ኣቐዲምና ስዩም ነዚ ዕድል ስለ ዝሃብካና ብስም ኣንበብትና ነመስግነካ። ኵነታት ኣተዓባብያኻን ናብ ሜዳ ኣሰላልፋኻን ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ መዕለልካና’ዶ ?
ብእድገት ብህብረት ዘመቻ ማለት ድዩ ?
ግርም ስዩም፡ ንስኻ ወዲ ከተማ ኢኻ ፣ ኣብ ናይ ፈረንሳ ኮ ለ ጅ ተማሂርካ መምህር’ውን ነይርካ። ናብ ሜዳ ምስ ኣተኻ’ሞ ከመይ ጸኒሑካ ኵ ሉ ነገር ? ከመይከ ለሚድካዮ?
እንታይ ሃጊሮምልካ ንዓኻ ?
ኣብ’ዚ ናይ ጋዜጠኝነት ን ናይ ስእሊን (photographer) ሞያ ካብ’ቶም ህቡባት ምዃንካ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብ ` ዚ ዓውዲ ብ ከ መይ ክት ኣቱ ክኢልካ ? እንታይ’ከ ደፋፊኡካ?
ክኸውን ተጸዊዐ። ብድቦላ ዝመጸ እምበር ብምርጫ ዘይኰነ ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ’ዩ። ከም ድሌት ግና ካብ ንእስነተይ ጀሚሩ ክቱር ባህጊ’ዩ ዝነበረኒ።
ኣብ ሜዳ ከም ሰኣላይን ጋዜጠኛን ኰይንካ ምንባር እንታይ ይመስል? ከመይ ነይሩ እቲ ህይወት?
ነይሩኒ። ምኽንያቱ ኣብ’ዚ ሃገር ብዙሕ ትምህርቲን ልምድን ዘለዎ ጋዜጠኛ ኣይጸንሓናን። እቲ ዝርካቡ ካብ ገድሊ ዝመጸን ኣብ ገድሊ ዝተጠረየን’ዩ ነይሩ። ጋዜጠኛ ግና ኣራሚ ብዝዀነ መገዲ ክምዕብል ኣለዎ። ቅድም ነቲ ኲናት ኢና ነገልግል ዝነበርና፡ ሕጂ ከኣ ነቲ ሕብረተሰብ ዘገልግል ጋዜጠኛ ከነፍሪን ክንኵስኵስን ኣለና ዝብል ኣተሓሳስባ ወይ እምነት ነይሩኒ። ዋላ እቶም ሓደስቲ ዝቝጸሩ ንኣሽቱ’ውን ከም ሰሚናር ስልጠና እናሃብካ ብቑዓት ክዀኑን ምስ ግዜ ከኸዱን ይግባእ። ናትና ኣሰር ጥራይ ክኽተሉ የብሎምን በሃላይ ነይረ። እዚ ኣይገበርናዮን፣ ርጉጽ ናይ መንግስቲ ሜድያ ንናይ መንግስቲ ድሌታት’ዩ ዘንጸባርቕ፣ ግን’ከ መንግስቲ ማለት መሳርሒ ናይ’ቲ ህዝቢ ማለት እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ካልእ ትርጕም ክህልዎ ኣይክእልን። ስለ’ዚ ናይ መንግስቲ መራኸቢ ብዙሓን፡ ነቲ ህዝቢ ብኣገባብ ሕቶታቱ ክምልሽን ሽግራቱ ከቃልሕን ኣለዎ።
ስዩም ኣብ’ቲ ሞያ ምስ እንመጽእ ሓደ ሰኣላይ ብቑዕ ምእንቲ ክ ኸውን እንታይ ከማልእ ኣለዎ?
ካብ ስድራቤትካ የሕዋትካ ገለ ናይ’ዚ ሞያ ዘለዎም ኣለዉ’ዶ ? ሰኣልቲ ወይ ጋዜጠኛታት?
ሕራይ ስዩም መጀመርታ መዓልቲ ናጽነት ዕለት 24/ 0 5/ 19 91 ኣበይ ኣሕሊፍካያ? ከመይ ተሰሚዑካ?
