ገምጋም መጽሓፍ መራግእቲ ብግርማይ ዮውሃንስ

No comments

“’ሕልሚ ድሕሪ ወፍሪ!’ ኢለ ዝሰመኹዎ ኣወንዚፈዮ ዝጸናሕኩ ሕልመይ ኣብ ቅድመይ መጺኡ ግትር ኢሉ . . . ‘ድሕሪ ወፍሪ ክምለሰካ’የ!’ ኢለ ዘተስፈኹዎን ዝተፈለኹዎን ሕልመይ ዝበለኒ ግን የገርም’ዩ።”

ደራሲ፡ ግርማይ ዮውሃንስ፤ ኣሕታሚ፡ ቡክፎርላገት ኩርፐን (2018)፡ ISBN 978-91-88383-36-5

እዛ 210 ገጻት ዘለዋ ብጸሓፊ ግርማይ ዮውሃንስ ዝተደርሰት መጽሓፍ መራግእቲ፡ እኵባት ግጥምታትን ሓጸርቲ ጦብላሕታውያን ጽሑፋትን ዘጠቓለለት’ያ። ‘መሓፍስቲ’ ኣብ ዝብል ቀዳማይ ክፋላ 34 እኩባት ግጥምተት ዝሓቘፈት ኰይና፡ እቶም ዝሰፍሐ ክፋል ዝሸፈኑ ትሕዝቶታታ ግን ኣብ ትሕቲ ‘መባዂዕቲ’ ዝብል ካልኣይ ክፋል ዝተሓቚፉ ሸውዓተ እኩባት ጽሑፋት እዮም። ቀንዲ ቴማ ብፍላይ ናይ ካልኣይ ክፋል’ዛ መጽሓፍ፡ ደራሲ፡ ኣብ መቕድም ብውሁድ ሓሳብ ኣስፊሩዎ ይርከብ።

ዝበዝሓ ግጥምታት ሓጸርትን ኣዛነይትን’የን። ብዘይካ ‘ትዝክሩኒ ዶ?’ ትብል ግጥሚ (ኣብ 5 ቦታታትን ግዜን ዝተጻሕፈት)፡ ነዋሕቲ ዝበሃላ ካብ ክልተ ገጽ ኣይሓልፋን’የን። ግጥምታት ግርማይ ብዘይካ’ታ ኣብ 1991 ዝጸሓፋ መላመዲ ግጥሙ፡ ካልኦት ብግዜ ኣብ መንጎ 1997ን 2018ን፡ ብቦታ ድማ ካብ ዛላምበሳ ክሳብ ሽወደን ተዘርጊሐን ዝተጻሕፋ’የን። ሸውዓተ ግዜ ዝተገጥመላ ‘ሚዛን’ ዝተባህለት ገጸ-ባህሪ ምስ ጸሓፊ ዝነበራ ዝምድና ወይ ርክብ ንጹር’ኳ እንተ ዘይኮነ፡ ጽርዲ ከም ዝዀኑ ግን ኣየጠራጥርን። 1997 ኣብ ኣስመራ ዝፈለመ ርክቦም፡ ኣብ ተኾንዳዕን ዛላንበሳን’ውን ቀጺሉ’ዩ።

ገጣሚ ምስ ሚዛን ዘለዎ ናይ ምትእስሳር ከከም እዋኑን ቦታኡን ዝለዋወጥ ኰይኑ፣ በቲ መለሊዪኡ ዝዀነ ሕጫጨ ክቓንየላ ግን ደጋጊሙ ይርአ። ንኣብነት ኣብታ ምደለኹ ዘርእስታ ግጥሚ፤

እዛ ሚዛን . . .

ወሓለ’ያ ዝወጽኣ የብላን።

ቁሩብ ደኣ . . .

