጸገመን።

ቀዳማይ ንድፊ ምስ ወድአ᎓ ነታ መጽሓፍ ከነርትዕ ጀሚርና። ኣጸሓሕፋኣኡ ኣጽዩ ንጹር ስለ ዝዀነ᎓ ኣብ ዝርዝራት ምሉእ-ሓሳብን ካልእ ኣብ ብዙሓት ጸሓፍቲ ዘጓንፍ ሃልኪ ኣይነበሮን። ኣብ ምትእስሳር’ቲ ዛንታ᎓ መስርዕ᎓ ምድግጋምን ዘየራጓድ ፈትሊ-ዛንታታን ከስትውዕል ከለኹ ግን “ቍረጾ” ኣብ ዝብል ሓሳባት ኣንዊሕና ንከራኸር ኔርና። ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ፈሊና᎓ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ንሰርሕ ስለ ዝነበርና᎓ ገና ክኣቱ ከለኹ᎓ “ዝቝረጽ ሒዙ ይመጽእ ከይህሉ… ከይተእትወኦ!” ኢሉ ይዋዘየን ነተን ኣብቲ ቤት-ጽሕፈት ዝነበራ ካልኦት ኣባላት። ኮፍ ኢልና ክንዛረብ ምስ ጀመርና ግን ወትሩ ብኽፉት ልቢን ናይ መዛኑ ምብህሃልን’ዩ ዝሰምዓኒ።

ኣጻፊፍና ምስ ወጻእና᎓ ብውልቁ ከሕትማ መዲቡ ስለ ዝነበረ᎓ ከም ኵሉ ብመስርዕ ሰንሱር ክትሓልፍ ስለ ዝነበራ ናብ ሚኒስትሪ ዜና ኣረኪቡዋ። ሚኒስትሪ ዜና ቀልጢፎም ውሳነ ክህቡ ኣይደለዩን። ስለ ዝኸበደቶም ድማ ናብ ሃገራዊ ድሕነት የሕሊፎም። ሃገራዊ ድሕነት ድማ ንኽፍትሹን ክመዝኑን ኣዋርሕ ወሲዶም ኣብ መጨረሽታ “መወዳእታ ውሳነ ናባኹም ዝግደፍ ኰይኑ᎓ ብወገንና ግን እንተ ጸንሐት ንመርጽ᎓” ኢሎም ናብ ሚኒስትሪ ዜና መሊሶም።

ብመሰረት “ምኽሪ” ሃገራዊ ድሕነት᎓ ሚኒስትሪ ዜና ከይትሕተም ከልኪሉ። ንዝስትወዓለ ስለምታይ ከልኪሎማ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኣይኰነን። ነቶም ህዝባዊ ግንባር ዘይጠቕሶም ጀጋኑ ከም በዓል ትኩእ ይሕደጎ ኣጕሊሓ፣ ብቐንዱ እቲ ቃልሲ ናይ ውሑዳት ዘይኰነስ ናይ ህዝቢ ምዃኑን እቶም ኣብ ናይ ከተማ ስርሒታት ተዋፊሮም ዝነበሩ ምዖታት ጀጋኑ ታሪኾም ስለ እተርኢን ድማ ንዘለዉ መራሕቲ ዘሕጕስ ኣይኰነን። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ማእከል ዘይገበረ ታሪኽ ቃልሲ ምጽሓፍ’ውን ዳርጋ ሓጢኣት’ዩ። ተኪአ ከኣ ኣብ መጽሓፉ ንኢሳይያስ ኣይወደሰን።

ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣብዚ ነዊሕ ምልልስ ኣቶ ዘምህረት ዮሃንስ ንዝተናውሐ ሕክምና ኣብ ዓዲ-ጥልያን’ዩ ነይሩ። ዘምህረት ንኤርትራ ምስ ተመልሰ ድማ᎓ “ብኣሕተምቲ ሕድሪ ንፈትና᎓” ኢለዮ ንተኪአ፣ ኣነ ኣብኡ ከም ኣሰናዳኢ ስለ ዝነበርኩን ብቐንዱ ድማ መጽሓፍቲ ኣሕተምቲ ሕድሪ ብሰንሱር እንዳ ዜና ስለ ዘይሓልፍን። ዘምህረት ኣንቢቡ ውሑድ ርእይቶታት ስለ ዝነበሮ (ንትሕዝቶ ብዙሕ ዝትንክፍ ኣይነበረን) ባዕለይ ክኣልዮ ነጊሩኒ።

