“ዝነገሰ ንጕስና ዝበረቐት ጸሓይና” እንስሳዊ ፍልስፍና ቀዳሞት

No comments
ማቴዎስ ሃብተኣብ*

ውክልና፡ ምጥባቕ እምበር ምጥቓዕ ኣይኰነ!!

ሰባት ናብ’ዛ ዓለም ካብ ዝመጹ ኣትሒዞም ክሳብ ሕጂ፡ ብዝተፈላለየ መንገድን ብዝተፈላለየ ደረጃን ህይወቶም ብሓባር ክመርሑ ከም ዝጸንሑ ኩሉ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ዝዛረበሉ ሓቂ እዩ። ኣብ ጥንታዊ ሕብረተ-ሰብ ዓለምና፡ ሰባት ብደረጃ ጭፍራ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ብደረጃ ሃገር ተጠርኒፎም ይጒዓዙ ምህላዎም ርዱእ እዩ። እዚ ጥርናፈታት’ዚ ምስ ዓቕምን ተሞኲሮታትን እቲ ኣብኡ ዝኸይድ ኰይኑ፡ ክሳብ’ዛ ሰዓት’ዚኣ፡ እቲ ጥርናፈ እናዓበየን እናዓሞቐን ይመጽእ ኣሎ። ካብ ሃገር ሓሊፉ ናብ ክፍለ-ዓለም’ውን ዘምርሕ’ዩ ዝመስል። ርጡብ ኣብነት ናይዚ፡ እቲ ድሮ ተመስሪቱ ዘሎ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኰይኑ፡ ኣፍሪቃ፡ ሃገራት ዓረብን፡ ሃገራት ርሑቕ ምብራቕን እውን ኣብነት ናይ’ተን ቀዳሞት ከይሰዓባ ከምዘይተርፋ ፖለቲካዊ ሃውህው ዓለምና ይእምት ኣሎ።

እዚ ዝተፈላለየ ጥርናፈታት ኣህዛብ ዓለምና፡ ብዝተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ዝምራሕ ኰይኑ፡ እቶም ዝጭብጡ ሰባት ድማ፡ ብዝተፈላለየ ኣገባባት’ዮም ኣብ ኰረሻ ስልጣን ዝድይቡ። ቅድሚ ሕጂ፡ ኲሎም ኣብ ስልጣን ዝመጹ ዝነበሩ ሰባት ወይ ብስነ-ሞጐት ሓይሊ ወይ ድማ ብስነ-ውርሲ(ውርሻ) ምንባሩ ርዱእ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን፡ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለምና መራሕተን ብመገዲ ህዝባዊ ምርጫ መራሕተን ይረቚሓ ከምዘለዋ ንፋስ ዝወቕዖ ሓቂ’ዩ።

ብስነ-ሞጐት ሓይሊን ውርሻን ኣብ ስልጣን ዝድይቡ ሰባት ወይ ጒጅለታት፡ ኵሉ ግዜ ቀዳምነት ንረብሓ ውሑዳት ጥራይ ኣብ ግምት ኣእትዮም ዝዓዩ ብምዃኖም፡ ዝበዝሐ ግዜ ካብ’ቲ ስርዓት ተረባሕቲ ዝዀኑ፡ እቶም ሰበ-ስልጣንን ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ኣካላትን ጥራይ እዮም። ብዘይካ’ዚ፡ ምእንቲ ውልቃዊ ረብሓታትቶምን ንዜጋታቶም ኣብ ዘየድሊ ናይ ምስፍሕፋሕ መደባትን ግጒይ ፖለቲካዊ ዕንደራታትን ስለዝሸምዎ፡ ኣብ ዓለምና ተቐባልነቶም ፍጹም እናብቅዐ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ ክንድኦም፡ ህዝቢ ባዕሉ ብዲሞክራስያዊ ምርጫ ዝመረጾም መራሕቲ፡ ስልጣን ዝጭብጥሉ መድረኽ እናተፈጥረን እናዓምበበን ይመጽእ ኣሎ። እዚ ኣገባብ ሹመት’ዚ፡ ኣብ ከባቢ 450 ዓመታት ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ብዘመነ ሶቕራጠስ፡ ፕላቶን ኣሪስቶትልን ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ዝተቐመረ ኰይኑ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምምሕያሻት እናተገብረሉ ናብ’ዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና ዲሞክራስያዊ ዝብሃል አገባብ ህዝባዊ ምርጫ በጺሑ ይርከብ።

