ሓጻር ዛንታ
ሽሕ’ኳ ሎሚ ተጋዳላይ ኮይነ፡ ካብታ ኣብሊጸ ዝፈትዋ ከተማ ከረን ኣማኢት ኪሎ ሜተራት ርሒቐ ኣብ’ዚ ኸርፋሕ ጎቦታት ሳሕል እንተ ሰፈርኩ፡ እቲ ኣብኣ ዘሕለፍኩዎ ምቁር ትዝታታት ንእስነት ክሳብ ሎሚ ኣይረሳዕኩዎን። እዋይ ብኡነት! ኣብዚ ጭው
ዝበለ ሓውሲ ምድረበዳ ካብ ዝኣቱ ሸሞንተ ዓመት ኣሕሊፈ ወደይ! ኤእ … እንታይ’ሞ ይገበር … ይኹን’ምበር፡ እዛ ፍልይቲ ፍጻመ እዚኣ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ባሕሪ ዝኽሪታተይ ዝተደኰና ዓበይቲ ደሴታት እያ። ከምዛ ትማሊ ትማሊ ዝተፈጸመት
ኮይና’ያ ኸኣ ትስምዓኒ።
19 ሕዳር፡ 1978፡ ሰዓት 7፡30 ምሸት። ኣብዛ ሰራም ምሸት፡ ኣነን መሓሪ መማህርተይን፡ ኣብ ፊት እታ በዓልቲ ክልተ ደርቢ ርሻን “ሲነማ ኢምፔሮ” ዝርከብ መንደቕ ኢና ተጸጊዕና ኔርና። እታ ሽዓ ዕለት፡ ምልእቲ መዓልቲ፡ “ሎሚ ምሸት ኣዝዩ
ኣገዳሲ ኣኼባ ስለ ዘሎ ኩሉ መንእሰይ ኣብ ሲነማ ኢምፔሮ ክርከብ ነተሓሳስብ!” ተባሂሉ ኣብ ፎቖዶ ዞባታት ከተማ ክእወጅ’ዩ ውዒሉ። ኣነን መሓርን ድማ ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ክንሳተፍ ኢና መጺእና።
ጸሓይ ድሕሪ ጐቦ ሰንኪል ተኸዊላ፡ ንኸረን፡ ነታ ወርሒ ኣልቦ ለይቲ ኣሕሊፋ ካብ ትህብ ሰዓትን ፈረቓን ስለ ዝገበረት፡ ንፈውሲ ማሕላ ትኸውን ምሊሕ ትብል ጩራ ኣይነበረትን። ካብታ ዝሓለፈት ወጋሕታ ኣትሒዙ’ዩ ኤለክትሪካዊ ኣገልግሎት ተቛሪጹ።
ብሰሪ’ዚ ኸኣ ነቲ ምዕሩግ ጐደናታት ኮነ መንበሪ ኣባይቲ ዝዅልዕ መብራህቲ ኣይነበረን። ነታ ዋሕዚ ብርሃን ተፈልዩዋ ዘይፈልጥ ምጭውቲ ከተማ ድማ ከም ሓንቲ ራዕድን ስቓይን ዝመልኣ ሲኦል’ዩ ኣምሲሉዋ። ብምዕራብ ካብ ከባቢ ሓጋዝ፡ ብምብራቕ
ካብ ዒላበርዕድ ዝተበገሰ ተዅሲ ከበድቲ መዳፍዕ ኩሉ ጸጥታ ገላሊሁ ንመንፈስ ነፍስ ወከፍ ተቐማጣይ ብበሊሕ ጭንቀት በሲዑዎ ኔሩ። ዝበዝሕ ሰላማዊ ህዝቢ ምስ ነፍስ ወከፍ ሂምታ ቡምባ ተስፋ ድሕነቱ እናማህመነ ኸይዱ፡ ብዘይካ ሓደ ሓደ ደብዛዝ
ጭልምልምታ ሽምዓታት ዝሰራሰረለን ገዛውቲ፡ ዝበዝሕ መዓጹን መሳኹትን ዕጹዋት እዮም ኔሮም። ነዚ ድቕድቕ ጸላም’ዚ ከኣ፡ ናይ’ተን ጸጸኒሐን ዝውንጨፋ ዝነበራ መካይን ደጓሒ ባና እንተ ዘይኮይኑ፡ ካልእ ክተራብዖ ዝኽእል ሓይሊ ኣይተረኽበን።
ካብታ ጥቓና ዝነበረት ቤተክርስትያን ቅዱስ ኣንጦንዮስ፡ ኣምላኽ ካብቲ ዘንጸላለወ ሓደጋ ኸድሕኖም ናይ ዝምህለሉ ብዙሓት ምእመናን ውሁድ ድምጺ ዜማ ብትሑት ይስማዕ ኔሩ። ጸሎት እዋን መከራን ፍርሕን ካብ ጸሎት እዋን ሰላምን ርግኣትን ኣዝዩ ዝተፈልየ
ምዃኑ እፈልጥ ኔረ። ዝበዝሕ ሰብ ኣብ ጊዜ ጸገም’ዩ ትርጉሙን ዕምቈቱን እናስተንተነ ብተመስጦ ዝጽሊ። ስለዚ፡ እቶም ምእመናን ማዕረ ኽንደይ ካብ ሰብ ተስፋኦም ባይታ ኸም ዝዘበጠ፡ ማዕረ ኽንደይ ንህይወቶም ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ኣምላኽ ኣንቢሮም
ነቲ መዓት ብራዕዲ ይጽበዩዎ ከም ዝነበሩ ክግምት ኣይጸገመንን። እቲ ድኹም መቓልሕ ዜማ፡ ምስቲ ብኽልቲኡ መኣዝናት ሓይሊ እናደለበ ዝኸይድ ዝነበረ ሂምታታት መዳፍዕ ተደማሚሩ ንጭንቀተይ መሊሱ ኣብኢሱዎ። ብፍላይ እቲ ቀጢን ቃና ኣንስቲ፡
ከም ደወል መራሕ ሬሳ “መልኣከ ሞት ቀሪቡ፡” ዝብለኒ ዝነበረ ኾይኑ ተሰሚዑኒ ዓቕለይ ኣጽቢቡለይ። ካብዚ ጸበባ’ዚ ቀልጢፈ ወጺአ ነታ ሓንቲ ሕልመይ ክጭብጥ ከም ሕሱም ተመንየ።
