ትማሊ ቀዳም መደብ ቁርሲ-ቀዳም ኣብ ጠዓሞት፡ ንመብዛሕትአን ጋዜጣታትና ምስ ኣንበብተን ገጽ ንገጽ ኣራኺባተን እያ ኣምስያ ብመገዲ ወከልተን። እተን ኣብቲ ኣጋጣሚ’ቲ ዝተረኽባ ጋዜጣታት ነቲ ኣደራሽ ካዛ ደሊ ኢታልያኒ ጸቢብዎ ዘምሰየ ተዓዛቢ፡ ነቲ ብኣላይነት ሌተናንት ኮሎኔል ኻልድ ኣበራን ኤፍሬም ካሕሳይ (ወዲ ዃዳ)ን ዝተኣልየ መድረኽ፡ ዘቕረብኦ ሓጺር ጸብጻብ ምስ እንሰግር፣
ጋዜጣ ዘመን ኣብ መስከረም 1998 ብመልክዕ መጽሄት ዝጀመረት ክትከውን እንከላ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ሕታማት ግን ብመልክዕ ጋዜጣ ክትሕተም ክኢላ። ኣብ ክልተ ሰሙን ሓንሳብ ድማ’ያ ፈሊማቶ።
ጸኒሓ ከኣ ናብ ሰሙናዊት። ጋዜጣ ዘመን ብናይ ፍቕሪ ምጽሓፍ እምበር እዂል ናይ ጋዜጠኝነት ኣፍልጦን ተመኲሮን ዘይነበሮም ኣባላት እኳ እንተጀመረት፡ ኣብ ልቢ ብዙሓት ኣንበብቲ ተቐባልነት ካብ ዝረኸባ ጋዜጣታት ብምዃና ከም ብርሃን ጸሓይ ዝደመቐ እዩ።
ኣብ ታሪኽ፡ ስነ ጥበብ፡ ሕጊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ ህይወትን ወዘተ ዝጠቅስ ጽሑፋት ድማ ከተአንግድ ጸኒሓን ኣላን። እታ ጋዜጣ ዋላ’ኳ ኣብ ዘይምቹእ ቤት ጽሕፈት፡ ምስ ሕጽረት መሳለጥያ፡ ድሩትነት ሓበሬታ ብፍላይ ድማ ዜና፡ ዓበይቲ ብድሆታታ እንተዀኑ፡ እቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኵነታት ግን፡ ኣባላታ ብቐዋምነት ኣብታ ጋዜጣ ክሰርሑላ ዘይምኽኣሎም’ዩ። እቶም ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክተት ዝርከቡ ኣባላታ ነታ ቀዳም እትሕተም ጋዜጣ ዓርቢ ተኣኻኺቦም’ዮም ዝሰርሑዋ። ነዚ ሓበሬታ ዝሃበ ኣሰናዳኢ እታ ጋዜጣ ኣቶ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ኣብ መወዳእታ ሓበሬታኡ፡ ህዝቢ ኣብ ምትብባዖም ዝገብሮ ኣበርክቶ እናነኣደ፡ ንቐጻልነቱ’ውን ተላብዩ።
ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብመስከረም 1991 ኣብ ኣስመራ ዝተዘርግሐት ወግዓዊት ልሳን እያ። ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ዜና ድማ እያ ትመሓደር። ስለዝዀነ ድማ ንጹር ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ክህልዋ ንቡር
እዩ። በብእዋኑ ድማ ሓበሬታታት፡ እዋናዊ ዜናታት (ብፍላይ እኳ ውሽጣዊ ዜና)፡ ሓፈሻዊ ማሕበረ ቍጠባውን ፖለቲካውን ኵነታት ዘተኰሩ ጽሑፋት፡ ሃገራዊ ረብሓ ኣብ ምሕላውን ባህልን ወግዕን ኣብ ምቅላሕን፡ ምትብባዕን፡ ካልእን እቲ ካብኣ ዝድለ ንምብርካት በብእዋኑ፡ ሕትመታ ኣብ ሰሙናዊት፡ ናብ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ‘ውን፡ ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ ግዜ፡ ሕትመታ ክብ ኣቢላ ዘላ ጋዜጣ’ያ።
ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ’ውን ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ብድሩትነት ሰብኣዊ ዓቕሚ ትሳቐ ምንባራ ዘይሓብአ ናይ ሕጂ ኣሰናዳኢ እታ ጋዜጣ ኣቶ ሰለሙን በርሀ እዩ።
ጋዜጣ ትርግታ ኣብ ትሕቲ ሃማመተኤ እትሕተም ጋዜጣ እያ። ኣብ 1996 ድማ’ያ ንመጀመርታ እዋን ናብ ኢድ ኣንበብታ ዝበጽሐት። ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ሻዱሻይ ዓመታ ንምኽባር ትሻባሸብ ኣላ። እዛ ጋዜጣ ንመንእሰያት ቀንዲ ጠመተኣ ገይራ ከም ሽማ ልቢ መንእሰያት ንምርካብ፡ እትሰርሕ ምዃና እኳ ሓደ ካብ ኣባላታ ኣቶ ኣሚነ ተኽላይ እንተገለጸ፡ ብተግባር ግን ዝያዳ ኣብ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ሓበሬታታት ኣብ ምሃብ ከምዘዘንበለትን ክሳብ ሕጂ ድማ ጌና ልቢ መንእሰያት ከምዘይረኸበት ዝዝረበላ ጋዜጣ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ካብ ሰሙናዊት ናብ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ክትሰጋገር እያ።
ጋዜጣ መቓልሕ ብታሕሳስ 1998 ክትሕተም ዝጀመረት ጋዜጣ’ያ። ቀንዲ ዕላማኣ ድማ በቲ ሕብረተሰብ፡ ኢሂን ምሂን መበሃሃሊ ባይታ ምፍጣርን፡ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ከም መራኸቢት ድልድል
ምዃንን እኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ ፈለማ እዋን ነቲ ዕላማታት ከምቲ ዝድለ ከምዘየተግበረት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብዝሓሸ ተተሓሒዛቶን ንምድማዑ ትጽዕት ከምዘላን ዝገለጸ፡ ምክትል ኣሰናዳኢ እታ ጋዜጣ ኣቶ ዳዊት ሃብተሚካኤል እዩ።
እዛ ብድሩትነት መሳለጥያ፡ ዋሕዲ ዓቕሚ ሰብ፡ ሕጽረት ሓበሬታን፡ ምኽታት ኣባላታን፡ ዓቢ ብድሆ ዝዀና ጋዜጣ፡ ነቲ ጸገማት ርዒማ፡ ንህዝቢ እዋናዊ ሓበሬታ ኣብ ምስናቕ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን፡ መሃሪ፡ ኣዘናጋዕን ወዘተ ጽሑፋት ኣብ ምእንጋድ ከይተሓለለት፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ካብ ዝሕተማ ዘለዋ ጋዜጣታትና ሓንቲ’ያ።
