ኣብርሃም ተስፋልኡል*
ገጣሚ፡ ሃያሲ፡ ኣማእዛኒ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ
ብ1971፡ ካብታ ሸውዓተ ቈልዑ ዝወለደት ስድራቤት ኣስራት መብራህቱን ኣብርሃጽዮን ሃይለን ኣብ ኣስመራ ዝተወልደ ኣማኑኤል: ምንኣስ ቦኽሪ ኰይኑ: መባእታ ኣብቲ ሽዑ “ሰሜናዊ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፣ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሽወደን ኣኽርያ፣ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ሳንታ-ኣና (ናይ ሎሚ ሰማእታት) ወዲኡ። ብድሕሪኡ ኣብ 1989 ናብ ባህርዳር ብምኻድ ፔዳጎጂ (ትምህርቲ ስነ-ምምህርና) ንሓደ ዓመት ተኸታቲሉ። ኣብ 1990 ድማ ናብ ህዝባዊ ግንባር ብምንጽባር: ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ክሳብ መስከረም 1992 መምህር ኰይኑ ኣገልጊሉ። ድሕሪኡ ኣብ 1992 ናብቲ ሽዑ ዳግም ዝተኸፍተ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ብምእታው፡ትምህርቲ መሬትን ዕቃበ ማይን (soil science and water conservation) ኣጽኒዑ። ኣማኑኤል (ስድራቤቱን ናይ ቀረባ የዕሩኽቱን ዝምስክሩሉ) ንኻልኦት ከረድእን ንሰብ ከሕግዝን ዝያዳ ጸዓት ዘጥፍእን ብውልቁ ከጽንዕ ዘይረአን ደኣ ይንበር እምበር (ከም ኣብ ካልእ ዓውዲ ዝነበሮ ትኵርነትን ትዕድልቲን): ኣብ ትምህርቲ’ውን ጸብለልታ ስለ ዝነበሮ:ብዝለዓለ ነጥቢ ተመሪቑ። ድሕሪ መምረቕታኡ ኣብ ኣብ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባቢን ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ኣብ ዶባዊ ኲናት ኤርትሮ-ኢትዮጵያ ከቲቱ ኣብ ኣሃዱ ሃንደሳ ተመዲቡ ክሳብ ግዜ ማእሰርቱ ይሰርሕ ነይሩ።
ዋና-ኣሰናዳኢ ኣማኑኤል ኣስራት
ኣማኑኤል ኣስራት ዋና ኣሰናዳኢ ናይታ ብለካቲት 1999 ዝጀመረት ጋዜጣ ዘመን ኰይኑ: ናብ ሰንበት ዕለት 23 መስከረም 2001 ኣብ ዘውግሐ ንግሆ ካብ ገዛኡ ብኣባላት ጸጥታ ምስ ተወስደ ክሳብ ሎሚ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዒራዒሮ ከም ዘሎ ዳሕረዎት በብወገኖም ዝፈለቑ ክሳብ ሕጂ ወጺኦም ዘለዉ ዝደሓሩ ሓበሬታት የመልክቱ። ምእሳር ኣማኑኤል ምስ ምዕጻው ብሕታውያን ጋዜጣታትን ምእሳር ኣሰናዳእተንን ዝተሓሓዝ ምዃኑ ርዱእ ኰይኑ: ምስ ብጾቱ ጋዜጣኛታት: ኣድማ ምሕሳም መግቢ ገይሮም ክሳብ ዝግዕዙ: ኣብ ቀዳማይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ንውሑድ እዋናት ጸኒሑ ነይሩ።
