ኣብርሃም ተስፋልኡል*
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝጸውዖ ፈላሚ ውድድር ግጥሚ᎓ ብዓይነቱን ጆኦግራፊያ ዝርጋሐኡን፣ እሞ ከኣ ኣብ ክልተ ሃገራት ንዘሎ ተዛራቢ ቋንቋ ትግርኛ ከሳትፍ ዝኽእል ከም ምዃኑ መጠን ትጽቢቱ ዓቢ’ዩ ነይሩ። ዕዉታት’ቲ ውድድር ተፈሊጦም᎓ ሓደ ካብቶም “ብዙሕ ዝተጸበዩ” ደያኑ–ዶክተር ዮሃንስ ኣሰፋው–ከም “ዘይተሓጐሰ” ምስ ሓበረን ብቐንዱ ከኣ ኣቦ-መንበር መማዪት ኮሚተ’ቲ ውድድር ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ሳህለ᎓ ምስ ቢቢሲ ሰፊሕ ቃለ-መሕተት ድሕሪ ምግባሩን ግን ኣተኵሮ ናብቶም መመይቲ ክዛዙ ግድን’ዩ።
ኣማኑኤል ሳህለ ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ (ኣብ መላግቦ ብምጥዋቕ ነቲ ቃለ-ምልልስ ምክትታሉ ይከኣል) ኣቶ ግርማይ ገብሩ ኣብ ዝገበሮ ጻንሖት᎓ “ግጥሚ ክብሃል ከሎ ናይ ስምዒት ነገር እንድዩ፣ ሓደ ሰብ’ውን ክመምዮ ከሎ ብስምዒት’ውን ከመዝኖ ይኽእል’ዩ” ድሕሪ ምባል᎓ ንግጥሚ ካብ ስዲ ንባብ ዝፈልዮ “ብቐንዱ’ውን ንስምዒት ናይቲ ሰብ ዝቕስቅሶ” ምዃኑ ገሊጹ።
ግጥሚ ብቕስቃሰ ስምዒት ጥራይ ዝግለጽ ዘይኰነስ ርእሱ ዝኸኣለ ጥበብ᎓ ቅርጺን መልክዕን ዘለዎ ዓውዲ ስነ-ጽሑፍ ምዃኑ ቀደም ኣብ መዓልቦ ዝበጽሐ ክትዕ’ዩ። ምናልባት ኣማኑኤል ሳህለ ንመግለጺ ካልኣዩ ዳኛ ዶክተር ዮሃንስ እንተ ዝሰምዖ’ውን ኣብቲ ዓውዲ ዝሓሸ ርድኢት ምሃለዎ። ኣብ ግጥሚ ኣዝዩ ጥማዓዊን ሓውሲ ናብ ምጽያን ገጽ ዝኸደን ርድኢት ብዘለዎ ኣቦ-መንበር መማዪት ኮሚተ ንዝተፈርደ ግጥምታት ንምግማት ኣየጸግምን።
(ኣማኑኤል ሳህለ᎓ ብዙሓትን ሕሉፍ ኣድናቖት ዘለዎምን ሰዓብቲ ስለ ዘለዎ᎓ በዚ ጽሑፍ ዝቕየሙ ንምግማቶም ኣየጸግመንን።)
(ይዅን።)
ብኣገላልጻ ኣማኑኤል ግጥሚ ብዝቕስቅሶ ስምዒት ደኣ ይመዘን እምበር᎓ ደያኑ ግን “ፍትሒ መታን ክህሉ” መበቈላውነት᎓ ኣነዳድቓ ቃላት᎓ ዋሕዚ ሓሳባት᎓ ቅኒትን ቤትን ዝብል መምዘኒ ቅጥዕታት ተጠቒሞም’ዮም። ንግጥሚ ብጌጋ ዝርድኡ ደያኑ ክሳብ ዝተኣከቡ᎓ ክንዲ ዝወርጸጸን ዝተነፍየን መምዘኒታት እንተቐረበ ትርጕም ስለ ዘይብሉ᎓ ኣገዳስነት ናይቲ ዝርዝር ኣይተራእየንን። ወግዒ ካብ ምልባሱን ንተራ ተዓዛቢ ምዕሩይ ፍርዲ ምንባሩን ልዕሊ ምሕባር ግን ኣብ ውጽኢት ተራ ክህሉዎ ኣይጽበን። ንሓደ ግጥሚ በቲ ዝቐረቦ ቅርጺን ትሕዝቶን ደኣ’ምበር ኣቐዲሙ ብዝተነድፈ መዐቀኒታት ምምዛን ከም ዘይከኣል ከኣ መሰረታዊ ነጥቢ’ዩ።
