​ቅዋመይ

No comments

ቅዋመይ

መንቀጽ ደመይ

ከመይ ከመይ?

ቀሪብኪ ኔርኪ ክትኣትዊ ዓዲ

ትኽ ኢልኪ ከይትኸዲ

ተኣሊኺ እንዳ እቲ ወዲ

ፈቲኽዮ ዲኺ ብግዲ?

ደንጒኺ ኣብ መገዲ

እስከ ድሃይ ስደዲ

ቅዋመይ

ፈውሲ ሕማመይ

ከመይ ከመይ?

ኣይቆቡዕ ኣይሮቡዕ

ንዒ እባ ሓዳር ግበሪ

ንዒ እባ ኣመሓድሪ

ንዒ መስከረም ንዒ ጥሪ

ብፈረንጂ ዲኺ ብሓበሻ ትቘጽሪ?

ቅዋመይ

መንቀጽደመይ

ከመይከመይ?

ዶር/ ርእሶም ሃይለ


ምንጪ– ዕንክሊል (2002)

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email