ጋዜጣ ሰቲት ጋዜጣ ሰቲት፡ ኣብ ነሓሰ 1997 ዝተዘርግሐት፡ እታ ፋልመይቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሃገርና’ያ። እዛ ኣብ ስነ ጥበብ፡ ማሕበራዊ ህይወት፡ ምዝንጋዕ፣ ዓምድታት ፍቕርን ዜናን ሒዛ ዝተቐልቀለት፡
ፈላሚት ጋዜጣ፡ ትብዓታ ንድሒረን ዝመጻ ጋዜጣታት መገዲ ኰይኑ’ዩ። ኣብ ፈለማ እዋና ብ5 ሽሕ ሕታማት’ያ ጀሚራ። ዕዳግኣ ክዕምረላ እንከሎ ድማ ክሳብ 40 ሽሕ ሕታማት ንመሸጣ ዘብቀዐትሉ እዋን’ውን ኣሎ።
ጋዜጣ ሰቲት ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ኣዋርሕ ሕትመታ’ያ ናብ ሰሙናዊት ተሰጋጊራ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ትሕተም ኣላ። እዛ ከም ንኹለን ጋዜጣታት ብሕቲ ዝጸለወ፡ ቁጠባውን ሓበሬታውን ሕጽረታትን ካልእ ዘይነሓፍን እኳ እንተዀነ፡ ኣዳላዊኣ ኣቶ ኣሮን ብርሃነ ጸቒጡ ዝተዛረበሉ ከኣ፡ ብዛዕባ ምርካብ ሓበሬታ ካብ ውሽጢ ሃገር’ዩ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ይብል ኣቶ ኣሮን፡ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈታት ሃገርና ናይ ህዝባዊ ርክባት ዘይምህላዉ’ዩ ክብል ኣብሪሁ። ንሱ ኣስዒቡ፡ ነዚ ምዕቡል ኣገባብ’ዚ ትጥቀም ዘላ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኤርትራ ጥራይ ምዃና’ውን ኣገንዚቡ።
ጋዜጣ ቀስተ-ደመና ጋዜጣ ቀስተ-ደመና፡ ኣብ 1998 ብኣርባዕተ ናይ ሕጊ ምሩቓትን ሓደ ናይ ሕጊ ተመሃራይን ዝፈለመት ጋዜጣ፡ ምክትል ኣሰናዳኢኣ ኣቶ መድሃኔ ሃይለ፡ ብእንታይነት (ሓበሬታ)
ብዛዕዕባ ሎጐ ናይታ ጋዜጣ ብምግላጽ እዩ ሓበሬታኡ ፈሊሙ። ንሱ ከም ዝበሎ፡ እቲ ኣብ ቀስተ-ደመና ዘሎ ዝተፈላለየ ሕብርን ውህደቱን ብማዕረ ተነጋድነቱን ዝህቦ ላዛን ውህደትን፡ ነቲ ካብ ዝተፈላለዩ ርእሲ ሰባት ዝፍልፍል ኣተሓሳስባ ብሕጋዊ መገዲ ምስ ዝእንገድ ክህልዎ ዝኽእል ጠቓምነት ንምውካል ምዃኑ’ዩ።
እታ ኣብ እዋን መኸተ ወራር ዝፈለመት ጋዜጣ፡ ትሕዝቶኣ እዋን ዝጠልቦ፡ ፕሮፖጋንዳውን ፖለቲካውን ሓበሬታ ክኸውን ባህርያዊ እዩ ነይሩ።
ጋዜጣ ቀስተ-ደመና፡ ብዘይካ እቲ ንጋዜጣታት ብሕቲ ዘጓንፈን ሕልኽላኻት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘለዋ 6 ጕዳያት ክሲ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ብምምልላስ፡ ኣብ ልዕሊ ግዜኦም ጸቕጢ ኰይንዎም ብምህላዉን ነቲ ዘሎ ሕጸረት ዓቕሚ ሰብ ተወሳኺ ሽግር ምዃኑን ኣቶ መድሃኔ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።