ኢዳ ክንዲ መንዲል

መኾስ ክንዲ መስተር

ትጥቀመሉ ኮይና’ምበር።

ናይ መወዳእታ ርክቦም ግን 2004 ኣብ ኣስመራ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ብድሕሪኡ ብስማ ዝጸሓፎ ግጥሚ የለን። ብስማ ደኣ ኣይጽሓፍ እምበር፣ በላዒት፡ ኣዝግንኒ ዘውዲ፡ ኣድሓነት፡ ለውጢ፡ ከምኡ’ውን ምደለኹ ዝብላ ግጥምታት ምስ ሚዛን ምትእስሳር ዘሎወን መሲሉ ተሰሚዑኒ።

ንግጥምታት ዝተዋህበ ናይ ሓባር ኣርእስቲ ‘መሓፍስቲ’ ካልኣይ ክፋል ብምዝማድ፡ ዝሰማማዕ ኰይኑ ረኺበዮ፣ ምኽንያቱ ቀንዲ ትሕዝቶ’ታ መጽሓፍ ኣብ ካልኣይ ክፋል ስለዘሎ።

ጸሓፊ ነቲ ካብ ዕለተ-ናጽነት ክሳብ ምጅማር ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ግዜ ‘ቅድመ-ህውከት’ ዝብል መጸወዒ ሂቡ፡ ‘ኣነን ሕልመይን’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ምስ ምምጻእ ናጽነት ዝነበሮ ስፍሪ ኣልቦ ሕልምታቱን ባህግታቱን ብደቒቅ ዘርዚሩ ይገልጾ። “. . . ሓርጎጽጎጽ ጒዕዞ ህይወት ተወዲኡስ ኣብ ልሙጽ ጎደና በጺሕና ኢና ዝብል ንእስነታዊ ሓሳብ ስለ ዝሓሰብኩ’የ ብዙሕ ሓሊመን ተመንየን” ብምባል ድማ ነቲ ናይ’ቲ እዋን ዝነበረ ናይ ዝበዝሐ ሰብ ትምኒት የብርህ። እቲ ቅንይ ኢሉ ዝመጽአ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዘየሰናበዶን ተሳታፊኡ ከም ዝዀነን፡ ‘ኤርትራ ኩሉሙላ ወርቂ’፡ ‘ንኤርትራ ብመራኸቢታት ዓይኒ ዓራት ክንገብራ ኢና’ ወዘተ ዝብሉ ወረታት ፍናን ከም ዝፈጠሩሉ፣ ገሊኡ ባህግታቱ ‘ኣብ ፋንታዝያ ዝተመርኰሰ’ ምንባሩ፣ ምስ ምውጻእ ባጤራ ናቕፋ ስክፍታ ዝፈጠሩሉ ኲነታት ከም ዝተፈጥሩ፣ ዝገጠሙዎ ብድሆታት ሰጊሩ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዛዚሙ ሕልምታቱ ከተግብር ከም ዝተበገሰ ይገልጽ። ነገራት ግን ከም ዝተጸበዮም ኣይጸንሑዎን፡ “‘ድሕሪ ወፍሪ ክምለሰካ’የ’ ኢለ ዘተስፈኹዎን ዝተፈለኹዎን ሕልመይ ዝበለኒ ግን የገርም’ዩ” (ገጽ 81) ብምባል ከኣ ናብ ዝስዕብ ክፋል የሰጋግረና።

ኣብታ ካልኣይቲ ክፋል ‘ኣነን ሕልመይን’ (ድሕረ ህውከት)፡ ጸሓፊ ድሕሪ’ቲ ተሳታፊኡ ዝነበረ ደማዊ ኲናት ነባሪ ሰላም ክመጽእ ሃረር ከም ዝበለ፣ ዓለማዊ ፖለቲካ ብ ‘ነጋዶ ህውከት’ ከም ዝምእዘን፣ ሳዕቤን’ቲ ኲናት፣ ምስ ምእታው ዓቀብቲ-ሰላም ‘ጠሸሽታ ሰላም’ ስለ ዝተራእየ፡ “ብረት ናብ ዋንኡ’የ/ጎበዝ ናብ ኣዲኡ’የ የወየ” ተደሪፉ ሰብ ነናብ ገዛኡ ክምለስ ሃንቀው ከም ዝበለ፡ “ናይ ብሓቂ ፍዳሴ ተጸብየ – ብተስፋ” ብምባል ሃረርታኡ ይገልጽ። እንተዀነ፡ ‘ፍዳሴ’ ብመወዳእታ ዘይብሉ ትጽቢት’ዩ ተተኪኡ። “ኣነን ሕልመይን ከኣ ሕልናና ዕርብ። ኣርሚሙናስ ስቕ!” ይብል ጸሓፊ።