ኣማኑኤል ምስ የዕሩኽቱ፡ መተዓብይቱን ተመሳሳሊ ዝንባለ ምስ ዝነብሮም ገዛኢ ሓጎስ፡ ኣማኑኤል ኤልያስን ተስፋዝጊ ዑቕባዝጊን (ኵላቶም ትምህርቲ ሕጊ ዝተኻታተሉ) ብምዃኑ’ዩ ነታ ጋዜጣ ጀሚሩዋ። እቶም ካልኦት ብኻልእ ምኽንያት፡ ዳሕራይ ከኣ ገዛኢ ሓጎስ ንትምህርቲ ንካናዳ ድሕሪ ምኻዱ:ፍጹም ዑቕባሚካኤል (ወዲ-ዓዴ) ጸንቢሩ ክሳብ ምዕጻው ብዋና ኣሰናዳእነት ቀጺሉ። ኣማኑኤል ብዘይካ እቲ ከም ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘመን ኰይኑ ዘገልግሎ ዝነበረ: ኣብ ስነ-ጥበብ ኤርትራ: ሕልፊ ካልኦት ዘፍልጦ ኣብ ትንሳኤ ግጥሚ ኤርትራ ዝተጻወቶ ተራ’ዩ። እታ ፈለማ ሰሙናዊ ቀዳም: ዳሕራይ ድማ ካልኣይ ሕታም ረቡዕ ወሲኻ ዝነበረት ጋዜጣ ዘመን ኣብ ስነ-ጥበብ ብዝነበራ ፍሉይ ተራ ትልለ።
ቀንዲ ኣማእዛኒ ግጥምታት: ሃያሲ: መራሒ ስነ-ጽሑፋዊ ምትእኽኻባት ከኣ ኣማኑኤል ኣስራት’ዩ ነይሩ። ኣማኑኤል ኣብ ክሊ ስነ-ጥበብን መለልዪኡ በታ በላሕ–ምሕረት ኣልቦ–ብርዑ’ዩ። ኣብ ጋዜጣ ዘመን “ምስጋና” ብዝብል ስም (ስም ንእሽቶ ሓብቱን ብቐንዱ ከኣ ‘ምስጋና ነቶም ኣብዚ ዘብጽሑና ሰማእታት’ እትውክል ስም ምንባራ ባዕሉ ይሕብር) ሰሙናት ዝቐጸለ ንደርፍታት ሃገርና ዝቐንዐ ጽሑፍ የዳሉ ነይሩ። ኣብታ “ግጥምታት ደርፍታት ሃገርና ናበይ’ዩ ኣንፈቶም?” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ተኸታቲሉ ዝወጽእ ዝነበረ ጽሑፋት:ንሰማዕቲን ብቐንዱ ከኣ ንገጠምቱን ደርፍቱን ኣዒንቲ ዝኸፈተ’ዩ ነይሩ። እቶም ከምኡ ዝመስል ነቕፌታዊ ጽሑፍ ዘይለመዱ ደረፍቲ ሃገርና ከኣ በቲ ዝወረዶም ሃንደበታዊ ነቕፌታ (ምስቲ ዝጸንሖም ብዀንቱ ጣቕዒት ዝልለ ድጋፍ) ምጻሩ ስለ ዝሰኣኑ ኵላቶም ብሓንሳብ ክግልበጡ ጀሚሮም። ሓያሎ ከኣ እንተስ ኣፈራሪሖም፣ ብኣካል ወይ ብተዘዋዋሪ ምሕረት ለሚኖም።
