እዛ እትስዕብ ቃለ-መሕተት ስነ-ጥበበኛ ኤፍሬም ካሕሳይ (ወዲ-ዃዳ) ምስ ገጣሚን ጋዜጠኛን ኣማኑኤል ኣስራት (ካብ መስከረም 2001 ክሳብ ሎሚ ብዘይ ደሃይ ተሸሪቡ ዘሎ) ኣብ ናይ 17 መስከረም 1999 ሕታም ጋዜጣ ሰቲት ዘካየዶ ኢያ። እዛ ምልልስ ብብዙሕ መምዘኒታት–ርጡብነት ሕቶታታትን ዘየዳግም መልስታትን–ኣዝያ ብልጽቲ ኰይና ነዚ ክሳብ ሎሚ ኣብ ተመሳሳሊ ዓውዲ መኸዴ ዝመላለስ ዘሎ ኣምር ግጥሚ ብልጽቲ መወከሲት ክትከውን እትኽእል’ያ።
ኣማኑኤል ኣስራት ወዲ 27 ዓመት’ዩ። ኣብ ሰሜናዊት ኣኽርያ፣ ሳንታ – ኣና ካብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ድሕሪ ምውዳእ ኣብ ኣስመራ ᎓ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ድማ ብዕቃበ ሓመድን ማይን (soil and water conservation) ብባችለር ዲግሪ ተመሪቑ። ኣማኑኤል ኣብ ግጥሚ ልዑል ዝምባለን ዓቕምን ዝተዓደለ ንእሽተይ ገጣሚ እዩ። ወዲ 13 ዓመት እንከሎ’ዩ ‘ሽጋራ ’ ብእትብል ቦኽሪ ግጥሙ ዝፈለመ። ንሎሚ ምስ ኣማኑኤል ኣስራት ዕላል ጌርና ኣለና’ሞ እንሆ።
ሕቶ፤ ገጣሚ ብትዕድልቲ’ዩ ᎓ ይብሉ ገለ ድማ ገጣሚ ምዃን ብትምህርቲ ብተመኲሮን ብትዕዝብትን ይመጽእ ይብሉ። ኣብዚ እንታይ ርእይቶ ኣለካ?
ኣማኑኤል፤ እዚኦም ተጋግዮም እዚኦም ቅኑዓት ኣለዉ ክብል ኣይክእልን፣ ከመይሲ ደቂ ሰባት ኣእምሮኦም መዐቀኒ የብሉን። ካብዛ ጀማሪት ተመኵሮይ ግን ፈለግ ስምዒት ክሓድረካ ኣለዎ። እዚ ምስ ሃለወ’ዩ ደጋጊምካ ብምጽሓፍን ብዙሕ ብምንባብን ግጥሚ
ዚመጽእ።
ሕቶ፤ ግጥምታትካ ኣበይ ዘተኰሩ እዮም?
ኣማኑኤል፤ ብሓፈሻ ስነ ጥበብ ብዛዕባ ደቂ ሰባት ስለ ዚዛረብ ኣብ ሰብኣውነት ወትሩ እዮም ዝምርኰሱ። ማሕበራዊ፣ ስነ ኣእምሮኣውነትን ሃገራውነትን ዝሓቚፉ ግጥምታት ኣለዉኒ። ንጾታዊ ፍቕሪ ግን ንኡስ ጠመተ እየ ዝገብረሉ።
ሕቶ ፤ ግጥሚ ምስ ካልእ ዓውዲ ኣነጻጺርካ እንታይ ርእይቶ ምሃለወካ?
ኣማኑኤል፤ ንዂሎም ዓውድታት ስነ ጥበብ ሓንቲ መላግቦ ኣላቶም፣ ንሳ ድማ ኵሎም ጽባቐ ስለ ዘምልኹ’ዩ። ግጥሚ ሓጺርን ሓያልን፣ ኣብ ሒደት ደቓይቕ ስምዒት ስምዒት ደቂ ሰባት ዘበራብር ዓሚቕ ዓውዲ እዩ። ከም ካልኦት ዓውዲታት ብዙሕ ዕንክሊል ክብል ግዜ የብሉን። ኣብ ሒደት ደቓይቕ ዝተደኰነ ዓውዲ’ዩ፣ ግጥሚ ስምዒትን ሓንጎልን ዝሃርመሎም ጠያይት ቃላት እዮም። ኣብ ግጥሚ ንጥቀመሎም ቃላት ገላጽነት ሓሳብ ናይቲ ግጥሚ ኣብ ዕምቆቱ ዓቢ ግደ ዘለዎም ክኾኑ ይግባእ። ግጥሚ ሓጺር እኳ እንተዀነ ዕምቆት ዘድልዮ ዓውዲ ስለዝዀነ ብዙሕ ግዜ ዝወስድ እናሓንሳእሲ ካብ መንፈቕ ክሳብ ዓመት ዚወስድ ኣሎ።
ሕቶ ፤ ኣብዚ ጋዜጣታት ድዩ ኣብ መጽሔት ወዘተ ናዕታ ምዂማር ግጥሚ ዚመስሎም ኣለዉ፣ ቅድሚ ሕጂ ዘንበብካዮም ግጥምታት ከመይ ትግምግሞም?