ልክዕ’ዩ፡ ሓደ ምዕራፍ ህይወተይ ናብ ካልእ ዘይተፈልጠ ምዕራፍ ይግንጸል ስለ ዝነበረ፡ ብግዳም ከርእዮ ዘይደለኹ ውሽጣዊ ተርባጽ ኔሩኒ። “ተርባጽ”፧ እንታይ “ተርባጽ” ኢልካ ምምልኻዑ ድኣ፧ ጭው ዝበለ ፍርሒ’ባ ከብደይ ሓቝኑኒ ኔሩ! …
ግን፡ ይገርም’ዩ፡ እቲ ነውጻም ፍርሐይ፡ ብዛዕባ’ታ ንነዊሕ ጊዜ ኣብ ኣእምሮይ ዝሰፈረት ጓል ካብ ምሕሳብ ኣይከልከለንን። ኣበይ ኣትያ ትኸውን፧ ኢለ ኣብ ክንድኣ ተጨኒቐ። ኣብዚ ኸባቢየይዶ ትህሉ፧ ንሳኸ ሃለዋተይ ትሓትትዶ ትህሉ…
ንመሓሪ ዓርከይ ኣብታ ዝነበራ ኽጸንሓኒ ተማሕጺነ፡ ናብ’ቶም ከምዚ ኸማይ ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፉ ዝመጹ ብዙሓት ኣወዳትን ኣዋልድን መንእሰያት ኣምሪሐ። ሓደ’ኳ ዓውዓው ዝብል ኣይነበረን። ኩሎም ብትሑት ድምጺ’ዮም ጕጀምጅም ዝብሉ። ብሰንኪ’ቲ ኸቢድ
ጸላም መልክዕ ክትፈሊ ኣጸጋሚ’ዩ ኔሩ። ድሕሪ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ግን ቁሩባት ሰባት ኣለልየ፡ ንመጀመርያ ጊዜ፡ ብድፍረት፡ ንኢለን ኣበይ ክረኽባ ከም ዝኽእል ሓቲተ። እታ ዝተጨነኩላ ጓል ኢለን ከም ትባሃል ነጊረዶ ኔረ፧ …’ዋይ
ብኡነት … ድሓን ኢለን’ያ ሽማ፡ ብሌነይቲ! … ግን ሕጂ ኣብ ምጥያቐይ ክምለስ፡ ብሓጺሩ ዝሓተትኩ ተሓተትኩ ዝደልዮ መልሲ ኣይረኸብኩን። ኣብ መወዳእታ፡ ዝግደሰለይ ሰብ ከም ዘየሎ ተረዲአ፡ እቲ ኣኼባ ምስ ተጀመረ ከይተሓለልኩ ኸናድያ
ወሲነ ናብ መሓሪ ቃዚነ ተመሊሰ።
ምናልባት ንርክብ ክልቴና ዘይፈልጡ ሰባት፡ ስለ ምንታይ እዩ ዮውሃንስ ኣብዛ ንህይወትካ’ኳ ትፈርሓላ ነውጻም ምሸት ክንድ’ዚ ሃነይ መነይ ዝብል፡ ይብሉኒ ኔሮም ይኾኑ። እዚኦም ግን ጸገመይ ዘይተረድኡለይ ገርሀኛታት’ዮም ኔሮም ክኾኑ ዝኽእሉ።
ንኢለን ብጣዕሚ እየ ዝግደሰላ ኔረ። ተኸታተልቲ ዛንታይ ምእንቲ ክፈልጥዎ ኸኣ፡ ቅድሚ ኣብቲ ዝርዝራት ኣኼባ ምእታወይ፡ ቁሩብ ኣዋርሕ ንድሕሪት ተመሊሰ ምስኣ ምልላይ ቀዳማይ መስርዕ እንተ ኣትሓዝኩዎ ዝሓሸ እመስለኒ። ንኢለን ኣብቲ ቐደም
“ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ’ሞ ድሕሪ ናጽነት ከረን፡ ኣብ 1977፡ “ቤት ትምህርቲ ሓርነት” ዝብል ስም ዝለበሰ ቤት ትምህርቲ እየ ተፋሊጠያ። ሽዑ ጊዜ ነታ ኸተማ ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ ውግእ የናውጻ ስለ ዝነበረ፡
ሰዓታት ትምህርቲ ካብ ሰዓት 6፡00 ኣጋ ምሸት ክሳብ ሰዓት 11፡30 ለይቲ እዩ። ንሻቕሎት ስድራ ድኣ ኣይትበለሉ’ምበር፡ ንዓና ንተመሃሮሲ ትምህርቲ ለይቲ ሓዲሱና ብዘይመጠን ሕጕሳት ዝነበርና’ዩ ዝመስለኒ። ኣብታ 8ይሲ (8ይC) ተባሂላ
ትፍለጥ ክፍልና 24 ባንኮታት እየን ኔረን። ይኹን’ምበር፡ ብሰንኪ ብዝሒ ተመሃሮ፡ ነፍስ ወከፍ ባንኮ ሰለስተ ሰባት’ያ ትሕዝ። ኢለን ምስ ሓደ ወድን ሓንቲ ጓልን ኣብታ ቕድመይ ዝነበረት ባንኮ እያ ኮፍ ትብል ኔራ። ኣነን መሓሪ ዓርከይን
ከኣ ብድሕሪኣ። ንዝያዳ ብስጭተይ ግን፡ ሓንቲ ሓጐሳ ዝስማ ጓል፡ ብፍላጥ፡ ኣብ ሞንጐና ከም ትቕመጥ ተጌሩ ኔሩ።