ህዝባዊ ምርጫ እንታይ’ዩ፧ እንታይ ረብሓታትከ ኣለዎ፧ ዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ ንትርጒም ህዝባዊ ምርጫ ምርኣይ ከድልየና’ዩ። ህዝባዊ ምርጫ ማለት ህዝብታት ንዓኣቶም ዝውክል ወይ ዝመስል ሰብ ብምምራጽ ጒዳዮም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መንግስቲ ዝበጽሓሉ፡ እቲ ንሳቶም ዝድግፍዎ ስርዓተ-ምሕደራ ኣብ ግብሪ ብማዕረ ከምዝውዕል ዝጥቀምሉ እንኮ ኣገባብ እዩ። እዚ ማለት፡ ሓደ ህዝቢ ውልቃውያን ወይ ማሕበራውያን ወከልቱ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወይ ኣብ ኣባላት ካቢነ ብግቡእ ምስ ዝልእኽ፡ ሓደ መራሕቱ ብግቡእ መሪጹ ኣሎ፡ ካልእ ድማ ኣብ’ቲ ዝቐውም መንግስቲ፡ ግቡእ ናይ ምውሳን መሰል (Right Of Determination) ጨቢጡ’ሎ ክብሃል ይከኣል። እዚ መሰል’ዚ ኣብ ኲለን ዴሞክራሲያውያን መንግስታት፡ንዂሉ ዜጋታተን ብማዕረ ዝወሃብ ዕድል’ዩ። ብወለንታ ውልቀ-ሰብ ወይ ሰባት (Tyranny/Oligarchy) አብ ዝምርሑ ሃገራት ግን፡ እዚ መሰል’ዚ ንዝበዝሑ ዜጋታት እታ ሃገር ንፉግ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ 1991 ብሰንኪ አብ ልዕሊ ዝባኑ ተጻዒኑ ዝጸንሐ ኣርዑት መግዛእቲ፡ ፍትሓዊ ዝብሃል ምርጫ ኣካይዱ ኣይፈልጥን’ዩ። ዛጊት ዝተኻየዳ ውሑዳት ምርጫታት፡ ንይምሰል ብገዛእቱ ዝተዳለዋ ኰይነን፡ ገዛእቲ ሓይልታት ንዝተቐመጥዎ ኲርሲ ምእንቲ ክድልድለሎም ኢሎም ዝወጠንዎ’ዩ። እዚ ድማ፡ ህዝባዊ ምርጫ ዘይኰነስ ናይ ፍለጡለይ ምርጫ (Familarization) ይብሃል።

ብዘይካ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት’ውን ክልተ ምርጫታት ኣካይዱ እዩ። እቲ ቀዳማይ፡ ነቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝተቓለሰሉ ናጽነት ሕጋውነትን ወግዓውነትን ዘልበሰሉ ረፈረንደም ኰይኑ፡ እዚ ምርጫ’ዚ ብኣዝዩ ልዑል ጽፈትን ብዓለም-ለኻዊ መምዘኒታቱን “ዓሽ!” ዝተባህለሉ ምርጫ ነይሩ። እቲ ካልኣይ ድማ ንወከልቲ ህዝቢ ኣብ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ንምምጻእ ዝተኻየደ ምርጫ’ዩ። እዚ ምርጫ’ዚ፡ ብመንጽር’ቲ ቅዋማዊ ድገፍ ነይርዎ ድዩ አይነበሮን ክርአ እንከሎ፡ ደሓን እንቋዕ ጥራይ ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ዘሰጋግረና ኮነ ጥራይ’ዩ ዘብል። ምኽንያቱ፡ እቶም ኣብ’ዚ ምርጫ’ዚ ብህዝቢ ዝተመርጹ ውልቀ-ሰባት፡ ንህዝቢ ኣኪቦም ጸገማቱ ኣብ ምስማዕን ካልእ ካብኣቶም ንጽበዮ ጒዳያት ኣብ ምስላጥን ግቡኦም ፈጺሞም’ዮም ክብል ኣይደፍርን።

ሓደ ወካሊ ህዝቢ፡ ኣብ’ቲ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ዝገብሮ ርክብ፡ መረረታት ናይቲ ዝውክሎ ህዝቢ ከቕርብ፡ ንረብሓታቶም ክጣበቕን፡ ንዘይፍታሕ ጒዳያት ድማ ንህዝቢ ዘዕግብ መልሲ ሒዙ ክቐርብ’ምበር፡ ንዘዝተባህለ ሰሚዑን ኣጣቒዑን (ከም ናይ ሰብዓታት ባይቶ ኡጋንዳ፡ ኣብ ግዜ መሪሕነት ኢዲ ኣሚን ዳዳ) ክወጽእ ኣይግባእን።