ክልቲኤን ‘ኣነን ሕልመይን’ ክፋላት፡ ከም ዜጋታት ነቶም ልኡላዊት ሃገር ምስ ፈጠርና ክንጭብጦም ሃረር ዝበልና ደረት ኣልቦ ሕልምታትን ባህግታትን፡ ድሒሩ ብምስምስ ግርጭት ዶብ ንዋያ ኰይኖም ዝተረፉ ባህግታት ኣእላፍ ዜጋታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንእሰያት ከኣ ብፍላይ ኣነጺረን የርእያ። ደራሲ ቃለ-ዓለም ብዘይብሉ፡ ስምዒታቱ ደርጒሑዎ ኢዩ – ኣብ’ዚ መጽሓፍ። እቲ ዛንታታት ብቐዳማይ ኣካል ስለ ዝዝንቶ ከኣ ምስ ኣንባቢ ብቐሊሉ የተኣሳስሮ።

እቲ ጽሑፍ ከንብብ ከለኹ፡ ደጋጊመ ነብሰይ ኣብቶም ዛንታታት እረኽባ ነይረ። ናጽነት ክትመጽእ ከላ ዝነበሩኒ ሕልምታት፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክበኑ ከለዉ ብመንጽር ዛንታ ግርማይ ተራእዮምኒ። ኣብ ውሽጠይ ተደጒሎም ዝነበሩ ቃንዛታት ከኣ ቀስቂሱለይ። ዛንታ ግርማይ እምበኣር ዛንታ ዝበዝሕ ኤርትራዊ መንእሰይ ምዃኑ ሓደ ካብቲ ምስ ብዙሕ ኣንባቢ ብቐረባ ዘተኣሳስሮ’ዩ።

ብዘይካ ክልተ ክፋላት (ኣነን ቦርሳይን፡ ኣነን ዝኽረይን – ብዝያዳ ኣብ ማሕበራዊ ኩነታትና ኣድሂቡ ውዕሎኡን ተመኵሮኡን ዘካፈለለን) ድማ እተን ካልኦት ጀሚርካ ክሳብ ትውድአን ናትካ ናይ ብሕትኻ ዛንታ ኰይነን ይስምዓኻ’ሞ ብውሽጢኻ ትርበሽ። ኣብ ትበጽሖ ዘይብልካ ክንስኻ ድማ ተዕለብጥ። ጽሓፊ፡ ናጽነት ምስ ኮነ ተመንዩ፣ “ኣብ ውጽዕቲ ሃገር ብዙሕ ወጽዓ ስለ ዘጋጥም ውጹዕ ደጊሙ ዘይውጽዓላ ሃገረ-ኤርትራ ክርኢ ሓሊመ” (ገጽ 73) ከኣ ይብል። እቲ ዝሰዓበ፡ ባዕሉ ዝወዓሎ ተመኩሮ ግን ኩሉ በንጻሩ እዩ ኮይኑዎ። ከም’ዚ ብምባል ድማ ይድምድሞ፡ “እቲ ኹሉ ክትስፈዎ ዝጸናሕኩ፡ ፋንታዝያን ህውተታን መሲሉዎ ሕልመይ ዝዕዘበኒ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዑንስ ሕፍርን ኩምትርን ኢለስ ስቕ! ስቕ በቃ!”(ገጽ 98)።

ኣብ ‘ኣነን ሳምሶናይተን’፡ ጸሓፊ ግርማይ ኣብ ኣሃዱኡ ናይ ፋይናንስ ተሓታቲ ኰይኑ፡ ነቲ ገንዝብ ናብ ተኸፈልቲ ወተሃደራት ወርሓዊ ብእግሩ ኰለል እናበለ ከብጽሖ ዝረኸቦ ኣድራዕን ፈተናን ልቢ ብዘንጠልጥል ኣዘናትዋ ተረኹዎ ኣሎ።