ዓስራይ በዓል ናጽነት’ከ ብኸመይ ኣብዒልካያ፣ ኣበይ ኔርካ ኣብታ እዋን? ቅድሚ ዓስራይ ዓመት ምብዓላ᎓ ኣነ ከብዕላ ተሃንጥየ፣ ንምንታይ?
ምኽንያቱ ቅድሚኣ ዝነበረት 9ይ ዓመት ዛላምበሳ ነይረ፣ ነዝልቕ ኢና ኔርና ሽዑኡ። ሕማቕ’ዩ ተሰሚዑኒ ብሓቂ፣ ምኽንያቱ ኣነ ዕለት 24’የ ተሰሊፈ፣ ዝበዝሕ ውግእ ዝተሳተፍኩሉ’ውን ዕለት 24ን’ዩ። ስለዚ’ዩ ከኣ ናጽነት ዕለት 24 ምስ መጸት ኣዝየ ዝተሓጐስኩ። ኣብ መጨረሽታ ግን ኣብ ዛላምበሳ ናይ ወያነ ወራር ምስ መጸ 24 እንታይ ጌርናያ ኢና ኢለ ተራጊመ። ትማሊ ናጽነት ኣርእያትናስ ሕጂ ከኣ ካልእ ድያ ክትድብሰና ኢለ ተሰሚዑኒ ኣየብዓልኩዋን፣ እታ ቅድሚኣ’ውን ሓሚመ ስለ ዝነበርኩ ከምኡ። ስለዚ ነዛ 10ይ ዓመት ንምብዓላ ብሓቂ ተሃንጥየ፣ ናይ ብልቢ ተሃንጥየ። ቅድሚ’ቲ በዓል ኣብ መገድታት ዝተፈላለዩ መደባት ይካየድ ስለ ዝነበረ ንዕኡ ክስእል ቀንየ፣ ኣብ መጨረሽታ ከኣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ስታድዩም ንዝግበር በዓል ክስእል በቃ ተሃዊኸ። እቲ በዓል መዓልታት ክተርፎ እንከሎ ንሚኒስትሪ ዜና ካርድ ክወሃበኒ ሓቲተ። ይኽልከል ኢለ ኣይኰንኩን፣ እናማዕበልና ስለ ስለ ዝኸድና ኣሰራርሓና ማዕቢሉ ይኸውን ኢለ ካርድ መእተዊ ሃቡኒ ኢለ ሓቲተ። ገና ይጽናዕ ኣሎ ይብሉኒ፣ ድሕሪኡ ሰኑይ እሓትት፣ ሽዑ ግን ኣቕቢጾምኒ።
እንታይ ኢሎምካ?
ተጸጊዐ፣ ንመጨረሽታ ግዜይ ካሜራይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተኹ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። እታ ዝተሃንጠኹላ ዓስራይ ዓመት መዓልቲ ናጽነት᎓ እቲ ኵሉ ግዜ ብመስዋእቲን ሓጐስን ዝሰኣልኩዎን ዝዝክራን ዕለት 24 ግንቦት 1991 ከይዝክራን ኣብ በዓላ ከይስእልን ተኸልኪለ ማለት ድዩ? ናይ ብሓቂ ዲዩ ኢለ ገሪሙኒ ኣብቲ ሓጹር ተጸጊዐ ካሜራይ ሒዘ… ኣብ’ቲ ሬተ (ሓጹር) ተጸጊዐ፡ ሓሲበ። ኣብ’ቲ ስታድዮም ኣትየ እንተ ዝኸውን ደስ ምበለኒ። ንንኣሽቱ ኣሕዋተይ (ንሓድሽ ወለዶ) ብሰልፊ ክሓልፉ ከለዉ ክስእል ኣዝዩ መሐጐሰኒ። ዳግም ታሪኽ ክስንድ ተሃንጥየ፣ ግና… ተኸልኪለ። ብዝዀነ ስእሊ ስእሊ’ዩ ኣብ ዝዀነ ኰይንካ ሰኣሎ። ንነብሰይ ኣእሚነ በቲ ሓጹር ተጸጊዐ ስኢለ እብለካ። እነሀልካ ሽዑ ዝሰኣልኩዎ ስእሊ። እዚ’ውን ታሪኽ’ዩ፣ ተፈቒዱልካ በቲ ኣቲኻ ትስእል፣ ተተኸልኪልካ ድማ በዚ ኰይንካ ትስእል። ስለ’ዚ ሰኣላይ ኰንካ’ሲ ብከመይ ይስእል ኢልካ ኢኻ ክትሓስብ ዘለካ’ምበር፡ ንኣብነት ስታድዮም ዘይኣተኹ ኢለ ተመሊሰ ነይረ እንተ ዝኸውን፡