ህዝብና ኣብ ዝመጽእ ታሕሳስ 2001 ሓደ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ህዝባዊ ምርጫ ከካይድ’ዩ። ፍሉይነት ናይ’ዚ ምርጫ’ዚ፡ ናይ መጀመርያ ምርጫ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገራዊ ቅዋምና ምዃኑ’ዩ። እዚ ናይ ታሕሳስ ምርጫ ነቲ ብሕጂ ዝግበር ካልእ ምርጫታት ከም መርኣያን(Model) መነጻጸርን ኰይኑ ስለዘገልግል፡ ል ዑል ጥንቃቐታትን ምግባር ከድልየና’ዩ። ምኽንያቱ፡ ከም ኣበሃህላ ገለ ምሁራን፡ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት “ስልጣን ዝሕዝ ሰብ ወይ ኣካል፡ ኩሉ ግዜ ነጽብራቕ ናይ’ቲ ኣገባብ ኣመጻጽእኡን ነጸብራቕ ናይ’ቲ ዝውክሎ ህዝብን’ዩ” (ምንጪ Time Magazine) ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ክሳቐ ብምጽንሑ፡ ኣፍልጦን ኣገዳስነትን ምርጫ ብግቡእ ንኸይርዳእ ተኸልኪሉ’ዩ ጸኒሑ። ገዛእቲ ሓይልታት ብዝተፈላለየ መገዲ፡ ምርጫ ትርጒም ዘይብሉ መስርሕ ምዃኑ’ዮም ከረድእዎ ጸኒሖም። ገለ ኣብነት ካብ’ቲ ገዛእቲ ዘስረጽዎ ግናይ ስምዒታትን ብሂላትን ነዚ ዝስዕብ ይርከቦ።

“ዝነገሰ ንጒስና ዝበረቐት ጸሓይና”

“ኣይናይ ዝመረጽካን፡ (እግዚአብሄር) ናይ ዝመረጸልካን እምበር”

“እንካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽስ፡ እትፈልጦ ሰይጣን”

እዞም ኣበሃህላታት እዚኣቶም፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ገዛእቱ ዝዀነ ይዂን ሰላማዊ፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ተጻብኦታት ምእንቲ ኸይገብር ’ዝተዘርግሑ እዮም። እዞም አበሃህላታት ኣባና ጥራይ ዘይኰነ ድማ፡ ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ኲለን ሃገራት ኣፍሪቃን ኤሽያን ብ ክጥቀሙሎም ጸኒሖም እዮም። በልጅማውያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኮንጎ፡ ፈረንሳውያን ኣብ ልዕሊ ኩለን ግዝኣታትቶም፡ እንግሊዛውያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ህንድን ካልኦትን ብሰፊሑ ተጠቒሞምሉ እዮም። ብምስምስ ሃይማኖታዊ ምትእትታዋት፡ ህዝቢ ንእግዝኣብሄር ፈሪሑ ትም ኢሉ ክግዛእ ከምዘለዎ፡ “ነዚ ዘይፍጽም ግን ሓጢኣት’ዩ።” ብምባል ይሰብክዎ ነይሮም። እዚ ሕጂ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርአ ዘይዕዉት መስርሕ ምርጫታት ድማ፡ ገለ ክፋሉ ሳዕቤን ናይ’ቲ ገዛእቲ ኣስሪጾሞ ዝኸዱ እንስሳዊ ኣተሓሳስባ’ዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ “ዝነገሰ ንጒስና ዝበረቐት ጸሓይና” ኢሉ፡ ከይመረጸ ዝተርፍ ህዝቢ፡ “እንካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽስ ንትፈልጦ ሰይጣን” ኢሉ፡ ንዓመታት ነቲ ብውልቀ-መላኽነት ንዝመርሖ ደጋጊሙ ዝመርጽ፡ ንተቓወምቱ ግን ብርሑቕ ዝፍንፍን ህዝቢ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ኰረሻ ስልጣን ብዘይስክፍታ ተኾይጦም ደም ህዝቢ እናመጸዩ ዝነብሩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ርጡብ ኣብነት ናይ’ዚ፡ እቲ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኬንያ፡ ዚምባብወ፡ ኡጋንዳ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ፖለቲካዊ ኲነታት ምልስ ኢልካ ምርኣይ ኣኻሊ’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2000 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ፡ መለስ ዜናዊ እንኮ ተወዳዳሪ ኰይኑ ቀሪቡ። ኣብ’ዚ ኣብ ሓንጐልካ ዝመጽእ ነገር እንተሃልዩ፡ ብዘይካ መለስ ካልእ ንኢትዮጵያ ክመርሕ ዝኽእል ሰብ የለን ድዩ ኰይኑ፡ ዋላስ መለስ፡ ዝያዳ ኲሉ ኢትዮጵያዊ እሙን ወይ ሓላዪ ስለዝዀነ’ዩ፧ እቲ ቀዳማይ ፍጹም ዘይሕሰብ ኰይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ካብ’ቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓለንጊ ጥምየት እናተገርፈ ስርዓት መለስ ንኲናት ዘውጽኦ ዘሎ ወጻኢታት ዝሓልፍ መርትዖ የብሉን። ኣብ ሱዳን’ውን፡ እቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ንሓደ ሰብ ጥራይ ዘሳተፈ፡ ንተቓወምቲ ዕድል ዝነፈገ ምርጫ’ዩ ነይሩ።