ሽዑ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመተይ’የ ዳርጋ ረጊጸ ኔረ። ብዘይካ ብንእሽተየይ ኣብ ኣዚለ፡ ካብ 1ይ ክሳብ 7ይ ክፍሊ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦ ቤት ትምህርቲ ተማሂረ ኣይፈልጥን። ኣብ 8ይ ክፍሊ ምስ ኣተኹ ድማ፡ ብዘይመጠን ሓዲሱኒ፡ ንዝኾነት
ጓል ብዓይኒ ጽልእን ሕንከትን እየ ክርእያ ጀሚረ። ሓጐሳ ኣብ ጥቓይ ኮፍ ክትብል ምስ ተኣዘዝት እሞ ኸኣ ግደፎ! …ተገዲደ ድኣ’ምበር ቦታ ክቕይር ኣይምጸላእኩን። ብዘይካ “ቁሩብ ግዳ ርሓቕለይ፡” ትብል ጠለብ ካልእ ኣንዊሐ ዝተዛረብኩዋ
መዓልቲ ጨሪሻ ኣይትፍለጠንን’ያ። እንተኾነ ነታ “ረሓቕለይ” እውን እምብዛ ምስ ምረረኒ እንተ ዘይኮይኑ ዝበዝሕ ጊዜ ስቕ’የ ዝብል። ኣሽንኳይዶ ኣካላታ ክቐርበኒ ጫፍ ጀለብያኣ’ኳ ክትንክፈኒ ስለ ዘይፈቱ ድማ፡ መብዛሕትኡ እዋን፡ ኣብ ጫፍ
ባንኮ፡ ብሓንቲ ፈልጺ መቐመጫይ ጠልጠል ኢለ’የ ኮፍ ዝብል ኔረ።
ብዛዕባይን ብዛዕባ ሓጐሳን ብዙሕ ምዘርዘርኩ፡ ግን ንኢለን ረሲዐያ ኸይህውትት ናብኣ ምምላስ ይሓይሽ።
ኢለን መሰታይ እያ። ብትምህርቲ ኣዝያ ንፍዕቲ’ኳ እንተ ዘይተባህለት ሕማቕ’ውን ኣይነበረትን። ሓፋር ክንሳ ምስታ ጓል ሰፈራ ተተሓቢኣ ምሕሽዅሻዅ
ክትፈቱ ጉዳም’ያ ኔራ። ኵሉሳዕ ብኽዉንን ዘይክዉንን ስለ ትስሕቕ ብጣዕሚ እያ ተሕርቐኒ። ኣስናና ድቑስ ድቑስ ኣቢልካ እንተ ተጓህማም ዘፍ ምበለት፡ ኢለ ብልበይ ዝሕንሕነሉ ጊዜ’ውን ውሑድ ኣይነበረን። ኣብቲ ጊዜ’ቲ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ
ትምህርትና፡ ህዝባዊ ግንባር ድያ ቕንዕቲ ዋላ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ዝብል ኣርእስቲ’ዩ ርሱን ክትዕ ዘለዓዕል ኔሩ። እቲ ጨሓም ተጋዳላይ መምህርና፡ “ዝኾነ ሰብ ከይተሰከፈ ሓሳቡ ክገልጽ ኣለዎ፡” እናበለ’ዩ ዘተባብዓና። ኢለን ግን
ነዚ ኣይትግደሰሉን’ያ። እዞም ከም ናታ ዓይነት ጠባይ ዘዘውትሩ ተመሃሮ ኸኣ፡ በቶም ንህ.ግ. ንሕለቕን ንተ.ሓ.ኤ ዝድግፉን ፍቱዋት ኣይነበሩን።
ሓደ መዓልቲ ኢለን ከም ልማዳ ምስ መሓዝኣ እናሕሸዅሸዀት እንከላ፡ መምህር እንግሊዝና፡ “ኢለን!” ኢሉ ብዓውታ ተዳህዩዋ ብስንባደ ቍሊሕ ክትብሎን፡ ነታ ሒዝዋ ዝነበረ ከም መደምሰስ ሰሌዳ ተገልግል ፍርናሽ መሰል ጨርቂ ወርዊሩ ገጻ ክጥፍዓን
ሓንቲ ኾና። ብርቱዕ ሰሓቕ ኣብ ምልእቲ ኽፍሊ ኣንጐድጐደ። እቲ መምህር ግን በዚ ስለ ዘይዓገበ ካብ ክፍሊ ንግዚኡ ሰጐጓ። ኣነ ኣብ መጀመርታ፡ ከምዛ በዓል መሪር ቂምታ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ሕነይ ዝፈደኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ ብታሕጓስ ከብደይ
ክሳብ ዝቘስል’የ ስሒቐ። ድሓር ግን ኢለን፡ ነቲ ብዶሮና ኵርሽ ዝተለመጸ ገጻ ብኣደሬኣ ጐልቢባ፡ ብኽቱር ሕፍረት ሰንደልደል እናበለት ክትወጽእ ምስ ረኣኹዋ፡ እዚ ኽብሎ ዘይከኣልኩ ድንጋጸ ኣብ ልበይ ተኣጕደ።
ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ንንየው
ከኣ’ዩ ጽልአይ ብመጠኑ ዝጐደለ።
ምናልባት እዚ ስምዒት ምድንጋጽ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶይ ኵርናዕ ልበይ ቦታ ካብ ዝረክብ ዓመታት ስለ ዝሓለፈ’ዩ መስለኒ፡ ሎሚ፡ እቲ ንሳ ንኻልኣይ ሳዕ ምሳይ ብትሕትና ዝተዘራረበትሉ መዓልቲ እምብዛ ሃሲሱ እዩ ዝዝከረኒ። ግን ብግምት ድሕሪ ኽልተ