እዛ ስእሊ’ዚኣ ኣይምተረኸበትን። እታ ኣብ ብዙሕ ውግኣት ሒዘያ ታሪኽ ዝምዝግበላ ዝነበርኩ ካሜራይ፡ እታ ኣብ ኣፍደገ ኣስመራ ብጋህዲ ምጽንቃቕ መግዛቲን ምብሳር ሓርነትን ብዕለት 24 ግንቦት 1991 ዝሰኣልኩላ ካሜራ፡ ሕጂ ኣብ 10ይ ዓመት ኣብ’ዛ ክብርቲ ዕለት ካሜራይ ናይ ብሕቲ ዝብል ቅጽል ወጺእዋ ታሪኽ ከይትምዝግብ ተኸልኪላ’ላ። እቶም ጸዓዱ ጋዜጠኛታት’ውን፡ ንሕና ተኸልኪልና ምስ ፈለጡ “ልዕሊ ደቂ ሃገር ተራኢና፡ ሓለፋ ተገይሩልና” ኢሎም ኣየመስገኑን። መሊሱ ደኣ ኣቲ ግርምቢጥ ኣስደሞሞም። በዚ ከልከልኩ፡ በዚ ቀየድኩ፡ በዚ መዓንጣ ሰብ ኣሕረርኩ ካብ ምባል፡ ካልእ ንህዝቢን መንግስቲን ዘሐጕስ ስራሓት መዓስ ተሳኢኑ። ከምኡ ክገብሩ ደስ ዝብሎም ሰባት ግን ኣለዉ። ኵሎም እቶም ኣብ’ቲ በዓል ዝነበሩ ዓበይቲ ሓለፍትና፡ ኣገዳስነት ስእሊን ታሪኽን ልዕሊ ኵሉ ሰብ ስለ ዝርድኡ፡ ብካምቻና ክንጕተትን ክንክልከልን ፈቒዶም ኣይተቐበልዎን ይመስለኒ። ብዝዀነ ስእሊ ዝድላዩ ዓይነት ይዅን ታሪኽ እዩ። ኣነ ከኣ ብሓጹር ዝተኸልከለትን ሓንቲ ዓይነትን ቅያር ዘይብላን ኰይናትኒ’ምበር በዛ ስእሊ’ውን ዓጊበ’የ። ረኣያ! ካሜራይ ብሓጹር ተኸልኪላ’ላ፡ እታ ህሞት ግን ንታሪኽ መዝጊባታ።
ስዩም፡ ንምንታይ ይመስለካ ናብ ስታድዮም ንከይትኣቱ ዝኸልከሉኻ?
ክልተ ዓመት ክርድኣኒ ይኽእል እንተ ኰይኑ’ምበር ካልእ ምኽንያት ክህልዎም ኣይክእልን’ዩ። ኣነ ካብ ካልእ ሰብ በሊጸ ኣይኰንኩን ግና ከም ሰኣላይሲ ዓቢ ነገርኮ ኣይኰነን። ክገርመካ ድማ ወጻእተኛታት ከይተረፈ ኣብኡ ነይሮም። ኣብ’ቲ ቅድመይ
ይስእሉ ነይሮም። ኣነ ኣትየስ እንታይ’የ ከጻብበሎም? እዚ ግን ሓላፍነትካ ብግቡእ ዘይምጥቃምን ነቲ ሞያ ዘይምርዳእን’ዩ ክኸውን ዝኽእል። መቸም ስለ ዝሓተትካኒ’ዩ እምበር ክሳብ ክንድዚ ዓቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ኣይኰነን።
ድሕሪ ናጽነት ከም ሓላፊ ቴለቪዥን ኤርትራ ኴንካ ሰሪሕካ ኢኻ ። ካብ’ቶም ፈለማ ተለቪዥን ኤርትራ ዘበጋገሱ ከም ምዃንካ መጠን’ውን ፡ ከመይ ነይሩ ኣመሰራርታ ቴለቪዥን ኤርትራ?