ካብ’ዚ ንርድኦ ነገር እንተድኣ ሃልዩ፡ ንዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድኦ ዘለዋ ምርጫ፡ ንስለ ዓለም-ለኻዊ ምስሉይነት ‘ምበር ንህዝቢ ዘርብሕ ምርጫ ዘይምዃኑ’ዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ምርጫታት፡ ነቶም ምርጫ ኣካይዶም ብዘይጸገም ወይ ምፍርራሕ ዝዕወቱ ኣካላት፡ ክልተ ዓበይቲ ረብሓታት ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ በቲ ዘካይድዎ ናይ ሓሶት ምርጫ ኣቢሎም፡ ካብ ምዕራባውያን ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ረብሓታት ብምድላብ፡ ገንዘባውን ካልእን ደገፋት ምኽዕባት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ደማ፡ ብመገዲ’ቲ ኣረጋጊጽናዮ ዝብልዎ ህዝባዊ ደገፍ፡ ተመሊሶም ኣብ ልዕሊ’ቲ ህዝቢ ዝያዳ ግፍዕን ብልሽውናን ምፍጻም’ዩ።

ንካብ ምዕራባውያን ዝርከብ ሓገዝ ብዝምልከት፡ ፕሮፌሰር ተኪአ ፍስሓጼን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ደሃይ “ምርጫ 2001” (Election 2001) ብዝብል ኣርእስቲ አብ ዝጸሓፎ፡ ባንክ ዓለምን ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብን ንዝህብኦ ገንዘባዊ ሓገዛት፡ ንህዝባዊ ምርጫ ከም ቀዳማይ ረቛሒ ይሰርዕኦ ምህላወን ብንጹር ገሊጹ’ሎ። ንሱ ኣብ ጽሑፉ፡ “እዚ ምርጫታት’ዚ ንገበርትን ሓደግትን (ውልቀ-መለኽቲ) ሱር ከምዝሰዱ ገይሩ’ሎ።” ድማ ይብል።

ንብልሽውና ድሕረ ምርጫ ዝምልከት ድማ፡ እቲ መለስ ዜናዊ ንመጀመርያ ግዜኡ ኣብ ልዕሊ ብጾቱ ዘርእዮ ዘሎ ክሕደት፡ ዑመር ኣልበሽር ኣብ ልዕሊ 48 ዓድታት ወሲድዎ ዘሎ ናይ ምምዝባል ውሳኔ ምርኣይ ኣገዳሲ ኰይኑ እርኣየኒ። እዚ ክብሃል እንከሎ ግን፡ ፍትሓዊ ህዝባዊ ምርጫ፡ ንብዙሓት ካብ ዓዘቕቲ ብልሽውናን ናይ ምሕደራ ጸገማትን ጥሒሎም ዝነበሩ መራሕቲ ዝፍውስ እንኮ መድሃኒት ከምዝኾነ፡ ደቪድ ላምፕ ዝተባህለ ፍሉጥ ተንታኒ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕ ጽሒፉ ኣሎ። ንሱ ይብል፡ “ፍትሓዊ ህዝባዊ ምርጫ፡ ንመራሕቲ ሰለስተ ዓበይቲ ሓለፋታት የበርክት’ዩ፦