ሰሙን ኣቢሉ ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ ኣነን መሓርን ቅድሚ ሰዓት ምእካሉ፡ ኣብ ጥቓ ክፍልና እናኣዕለልና ኸለና ከም ዝኾነ ኣጸቢቐ’የ ዝዝክሮ። ሽዑ ብኣጋጣሚ ድዩ ብፍላጥ ክርደኣኒ ኣይከኣለን’ምበር፡ ኢለን ናባና መጺኣ ሰላም ኢላትና።
ገለ ቁሩብ ንትምህርቲ ዝምልከት ሓሳብ ድሕሪ ምምይያጥ ከኣ፡ ኣብቲ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝሽቅጡ ንኣሽቱ ነጋዶ ዝዓደገቶ ቁሉው ፉል ንዓይን ንዓርከይን ጋቢዛትና ውሽጢ ክፍልና ኣትያ። ካብዛ ደቒቕ እዚኣ’ያ ኽኣ ነገር ከም ገለ ኾይና።
ደድሕሪ ምእታዋ፡ መሓሪ ናባይ ጠጠሚቱ ዓይኑ እናጸቐጠ ክምስምስ ኣብዚሑለይ። መመሊሱ ስለ ዝደጋገሞ ኸኣ ብዘይመጠን ተሰኪፈ፤
“እምቧእ! እንታይ ድኣ… እንታይ ደኣ ዓይንኻ ትጸቕጠለይ፧ እንታይ ማለትካ ኢኻ፧” ክብል፡ ምስ ምሒር ምድንጋር ድዩ ዋላ ኻልእ እንድዕሉ፡ ሓቲተዮ።
“ኣይተረዳኣካን ማለት ድዩ፧” መሓሪ ተገልቢጡ ሓቲቱኒ።
ሓሳቡ ከም ዘይተሰቈረኒ ደጊመ ኣነጺረሉ።
“መጀመርያ፡” ቀጺሉ መሓሪ፡ “ብቐዳማይ ናይ እንግሊዝ ጥራዝካ ምሽ ለሚናትካ ዎ ንስኻ ኸማን ሂብካያ፧ ኦ…ላ! ሓደ በለለይ። ካልኣይ ድማኒ፡ ሎሚ ድማኒ ከምዛ ዝረኣኻያ።”
“ወይለየኸ…ይ! እሞ ሕጂ ደኣ ምሽ ንኽልቴና’ያ ፉል ሂባትና፧” ሓቲተዮ ኣነ።
“ክላ…! ንስኻ ዋላ ሓንቲ ኣይትፈልጥን ኢኻ ቡኡነት! ዋላ ንኽልቴና ትሃበና’ምበር ዝበዝሕ’ኳ ንዓኻ’ያ ትጥምት ኔራ። ንስኻ ከኣ ሳክት ድንን ምንን ትብል፧
ዋይ ክትሓምቕ!”
“እሞ… እሞ… እሞ መቸም ንኽልቴና’ያ ፉል ሂባትና፡” ክብል ርእሰይ እናሓኸኽኩ፡ ናይ ቀልዓለም፡ መሊሰ በዲሀዮ።
ካብዚ ንኔው ብዙሕ ኣይተኻታዕናን። ሰዓት ስለ ዝኣኸለ ኵልና ኣብ ከክፍልና ኣቲና ትምህርትና ጀሚርና። ኣነ ግን እታ ምሸት እቲኣ ጨሪሸ ኣይተኸታተልኩን። ኣእምሮይ ብሓደ ኣስተማቒረዮ ዘይፈልጥ ሓድሽ ሓሳብ ተሰኒዑ እዩ ኔሩ። ቅድሚ ሽዑ፡ ብዛዕባ
መልክዕን ቅርጽን ዝኾነ ጾታ ኣዳቒቐ ክፈልጥ ብዙሕ ኣድህቦ ኣይነበረንን እንተ በልኩ ምግናን ጥቓይ ዝቐረበት ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፡ ቅድሚ ኢለን፡ ከም ኢለን ጌረ ንመልክዑ ብተመስጦ ዝተመልከትኩዎ ሰብ ኣይነበረን። ሽንቅጥ ኣካላታ ምስተን
ሽዑ ከእጕማ ዝጀመራ ኣጥባታ ኣሕቢርካ ምስ ትርእዮ፡ ኣብቲ ጓል ኣንስተይቲ ትጕብዘሉ ሰዊት ዕድመ ከም ዝበጽሐት’ዩ ዝሕብር። ኣዒንታ ማእከሎት’የን ኔረን። ብሌነይቲ ስለ ዝኾነት፡ ንጸጕራ ካብ ብዘበናዊ ኣመሻሽጣ፡ ዝያዳ በቲ ናይ ኣዴታታ
ሸሊልን ፈገሬትን እያ ተማዕርጎ። ኣብቲ ግፍሕ ዝበለ ግንባራ ዝተወቀጠት ከባብ ነጥቢ፡ ምስቲ ከደራይ ሕብራ ስለ ትወሃሃድ ኣዒንቲ ዝወግእ ፍልይ ዝበለ ቀለም የብላን። ኣፍንጫኣ ምጥንቲ። እታ ኣብ እግራ ንእሽተይ ዝተጨለፈታ ቆሎ ስና፡ ንፍሽኽታኣ
ወትሩ ተናፋቒ እያ ትገብሮ። እዚ ፈገግታ’ዚ ድማ’ዩ ልበይ ሰሊቡ ኣብ ፈቲነዮ ዘይፈልጥ ጥዑም ሕልሚ ዝደቕደቐኒ። ስእሊ ኢለን ፍሽኽታ ደሪቡ ብዓይነ ሕልና ቁልጭ ኢሉ ኽረኣየኒ ኣምስዩ። እዚ ሓሳብ’ዚ መመሊሱ ስለ ዝመቀረኒ ኸኣ ኣቓልቦይ
ናብ ትምህርቲ ኽመልስ ከይፈተንኩ፡ ከይተፈለጠኒ፡ እዋን ዕረፍቲ ተደዊሉ። ኵሎም ተመሃሮ ግዳም ወጺኦም። ኣነ ግን ወያ ሓዳስ ሕልመይ ከይትተሓማተለኒ ኣብታ ዝነበርኩዋ ተጣቢቐ ኣስቅጥ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ “ዮውሃንስ!” ኢሉ ዝተዳሕየኒ ቀጢን
ድምጺ ሰሚዐ ቍሊሕ ኢለ።
ኢለን’ያ ኔራ!!! ልበይ ሰለስተ ህርመት ዝነጠረት መሲሉኒ ከይደ ስቱዅ ኢለ ኔረ። ግዳ ከም ቅጽበት ብታሕጓስ ክስንጠቕ ደልየ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን፡ ከምዚ ዓቢ ሓጥያት ዝፍጽም ዘለኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡ ኣነን ንሳን በይንና ኸለና ሰባት
ከይርእዩና ፈሪሐ የማነ ጸጋመይ ቀልባዕባዕ ኢለ።
“ኢሂ ደኣ ዮውሃንስ ተጸሊኡካ ድዩ፧” ኢለን ናባይ እናቐረበት ሓቲታትኒ።
እንድዕለይ መቸም፡ ከም ገለ ጌረ፡ ከም ዘይተጸልኣኒ ገሊጸላ።
“እንታይ ደኣ ዄንካ ዕረፍቲ ዘይወጻእካ፧”
ኣብቲ ዝነበርኩዎ ባንኮ ክትድገፍ ቁሩብ ድንን ምስ በለት፡ እቲ ብቕርጺ ስሉስ ኵርናዕ ዝተቐደ ኳሌታ ቀምሻ ግፍሕ ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ላዕለዋይ ዋልታታት ኣጥባታ ንምርኢት ቅልቅል ኢለን። ወየን እንታይ ከም ዝወጠጠን፡ መን ከም ዝነገረን ዘይተረድኣኒ
ኣዒንተይ ተወርዊረን፡ ብሱልኳ፡ ሓሓንቲ ቘላሕታ ኣዕሊበን ምልስ። ብድሕር’ዚ’የ ርእሰይ እናሓኸኽኩ፤
“እንድዒ… ስቕ ኢለ… ባህ ኣይበለንን፡” ኢለ ንእሽተይ ቦታ ገዲፈላ ኮፍ ንኽትብል ብስቱር ዝጋበዝኩዋ። “እሞ በጃኻ’ባ እታ ናይ ትማሊ ግድል ኣረድኣኒ ዮውሃንስ፡” ገጻ ፍሽኽታ ኣጐናጺፋ ኮፍ ኢላ።
ከረድኣ ጀሚረ። ግን እቲ ኣመና ምጽግጋዕ ኣካላትና ፍሉይ ስምዒት ነዚሑለይ፡ ልበይ ትሕምበብ እያ ኔራ። ነታ መሽኪነይቲ ቍጽሪ ኽኣ፡ ዋላ በዘልማድ ይኹን፡ ከመይ ጌረ ከም ዝሰራሕክዋ ፍጺምካ ኣይተረድኣንን። ደወል ተደዊላ ክልቴና ብሸበድበድ እንተ
ዘይንፈላለ ኔርና ኸኣ፡ ብርግጽ ከምታ ዝነበርናያ ኣቀማምጣ ሰዓታት እንተ ንቕጽል ኣይምተመነወንን!
ካብዛ መዓልቲ’ዚኣ ንደሓር፡ እቲ ዋላ ሕጂ’ውን ከይተረፈ እናጸሓፍኩዎ እንከለኹ ፍሽኽ ከም ዝብል ዝገበረኒ ሓድሽ ጠባይ ኣምጺአ። ነቶም ቅድሚ ሽዑ ጥቕሞም ኣጸቢቐ ዘይተገንዘብኩሎም መስትያትን መመሸጥን፡ ካብ ብዙሕ ነገራት ኣቐዲመ ብዘይመጠን
ተገዲሰሎም። ኣብ ቅድሚ ኢለን ኣበር ዘይብለይ ኮይነ ክቐርብ እደሊ ስለ ዝነበርኩ ኸኣ፡ ንጕሆ ንጕሆ ርእሰይ
ተተሓጺበ ኣብ ቅድሚ ምሉእ ሰብነተይ ዘርእየኒ መስትያት ብምግታር፡ ኣለባብሳይን ኣመሻሽጣይን ምትዕርራይ ከም ወልፊ ተሰቢሉኒ። ዓባይ ሓፍተይ ከይተረፈት ኣስተብሂላትለይ፡ “ጐቢዝካ’ምበኣር ርእስኻ ተልዕል ኣለኻ፡” እናበለት ክትሽምጥጠኒ
ጀሚራ ኔራ። ኣብ ልዕሊ ኢለን ዝነበረኒ ጽልእ ፈጺሙ ተወጊዱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ሳልስቲ ሳልስቲ ካብ ሰዓት 9፡00 ክሳብ 11፡00 ረፋድ ዝካየድ ብማእቶታዊ ስራሕ ዝተሰነየ ትምህርቲ ሕርሻ ስሕት ኢላ እንተ ኣብኵራ፡ እሞ ኸኣ ብኻልኦት
ተመሃሮ እንተ ተነቒፋ፡ ኣብ ክንድኣ ክሽቝረር ጀሚረ። ብዙሕ እዋን ክልቴና፡ እንድዕሉ፡ ከም ገለ ብባህረት ዝተራዳዳእናሉ ስቱር ምልክታት እናተጸዋዋዕና ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ምዕላል ኣዘውቲርና። እቲ ቐደም ከም ኒንታ ጣንጡ ዘዕገርግረኒ ዝነበረ