ኣማኑኤል ግን ናይ ማዕዶ ነቓፊ ጥራይ ኣይነበረን። ኲኖ ተዓዛቢ ብምዃን ከኣ ኣብቲ ተሃስዩ ዝመሰሎ ዓውዲ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ ኣበርክቶ ንምግባር ባዕሉ ተሳታፋይ ኰይኑ መሪሑ። ምስ ገጣሚ በየነ ሃይለማርያምን ኣላዪ ፊልምን ደራሲን ኤፍሬም ካሕሳይ (ወዲ-ዃዳ) ብምዃኑ: ኣብ ጥሪ 2001 “ቍርሲ-ቀዳም ኣብ ጠዓሞት” እትብል መደብ ምትእኽኻብ ስነ-ጥበብ ጀሚሩ። እዛ ብንእሽቶ ምትእኽኻብ ኣዕሩኽ ብዘተ ግጥምታት በየነ ሃይለማርያም ዝጀመረት መደብ ከኣ ቀስ-ብቐስ ናብ ብዙሓት ከተማታት ኤርትራ እናለሓመት ቀጺላ። እዛ ብቐንዱ ብተገዳስነት መሰረትታን ካብ ጁባታቶም ዝወጽእ ዝነበረ ንኣሽቱ መዕበሲታትን ነዊሕ ዝተሳለየት ሰሙናዊት መደብ ከኣ ሓያሎ ኣጋይሽ ኣአንጊዳ: ኣስተምህሮታት ዓዲማ: ንጀመርቲ ምስ ስራሓቶም ከም ዘላልዩ ገይራን ንሓያሎ ኣብቲ ዓውዲ ተገዳስነት ዝነበሮም ከኣ መራኸቢ ኰይናን። ፈለማ ኣብ ጁኒየር ክለብ ሃማመተኤ: ጸኒሓ ኣብ ማእከል መሰልጠኒን መፈተኒ ማእከል ዩኒቨርስቲ ኣስመራ: ዳሕራይ ኣብ ካዛ-ዴል ኢታልያኒ እትሳላሰል ዝነበረት መደብ ከኣ ብሳላ ኣማኑኤልን ሰፊሕ ሸፈነ ጋዜጣ ዘመንን ብቕጽበት ኣብነት ኰይና ቀጺላ። ኣብ ሓጺር እዋን ብኣብነት ዝዝከራ “መኣዲ ስነ-ጽሑፍ ዓዲ-ቐይሕ”: “ማህጸን ስነ-ጥበብ መንደፈራ”: “ጋብላ ስነ-ጥበብ ደቀምሓረ”: “ኩስራ ስነ-ጥበብ ዓሰብ:” ከምኡ እበለት ብምቕጻል ድማ “ዓላ-ባዚት”: “ባረንቱ” ፥ “ ከረን” :… እናፍረየት ክሳብ ዳሕራይ ብምትእትታው ሃማመተኤ እትበታተኽ ቀጺላ።
ነቲ ዝነበረ ሓድሽ ተርእዮ፡ ኣብ ስነ-ጥበብ ኤርትራ’ውን ነጥበ-መቐይሮ ዝዀነ፡ በየነ ሃይለ ኣብታ ትጽቢት ባህጉ (2006) እትብል መጽሓፉ ብኸምዚ ይገልጾ፤
ትጃር ካብዚ ምስተማህረ ካልእ ከስተባህል ጀሚሩ። ስነ ጥበብ ንመንእሰያት ንከመይ ይጠማመቱ ምዕዛብ ከምዘድልዮ ገሚቱ፣ ኣዒንቱ ቁሊሕ ኣቢሉ። ደረጃ ተዋስኦታትን ሓዋሩ ዕቑር ተስፋ’ኳ እንተሃሎዎ ገና ውሕልነትንብልሓትን ከምዘድሊ ፈሊጡ። ንስነጥበብ ዘአንግዳ ሓያሎ መድረኻት ከምዝቖማ ፈሊጡ። ኣብ ኣስመራ መድረኽ “ቁርሲ ቀዳም ኣብ ጠዓሞት”: ኣብ ደቀምሓረ “ጋብላ ስነጥበብ”: ኣብ መንደፈራ “ማህጸን ስነጥበብ”: ኣብዓሰብ “ኩስራ ስነጽሑፍ”: ኣብ ዓዲ-ቐይሕ “መኣዲ ስነጽሑፍ” ወዘተ ተዓዚቡ። ካብ መድረኽ ስነጥበባት ናብ መድረኽ ስነጥበባት ኣብ ዝዘረሉ ግዜ ዝረኸቦም ገጠምቲ መንእሰያት ልቡ መሲጠሞ። ቀዳሞት ግጥሚ ንግስቲ ስነ ጥበባት ኢያ ዝብሉዎ ዝነበሩ ዘኪሩስ ንግስና ግጥሚ ኣብ ሃገሩ ብምርኣዩ ኩርዓት ተሰሚዑዎ። እቶም ጉጅለ 91 ስነጥበባት ነቶም ኣብ ናይ ጥንቲ ዘመናት ነይሮም ዝብሃሉ ጕጅለታት ፍልጠት ኣዘኻኺረሞ።