  • 1.መራሕቲ፡ ኣብ ድሕረ ምርጫ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ነቲ ብድምጺ ደገፍቶም ዘረጋገጽዎ ስልጣን ተጠቒሞም፡ ዓበይቲ ሱር-በተኽ ስጉምትታት ክወስዱ፡ ምስ ክውንነት ሃገሮምን ህዝቦምን ዘይሳነዩ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን፡ ብመሰረት ሃገራዊ ቅዋም
    ክምዝምእዘዙን ከምዝእለዩን ክገብሩ ዕድል ይህብ’ዩ። ኣብ’ዚ ምእላይ ቱራቢ ካብ ፖለቲካዊ ህይወት ሱዳን፡ ከም ሓደ ኣብነት ክርአ ይከኣል’ዩ።
  • 2.መራሕቲ፡ ነቲ ዝመጽእ ህዝባዊ ምርጫ ብምስጋእ፡ ዝሓሸ ናይ ምሕደራ ኣገባብ ከተኣታትዉ ይቕሰቡ’ሞ፡ ኣብ ህዝቢ ደሓን ዝዀነ ተቐባልነት ይድልቡ።
  • 3.መራሕቲ፡ ካብ ዓለም-ለኻውያን ማሕበራትን ሃገራትን ቀሊል ዘይኰነ ሓገዛት ይረኽቡ።”

ሃገርና ነዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣሉታውን ኣወንታውን ነገራት ገና ዘይተበኰረት ሃገር’ያ። ሕጂ ከም ማይ ጊሓት ጽሩያት ስለዘሎና፡ ንኹሉ’ቲ ድሕሪ ቅዋማዊ ምርጫ ዝህሉ ፖለቲካዊ ህይወት እነስተማቕሮ፡ ኣብ 2002 ዓ/ም እዩ። እንተዀነ፡ ህዝቢ ካብቲ ከነካይዶ ንዳሎ ዘሎና ምርጫ ብዙሕ ተኣምራታዊ ለውጢ ክጽበ የብሉን። እቲ ምንታይ’ሲ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ከም ኲሎም ኣፍሪቃውያን፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊኡ ጸኒዑ ዝጸንሐ ናይ ፖለቲካዊ ንቕሓት እገዳ ተበይንሉ’ዩ ጸኒሑ። ብዘይካ’ዚ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣብ ዘይማዕበሉ፡ ኣገደስቲ ዝበሃላ ናይ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ ኣብ ዘየለዋሉ፡ ተሓታትነት፡ ግሉጽነት፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ተጻዋርነትን ኣብ ዘይዓምበበሉ ማሕበረሰብ፡ ምርጫ ስለዝተኻየደ ጥራይ፡ ኣዝዩ ሊበራላዊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከነርእይ ምሕሳብ ዘይክውንነታዊ’ዩ።

እቲ ሕጂ ክንጭብጦ ዘሎና፡ ኣብ 2001 ታሪኻዊ ዝዀነ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ምክያድን፡ ንውጽኢቱ ድማ ምቕባልን ’ምዕጋብን እዩ። ነዚ ንምፍጻም ግን፡ መረጽቲ ኣብ ክንዲ ብዝምድናን ብዓሌትን፡ ብዓቕምን ብቕዓትን ኣለሊና ምስ እንመርጽ’ዩ። ተመረጽቲ ድማ፡ ውክልና ማለት ነቲ ዝወከልካዮ ህዝቢ ምጥባቕን ምሕላይን እምበር፡ ኣብ መጋብኣያታት ከይድካ ምድማቕን ምጥቓዕን ዘይምዃኑ ተረዲእኩም ክትሰርሑ ከድልየና’ዩ እናበልኩ፡ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ታሕሳስ 2001 እንታይ ጭቡጥ ነገር ኢና ክንጽበ፧ ኣብ’ቲ ሽዑ ዝካየድ ምርጫ ኸ መን’ዩ ክዕወት፧ ዝብል ግላዊ ትንታነ ሒዘልኩም ክቐርብ’የ። ክሳብ ሽዑ ደሓን ቀንዩ። ዓወት ንምርጫ ታሕሳስ 2001 ዓ/ም!!

________________________________________

እዛ ጽሕፍቲ ኣብ ናይ 19 ሚያዝያ 2001 ሳሕታም ጋዜጣ መቓልሕ፣ ዓምዲ ክምብል በለ’ምበር፡ ማቴዎስ ሃብተኣብ፡ «ሳምሶም ገብረገርግሽ» ብዝብል ናይ ብርዒ ስም ዝጸሓፋ’ያ። ሕጂ እምበኣር ኣዝዩ ንኣሽቱ ናይ ፊደላት ኣርትዖት ጥራይ ተግይሩላ ከም ዘላቶ ዳግም ትሕተም ኣላ።

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email