ቀጢን ሰሓቓ፡ ብኣንጻር’ቲ ዝሓለፈ፡ ዋላ ትሪልዮን ሳዕ ደጋጊመ እንተ ሰማዕኩዎ ፍጹም ምምናው ሰኢነ።
ሓቂ’ዩ፡ ካብ ሻድሻይ ናብ ሻብዓይ ክፍሊ ምስ ሓለፍኩ ብቛንቋ ትግርኛ ዝተጻሕፋ ገለ ሰለስተ ዝኾና መጻሕፍቲ ፍቕሪ
ኣንቢበ ኔረ። እንተኾነ እቲ ዘንብቦ ዝነበርኩ ዛንታ፡ ኣብ ዓለም ንገለ ፍሉያት ሰይጣን ዘስሓቶም ሓጥያተኛታት ሰባት ዝዕደሎም እምበር፡ ንዅሉ ካልእ፡ ብፍላይ ከኣ ናባይ ክመጽእ’ዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ስድራይ ተረርቲ ኣመንቲ ሃይማኖትን
ፈተውቲ ቤተ ክርስትያንን ስለ ዝነበሩ፡ ሕግታት እግዚኣቢሄር ከይጥሕስ ብጽኑዕ እናተኸታተሉ እዮም መልሚሎምኒ። ሓንቲ ኻብተን ዓበይቲ ሕግታት ከኣ “ኣይትዘሙ” ትብል እያ ኔራ። እሽንኳይዶ ክትዝሙ ብዛዕባ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ክፉእ ምሕሳብ
ኣብ ገሃነመ-እሳት ዘእቱ ዓቢ ሓጥያት’ዩ፡ ስለ ዝበሃል ዝነበርኩ ኸኣ ንፍቕሪ ካብ ዓቢ ገበን ፈልየ ኣይርእያን’የ ኔረ። ግን ምስዚ ዅሉ ፍርሐይ ከኣ’የ ነተን መጻሕፍቲ ዘንበብኩወን። እንታዋይ ምስጢራዊ ሓይሊ ይስሕበኒ ከም ዝነበረ ኣይርድኣንን’ዩ
ኔሩ። ምስ ኢለን እናክንራኸብ እዚ ፍርሒ’ዚ ኵሉሳዕ እዩ ሕልናይ ዝሕይኸኒ። ግን ካብኣ ክፍለ ኸኣ ዘይደሊ። ዝዕለል እንተ ወዲእና ስቕ ኢለ ኽርእያ ባህ ይብለኒ። ብጣዕሚ ስለ ዝናፍቓ ኸኣ ለይቲ ከይተረፈ ብሕልመይ ክትረኣየኒ ጀሚራ።
ኣብ መወዳእታ፡ ፍቕራ መመሊሱ እናተኾመረ ምስ ከበደኒ ነቲ ማሕለኻ ሓጥያት ክብትኖ ወሲነ። ግን ካልእ ክስንጥቖ ዘይከኣልኩ መጋረጃ ኔሩኒ። ነዚ ብኸመይ ጥሒሰ ፍቕረይ ክገልጸላ ከም ዘለኒ ጨሪሹ ኣይተኸሰተለይን። ምኽንያቱ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ
ኣብ ቤ/ትምህርቲ ሓርነት ፍኑው ጾታዊ ፍቕሪ ማዕቢሉ ምንዝርና ኸይነግስ ዕቱብ ምክትታል’ዩ ዝግበረሉ ዝነበረ።
ወድያት ከኣ ነዚ ብዕምቆት ስለ ዘይርድኦ ንዝኾነ ዓይነት ፍቕሪ እየ ዝዅንን ኔረ። ሎሚ ኣብ ነብሰይ ምስ በጽሓኒ ግን፡ ካብቶም ቅድሚ ሽዑ ምሳይ ሓቢሮም ንማንም ብሓንሳብ ዝጸንሕዎም ጓልን ወድን ብዓይኒ ጥርጣረ ዝጥምቱ መማህርተይ ምእንቲ
ከይፈልጡኒ ክሕባእ ሓሰረይ ጸጊበ። በዝን ወዲ ኸምዝን ከኣ’የ ንኢለን ተቢዐ ናይ ልበይ ከይደርጓሕኩላ ብዙሓት ምቹኣት መዓልታት ዝመለቛኒ።
ሓደ መዓልቲ ግን ኩሉ ድልየተይ ግልህልህ ኣቢለ ኽነግራ መዲበ፡ ንነብሰይ በተን ዝበለጻ ዝበልኩወን ክዳውንተይ ኣማዕሪገ ናብ ቤት ትምህርተይ ተበጊሰ። ምስ ኢለን ከም ኣመልና ተራኺብና። እንተኾነ ግን ገጻ ምስ ረኣኹ ጥራሕ ኣዋህልል ዝዓልኩዎ
ሓቦ ዘራጊቶ ኣትዩዎ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉኒ። ኣብ ዘየድሊ ሃጠውቀጠው ሸንኰለል ክብል ከኣ ሰዓት ትምህርቲ ኣኺሉ ደወል ተደዊሉ። ፍጹም ኣይቀሰንኩን። ኣብ መጨረሻ ግን፡ እታ መዓልቲ ንሳ ጥራይ መሲሉኒ ተዓሚተ ንኽዛረብ ኣፈይ ከፊተ። ዘውጻእኩወን
ቃላት ከኣ እዚአን’የን ኔረን፥
“ኤለና… ጽባሕ ምሸት’ባ ኣብ ክለብ ማሕበር መንእሰይ ንራኸብ፧”
“ሕራይ ዮውሃንስ ሓወይ፡” መሊሳትለይ ኢለን።
ኣሕ! ለከ ኹሉ ነገር ትብዓት’ዩ ዝሓትት፡ ኢለ ምስ ነብሰይ ተራጊመ።
