‘ድምጽታት ንሰላም’፤ ሕትመት እኩብ ግጥምታት – ጻውዒት ተሳትፎ ንገጠምቲ

No comments

ድምጽታት ንሰላም

ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት፥ ገጠምቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድምጾም ኣብ ሓባራዊ ስነ-ጽሑፋዊ መድረኽ ባይታ ንምፍጣር ብዘለዎ መደብ መሰረት፡ ገጠምቲ ነቲ ብጥርኑፍ ዝሕተም እኵብ ግጥምታት-‘ድምጽታት ንሰላም’ ዝበቅዕ ስርሖም ከቕርቡ ይዕድም።

ብዛዕባ ድምጽታት ንሰላም

ስነ-ጥበብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንጸቢብ ኣጀንዳታት ኣብ ዘገልግለሉን ዝዋፈረሉን ዘሎ እዋን፡ ‘ድምጽታት ንሰላም’ ንግጥሚ ከም ሓደ ዕቱብ ሰብኣዊ ምስክርነት ጌሩ እዩ ዝርድኦ። ንሰላም ከም ሓደ ኣድማሳዊ መቓን ብምርኣይ፡ ንዘቕርቦ ሕቶታትን ዝእክቦ ድምጽታትን ጥበባዊ መልክዑ ኣብ ምሕላው ኣዕዚዙ ይግደስ። 

እዚ እካበ-ግጥሚ ዕላማኡ እጹብ-ፍታሕ ንምንዳይ ወይ ትረኻታት ንምጽዓን ኣይኮነን። ገጠምቲ ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓቅታት ክጽሕፉ ቦታ ዝፈጥር ኮይኑ፥ እዚ ስርሓት ብዝኽሪ፡ ግርጭት፡ ምዝንባል፡ ብህይወት ምቕጻል፡ ስቕታ፡ ተስፋ ወዘተ ዝተጸልወ ክኸውን ዝጽበዮ እዩ። ገጠምቲ ንሰላም ክጣበቑ ወይ ክውድሱ ዝደፍእ ጻውዒት’ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ–ኣድላይነት ሰላም ንምግንዛብ፥ ክብደቱን ብኵራቱን ዘየተኣማምን ህላወኡን ዝፈጠሮ ተጽዕኖ ብሓቃዊ ስምዒት ምምስካር እምበር። 

 

ብቑዕነት

ኤርትራዊ ወይ ኢትዮጵያዊ መበቆል ዘለዎም ፡ ኣብቲ ዞባ ወይ ኣብ ዲያስፖራ ንዝነብሩ ክፉት እዩ። 

መምርሒታት

  • ብዝሒ፤ ክሳብ 3 ዛጊት ዘይተሓተሙ ግጥምታት (ካብ 5 ገጻት ዘይበዝሕ)
  • ኣገባብ ምርካብ፤ ኣብዚ ጠውቑ ፎርም ተሳትፎ /Google Form Link 
  • ፎርማት፤ ንጽል ሰነድ (.doc, .docx, .rtf, .txt, ወይ PDF)። ታይምስ ኒው ሮማን/ኣርያል/ካሊብሪ 12፡ ንጽል ወይ 1.5 ኣፈላልስይ፡ ስታንድርድ ማርጂን 
  • ቋንቋ፤ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዝረቡ ወይ ዝጽሓፉ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት
  • ናይ መወዳእታ ዕለት ምርካብ፤ 18 ሚያዚያ 2026

 

ትርጉም/Translation 

እቲ ዝቐርብ ስራሕ እንተተመሪጹ፡ ትርጉሙ ብሞያተኛ ብምሉእ ጥንቃቐ ቋንቋዊ፡ ባህላውን ግጥማውን ቅንዕና፡ ብዝተኻእለ መጠን ድማ ምስ ገጣሚ ብምምኽኻር ክዳሎ እዩ። እቲ እካበ ንኽልቲኡ (ማለት ንመበቆላዊ ቋንቋን ትርጉም እንግሊዝኛን) ጎኒ ንጎኒ ከሳንዮ እዩ።