ኣብ እዋን ሶቅራጠ ንመኻትዕቱ ሶፊያውያንን ደቀመዛምርቱን ኣብ ኣደባባያት ከተማ ኰይኖም ብዛዕባ ሓቂን ጽባቐን ክመያየጡ እንከሎዉ ተራእዮሞ። ነቲ ኣዝዩ ዝፈትዎ ዛንታ ቡዳሃን ተመሃርቱን’ውን ብናፍቖት ዘኪሩ ብዛዕባ መወዳእታ ዘይብሉ ህልውና ንምስትንታን ሱባኤ ክኣቱ እንከሎዉ ተራእየሞ። እዞም መንእሰያት ሃገሩ ፍልይ ከምዝብሉ ግን ኣስተውዒሉ። ምኽንያቱ ናይዚኣቶም ምንጪ ፍልጠትካ ብመደረ ሓደ ወይ ካብ ዘተ ክልተ ፍሉጣት ሰብ ዝና ተጸቢኻ ዝወጽእ ሓቂ ዘይኰነስ ካብ ወግዒ መሳቱ ንመሓዙት ንምዃኑ ኣገሪሙዎ። ኣብ ጽምኢ ጸምጸም በረኻ ተራእዩና፣ ኣብ ጫፍ ጎቦታት ተሰሚዑና ኣብ ጽምዋ ብሕትውና ተኸሲቱልና ኣብ ኣድባራት ፍልጠት ተገሊጹልና ኣብ መኽዘን ምህሮ ተዋሂቡና ኢሎም ውርዝናኦም ንደቀመዛሙር ከላልዩ ዝፍትኑ ዘይምርኣዩ ኣገሪሙዎ። መዘና ንመዘና ብዘይቃልዓለም ክወዳደሩ ርእዩ። ሓደ ዝጸሓፎ ግጥሚ ዓው ኢሉ ኣንቢቡ ምስ ወድአ: እቶም ኣባላት መድረኽ ነቲ ግጥሚ ተቐባቢሎም ክትንትኑዎ ንከሀብትሙዎ ንዘቕርቡዎ ዝነበሩ ምኽንያታት ነንርእሱ እናተገራጨወ ክበልሕን ክተብዕን ብዓይኑ ርእዩ። ኣብ መንጎ መሳቱ ስነጥበባዊ ኣውሃህባ ርእይቶ ዘተባብዕ መኣዲ ፍልጠት መዓስ ተዘሪኡ መዓስ ከም ዝዓንበበ ደንጺዩዎ። ንሓዋሩ ብሩኽ ፍረ ክህብ ምዝኽእል ድማ ኣይተጠራጠረን። (90-91)
ንብዙሕ ካብቲ ኣብ ኣስመራ ዝካየድ ዝነበረ ኣስተምህሮታት ዝኣልዮ: ዳሕራይ ኣብ ጋዜጣ ሓጺር ጸብጻብ ዝጽሕፈሉ: ዕዱማት ኣጋይሽ ኣለልዩ ዝጽውዕ ዝነበረ ባዕሉ ኣማኑኤል’ዩ። እታ መደብ ከኣ ኣብ ሓጺር እዋን ሰሙን ምሉእ ብዙሕ ሰብ ሃንቀው ዝብላን እቶም ብርሑቕ (ብጋዜጣ ዝከታተሉዋ) ድማ ዝሃርፉዋን ኰይና። እቲ ቅዱስ ቅንኢ ናብተን ካልኦት መኣድታት ስነ-ጽሑፍ ስለ ዝለሓመ ከኣ ኣጋይሽ ምልውዋጥ: ተመኵሮ ምብልላሕ: ጀመርቲ ስነ-ጥበበኛታት ኣብ ምዅስኳስ መሪሕ ተራ ሒዘን። ብዘይ ኢድ-ኣእታውነት ዝዀነ ኣካል (ዳሕራይ ዘሰዓበ ሃመማተኤ ገዲፍና) ነዊሕ ስለ ዝቐጸላ ድማ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ: ብቐንዱ ከኣ ስነ-ግጥሚ ልሉይ ግደ ገይረን። ኣከራኻሪ ዘይብሉ ትንሳኤ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግዜ ኣብ 2000-2001 ምዃኑ፣ ኣማኑኤል ኣስራትን ጋዜጣ ዘመንን ድማ ቀለስቲ ናይቲ ምንቅስቓስ ምንባሮም ከኣ ርዱእ’ዩ።
ናይ መወዳእታ ሕታም ጋዜጣ ዘመን፥ 15 መስከረም 2001
ገጣሚ ኣማኑኤል ኣስራት (ምስጋና)