ንጽብሒቱ ግን ከረን ከም ቀደማ ሰላም ኣይረኸበትን። እተን ስርሓት ሩስያ ነፈርቲ ውግእ ንኽሊ ኣየራ ጠጥሒሰን ንገለ ሰዓታት ብኾናትል ዝምዘን ቡምባታት ቀጥቂጠናኣ። ካብ ፍርቂ መዓልቲ ንኔው ግን፡ ኣብ ከባቢ ዒላበርዕድን ሓጋዝን – ብምዕራብን
ምብራቕን ከረን – ጥራይ ክዝምብያ ውዒለን። ይኹን’ምበር ዋላ’ኳ እተን ዘይተኮሳ፡ ጸጸኒሐን ምቕልቃል ስለ ዘይገደፋ ዝበዝሕ ተቐማጣይ ኣብ ገገዝኡ እዩ ተሸጒጡ ኔሩ። ሽዑ መዓልቲ’ዩ ድማ፡ “ሎሚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣኼባ ስለ ዘሎ ኩሉ መንእሰይ
ኣብ ሲነማ ኢምፔሮ ክርከብ ነተሓሳስብ!” ዝብል ብማይክሮፎናት ዝተፈነወ ጻውዒት ሰሚዐ፡ ኣብቲ ዋዕላ’ቲ ክሳተፍ ኣብ ኣጋ ዓራርቦ ካብ ገዛይ ዝተበገስኩ።
መጀመርያ ኣብቲ ንኢለን ዝተቛጸርኩዋ ክለብ ከይደ። ግን ንሳ ኣብኡ ኣይጸንሓትንን። ህልም ዝበለ ጸልማት ነታ ከተማ ጠቕሊልዋ ኔሩ። ምናልባት ኣብ ሲነማ ኢምፐኢሮ ትጽበየኒ ኸይትህሉ ብምባል ከኣ ናብኡ ኣምሪሐ። ሽዑ’ውን ንመሓሪ ዓርከይ’ምበር
ንዓኣ ኣይረኸብኩዋን። ምልእቲ መዓልቲ ስለ ዘይተረኣኣና ክንገር ዘይከኣል ሃረርታ’ዩ ኔሩኒ። ግን ከቶ ኣይሰመረለይን። ብብርሃን እቲ ኣዳራሽ ተሓጊዘ ከናድያ ድማ ወሲነ። እዚ ብ19 ሕዳር 1978 እዩ ኔሩ።
እቲ ኣኼባ ሰዓት 8፡30 ምስ ኮነ’ዩ ብወግዒ ተኸፊቱ። እቲ ብኣማኢት መንእሰያት ዝተቐጸ ገፊሕ ኣዳራሽ “ሲነማ ኢምፔሮ” ብኽልተ ቬትሮ ማክስ ጥራይ እዩ ብርሃን ዝዕንገል ዝነበረ። እዚ ስለ ዘይኣኸሎ ከኣ እቲ ዳሕረዋይ ኵርናዓቱ ጸላም
ተዋህሊልዎ ኔሩ። ሓደ ኣባል ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ኣብ ቅድሚ ዅልና ተጋባእቲ ቘይሙ ንፍርቂ ሰዓት ዝኣክል መደረ ኣስመዐ። ኣብ መወዳእታ ሰባት ርእይቶኦም ከፍስሱ ዕድል ሃበ። ድሕር’ዚ ሓደ ጸሊም ጕልቡት መንእሰይ ኣብ ቅድሚት ወጺኡ፥
“ስምዑኒ ኣሕዋት መንእሰያት!” ኢሉ ይጅምር። “ከምዚ ብጻይ ጀማል ዝበሎ፡ ቺናውያን ተጋደልቲ ካብ ኩሉ ትሕቲ ቍጽጽሮም ዝነበረ ከተማታትን ገጠራትን ልዕሊ 12,000 ኪሎ ሜተራት’ዮም ኣንሳሒቦም። ድሕሪኡ’ዮም ንምልእቲ ቺና ሓራ ኣውጺኦማ። ህዝባዊ
ግምባርከ ካብ በዓል ሰገነይቲ፡ ደቀምሓረ፡ ኮታ ኹሉ ደቡብ ኣንሳሒባ እንታይ ኮይና፧ ዋላሓንቲ! ንሰራዊት ደርጊ ግን ማዓት ኣኽሲራቶ። ካብ በዓል ከረን እንተ ኣዝለቐትከ እንታይ ክትከውን’ያ፧ ሕጂ’ውን ዋላሓንቲ! ንሰራዊት ደርጊ ግን ኣብ
ዝጥዕማ ሓመድ ድፋጭኡ ኣስትያ ንምልእቲ ኤርትራ ሓራ ኽትገብራ’ያ። እዚ ኽብል ከለኹ ግን ንሕና መንእሰያት እንተ ዘይተቓሊስናሉ ትርጉም የብሉን። ኣብ ሎሚ በጺሕና ከነድሓርሕር የብልናን። ንሰለፍ! ኣነ ብቐዳምነት ሂወተይ ከወፊ ወጺአ’ለኹ።
ኣሰረይ ዝኽተል እንተልዩ ሃየ ይስዓበኒ!” ይብል።
ከም ብሓድሽ፡ “ርእይቶ ዘለዎ፡” ተባሂሉ። በቲ ዳሕረዋይ ኵርናዕ ግን፡ “ኣንቱም ሰባት ርእይቶ ወዲ ርእይቶ ኸየብዛሕኩም ዘይትኻርጁና!” ዝብል ድምጺ ተሰምዐ። ብድሕሪ’ዚ ክስለፍ ዝደሊ ኣብ ቅድሚት ክወጽእ ትእዛዝ ተዋሂቡ ብዙሓት መንእሰያት
ይወጹ። ኣነን መሓርን ከኣ ተኸቲልናዮም ኣብ መድረኽ ደዪብና።
ኢለን ካብቶም ምሳና ዝነበሩ መንእሰያት ከም ዘይነበረት ድሕሪ ኽንደይ ቀልባዕባ’የ ኣረጋጊጸ። ምስቶም ካብ መንበሮም ፍሕት ዘይበሉ ብዙሓት ሰባት ከይትህሉ ድማ ኣዒንተይ ኣጨምቲለ ሃሰውሰው ኢለ። እተን ንመዋጽኢ ኣዘውቲራ ትኽደነን ክዳውንቲ ሓንቲ
