በጺሐ
እብለኪ በጺሐ…
ናብቲ ዝነውነወ ነውኒዉኒ
ሃው! ዝበልኩዎ
ከይበልኩዂ ደሓን ኵኒ
ናብቲ በቲ ሓደ ሸነኽ ዘሎ ሳዕሪ
ናብቲ ርሁው ዓለም
ናብቲ’ኳ…
ኣካውናኡ እዝጊ ዋናኡ
ግና ስድራ ጠዋሪ ዓለባ ቀያሪ
…በጺሐ።
በሰላ ዝሓንጸጾ ካርታ ሒዘ
ኣይሂ ንብዓት ብዝፈጠሮ
ሩባ ሩባ ተጓዒዘ
ኣደን ጓልን: ሓውን ሓብትን
ብዘይንቡር ኣጐዛጒዘ
ከምዘይብጻሕ የልቦን በጺሐ።
ሕላገት ራዕዲ ኣብ ዝባነይ ተሸሪጡ
እና’ቕባሕባሕኩ ኣዒንቶም ምስ ዘፍጠጡ
ብቈርበተይ እተሓትመ
ብደም ተቐቢኡ ‘በዕጽምቲ እተሰለመ
ባጤራ ኣጋንንቲ…
…ሸሚቱ እናሸጠኒ
ተጠሚሩ ብጅማውቲ
…በጺሐ።
ከም ዘበነ ዮናስ
ህጻን ኣብ ከብዲ ዓሳ
ድሕሪ ዘይሰመረ ጸሎት
ተኸቢበ ብዅምራ ሬሳ
ሰጊረ፤ ዘይክፈል ከፊለ
ምስ ነፍስወከፍ ሞት
ርብዕን ሲሶን ተቐቢረ
ወጺአ ንኽጸዊ
ካብ ብሱል ጥረ
ካብ ዘጉሃርህረ ሓዊ
ሰጊረ
ምህላወይ ከበስረኪ
ብኡ ኣቢለ ድማ
ተስፋ ክሰንቕ ካብ ቃልኪ
ደሃይኪ ምስ ሓተትኩ ግን
ንልበይ ብኲናት ዝወግአ
ዝርካቡ ተስፋይ ዝገትአ
ካብ ዝሓለፍኩዎ ዝዓቢ ስቓይ
ሰሚዐ ምስዓብኪ እግሪ-እግረይ
ኣዝሃንሂኑ፡ ድነ ሞት፡ ኣብ ዙርያይ ነጊሱ
ተዃዕየ!
ውሽጠይ ናብ ው_ሽጠይ ፈሲሱ
ፍርቱና ገብረገርግሽ