ንውድድር ዝቐረበ ግጥምታት ብቕዓቱ ምስ ተሓተተ᎓ ምስቲ ቀደም “ዘንብቦ ዝነበረ ግጥምታትን ኣውሎታትን ከም ናይ በዓል ንጉሰ እልፉ” ብምውድዳር ዕምቈት ከም ዘይረኸበሎም ኣይሓብአን።
ደጋጊሙ የውስኦ ከም ዝነበረን ካብቲ ዝህቦ ዝነበረ ኣብነታትን ምርዳኡ ዘየጸግምን᎓ ኣማኑኤል ኣብ መንጎ ናይ ጽሑፍ ግጥሚ᎓ ናይ ደርፊ ግጥሚ (ሕደማ)᎓ ኣውሎን/ማሰን ዘሎ ፍልልይ ዝተገንዘበ ኣይመስልን። ክንዲ ዝዀነ ከኣ’ዩ መንእሰይ ሎሚ–ከም ኣበሃህላኡ–ናይ ትምህርቲን ንባብን ዕድል ስለ ዘይብሉ᎓ በቲ ዘሎ ደረጃ (ብኻልኣ ኣዘራርባ ዝተሓተ መምዘኒ ደረጃ) ክመምዩ ከም ዝተገደዱ ዝገልጽ።
ካብ ኣፋዊ ናብ ጽሑፋዊ መበሃሃሊ ንዝተሰጋገረ ሕብረተሰብ ግን ናብ ጥንቲ ስለ ዘይምለስ ማዕረ’ቶም ማሰኛታትን መላቐስቲን ቀደም ብሓደ ምምዛን ኣይከኣልን፣ ብቐንዱ እቲ ዓውዲ’ውን በበይኑ’ዩ። ንዕብየት ግጥምታት ትግርኛ ብዓለም ደረጃ ርእይቶኡ ክህብ ዝተሓተተ ኣማኑኤል᎓ ቅድሚ ነታ ሕቶ ምምላሱ᎓ “ግጥሚ” ዝብል ኣገላልጻ ኣብ ትግርኛ ጌጋ ርድኢት ከም ዘለዎ’ዩ ኣብሪሁ። “ብኪ᎓ ብካ᎓ ብና ዝውድእ እንተዀይኑ” ግጥሚ ከም ዝሕሰብ ከኣ ሓቢሩ።
(ኣይፋሉን ኣቶ ኣማኑኤል! ብሓደ ድምጺ ምውዳእ᎓ ንተራ ሓለፍቲ መገዲ እንድዒ ደኣ’ምበር ኣብቲ ሞያ ቅርበት ንዘለዎምን ገጠምቲን᎓ ኣብ ትግርኛ ግጥሚ ተሰይሙ ኣይፈልጥን።)
ኣስዒቡ ድማ ንፉዓት ማሰኛታት ትግርኛ ደኣ ይንበሩ’ምበር ናይ ሎሚ ጽሑፋዊ ግጥሚ ዝተሓተ ደረጃ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ። ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ደኣ ባዕሉ የውክኦ’ዩ’ምበር᎓ ኣማኑኤል ምስ ዘመናውያን ገጠምቲ ትግርኛ ገና ኣይተላለየን። ኣብ ዘረባኡ ንሓደ ኤርትራዊ ገጣሚ᎓ ሰሎሞን ጸሃየ᎓ እሞ ንሳ ድማ ብግጥሙን መጽሓፍ ግጥሙን ዘይኰነስ ብናይ ማሰን መልቀስ እኩብ ግጥምታት ጥራይ’ዩ ጠቒሱ።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ገስጋስ ግጥሚ ስለ ዘይፈልጦ᎓ በቲ ኣዕረየ ዝፈልጦ ናይ ኤርትራ ኣዝዩ ውሑድ ኣብነት ክጠቅስ። እቲ ዝርዝር ነዊሕ ስለ ዝዀነ ኣብዚ ዝጠቕሶ ንመርኣዪ ኣብነት ጥራይ’ዩ።