ብሓንቲ’የ ዝፈልጠን ኔረ። ግን ኣብዚ ብቑዕ ብርሃን ዘይብሉ ሰፊሕ ኣዳራሽ’ዝን ኣማኢት በበይኑ ዓይነት ዝሕብሩ ክዳውንቲ ዝለበሳ ኣዋልድን … ክላ’ዋእ! … ክዳን ኢለን ኣማዕድየ ኸለሊ ፍጹም ሓርቢቱኒ። እንተኾነ ብዓቕሊ ጽበት ዘይግበር
የለን። ምእንቲ ብዘይ ገለ ጸገም ክደልያ፡ ምናልባት ንሳ’ውን ንዓይ ርእያ እንተ መጸት ኢለ ነቶም ክኽውሉኒ ዝጀመሩ ወድን ጓልን ፎጕፊጐ ብቕድሚኦም ጠጠው ግትር ኢለ። ንዝኾነት ከም ናታ ዓይነት ሕብሪ ዘለዎ ዝተኸደነት ጓል እንተ ርእየ፡
ክሳብ ንሳ ከም ዘይኮነት ዘረጋግጽ ብዘቃጽል ሃንቀውታ ክጥምት’ውን ተኸኽ ኢለ።
ቀጺላ ሓንቲ ስረ ዝወደየት ጓል፡ “ኣሕዋት መንእሰያት! ሎሚ ኣብዚ ጽንኩር እዋን’ዩ መንነትና ዝረጋገጽ! ኣብ ከተማ ዄንካ ብዓወት ምጥቓዕ ቀሊል’ዩ። …
ስለምንታይ ቅድሚ ሕጂ ቁኑዓት ክንመስል ዘበጥበጥ ንብል ኔርና፧ ሕጂኸ እቲ ዅሉ ወደኽደኽ ኣበይ ጠፊኡ፧ ሎሚ ንኣምሓራይ ተዀዲምካ ምጽናሕ ብዘይካ ኻራ ካልእ መኽሰብ የብሉን። ንሕሰበሉ! ቅድሚ ሕጂ ንሱዳን ዝሃደሙኸ እንታይ ጠቒሞም፧ በጃኹም
ኣሕዋት! ንሃገርካ ምስዋእ’ዩ እቲ ዝበለጸ ኽብረት። እዚ ሒዝኩሞ ዘለኹም መርገጺ ኣየዋጽኣኩምን’ዩ። ኣይትደሃሉ፡” ክትብል ውርደትን ለበዋን ዝሓዘለ ዘረባኣ ደምዲማ።
ክልተ ድዩ ሰለስተ ከምዚ ዓይነት ርእይቶታት ምስ ተደጋገመ ብርክት ኢሎም ዘርጠብጠብ እናበሉ ተጸምቢሮምና። ሕጂ’ውን ኢለን ምስኦም ኣይነበረትን። ሃረርታይ ዝለዓለ ጫፉ በጺሑ ምስትንፋሰይ ቀልጠፉ። ግን ገና ኣይረኣኹዋን።
ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ዳርጋ ሓደ ርብዒ ዝኾኑ ተረፍና ንሱዳን ክኸዱ ከም ዝደልዩ ተፈሊጡ። እቶም ክንጋደል ዝመረጽና መንእሰያት ግን፡ ብኽልተ መስመር ተሰሪዕና ካብ ሲነማ ኢምፔሮ ኣቐዲምና ከም ንወጽእ ተጌሩ።
ይዋእ’የ፡ ኢለን ሕጂ ዶኾን ተርክበኒ ብዝብል ተስፋ ንድሕሪት ቍሊሕ እናበልኩ መሪሸ። ግን ክርእያ ኣይከኣልኩን። ክሳብ ሽዑ ካብቲ ኣብ መዓሙቕ ልበይ ዝሰረጸ መዳርግቲ ዘይነበሮ ፍቕራ ንእሽተይ ጭራም’ኳ ኣይተነከዮን ኔሩ። ግን ምእንታኣ ኽብል
ንድሕሪት ክምለስ ኣይሓለንኩን። ንሓዋሩ ከም ዘጥፋእኩዋ ብኡ ብኡ’ዩ ተረዲኡኒ። እዋይ ሽዑ ዝጐሃኹዎ ወደይ…! ኣብ ልዕሊ’ቲ ኻብቶም ኣብሊጸ ዝፈትዎም ስድራ ቤተይ፡ ካብታ ፋልመይቲ ፍቕረይ ኢለን፡ ካብታ ዝዓበኹላ ከተማይ ኣብ ንኡስ
ዕድመይ ዝፈላለየኒ ደመኛ ጸላእየይ ግን ክፉእ ጽልኢ ሓዲሩኒ። ምስ ክቱር ሕርቃንን ናፍቖትን ዝተፈራረቖ ስምዒት ከኣ፡ ንዅሎም ፈተውተይ፡ ብልበይ፡ “ክሳብ ብሂወት ዝምለስ ደሓን ኩኑ!” ኢለ ተሰናቢተ።
ሃለዋት ኢለን ከኣ ክሳብ ሎሚ ኣይፈለጥኩን።
*ፋልመይቲ ፍቕሪ” እትብል ሓጻር ዛንታ ቢንያም ዮሴፍ ንፈለማ እዋና ብ 1987 ኣብ መጽሔት ነጸብራቕ ዝተሓትመት ኰይና፡ ሕጂ ናብ ካብ ውልቃዊ ሕትመት ፈይስቡክ ደራሲ ብምውሳድ ናብ ዝሰፍሐ ኣንባቢ ንምብጻሕ ኣብዚ ዳግም ትሕተም ኣላ። ጸሓፊ ዛንታ ቢንያም ዮሴፍ ኣብ ርእሲ’ታ ምስ ብዙሕ ኣንብቢ ዘፋለጠቶ ግዳይ እትብል መጽሓፍ (ናብ ተኸታታሊት ፊልም’ውን ዝረዓመት)፣ ከምኡ’ውን ኣብ ቀረባ ግዜ ተኸታታሊት ፊልም ዋይ ሰብ ደቀይ ካልእ ብርክት ዝበለ ስነ-ጽሑፋዊ ስራሓትን ፊልምታትን ዘበርከተን ዝተርጐመን ኰይኑ ሕጂ’ውን ኣብ ንጡፍ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ዘሎ’ዩ።