ማመት እትብሃል ኣመንዝራ ነበረት፣ ባዕላ ንነብሳ መሰንቆ እቲወቅዕ፣ ዓዳ ቀላይ በዓልቴት፣ ኣቦኣ ጸባኡ።
ማመቴ ጓል ኣቦይ ጸባኡ
ሓደ ፈርጊ ሓደ ቀራናኡ
ሓደ ጣዕዋ ሓደ ዝራብዑ
ሓደ ያሒት ሓደ ገበታኡ
ሓደ ፈርጊ ሓደ ቀራናኡ
መንግስተ ሰማያት ከም ዝቦኡ።
ማመቴ ጓለቦይ ሰንሰለት
ወሽፍያ ጡባ ዘየትከለት
ገልገል’ያ ልጓም ዘየልዓለት
ኲናት ጋዞ ናይ ሓማሴን ስሕለት።
ዘይትሰትዮ ስዋ ዳርጋ ሓሬት
ዘይትበልዖ እንጌራ ዳርጋ መሬት
ወርሒ ጠፍአት ጸሓይ ደም መሰለት
ዓይነይ ዞረት ልበይ ኣስፈለለት
ከይነርክባ ሩባ ተሳገረት
ከይንርእያ ገረብ ተኸወለት።
ማመቴ ማመት ስኒ ሮጾ
ከናፍራ ከም መዓር ዚጽጾ
ሰለፋታ ከውሒ መንደልህጾ
ጓል እገላ ጓል ዕዳጋ ሮቡዕ
ውሰድዮ ቲ’ዓጓ ዝራብዕ
ጸጒሪ ርእሳ ኣዳጉር ዜሕብእ
ቀርኒብ ዓይና ድብኦ ማይ ዜድብእ
ኡንጉይ ኡንጉይ ወድኡኒ ኣዛብእ
ነቲ ማዕጾ ኣብልዮ ኣግባእብእ
ከይርኢ ዚሓልፍ ዚገብእ።
ማመቴ ጓል ጸባኡ ነብሪ
ከም ኳደሬ ለይቲ ተዛውሪ
ከም ወደባይ ለይቲ ተናግሪ
ሳግላ ይመክን ኣፍከሜ ይፈሪ
ዕስራ ናብ ቤት 50 ናብ ቍሪ
ከም ምሕዳርና ኣሕድርና እምበሪ
ገሌ ማይ ንወርድ ዕጭ ንኣሪ
ከም እዝጊና ትቀትሊ ትምሕሪ።
ጓል እገላ ጓለያ እንቅፉ
ጸጒሪ ርእሳ ባላ መደገፉ
ቅርኒብ ዓይና ኵሕሊ መራግፉ
እንኳን ዓለም ኣቅሽሽቲ ሓነፉ።
ጓል ጨዓሎ ጓል ሩባ ሃዳድም
ቆቋሕ ኵኒ ክኸውን ጽግድም
ሕጀኪ በረኻይ ክሃድም።
ጓል መረታ ጓል ሩባ ሰበኔ
ትኾባለይ ማርያም ትሃብክነ
ብዘይ ሎሚ ዘይፈልጥ ለሚነ።
ጓል እገላ ጓል እገላ ሓጺን
ኣፋ መጣቀሻ ልባ ሳጽን
ነቦኺ’ዶ ንኖኺ ከማሕጽን
ገዛ ከይበጻሕኩስ ኣይቀብጽን።
ጓል እገላ ጓል ቀላይ በዓልቴት
ከም ጻዕዳ ጣፍ ናብ መሶብ ትኸተት
ከም ስራና ናብ ጻሕሊ ትፍርተት
ከም ሜስ ቀርኒ ዚፈትውዋ ጐይቶት።
ወዮ ዙቦይ ጅጎ ዙዕዋኖ
ንማመት ፈጢሩ ከይኮኖ
ግምጃ ባጽዕ መረባዕ ደኮኖ።
ብዘይ መሰነይታ ዘይትወጽእ
ከም መኰነን ብዓይና ትቀጽዕ
ጻዕዳ ዝክዳና ከም ሰብ ባጽዕ።
መድህን ደረፈልኪ ጓሳ ብሶት
ቀሪም ቃንጫ መማሰዪ ጓሶት
ለቈታ እትማላእ መቊጸር ሐሶት
ኣካ ሰመናኪ ሰናይ ምሸት።
ጓል እገላ ጓል እንዳ ኣርባዓንሳ
ሰብኡትኪ ክልተ ሓምሳ
ከይጠፍኡ ግበርሎም ጓሳ።
ቀጣን ኣምዑት ከም ዘንጊ ኣቤቶ
ተሰታይት ከማይ ኪልዓውቶ
ተበላዒት ከም ስጋ ኣውለልቶ
ስገም ቶራት ጣፍ ሓጋይ ኣራቶ
ኣፋ መዓር ከንፈራ ሕሙቶ
ወለጋብር ዝሰርሖ ቀበቶ
ወዘርአቆብ እተቀመጦ ባይቶ
ረኪብክ’ዶ ካባና ዚፍቶ
ዝሓዝክዮ ይግበረልኪ ከንቶ።
ንሳ ድባብ ኣዳኖኣ ሰንደቕ
እንተ ተዓንቀፍኪ ባጊር ይደቕ
ሐሲየኪ ንሰይጣን ይኹነ
ባጊር ግዳ መላእ ኣፊንጫነ።
ናበ’ቦይ ናብ’ኖይ ክበልክሲ
ፍቕሪ ክንማቀል ሃቢ ዕሲ
ነዓይ ንፍቂ ንዓኪ መስለሲ
ነምበሳኸ ይበልኪ ንጐራሲ
ንተመንከ ይበልኪ ንነኻሲ
ንውሕጅ ይበልኪ ንጐሳሲ።
_____________________________________________
*እዛ ግጥሚ እንተስ ብምሉኣ ወይ ድማ ገለ ክፋላታ ብተደጋጋሚ ግዜ ኣብ መራኸቢ-ብዙሃን ኤርትራ ተሓቲማን ተነቢባን ኣላ። ነባርነት እዛ ግጥሚ ንምዕቃብን ሕጂ’ውን ናብ ዝበዝሐ ኣንባቢ ብምሉኣ ንምብጻሕን ዳግም ኣብዚ ንሓትማ ኣሎና። ኣብዚ
ናይ ሕጂ ሕታም᎓ ካብቲ ሰናዲኣ ተመራማሪ ካርሎ ኮንቶሮሲኒ ኣብ 1904/05 ዝጠርነፎ መበቈላዊ ኣጸሓሕፋ ብመጠኑ ኣብ ስርዓተ-ነጥቢን ገለ ፊደላትን ለውጢ ጌርና ኣሎና። ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ቃል ዝነበረ ክልተ ነጥቢ ከምኡ’ውን ኣብ
መወዳእታ ነፍሲ-ወከፍ መስመር ዝነበረ ኣርባዕተ ነጥቢ ንዘመናዊ ኣንባቢ መታን ከየጸግም ለውጢ ጌርና ኣሎና። ገለ ሎም ዘይዝውተሩ ዘለዉ ፊደላት ከም እኒ «ፀ» ብ «ጸ» ከምኡ’ውን ብዘመናዊ ኣናብባ ን«አ» ብ«ዐ» ለውጢና ከም ዘሎና
ድማ ምዝዝኽኻር የድሊ።