ብዅሉ መለኪዕታቱ ኣብ ዓለማዊ ደረጃ ተወዳዳሪ ስነ-ጽሑፋዊ ብቕዓት ዘለዎ ግጥሚ (ብሕልፊ ከኣ ኣብ ኤርትራ) ከም ምዃኑ ሞያውያን ስነ-ጽሑፍ ይዛረቡ። ናብ ብዙሓት ቋንቋታታ ዝተተርጐመ ግጥምታት ዶክተር ርእሶም ሃይለ፣ ካብ ሰለስተ ቋንቋታት ኤርትራ ናብ እንግሊዘኛ ተተርጒማ ዝተሓትመት Who Needs a Story? (2005)፣ ብግርማይ ገብረመስቀል ዝተሳናደወት እኩብ ግጥምታት ቃልሲ (መዝሙር ተጋዳላይ)፣ እኩብ ግጥምታት ሰሎሞን ጸሃየ (ሳሕል)፣ እኩብ ግጥምታት ኢሳያስ ጸጋይ (ለሚን-ለሚነይ)፣ እኩብ ግጥምታት ሃይለ ቢዘን (ብድሕሪ ማዕጾ)፣ ብመጽሓፍ ዘይተሓትሙ ግን ከኣ ኣፍቃሪ ግጥሚ ኤርትራ ወትሩ ዝደጋግሞም ግጥምታት በየነ ሃይለማርያም፣ ብቕርጾምን ቅዲ ኣጸሓሕፋኦምን ዝተፈልዩ ኣብ መስርሕ ሕትመት ዘላ ግጥምታት ተስፋማርያም ወልደማርያም፣ ካብ መንእሰያት ከኣ ኣማኑኤል ኣስራት፣ እኩብ ግጥምታት መለስ ንጉሰ (ዘሎ’ዩ ዝህሉ)፣ ሕጂ ንዕዳጋ ዝወረደት እኩብ ግጥምታት ግርማይ ኣብርሃም (ርቀትካ ዕጣን)፣ እኩብ ግጥምታት ግርማይ ኣስፍሃ “ዓንቂ” (ገንዘብ’የ ዝምርዖ)… እቲ ዝርዝር ኣዝዩ ብዙሕ ደኣ ይዅን እምበር ካብ መንእሰያት ገጥምቲ’ው ከምእኒ ብርሃነ ገብረሂወት᎓ ጸጋይ መሓሪ (ተመርዖ)᎓ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል᎓ ቦኽረ ገብረየሱስ᎓ ገብረሂወት ጸሃየ… ወዘተ. ምጥቃስ ይከኣል።
ንመረረ ደያኑ ውድድር ግጥሚ ቢቢሲ ምስ ሰማዕኩን ደጋጊሞም “ትሕቲ ትጽቢት” ምንባሩ ምስ ጠቐሱን᎓ ምናልባት እቶም ጽቡቕ ደረጃ ብቕዓት ግጥሚን ርድኢትን ዘለዎም ዘይተሳተፉ ክዀኑ ኣለዎ ስለ ዝበልኩ ክሓትት ጀሚረ። ብሕልፊ እቶም ኣብ ዘመናዊ ግጥሚ ኤርትራ ዘየከራኽር ስም ዘለዎም ገጠምቲ ከም ዝተሳተፉ ከረጋግጽ ክኢለ ጥራይ ዘይኰንኩስ ናብቲ ውድድር ዝለኣኹዎ ግጥምታት’ውን ኣንቢበዮ።
ካብ መልሲ ኣማኑኤል ምርዳኡ ዘየሸግር ግን ዘመናዊ ግጥሚ ፈጺሙ ከም ዘይፈቱን ዘይፈልጥን’ዩ። “ኵሉ ቀደም ነይሩ” ምስ ዘስምዕ ቃናኡ᎓ ስለምታይ ክመዝን ተሓርዩን ተሰማሚዑን ከኣ ዝዓበየት ሕንቅል-ሕንቅሊተይ’ያ። ካብተን ዘንበበን ሰላሳ ግጥምታት ተበጊሱ ግን ንመንእሰያት ገጠምቲ ምኽሪ ካብ ምሃብ ኣይንሓፈን። ብዘይካ’ቲ ተደጋጋሚ ዘጓነፎ ስሕተት ፊደላት᎓ ናይ ስዋስው ጌጋታት ከም ዘስተወዓለን ክእረም ከም ዘለዎን’ውን ምኽሩ ለጊሱ።
(ንእሽቶ መዘኻኸሪ፤ ግጥሚ ብቐንዱ ንሕጊ ስዋስው ኰነ ኢሉ ዝሰብር ዓውዲ ስነ-ጽሑፍ’ዩ።)