ንዕብየትን ቅርጺን ስነ-ግጥሚ ኤርትራ ንዘስተውዕል ኣንባቢ: ካብ ድሕሪ 2000 ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ቅዲ ግጥሚ ብቐንዱ ብጽልዋ በየነ ሃይለማርያምን ኣላይነት ኣማኑኤል ኣስራትን ዝተዓብለለ እዩ። ኣማኑኤል ግጥምታቱ’ውን ንኣሰር ግጥምታት በየነ ዝኽተሉ ኰይኖም ንሓያሎ ጸልዩ’ዩ። ባዕሉ ከም ገጣማይ በቲ ኣብ ጋዜጣ ዘመን “ምስጋና”፣ “ኣሕፌ ካብ ዓሻ-ጎልጎል”ን ካልእን ብዝብል ስም ዘውጽኦ ዝነበረ ግጥምታትን ኣንፈት ሂስ ጽሑፋቱን ከኣ ሓደ መልክዕ ኣትሒዙ። ነቲ ዝነበረ ዕብየት ብግጥምታት መለስ ንጕሰ፡ ዘመንፈስ ሃይለ፡ ሳሙኤል ኣልመደ፡ መምህር ተኽለ ተኸስተ፡ ግርማይ ኣብርሃም፡ ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ሳባ ኪዳነ፡ ፍርቱና ገብረገርግሽ፡ ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤል፡ ገብረሂወት ተስፋይ፡ ሚካብን ካልእን (ኣስማት ምንጣር ኣቐዲመ ይቕረታ) ሓደ መልክዕ ስለ ዘትሓዞ ድማ እዚ ንርእዮ ዘለና ባህሊ ግጥሚ ሰሪቱ። እተን ምሩጻት ግጥምታት ኣብ ዘመን ይሕተማ ብምንባረን ግን መዕቀኒ ንሳ’ያ ነይራ።
ኣማኑኤል ኣኣንጋዲን ሃያሲን ግጥምታት ጥራይ ኣይነበረን። ባዕሉ ዝጽሕፎም ዝነበረ ግጥምታት (ከምቲ ካልእ ኣዕቲቡ ስለ ዘይሓዞ ዝበዝሕ እዋን ብናይ ብርዒ ኣስማት እዩ ዘሕተሞ ነይሩ) በበይኖም ዛዕባታት ዝትንክፉ ደኣ ይንበሩ እምበር: ኣብቲ ደጋጊሙ ዘልዕሎ ዝነበር ኲናትን መስዋእቲን: ኣደን ሓልዮትን: ማሕበራዊ ህይወትን ዕለታዊ መንባብሮን ጸብለልታ ነይሩዎም። ንኣብነት ንሓልዮት ኣደ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገጠማ “ኣደ ሓንቲ ኰይና ንደቃ እናሻቐለት፡ ብኻ ከምቶም ካልኦት ኣሕዋት ሰለስተ-ኣርባዕተ ምዀነት” ኢሉ ይገልጻ። ኣሕዋቱ ዳኒኤልን ሮቤልን ከም ዝምስክሩዎ ድማ ምስ ኣደኡ ፍሉይ ምትእሳስር ነይርዎ። ብኣገላልጻ ዳኒኤል ሓዉ ድማ: “ኣቢሱ ብኣደኡ ዘይኵረየሉን ሓቲቱ ዝደልዮ ዝወሃቦን ወደ’ዲኡ’ዩ።”
ከም ኣብ ግጥሚ ዝነበሮ ተውህቦ፡ ኣብ ዓንቀጽ ዝነበረ ቅርጣወ ኣጸሓሕፋን ምልከት ቋንቋን’ውን ሓለፋ ነይሩዎ።
ግጥምታት ኣማኑኤል ብዙሕ ጕዳያት ዘልዕሉ ደኣ ይዅኑ እምበር: ነቲ ብዙሕ ሰብ ከም እፍፍ ኢሉ ዝሓልፎ ኣርእስታት’ውን ጽሒፉሉ’ዩ። “በዓልቲ-ፉል” ኣብ እትብል ግጥሚ ሳናቲም ከተጠራቕምን እትጽዕር ጎርዞ በቲ ሓደ ወገን፣ እናሻዕ ክትደንን ከላ ኣጥባታ በቲ ዝተጀልዐ ክዳውንታ የሕሊፉ ብምርኣይ ዝዓግብን ምእንቲ ከምኡ ኢሉ ድማ ብዘይ ምግዛእ “ደጊምኪ ስፈርዮ” እናበለ ዘመላልሳን ዓሚል ተርኢ። “ኑዛዜ ውላድ ሓሙሽተ” እትብል ግጥሙ ድማ ብመገዲ’ቲ ከይውለድ ኣፍራዪኡ ዝዀነኖም ዝበኸነ ዘርኢ ኣቢላ እትዝንቶ ግጥሚ’ያ። እታ ግጥሚ ሓደ መንእሰይ ግብረ-ሕቡእ ክገብር ከሎ እቲ ካብኡ ወጺኡ ግዳይ ውሕጅ ዝኸውን ዘርኢ ኣፍ ኣውጺኡ የስምዕን ስለምንታይ ንተዓዛሪ ውሕጅ ከም ዝሃቦን የማርሮ። ካብኡ ውጽእ ኢሉ ኣብታ “ጺቕ’ዶ ጡፍ?” እትብል ግጥሙ ብመገዲ ልዕሊ መዘናኡ ክኸይድ ዝደሊ ቈልዓ ኣቢላ ምስ ደረጃኻ ምዕባይ ትትርኽ። ኣብዛ ግጥሚ እቲ ምስ ዓበይቲ ክመዓራረ ዝፍትን ቈልዓ: ኣብ ክንዲ ጡፍ ናይ መሳቱኡ: ካብ ዓበይቲ ርእዩ ጺቕ ክብል ምስ ፈተነ’ዩ ጥፍጣፉ ኣብ ኣብ ምዕጕርቱ ዝሕበጽ።
ኣማኑኤል ነቲ ፖለቲካዊ ዘይምዕሩይነትን ሰፊኑ ዝነበረ ፍትሒ-ኣልቦነትን’ውን ገጢሙሉ’ዩ። ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ብሰንኪ ግዱድ ክረምታዊ ማእቶት ዝነበሮም ምስሕሓብ ንዊዓን ገልዓሎን ምስ ተወስዱ: ኣማኑኤል ነቲ ኵነታት ብመገዲ ወዲ-ፕረሲደንት ሃገር ኣብርሃም ኢሳያስ ኣፍወርቂ’ዩ ርእዩዎ። ተመሃሮ ንመቕጻዕቲ ምስ ተወስዱ ድማ “እንተ ዝጕብዝ ነይሩ” ብዝብል ኣርእስቲ: “ኣብርሃም ጎቢዙ ንዊዓን ገልዓሎን እንተ ዘርክብ ምናልባት’ዶ’ኾን ምእንታኡ ክብሉ እዞም ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ምተማሕሩ?” ዝትዝቶኣ ግጥሚ ገጢሙ። እዛ ግጥሚ ገልዓሎ ብዝነበሩ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ተደጋጊማ ትንበብን ብኣፍ ትድገምን ነይራ።
ኣብ እዋን ኲናትን ሰግለለቱን ዝፈሪ ስነ-ጥበባዊ ስራሓት ብቐንዱ ነቲ ዘሎ ስምዒት ዘጕህር ደኣ ይዅን እምበር: ኣማኑኤል ግን ንዂናት ኣይደበለሉን። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ኣብታ “ኣበሳ ኲናት” እትብል (ብሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ገንዘባዊ ሽልማት ዝረኸበት ግጥሙ) ንቕዙን ወገን ኲናት’ዩ ኣጕሊሑ ርእዩዎ። ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራትን ኣሕዋትን ዝተራእየ ኲናት ድማ ከምዚ ኢሉ ቈዚሙሉ፤
ኣበሳ ኵናት
ሓደ ነገር ጓዚሙ
ሓደ ነገር ተዳህዩ
ንህድኣት በሲዑ
ሓደ ነገር ኣቃሊሑ።
ኣብታ ክልተ ኣሕዋት ዝተሓላለፉላ
ኣብታ ክልተ ኣሕዋት ዝራኸቡላ
ኣብታ ክልተ ኣሕዋት ዝዋሰቡላ
ኣብ ቅርዓት ሂወትን ሞትን
ኣብ ወሽመጥ ጥፍኣትን ልምዓትን
ኣብ ሽንጭሮ ሻቕሎትን ሰላምን
….ተቐርቒሩ
ሓደ ነገር ተዳህዩ።
ሽዑ ሓንቲ ፍረ ዘርኢ….