ተሓቲማ᎓ ኣብ ህዝቢ ኣመና ጽቡቕ ተቐባልነት ክትረክብ ምስ ጀመረት᎓ “ንሕና ዝኸልከልናይ ብጐኒ ተሓቲማ” ብዝብል ሕርቃን᎓ ኣብ ሳልሳይ ሰሙኑ᎓ ብወገን ሚኒስትሪ ዜና ደብዳብ ነቕፌታ መጺኡዋ። ዓሊ ዓብዱ᎓ ብመገዲ ተለኣኣኽቱ ኣቢሉ᎓ “ኣነንነት ዝዓብለሎ ዘይባህሊ ህዝባዊ ግንባር” ዝብል ተሪር ጸለመ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ-ኤርትራ የሕቲሙ። ኣብ ጋዜጣ ዘሊፉ’ውን ኣየእከለን፣ ምስ ዘምህረት እኳ ዘረባ ኣይነበሮን፣ ናብቶም ካልኦት ሓለፍቲ ደዊሉ ግን “ብኣናን ሃገራዊ ድሕነትንዝተኸልከለት መጽሓፍ የሕቲምኩም” ኢሉ ኣስሚዑ።

ዘምህረት ተኸልኪላ ምንባራ ኣይፈለጠን። ብቐንዱ ባዕለይ ሓላፍነት ወሲደ’የ ምስ ተኪአ ብምልዛብ ነቲ ተበግሶ ወሲደዮ። “እንዳ ዜና ከልኪሎማ ነይሮም ድዮም እዛ መጽሓፍ?” ሓቲቱኒ ዘምህረት᎓ ድሕሪ’ቲ ናይ ጋዜጣ ዘለፋን ተደጋጋሚ ናይ ኣውያት ጽውዒት ዓሊ ዓብዱን።

“እወ ከልኪሎማ ነይሮም፣ ዘኽልክል ምኽንያት ግን ኣይተራእየንን። ትሕዝቶኣ ከኣ ከምቲ ዝረኣኻዮ’ዩ ዘሰክፍ የብሉን᎓” ኢለዮ። ድሕሪኡ እታ ዘረባ ኣይቀጸለትን፣ ዘየድሊ ሻቕሎት ከይፈጥር ኢለ’ውን ንተኪአ ኣይነገርኩዎን።

ምናልባት ንባህሪ’ቲ ተጋራጫዊ ስርዓት ዘርኢ ግን᎓ ተኪአ በየነ ብሚኒስትሪ ዜና መጥቃዕቲ ክወርዶ ምስ ጀመረ ሓያሎ ኣብ ጎድኑ ምህላዎም ክገልጹ ከለዉ᎓ ሓደ ካብኣቶም ናይ ሽዑ ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ብር/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል’ዩ ነይሩ። ስምኦን ብግጥሚ ገይሩ᎓ “ኣጆኻ ኣብ ጎንኻ ኣሎና፣ ናይዞም ቈልዑ ዘረባ ከኣ ግዲ ኣይትግበረሉ” ዝትሕዝቶኣ ደብዳበ ሰዲዱሉ።

“ንእሰር ኣሎና”

ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝካይድ በደላት ብግልጺ ክጽሕፍ ድሕሪ ምጅማረይ᎓ ቴለፎን ምጥላፍ ዘይተርፍ ስለ ዝዀነ᎓ ርክብና ብርዱእ ምኽንያት እናዛሕተለ’ዩ መጺኡ። ዕድል ኣብ ዝረኸብኩሉ ግን መጽሓፍቲ እሰደሉ ነይረ። ንሱ’ውን ካብታ ሃገር ንሕክምናን ካልእ ኣጋጣሚን ክወጽእ ከሎ᎓ ግድን ስለ ዝድውለለይ᎓ ኣንዊሕና ነዕልልን ብዛዕባ ብኽልቲኡ ወገናት ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ሓበሬታ ንለዋወጥን ኔርና። ዝጸሓፍኩዎን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ዝተዛረብኩዎን “ኣብርሃም ከምዚ ኢሉ” እናበሉ የብጽሑሉ
ምንባሮም ይነግረኒ ነይሩ።