ክጅመር ከሎ ኣብ’ቲ ፈለማ ኣነ ካብ ዓሰብ’የ መጺአ። ኣብ’ቲ መጀመርታ ግና ቍሩብ ናጽነት ነይሩ። ማለት ዝመሰልካ ኢኻ ትገብር ነይራካ። ዓቕሚ ኣይነበረን ይኸውን መሳርሒውን ከምኡ፣ ግና ልዕሊ ኵሉ እቲ ናይ ተጋዳላይ ናይ ምስራሕ ባህጊ ክገብሮ ኣለኒ ዝብል ነይሩ። ከምኡ ዓይነት ስምዒት ሒዝና ስለ ዝተበገስና ጽቡቕ መደባት’ውን ንህዝቢ ይቐርብ ነይሩ እዩ። ካልእ ደኺመ፣ ሰልችዩኒ ዝበሃል ነገር ኣይነበረን። ከምኡ’ውን ነቲ ደኮመንት ንፈልጦ ሰባት ኣብኡ ስለ ዝነበርና፡ ነቲ ህዝቢ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ የድልዮ’ዩ ዝበልናዮ ነቕርብ ነይርና። ኣበጋግሳኡ እምበኣር ከምኡ’ዩ ነይሩ። ብርቱዕ ድሌት፡ ብናይ ተጋደላይ ክሰርሖ ኣለኒ ዝብል ስምዒት፡ ብናይ ኣባላት ጻዕሪን ተወፋይነትን’ዩ ነይሩ ከባሃል ይከኣል።
ብዛዕባ ጋዜጠኝነት ፡ ብዛዕባ ብሕታውያን ጋዜጣታት ሃገርና ፡ ብፍላይ ብዛዕባ ምስ’ዚ ህሉዊ ኵ ነታት ኣተኣሳሲርካ እንታይ ርእ ይቶ ኣለካ?
ኣቶ ስዩም፡ ናይ መንግስቲ ፕረስ (ጋዜጣ ፡ ራድዮን ተለቪዥንን) ኮታ ብሓፈሻ መራኸቢ ብዙሓን ናይ መንግስቲ ከመይ ኣሎ ትብሎ?
እዘን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምስ ተፈጠራ ግን፡ ዓቢ መስመር እዩ ተሓንጺጹ። እቲ ንበይኑ ዝኰነ ሰብ ከማን ብከምኡ’ዩ ዝርድኦ። እተን ናይ መንግስቲ ጋዜጣታት፡ ከም’ተን ናይ ብሕቲ ናይ ህዝቢ ኰይነን ክምዕብላን ከማዕብላን ስለ ዘይከኣላ፡ ኣብ’ቲ ዝነበራኦ ኩድጭ ኢለን ኣለዋ። እተን ምስ ህዝቢ ኰይነን ደርገፍገፍ እናበላ ዝቕጽላ ዘለዋ ናጻ ጋዜጣታት ከኣ፡ እነሆ ድምጺ ህዝቢ የቃልሓ ኣለዋ። ንለውጢ ምቅላስ ማለት’ኮ፡ ጸጋ’ዩ መዓት ኣይኰነን። ኣይ ንለውጢ እንዲና ተቓሊስና፡ ለውጢ ኢናኮ ደሊና! ናጽነት ቀረባ’ዩ ይብለና ነይሩ ህዝባዊ ግንባር። ሓድሽ ወለዶ ምፍጣር’ዩ ከቢድ። ውልቅን ሕብረተሰብን ክትቅይር እንተ ኴንካ ድማ እናተሓባእካ ከይትዛረብ፡ እናተኸልከልካ ኣይኰነን። ህዝቢ ፖለቲካዊ ኩነታቱ ክፈልጥ ኣለዎ። ኣብ’ዚ ክንፈልጦ ዘሎና፡ ህዝቢ ዘይርድኦ ፖለቲካ፡ ፖለቲካ ኣይኰነን። እወ፡ ናይ ህዝቢ ፖለቲካ ክበሃል እንተ ኰይኑ፡ እቲ ህዝቢ ክርድኦ፡ ቃል-ብቃል ክፈልጦ፡ ብግቡእ ዝፈልጦ ክኸውን ኣለዎ። ናብ ድላይካ ትጠዋውዮ ፖለቲካ፡ ፖለቲካ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ህዝቢ ከም ድላዩ ዝዛረበሉ፡ ብዛዕባ መነባብሮኡ ዝዝትየሉ፡ ዓው ኢሉ ዝዛረበሉ፡ ዝጭድረሉ ሜድያን ፖለቲካን ክህልወና ኣለዎ፣ ናብኡ ክንበጽሕ ኣለና። ኣባላት ባይቶ መን’ዮም ንፈልጦም ዲና? ብስእሊዶ ርኢናዮም ንፈልጥ ኢና? በዓል መን’ዮም፡ መንዶ ይፈልጦም’ዩ? ክንገረና’ኮ ኣለዎ፣ ክንፈልጦም’ኮ ኣለና፡፡ እዚ’ኮ ኣብ ዝዀነ ዓዲ ዝስርሓሉ ንቡር ኣሰራርሓ እዩ። ስለ’ዚ ኣብ’ዚ’ውን፡ እተን ናይ መንግስቲ ሜድያ ከም’ቲ ዝድለ ኣይነጠፋን፣ ኣብ’ቲ ዝነበራኦ’የን ዘለዋ። እሞ ናይ መንግስቲ ሜድያ ብዙሕ ዝተርፈን ኰይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ብናተይ ርኢቶ ድማ፡ ንህዝቢ ከገልግላ፣ ኣፍ ናይ’ዚ ህዝቢ ክዀና ከምዚ ናይ ብሕቲ ዝገብራኦ ዘለዋ፡ ክጽዕራ ኣለወን። ንለውጢ ክዓያን ክሰርሓን ኣለወን እብል።
ኣብ’ዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና እንታይ’ዩ ርእይቶኻ? ኣፈታትሓኡኸ ከመይ ይመስለካ?
ኣብ ገለ-ገለ ጋዜጣታት ትጽሕፍ ኢኻ። ኣብ ስነ-ጽሑፍ’ውን ዝንባለ ኣለካ’ሞ ብዛዕባ’ዚ ትጽሕፎ ከመይ እዩ?
ስዩም ሕጂ ብከመይ ትናበር ኣለኻ? ኣብ ምንታይ ስራሕ’ከ ተዋፊርካ ኣለኻ?
ስማዕስከ ስዩም ኣባል እታ ስምጢራዊት እትበሃል ሰልፊ’ኸ ኔርካ’ዶ?
የቐንየልና ስዩም ጸሃየ ስለ’ቲ ሰፊሕ ቃለ መጠየቕኻ ብስም ኣን በብቲ ጋዜጣ ቀስተ ደበና ነመስግነካ!
_________________________________________
*ኣብ ክልተ ተኸታተልቲ ቃል-መሕትት ስዩም ጸሃየ ምስ ጋዜጣ ቀስተ – ደበና ኣብ 4 ከምኡ’ውን 8 ሓምለ 2001 ሕታማት ዝወጻ’የን። ሕጂ ናብ ዝበዝሐ ኣንባቢ ንምብጻሕን ነቲ ታሪኽ ምስናዱን ኣዝዩ ውሑድ ናይ ፊደላት ምምዕርራይ (ሕድገት ምእራም) ጥራይ ተገይሩሉ ከም ዘለዎ ይሕተም ኣሎ።