ኣገደስቲ መተሓሳሰቢ

  • ኣብ ሓደ እዋን ምርካብ፤ ገጠምቲ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ግጥምታት ክልእኩ ዝኽእሉ ኮይኖም፥ ብሓንሳብን ኣብ ሓደ ፋይልን ክልእኩ ይግባእ። 
  • መልሲ ምጽባይ፤ ገጠምቲ፥ ቅድሚ ዳግማይ ካልእ ስራሕ ምቕራቦም ንቕድም መልሲ ክሰምዑ ክጽበዩ ይግባእ።
  • ዘይተሓትመ ግጥምታት ጥራይ፤ እቲ ስራሕ ዘይተሓትመ ክኸውን ይግባእ፦ ቅድሚ ሕጂ ብጽሑፍ ኮነ ብኢንተርነት ዘይተሓትሙ ወይ ዘይቀረቡ።  
  • ተመሳሳሊ ስራሕ ብኻልኦት ኣሕተምቲ ተቐባልነት ዝረኸቡ ምስ ዝኾኑ፡ ገጠምቲ ኣዳለውቲ ብኢመይል peneritrea@gmail.com ክትሕብሩ ይግባእ።

 

እዚ እካበ ግጥሚ ናጽነት ገጠምትን

ገጠምቲ ንስራሖም ብናቶም መንገዲ ክቐርብዎ ናጻ እዮም። ካብ ፖለቲካዊ ወይ ካልእ ደራቲ ኣተሓሳስባታትን ሓራ ዝኾነ ፈጠራዊ ትሕዝቶ ምብርካት። ምስ ኲናትን ድሕሪኡ ዝመጽእ ሳዕቤናቱን፡ ዝኽርን ብህይወት ምውጻእን፡ ምምዝባልን መንነትን፡ ወይ ስቕታ፡ ሰላምን ተስፋን ዝኣመሰሉ ተመኩሮታት ዝሓቖፉ ስርሓት ክቐርቡ ይኽእሉ።  እዚኦም ግና ሓፈሻዊ መወከሲ ነጥብታት እምበር ግድነታዊ ጠለባት ኣይኮኑን።

 

ዕማም ኣዳለውቲ 

እዚ እካበ ግጥሚ’ዚ ስነጽሑፋዊ ናጽነትን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ዘረጋግጽ እዩ። ዝሕረዩ ግጥምታት ጥበባዊ መበቆላውነቶምን ቅንዕናኦምን እምበር ምስ ዝኾነ ፖለቲካዊ መርገጺ ወይ ኣጀንዳ ንኽሰማምዑ ተባሂሎም ኣይምረጹን።

ፐን ኤርትራ፡ ንስነጽሑፍ ከም መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ምጥቃም ይነጽግ። ግጥሚ፤ ሓደ መድረኽ ኣቓልቦ፡ ሕቶን ናይ ምምሃዝ ናጽነትን ኮይኑ፡ ውስብስብ ህላዌና ነብሱ ክገልጽ ብዘይ ቀይዲን ምግዳድን ክዛረቡሉ ዝኽእሉሉን ስነጽሑፋዊ ባይታ እዩ።

 

መሰላትን ክፍሊትን

  • መሰል ቅዳሕ፤ ገጠምቲ ምሉእ መሰል ቅዳሕ ስርሖም ይሕዙ።
  • መሰል ሕትመት፤ ዝተመርጹ ግጥምታት ብሕትመትን ዲጂታላዊ መልክዕን፡ እንተላይ ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ናይ ምልላይ ጽሑፋት ዝዛመድ መሰል ንፐን ኤርትራ ዝተሓልወ እዩ።
  • ክፍሊት፤ ዝተመርጹ ገጠምቲ ምስ ተሓተሙ 200 ዶላር ክፍሊት ክብሪ ክወሃቦም እዩ።

መቓን ግዜን ምምራጽ

  • ምርካብ ጽሑፍ፤ 18 ሚያዚያ 2026 ይዕጾ
  • ምምራጽ፤ ኣብ ብቕዓትን ቅንዕናን ስራሕ ጥራሕ ይምስረት። ካብቲ ዝተመደበሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 8 ሰሙን ፐን ኤርትራ መልሲ ክህብ እዩ። 
  • መተሓሳሰቢ፤ ብሰንኪ ውሱኑነት ግዜ፡ ኣዳለውቲ ንዕዉታት ገጠምቲ ጥራይ እዮም 

 

ሕቶታትኩም ናብ peneritrea@gmail.com ልኣኹ።