“ከመይ’ሞ ኣሎ ኵሉ ነገር ድሕረይ?” ሓቲተዮ ንምዝዋር ቱርኪ ከይድሉ ኣብ ዝነበረ እዋን።

“ኣሎና… እንታይ ክንህሉ ንእሰር!” ኣሕጺሩ መልሲለይ᎓ ብሕዙን ድምጺ።

ድሕሪኡ እንተስ ብርሑቕ ወይ ቀረባ ዝፈልጦም ዝተኣስሩ ሰባት ኣብ ምርዝራር ኣቱዩ። ብዛዕባ ህሉዊ ፖለቲካዊ ኵነታት ክንዛረብ ኣብ እንጅምረሉ᎓ እናገንፈለ ዝኸይድ ቃንዛ’ዩ ዘስምዕ።

“እቲ ቃልሲ ንውሽጢ ከም ዝቐርብ ግበሩ… ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ለውጢ ካብ ውሽጢ ዓዲ’ዩ ክመጽእ ዝኽእልን ዘለዎን᎓” ኢሉኒ ካልእ መዓልቲ ንሕክምና ንሱዳን ምስ ከደ። ከምኡ ኣብ ዝመስል ኣጋጣሚታት ጥራይ ኢና ረጊእና ናይ ልብና ብቴለፎን ከነዕልል ንኽእል ኔርና።

ገና ኣብ ኣስመራ ከሎና᎓ ከም መቐጽልታ መጽሓፉ ካብ ሪቕ-ሕፍንቲ ሓደ ነዊሕ ዛንታ ዋላ ኣይዅን᎓ ብበይኖም ዓንቀጻትን ውልቃዊ ጦብላሕታትን ዝዝንቶ ናይ ቴማታት መጽሓፍ ከዳሉ ደጋጊመ እምሕጸኖ ነይረ። ከለኹ’ውን ገለ ጽሒፉ ምንባሩ እፈልጥ። መጨረሽታ ብቴለፎን ዝተዛራርብናሉ᎓ ኣበይ ከም ዝበጽሐ ምስ ሓተትኩዎ ግን᎓ “ስቕ ኢልካ’ዩ ንዘይሕተም ትም ኢልካ ምጽሓፍ ኣይተራእየንን᎓” ኢሉኒ። ቀዲሙ ዝነበረ ተጻብኦ ብሳላ ዘይምብህሃልን ምትፍናን ሓራምዝን ከምኡ ድማ ብቐንዱ ድፍረት ሓዊስና ዝገብርናዮ ስለ ዝዀነ᎓ ንሱ ክድገም ከም ዘይክእል ከኣ ኣተንቢሁለይ።

“ድላዩ ይዅን ኣብ ዝጠዓመ እዋን ነውጽኦ ጥራይ ወዲእካ ስደደለይ᎓” ኢለ ከእምኖ ፈቲነ፣ ዝረዓመ ኣይመስለንን።

ድሕሪኡ እንታይ ከም ዝገበረ ኣይፈለጥኩን፣ “ኣታ በሽቲያ/ኣባጠርግ ኣብርሃም ኣለኻ ዲኻ?” ዝብላ ዝውቱራት መኽፈቲ ናይ ቴለፎን ዝርርብና ክሰምዕ እናተሃንጠኹን ኣብ ገለ ወጺኡ ሃንደበት ክድውለለይ እናተጸቡኹን ግን ሃንደበት ኣብ ፈይስቡክ ተረዲአ።

“ንዘልኣለም ንሓርነት ተቓሊሱ᎓ ከይተራኸቡ ተፈላልዮም᎓” ኢሉኒ ፈላጥ ክልቴና።

__________________________________

*ኣብርሃም ተስፋልኡል ዋና ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ኰይኑ zere@peneritrea.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

 

« GO BACK