ጭዓን ሰራውን እናተታፍአ
መሸላን ብልቱግን እናተጎናንአ
ዝእክቦ ስኢኑ ሓድሕዱ እናተበላልዐ
ብሰርቢ ንብዓት ተሰጕዳ
ካብ ነብሳ ጎሚዳ ነብሳ ተጎሚዳ
ካብ ነብሳ ነብሳ ዘሪኣ።
ኢሉ ምስ ዘርዘረ ድማ ገጣሚ፡ እቲ ባህሪ ዝፈላለየ ኲናት፡ ድሕሪ’ቲ ኵሉ ዕንወቱ ከመይ ኢልካ ክኸደልካ ከም እትምነዮ ብኸምዚ ይገልጾ፤
ኣዝመራ ኵናት እቲ ኣበሳነቱ
ንብዓት ኣደ ንውላዳ
ንብዓት እንዳ ነታ ርስታ
ንብዓት መሬት ንመሬታ
ውሒዙ ውሒዙ ምስ ዛረየ
ባይታ ምስ ጨቀወ ምስ ጠልቀየ
ናውቲ ሸሚሙ
ንኹሉ ሰሊሙ… ምስ ራሰየ
ኣሻቡ ፈርዩ ባዴላ ኣፍራዛ
ኣሻቡ ፈልፊሉ መግነዚ ቃሬዛ
የግዳስ…
ኣሻቡ ድማ ይሃልኽ ኩሉ ይሻመዎ
ኩልና ንደልዮ ኩልና ንውንኖ
ነገር ኵናት እቲ ክፋኡ…
ኣዝመራኡ ከይደለኻዮ ምስ ዝበጽሕ
ፈንጤጋር መቓልሑ ማዕጾኻ ምስ ዝኹሕኩሕ
ሽዑ እዩ ኣበሳ ኵናት ኣበሳ ዘገማድሕ
ግና…
ከይፈተኻ ተሳስዮ
ከይደለኻ ተሳልዮ
ኣርሒቑ ክሃጥም ግን ኣ..ቤት ትጽልዮ!።
ወዲ-ኣስራት
ፈለማ ብኣዝዩ ንኡስ ዓቕሚን ደረጃን ዝኸይድ ተሳታፍነት: ዳሕራይ ግን ብመጠኑ ነዊሕ ጽሑፋት ኣብ ጋዜጣ ዘመን እጽሕፍ ስለ ዝነበርኩ’የ ንወዲ-ኣስራት ብቐረባ ዝፈልጦ። ወዲ-ኣስራትን ጋዜጣ ዘመን ብቐንዳን ከኣ ሕልፊ ካልኦት ጋዜጣታትን ኣዳለውቲን ወጽዓ ዝነበሮም’ዮም። እታ ጋዜጣ ዝዀነ ቤት-ጽሕፈት’ውን ስለ ዘይነበራ፡ ኣብ እዋን ለይኣውት (ዓርቢ ምሸት፣ ዳሕራይ ከኣ ሰሉስ ምሸት) ብዝተኣኻኸቡ ኣባላት’ያ ኣብ ማእከል ኮምፕዩተር ምናሴ ትካይድ ነይራ። ወዲ-ኣስራት ከኣ ቦታኡ ዓሻ-ጎልጎል ስለ ዝነበረ ብድሮ መጺኡ’ዩ ዘዳሉ ነይሩ።
ዓቕሊን ሕሉፍ ልግሲ ወዲ-ኣስራት ወትሩ’ዩ ዝገርመኒ። ብባህሪኡ ክዛረብ ከሎ ህድእ ስለ ዝብልን ምስቲ ሕፍሰት ጐረርኡ ተደማሚሩ ድማ ክዛረብ ምስ ዝጅምር ዳርጋ ኵሉ ሰብ ክሰምዖ ትም’ዩ ዝብል። ቅድሚኡ ግን ክዛረብ ኣይህወኽን: ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕ ልዑል ትዕድልቲ ከኣ ኣለዎ። ጽን ኢሉ ሰማዒ ጥራይ ዘይኰነ ግን ኣንጻሩ ንዝመጽእ ሓሳባት’ውን ብሰሓቕን ዋዛን’ዩ ዘህድኦ። ልግሲ ከኣ ሕሉፍ! እንትርፎ ታህን ምውጻእ እተን ጋዜጣታት ብሕቲ ገንዘብ ዝገብራ ዝነበራ ኣይመስለንን። ኵሉ ሰብ ተኣኪቡ ሻሂ ክሰቲ: ኣብ መጨረሽታ ሕሳብ ዝዓጹ ድማ ወዲ-ኣስራት’ዩ። ብዙሓት ኣብ ዝተኣከብሉ ጥራይ ዘይኰነስ ዋላ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት’ውን: “ክንድዚአን ኣለዋኒ ከምስሓካ:” ወይ ድማ “ቍሩብ ኣለዋ ክሳብ ዝውድኣ’ዶ ኣብዚኣ ቢራ ንስተየን?” እናበለ’ዩ ዝዕድም። ዋዛን ላግጺን ንወዲ-ኣስራት ኣይፍለዮን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ዝጸንከረ ናይ ሞትን ህይወትን’ውን ላግጺ ዘይገድፍ’ዩ። ንህይወት ብምሉኣ ስለ ዝነብራ ድማ ንጽባሕ በሃሊ ኣይነበረን።
