ፐን ኤርትራ ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣቃኒዑ

No comments

ፐን ኤርትራ ካብ ነሓሰ 2 ክሳብ 4 ነሓሰ ኣብ በርሊን᎓ ጀርመን ዓመታዊ ኣኼባኡ ብምቅናዕ᎓ ናይ ዝሓለፈ ዓመታዊ ስራሕ ገምጊሙን ናይ ክልተ ዓመት ውጥን ስራሕ ኣቕሪቡን። ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ በርሊን ማርክ ሆቴል–ብገንዘባዊ ሓገዝ መሻኽቲ ፐን ኖርወይ–ዝተገብረ ናይ ክልተ መዓልታት ርክብ ካብ ጀርመን᎓ ሽወደን᎓ ኖርወይ᎓ ስዊዘርላንድ᎓ ፈረንሳይ᎓ ዓዲ-እንግሊዝን ኣመሪካን ዝመጹ 15 ኣባላት ተሳቲፎም ነይሮም።

ብመኸፈቲ ቃል ፕረሲደንት ፐን ኤርትራ ኣቶ ሃይለ ቢዘን ዓርቢ ንግሆ ኣብ ዝጀመረ ወግዓዊ ርክብ᎓ ፈለማ እቲ ማሕበር ንዝፈጸሞ ልሉያት ስራሓት ጸብጻብ ዘቕረበ᎓ ፈጻሚ ዳይክተር እቲ ማሕበር ኣብርሃም ተስፋልኡል’ዩ ነይሩ። ኣብርሃም ኣብ መገልጺኡ᎓ ብዘይካ’ቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘሕትሞ ዓንቀጻት᎓ ፐን ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ብዙሓት መሻርኽቲ ኣካላት ከምእኒ ኮሚተ ድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ)᎓ ኣህጉራዊ ፐን᎓ በበይኖም ንመሰል ሓርነት ጽሕፈትን ሰብኣዊ መሰላትን ኣመልኪተን ዝነጥፋ ዘይሻራውያን ማሕበራት ጥቡቕ ናይ ስራሕ ርክብ ከም ዝነበሮ ጠቒሱ። እንተዀነ᎓ ይብል᎓ ኣብርሃም ኣብ መግለጺኡ᎓ እቲ ማሕበር ብዘይ ስሩዕ ባጀትን ቀረባትን᎓ እሞ ከኣ ኣብ በብይኖም ሃገራት እግሮም ብዘይተኸሉ ግዱሳት ኣባላት ጥራይ᎓ ብመን-ሐራይ᎓ ዝሰላሰል ከም ምዃኑ መጠን᎓ ርኡይ ድኻማት ከምእኒ ዋሕዲ ተሳትፎ ደቀንስትዮን ስእነት ሕጽረት ብዙሕነት ቋንቋታት ኤርትራ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ቀጺሉ᎓ ትረጀረር ቴድሮስ ኣብርሃም ንፋይናንሳዊ ኣቃውማ እቲ ማሕበር ኣብ ዝገበሮ ጸብጻብ᎓ ንሓያሎ ግዱሳት ከሳትፍ ዘኽእልን ንኣባላት ከንቀሳቕስ ተስፋ ዝግበሮን ገለ ፕሮጀክታት ኣይስለጥ ደኣ’ምበር᎓ ገለ ተስፋ ዝተረኽቦም መደባት ስራሕ ስለ ዘለዉ᎓ እቲ ማሕበር ካብቲ ዝጸንሖ ርኡይ ገንዘባዊ ሕጽረትን ዓመታዊ ውጽኢት ኣባላትን ጥራይ ምምርኳስ ዝሓሸ መተንፈሲ ክረክብ ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ።

ጸሓፊ ማሕበር ኣቶ መጐስ ዑቝባሚካኤል ድማ ናይ ክልተ ዓመት ውጥን ስራሕ እቲ ማሕበር ድሕሪ ምቕራብ ካብ ኣባላት ንዝመጸ ሕቶታት፣ ክጣቓለሉ ዘለዎም መደባት፣ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መደብ ስራሕ ሓላፍነት ዝወስዱ ኣባላት መምዩ።

ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝቐጸለ ርክብ᎓ ፐን ኤርትራ ንህሉዊ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራን ኣብ ከይዲ’ቲ መስርሕ ንዝርአ ዘሎ ዘይንጹር ኣገባብ ዘትዩሉ። እቲ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ᎓ ነቲ ድሕሪ ነዊሕ ሰነፈላልን ኵልንትናዊ ብኽነትን ዝርአ ዘሎ ሰላም ምሉእ ደገፉ ገሊጹ። እንተዀነ᎓ ይብል ኣብ መግለጺኡ᎓ ብሕልፊ እኳ ብወገን ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዝተራእየ ለውጢን ጭቡጥ መብጽዓን ስለ ዘየሎ᎓ ንዅሉ ግዱስ ኣብ ሕንፍሽፍሽን ዘይጭቡቕ ትንታነን ኣእትዩዎ ከም ዘሎ ኣስሚሩ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ግሉጽ መስርሕ ክኽተልን ጉዳይ እሱራት ጋዜጠኛታት ኣብ ሓደ መዓልቦ ክበጽሖ᎓ መሰል ሓርነት ከፍቅድን ዕፈና ከብቅዕን ጸዊዑ።

ቀዳም ኣብ ዝቐጸለ ርክብ እቲ ማሕበር ብቐንዱ ንመጽናዕታዊ ጽሑፋትን ጥበባዊ ስራሓት ኣባላትን ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። ፈለማ ዶክተር ዳኒኤል ረዘን ንታሪኽ᎓ ኣመትን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን ሲቪካዊ ማህበራትን ብዓይኒ ነቕፌታዊ ገምጋም ዳህሳሳዊ ጽሑፍ ኣቕሪቡን ምስ ኣባላት ዘትዩን። ቀጺሉ’ውን ተድሮስ ኣብርሃም ንህልዊ ኣመታታት (ማሕበራዊ) መራኽቢ-ብዙሃን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ተመሳሳሊ ዳህሳሳዊ ገምጋም ኣቕሪቡ። ካብኡ ብምቕጻል ድማ ገጠምቲ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል᎓ ክብሮም ደሞዝ᎓ ሺሻይ ሽሞንዲ᎓ ፍቕረይ የማን᎓ ሳባ ኪዳነን ዳኒኤል ተስፋይን ገለ ካብ ግጥምታቶም ኣቕሪቦም። ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ድማ ኣባላት ንቤተ-መዝከር ጵጥታ ምብራቕ ጀርመን (Stasi museum) በጺሖም።

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email