ግርማይ ዮውሃንስ ዝፈትዋ ዓዱ ሓዲጉ፡ ንግዜኡ ካብ ጸበባ ክገላገል ዝሓሰቦ፡ እታ ‘ዝመጽኣ’ምበር ዘይመጽኣቶ’ ሱዳን፡ ላፕቶፑ ምስ ከም ውላዱ ዝከናኸኖም ጽሑፋቱ’ያ ውሒጣትሉ። ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኤትራውያን ዝወርድ ኣደራዕ’ውን ብሰፊሑ ኣስፊሩዎ’ሎ። እቲ ኵሉ ፈተና ሰጊሩ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ክብገስ ምስ ተበገሰ፡ ኣብ ናይ ዜሮ ስዓት ንፓስፖርቱ ዘጋጠማ ኣብታ ናይ መወዳእታ ዛንታኡ ‘ኣነን ፓስፖርተይን’ ብመሳጢ ኣገባብ ተሪኹዎ ኣሎ። እተን ዛንታታት ካብ ኤርትራ ክሳብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ቦታታት ዝተሰነዳ’የን።

ኩለን ዛንታት ሓቀኛ ተመኩሮ ጽሓፊ ብምዃነን፡ ኲነታትና ኣብ ምስናድ ዓቢ ኣገዳስነት ዘለወን ኮይኑ ይስመዓኒ። በዚ መንጽር፡ ታሪኻዊ ኣገዳስነተን ዕዙዝ ኮይኑ ረኺበዮ።

ኣብዛ መጽሓፍ ብርክት ዝበሉ ምስላታት፡ ኣበሃህላታትን ህዝባዊ ደርፍታትን (ብፍላይ ናይ ስመዣና) ኣኣብ ልክዕ ቦትኡ ተሰዂዑ ምህላዉ፡ ንተነባብነትን መቐረትን ዛንታታት ተወሳኺ ቀመማት ኰይኑዎ ኣሎ። ኵለን እዘን ዛንታታት ውሽጥካ ዝቕስቅስ ሓይሊ ‘ለወን። ይዅን’ምበር፡ ዘዛኒ ክፋል’ውን ኣይሰኣነንን’ዩ። ብኣንጻ’ቲ ኣብ ክልቲኤን ‘ኣነን ሕልመይን’ ዝተቐንዘኹዎ፡ ኣብ ‘ኣነን ቦርሳይን’ ናይ ኣዋርሕ ጸቕጢ’የ ኣፋኒወ። ባህርያት ዓባዩን ኣሞኡን ብሰሓቕ ኣንቢዐናኒ’የን። ጽሓፊ ከይተሰከፈ ከምኡ ገይሩ ምጽሓፉ’ውን የንእዶ’ዩ። መዛዘሚ ‘ኣነን ሳምሶናይተን፡ ኣነን ዝኽረይን፡ ኣነን ፓስፖርተይን’ ድማ ሩፍታ ዝፈጥር’ዩ እሞ፡ ደራሲ ኣብ ህይወቱ ሩፍታ ረኺቡ ዝያዳ ከበርክት ንጽበዮ። ክትንበብ ትዕድም መጽሓፍ’ያ። ከም’ቲ ንሱ ዝበሎ፡ ‘መሸና መሸና . . . ኬድና!’ እናበልና ንዓድና ኬድና ንጸውየሉ፡ ካብ ፋንታዝያ ዝረሓቐ ህይወት ክንነብር ድማ ንዅልና እብህግ።

መጽሓፍ መራግእቲ ኣብዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ንምግዛእ ይከኣል።

____________________________________________

*ተስፋጊዮርጊስ ሃብተ ካብ ወርሒ ግንቦት 2017 ጀሚሩ ናይ ICORN ጸሓፋይ ኣሎ። ንጸሓፊ tesfahabte7@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

Print Friendly, PDF & Email