ኪንዮ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ሰጊሩ᎓ መታን ዝያዳ ዕምቈት ክህሉዎም᎓ ኣቶ ኣማኑኤል᎓ ኣህጉራዊ ኣብነታት ከምጽእ ምስ ጀመረ ከኣ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዎ ኣመና መባእታዊን ጥማዓዊን ርድኢት ተገሊጹ። ከምቶም ንግጥሚ ብሳልሳይ ኣፍ ቅብብል ዝፈልጡዎ ድማ ሸኪስፔር᎓ ፈረንሳዊ ራምቦ (Arthur Rimbaud)᎓ መዝሙር ዳዊትን ቅዱስ ቍርዓንን’ዩ ዘርዚሩ።
መንእሰያት ኣብ ፍቕሪ ጥራይ ኣተኲሮም ምጽሓፎም ሓደ ካብቲ ድኻማት ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣማኑኤል᎓ ንረቂቕ ዓለም (supernatural) ኣመልኪቶም ክጽሕፉ’ዩ ምኽሪ ለጊሱ።
(ካልኣይ መዘኻኸሪ፤ እቲ ምኽሪ ብቐንዱ ኣንጻር መሰረታዊ መትከላት ግጥሚን ፈጠራን መሲሉ ይስመዓኒ።)
ብኻልእ ቋንቋታት (ብቐንዱ ከኣ እንግሊዘኛ) ምንባብ ከጸግሞም ምዃኑ ዝገመተ ኣቶ ኣማኑኤል᎓ ናይቲ ካብ ግጥምታት ትግርኛ ብሉጽ ዝዀነን ናይ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ታሪኽ ዘለዎን ግጥምታት ኣምሓርኛ ከንብቡ’ውን መኺሩ። ንጐስጓስ ብልጸት ቋንቋ ኣምሓርኛ ዘጥፈኦ ሃልኪ (ብተመሳሳሊ ኣብ ዝደሓረ’ውን፤ ንብልጸት ላዛ ትግርኛ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ትግርኛ ኤርትራ፣ ትግራውነት ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም) ንጐኒ ገዲፍና᎓ ብሕልፊ እኳ ኣብ ኤርትራ ትሕቲ መፋርቕ ሰላሳታት ዝርከቡ መንእሰያትን ድሕሪ ናጽነት ዝተማህሩን ኣምሓርኛ ፈጺሙ እንታዮም ዘይምዃኑን ዳርጋ ንመብዛሕትኦም ኣብ ኤርትራ ዝዓበዩ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ እቲ እንግሊዘኛ ከም ዝቐልልን ዝምችእን ዝተገንዘበ ኣይመስልን። ካብ ትሕዝቶ ውቅያኖስ ዲጋ ይምረጽ ዘስምዕ ምኽሪ’ዩ።
ኣብ መንጎ’ቲ ዝርርብ ጋዜጠኛ ግርማይ ገብሩ᎓ “ብውልቂኻ ግን ግጥሚ ተፍቅርን ተስተማቕርን ዲኻ?” ኢሉ ምስ ሓተቶ (ቅድሚ ኣቦ-መንበር’ቲ ውድድር ኰይኑ ምሕራዩ ክትሕተት ዝነበራ ሕቶ) ኣብ ዘርባዕባዕ መልሲ’ዩ ኣትዩ–“ጥዑም እንተዀይኑ” ከም ዝፈትዎ ከኣ ሓቢሩ። ኣብ ዝርዝር ምስ ኣተወ ድማ ናይተን ብዛዕበአን ዝጸሓፈ ንጉሰ እልፉ᎓ ዮሃንስ ወዲ-ዘሞ᎓ ዉባ ፈረደ ከም ዝፈቱ ነጊሩ። ዘመናዊት ግጥሚ ኢሉ ካብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝረኸባን ኣብኡ ዘካፈላን ድማ ደረጃ ምስትምቓሩ ንምምዛን ጽቡቕ ኣብነት’ያ ነይራ።