ኣማኑኤል፤ ናዕታ ስለዝሃረምካ ጥራሕ ገጣማይ ክትከውን ኣይትኽእል ኢኻ። ናዕታ ሓደ ባእታ ናይ ግጥሚ’ዩ፣ ግጥሚ᎓ ዜማ ክህልዎ ግድን ስለዝዀነ። እቲ ቀንዲ ግን ዕምቆት ሓሳባት’ዩ፣ ውህደት’ዩ፣ ኣንበብቲ ምስ ኣንበብዎ ከስተማቕርዎ መታን ኪኽእሉ ዝያዳ ናይ ግጥሚ ዕምቆት ግዜ ኪወሃቦ ኣለዎ። ዕምቆት ናብ ግዜ ጥራሕ ከነጽግዖ እኳ እንተተገብረ ደጋጊምካ ብምጽሓፍ እቲ ርዝነት ኪመጽእ ይኽእል’ዩ። ግጥሚ ስምዒት’ዩ እኳ እንተበልኩኻ እቲ ስምዒት ግን ብዓይኒ ነቐፌታ ኪጥመት ይግባእ።
ሕቶ ፤ ግጥምታት ግን ሓሳብ ሓቚ ፎም ዘደንዝዙ እዮም?
ሕቶ ፤ ጽቡቕ፣ ካብ ሓደ ኣፍልጦ ወይ (concept) ናብ ጽባቐ ወይ ቅርጺ (form) ምቕያር እዩ እንተ ኢልናዮ ንግጥሚ ብዚምልከት ኣብዚ ክልሰ ሓሳብ ኣብ ዚ ኣለኻዶ ወይ ንገጠምትና ኣብዚ ኣለዉ’ዶ ትብል?
ሕቶ ፤ ስነ – ጥበብ ንስለ ስነ – ጥበብ (art for art sake) ዚብሉ ኣብ ጽባቐ ጥራሕ ዘድህቡ፣ ንመልእኽቲ ዘይግደሱ ኣለዉ፣ ሓሳብካ ነዚ ዚጻረር ይመስል?
ሕቶ ፤ ስማዕ ኣማኑኤል፣ ንሓንቲ ግጥሚ እኮ እንታይ ትብል ኣላ ዘይኮነ ንብላስ ከመይ ኢላ ትብል ኣላ እዩ ቐንዲ ሕቶ?
ኣማኑኤል፤ መዓስ ክሒደ።
ሕቶ ፤ እሞ ሓደ እየን ?
ኣእምሮ ዚተደኰነት ፈጺሙ ኣይርአን’ዩ። ግን ንተፈጥሮ መልክዕ ኣልቢሱ ዚቕይሮ ጐደሎን ዘይጐደሎን ሓደ እዮም እንተይልካኒ፣ ኣነ ‘ኣይኰነን’ እብል፣ ንስኻ ኣረኣእያኻ ኣለካ። ኣነ ግን ኣረኣእያይ ከም ናይ ቶስቶይ እዩ።
ኣማኑኤል፤ መሊኡ። ብህይወት ኣሰንዩ ገሊጹልና። እዛ መዓልታዊ እንርእያ ህይወት ኣብ ኣእምሮ ስነ-ጥበበኛ’ዩ ትሕደስ’ያ ኢሉ፣ ካልእ ህይወት ትኸውን። እቲ ፈጠራዊ ኣበርክቶ ናይ ሓደ ስነ-ጥበበኛ’ዩ ዘሐድሳ ኢሉ ነይሩ።
ኣማኑኤል፤ ኣይ ንሱ እንድዩ ዘዕነንየና ዘሎ።
ሕቶ ፤ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል ?
ኣማኑኤል፤ ንድሕሪት ምምላስ።
ሕቶ ፤ እሞ እንታይ ደኣ ዓገተኩም?
ኣማኑኤ፤ ሰማይ ሰማይ ምጥማት።
ሕቶ ፤ እቲ ጠንቂ ምብታኽ ሱር ኣፋዊ ግጥምታትና ኣብዚ ወሎዶ እንታይ እዩ ትብል?
ኣማኑኤል፤ ሃጓፍ ኣሎ፣ እቲ ሃጓፍ ድማ ኪወርስን ከውርስን ዚኽእል ኣይተራኸቡን። እቲ ምኽንያት ርዱእ እዩ። መግዛእቲ እዩ። መግዛእቲ ነቲ ሰንሰለት ስለዝበተኸ ገጠምቲ ይትረፍ ኪገጥሙ ዚህደንሉ ዝነበሩ ግዜ’ዩ፣ ግጥሚ ሓያል ዓውዲ ስለዝዀነ ድማ እዩ እቲ ምህዳን። ብርቱዕ ናዕቢ ናይ ምልዕዓል ተኽእሎኡ ልዑል ስለዝዀነ ከጥፍእዎም ግድን ነይሩ። ኣፋዊ ስነ-ጽሑፍና ብቐሊሉ ኣይረኸብናዮን።
___________________________________
ምንጪ፤ ጋዜጣ ሰቲት፣ ሳልሳይ ዓመት ቁጽሪ 4፣ ዓርቢ 17 መስከረም 1999
(ቅዳሕ ጋዜጣ ካብ ለይብረሪ ኮንግረስ ዝተረኽበ።)