ፐን ኤርትራ ዓመታዊ ኣኼባ 2023 ኣካይዱ፡ ሓደስቲ ኣባላት መሪሕነት መሪጹ

No comments

 

ፐን ኤርትራ፥ ዓመታዊ ኣኼባኡ ካብ 7-8 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ኣንትወፕ-በልጁም ኣቃኒዑ። ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብኣካል ናብ በልጁም ዝመጽኡን ብመንገዲ ኢንተርነት ብርሑቕ ዝተሳተፉን ኣባላት ፐን ኤርትራ፥ ኣብ ሓያለይ እቲ ማሕበር ዝቃለሰሎምን ዝነጥፈሎምን ጕዳያት ኣድሂቡ ንዝቐረበ ጸብጻባት ድሕሪ ምስማዕ፤ እወታውን ኣሉታውን መዳያት ገምጊሞም። ብመሰረት እቲ ኣብ ነፍስወከፍ ሰለስተ ዓመት ምምራጽ ሓደስቲ ኣባላት ፈጻሚት ኰሚተን ኣማኻሪት ቦርድን ክካየድ ዝጠልብ ቅዋም ፐን ኤርትራ፥ ኣባላት ብኣካልን ብርሑቕን መረጻ ሓዳስ መሪሕነት ኣሳሊጦም። ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ 2022: ክሳብ ወግዓዊ መረጻ 2023 ዝካየድ ብግዝያውነት ከገልግሉ ዝጸንሑ ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ዓወት ፍስሃየን ግምጀኛ ዓወት መንግስትኣብን ንዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት ከገልግሉ ደጊሞም ክምረጹ እንከለዉ፡ ካልኦት ሓሙሽተ ኣባላት ድማ ኣካል ሓዳስ መሪሕነት ኰይኖም ተመሪጾም። ካብቶም ንዝቕጽል ሰለስተ ዓመታት ከገልግሉ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዝተመርጹ ኣባላት፤ ኣኽበረት መሓሪ ጸሓፊት ፐን ኤርትራ፥ ተሓጋጋዚ ግምጀኛ ግርማይ ዮውሃንስ ክዀኑ እንከለዉ፡ ዮናታን ጽገ (ዶር)፡ ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ክብሮም ደሞዝን ከኣ ኣባላት ኣማኻሪት ቦርድ ፐን ኤርትራ ኰይኖም ተመሪጾም። ብሕጊ ቻርተር ፐን ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ማሕበር ካብ ኣባላት ኣማኻሪት ኮሚተ እዩ ዝምረጽ። ብድሕሪ ዝተገብረ መረጻ ድማ ዮናታን ጽገ ሓድሽ ፕረዚደንት ፐን ኤርትራ ኰይኑ ተመሪጹ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ፐን ኤርትራ፥ ኣብ 2020 ድሕሪ ምምራጾም ክሳብ’ዚ ዓመት’ዚ ከገልግሉ ንዝጸንሑ ኣባል ፈጻሚት ኰሚተን ጸሓፊት ፐን ኤርትራን ትምኒት ገዳር፥ ኣባላት ኣማኻሪት ቦርድ ሓሰን እድሪስ፡ ወይኒ ሱሌማን ከምኡ ድማ ኣባል ኣማኻሪት ቦርድን ፕረዚደንትን ኤርሚያስ ዑቕበ ንዝገበርዎ ልዑል ኣበርክቶ ኣመስጊኖም።

ኣብ መዛዘሚ ዕለት ናይቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ወግዒ ምዕዳል ሽልማት መሰል ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ ተኻይዱ። ተዓዋቲ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2023፡ ኣቶ ካሳሁን ቸኮል ብኣካል ብምርካብ ሽልማቱ ካብ ፕረዚደንት ፐን ኤርትራ (2020- ጥቕምቲ 2023) ኤርሚያስ ዑቕበ ተቐቢሉ።

ካሳሁን፤ “ኣብዚ ዝሓለፈ ስሳ ዓመታት ተኻፋልነት ናይ ቃልሲ፥ ናይ ትምህርቲ ቃልሲ፡ናይ ስነጥበብ፡ ቃልሲ ናይ ሃገራዊ ናጽነት ሓደ ዘድሊ ዝገበርናዮ ነገር እንታይ እዩ፡ ንሕና ከም ኤርትራውያን ትሽዓተ ቋንቋታት ብኽብሪ ክዝረበለን ክጸሓፈለን፡ ናይ መራኸቢ ቋንቋታት ንኽዀና፡ ከም መንእሰያት እቲ ቃልሲ ጀሚርናዮ እቲ ቓልሲ ከኣ ቀጺልዎ። ስለዚ እቲ ቃልሲ ናይ ፖለቲካ ወይ ወተሃደራዊ ጥራይ ኣይነበረን። ናይ ኣእምሮ ምስፋሕ፡ ተዛሪብካ ከመይ ገይርካ ንህዝቢ ተረድኦ ዝብል እዩ ነይሩ።”

ኣብቲ ኣጋጣሚ ዕድመ ዝተገብረሎም ኣባላት ፐን ፍላንደርስ-በልጁም ተረኺቦም ነይሮም። ገለ ክፋል ናይቲ ወግዒ ብመንገዲ ፈይስቡክ ብቐጥታ ክመሓለልፍ እንከሎ፥ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ተድሮስ ኣብርሃም ምስ ኣቶ ካሳሁን ዝገበሮ ቃልመሕትት ብመንገዲ ረድዮ ኤረና ክፍኖ እዩ። ጐድኒ-ጐድኒ ናይቲ ዝተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ፥ ኣባላት ፐን ኤርትራ ኣብ መዝገብ ክብረወሰን UNESCO ንዝሰፈረ ገዲም ቤተ-መዘክር ሕትመት በጺሖም።

 

Former winners of the award are Abrar Osman  (2022), Ghirmai Negash (2021), Saleh Gadi Johar  (2020), Yirgalem Fisseha (2019)

 

 

Print Friendly, PDF & Email