ኵነታት ከፊኡ: ብሃውጺ ንፋሳትን ፖለቲካዊ ሕምስምስን መሬት ክላኻዕ ምስ ጀመረ: ኣማኑኤል ቀልጢፉ ብዛዕባ’ቲ ኵነታት ክጽሕፍ ኣይተጓየየን። ከም ወትሩ ርግእ ኢሉን ክቱር ስምዒት ዘየንጸባርቑ ጽሑፋትን’ዩ ዘአንግድ ነይሩ። ነቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቀውሲ ምልዕዓል ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ: ኢድ ኣእታውነት ሃመማተኤን ካልእን ምስ ተሓወሶ: ምስ ወዲ-ኣስራት ብተደጋጋሚ ንራኸብ ኔርና። እቲ ኵነታት ናብ ሕማቕ ኣንፈት ይኸይድ ከም ዝነበረ ኣይሰሓቶን ዝግበር ከም ዘይነበረ ግን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ። ቅድሚኡ ንደቡብ-ኣፍሪቃ ክኸይድ ኣብ ምድላው’ዩ ነይሩ።
ኵነታት ኣብ ዝኸፍኣሉ፡ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ክስታት ይመጾም ስለ ዝነበረ፡ ቍሩብ ብውልቂ ከነዕልል ኢልና ሓደ እዋን ኣነ፡ ወዲ-ኣስራትን ሳልሳይ ዓርክናን ናብ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ዝነበረ ንርኣዮ ተኽለ (ኣንዋር) ኬድና። ኣንዋር ምስ ኣማኑኤል ውልቃዊ ሌላ ኣይጸንሖምን ግን ብርሑቕ ስለ ዝፈልጦ ሓፈሻዊ ነቲ ኵነታት ርግእ ኢሎም ክርእዩዎ ሓፈሻዊ ምኽሪ ሂቡና። ብውልቁ ከኣ “ንደቡብ-ኣፍሪቃ ንትምህርቲ ትቀራረብ ስለ ዘለኻ ከይትሰናኸል ናብኡ ጥራይ ዘይትቐንዕ፡” ኢሉዎ። ወዲ-ኣስራት ግን ንውልቃዊ መደባቱ ከይተዓናቐፍ ብምባል መርገጺኡ ኣይቀየረን። ቅንይ ኢልና ኣነን ካልኦት ተመሃሮ ዩኒቨርስቲን ንዊዓ-ገልዓሎ ተወሲድና። ብርዱእ ምኽንያት ደሃይ ሓድሕድ ኣይነበረናን። ኣብ መጨረሽታ ሕታም’ታ ጋዜጣ ዝወጸት ንኣነባብራና ኣብ ገልዓሎ እትገልጽ፡ “ካብ ህሮሩማ ገልዓሎ ዝነፈረት ቆጽሊ ወረቐት” ብዝብል ኣርእስቲ: ብሓደ ንዕረፍቲ ዝኸይድ ዝነበረ ኣባል’ቶም ዝሕልዉና ዝነበሩ ሰራዊት ገይረ ሰዲደሉ። ምዕጻው እተን ጋዜጣታትን ምእሳር እቶም ሓለፍቲን ኣብ ገልዓሎ ከለና ኢና ፈሊጥና፣ ርእስና ኣድኒንና ከኣ ተመሊስና። ዕለት 18 መስከረም እተን ጋዜጣታት ክዕጸዋን እቶም ፖለቲካውያን መራሕቲ ክእሰሩን ከለዉ: ጋዜጣኛታት ብሕቲ ግን ነይሮም። ካብ ገልዓሎ ምስ ተመለስኩ ሓንሳብ ረኺበዮ፣ በቲ ኵነታት ጸምልዩ ጸኒሑኒ። “ኵነታት ሕማቕ’ዩ ዘሎ፣ ንሕና’ውን ኣይተርፈናን’ዩ” ኢሉኒ። ከምቲ ዝበሎ ድማ ድሕሪአን ኣብ ዝነበራ ውሑዳት መዓልታት ተኣሲሮም። ድሕሪኡ ኣብ ቀዳማይ መደበር ፖሊስ ስለ ዝነበሩ: መግቢን ሽጋራን ሒዘ እበጽሖ ነይረ። ነዊሕ ከይጸንሑ ድማ ኣድማ ምሕሳም መግቢን “ድሕሪ ሕጂ ኣይትምጽኡ ኣብዚ የለዉን” ዝብል መልሲ ኣባላት ቀዳማይ መደበር ፖሊስን ስዒቡ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ወጺኡስ ክንራኸብ ተስፋ ገይረ ነይረ…
… ኣይተራኸብናን ግን።
*ኣብርሃም ተስፋልኡል ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ኰይኑ zere1981@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።