(ሳልሳይ መዘኻኸሪ፤ ሰለስተ ዝጠቐሰን ኣብነታት ኣፋዊ ግጥሚን ደጕዓን ደኣ’ምበር ዘመናውያን ጽሑፋዊ ግጥምታት ኣይኰናን።)
ንምኽንያት ምውሓድ ደቀንስትዮ ገጠምቲ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ኣመልኪቱ ምስ ተሓተተ ድማ᎓ እቲ ምኽንያት ምውሓድ ገጠምቲ ደቀንስትዮ ምስቲ ሕብረተሰብ ኣብ ፍቕሪ᎓ ኲናትን ጅግንነትን ዘለዎ ባህሊ’ዩ ክኣስሮ ፈቲኑ።
(ራብዓይ መዘኻኸሪ፤ እታ ብቐንዱ ኣደ ዘመናዊ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ምዃና ዳርጋ ኵሉ ተመራመሪ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ዝሰማምዓላ–ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ ኣብ ፈለማ 1900ታት ዝኣከባ–ማመት ጓል ጻብኡ በዓልቲ ቀላይ በልቴት ጓል-ኣንስተይቲ’ያ።)
ማመት ብዛዕባ ፍቕሪ᎓ ስጋዊ ሓርነት ጓል-ኣንስተይቲን ልዕልነት ጓል-ኣንስተይቲን ዝገለጸቶ᎓ ዘይከምቲ ኣማኑኤል ዝጠቐሶ᎓ ገና ዘመናውያን ገጠምቲ’ውን ኣይበጽሐኦን። ውሑዳት ካብተን ኣዝየን ስሙያት ደቀንስትዮ ገጠምቲ ኤርትራ ድማ ሳባ ኪዳነ᎓ ይርጋኣለም ፍስሃ᎓ ዶክተር ርብቃ ስብሃቱ᎓ ኣራራት ኢዮብ᎓ ፍርቱና ገብረገርግሽ ምጥቃስ ይከኣል። ናይ ካልእ ደኣ ኣየረጋገጽኩን እምበር ይርጋኣለም ፍስሃን ሳባ ኪዳነን ኣብዚ ውድድር ግጥምታትን ልኢኸን ምንባረን’ውን ፈሊጠ።
ኣማኑኤል ሳህለ᎓ ምስ ዘመናዊ ግጥሚ ትግርኛ ብሞያ᎓ ፍቕሪ᎓ ቅርበትን ተገዳስነትን ሕቖን ከብዲን ምዃኑ ብፍቓዱ ደኣ ንቕርዓት ይውጻእ እምበር᎓ ዝያዳኡ ግን በታ እንኮ ዘላቶ ናይ ቋንቋ ተገዳስነት ጥራይ ነዚ ዝመስል ዓቢ ውድድር
ክመሚ ዝሓጸዩዎ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብቲ ሞያ ዘለዎም ሰንኰፍ ኣተሓሕዛ ዘርኢ’ዩ። ውጽኢት እቲ ውድድርን ዝሰዓበ መብርሂታትን ነቲ ብጽቡቕ ስጕሚ ዝጓዓዝ ዘሎ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ዘለፋ መሲሉ ይስመዓኒ።
መተሓሳሰቢ፤ እዚ ጽሑፍ ንውልቃዊ ርእይቶ ጸሓፊኡ ደኣ’ምበር ንመርገጺ ፐን ኤርትራ ግድን ከም ዘይውክል ንሕብር።
____________________________________
*ኣብርሃም ተስፋልኡል ፈጻሚ ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ኰይኑ zere@peneritrea.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።