ብዘይካ’ዚ ‘ውን ምስቲ ዝጸንሐ ናይ “ኣይትንቀፉና” ኣብ ዘአንግድዎ ነቐፌታዊ ጽሑፋት፡ ሓያሎ እዋን ምጕብዕባዕ ብቴለፎንን ካልእ ጸገማትን ከም ዘጓንፎም ኣይሓብአን።
ጋዜጣ ሓዳስ ኣድማስ ጋዜጣ ሓዳስ ኣድማስ ናይ መጀመርታ ሕታማ ኣብ 1998 ኰይኑ፡ ኣብ ጥሪ 2000 ብሓድሽ ሽም ማለት ሓዳስ-ኣድማስ ብዝብል ስም ተሓዲሳ ትቕጽል ዘላ ጋዜጣ፡ እታ ናይ ፈለማ
ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ንምሕታም ዝበቕዐት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ እያ። ኣብ ማሕበራዊ፡ ንመንእሰያት ዘድሃቡ ጉዳያት፡ ማሕበረ-ቁጠባውን ፖለቲካውን ካልእን ኣድሂባ ድማ እጃማ ኣብ ምብርካት ትዋሳእ ኣላ። ኣባል እታ ጋዜጣ ኣቶ ኻልድ መሓመድብርሃን ድማ፡ ጸገማት ናይታ ጋዜጣን ዘመዝገበቶ ዓወታትን ድሕሪ ምብርሁ፡ እቲ ቀንዲ ዘተሓሳስቦ ናይ ውሽጢ ሃገር ዜና ካብ ናይ ደገ መርበባት ክትረኽቦ ከሎ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ኣቐዲሙ ከምዝተጠቕሰ*1፡ እተን ጋዜጣታት ሓፈሻዊ ድሕረ-ባይታአን ድሕሪ ምግላጽ፡ ናብቲ ዝስዕብ መደብ፡ ማለት ዘጋጠመን ሕልኽላኻትን ዘጋጥመን ዘሎን፡ ህዝቢ ካብአን ዝጽበዮን፡ ንቐጻልነተን ዝሕግዝ ነጥብታትን፡ ርእይቶታትን ሕቶን’ዩ ውሒዙ። ብሓፈሻ
ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ክጠቓለል ይኽእል።
- 1.ሕጽረት ሓበሬታ
- 2.ድርትና መሳለጥያ
- 3.ክብሪ ማሕተም
- 4.ጸገም ኣብ ምዝርጋሕ
- 5.ዓቕሚ ኣብቲ ዓውዲ ዝዋስኡ ሰባት
- 6.ሓሓሊፎም ዝኽሰቱ ምጒብዕባዓትን፡ ክጥቀሱ ይኽእሉ።
ሕጽረት ሓበሬታ፤
ብፍላይ ድማ ውሽጣዊ ዜና፡ ከምኡ’ውን ናይ ሃገርካ ዜና ካብ ናይ ደገ ሓበሬታ ረኺብካ ከተረጋግጾ ዋላ እንተድኣ ሓቲትካ’ውን ዘተባብዕ መልሲ ስለዘየለ፡ ሳዕቤኑ ድማ፡ እቲ ምንጪ ሓበሬታ ካብ ኢመይል፡ ኢንተርነት፡ ዝተፈላለያ ጋዜጣታትን ረድዮታትን ስለዝኸውን ናቱ ኣዝዩ ሃሳዪ ባህሪ ኣለዎ። ሓበሬታ ከምዘለዎ ዘስዕቦ ነገር፡ ነዚ ዝምልከት ብወገን ሓደ ተሳታፋይ ጋዜጠኛ ዝሃቦ ሃናጺ ሓሳባት ኣድላይነቱ ስለዝተራእየኒ፡ ከምዘለዎ ክጥቀመሉ። ንሱ ይብል፡ “ንኣብነት ኣብ ቴልኣቪቭ ሓንቲ ቡምባ ትፍንጀር ንበል። ነታ ፍጻሜ ብወገን CNNን ኣልጀዚራን ዘሎ ኣቀራርባ ዝተፈላለትየ እዩ። ኣልጀዚራ ‘ሓደ ሓርበኛ ኣብ ቴልኣቪቭ ዝፈጸሞ ጅግንነት’ ክትብሎ እንከላ፡ CNN ከኣ፡ ‘ሓደ ግብረሽበራዊ’ ትብሎ። ስለዚ ንሕና ነታ ዜና፡ ካበይ ንረኽባ ኣሎና ፈሊጥና ብናትና ንጹር ፖሊሲ ዘለዎ ስነ-ሓሳብ ከየነጸርና እንተድኣ ከምዘለዎ ነቲ ሓበሬታ ነቃልሖ ኰይንና፡ ናታቶም ኣቃላሕቲ ኢና ንኸውን ዘሎና እሞ ንጠንቀቕ። ምኽንያቱ፡ ሓደ ሓደ ዜናታት ካብ ረድዮ ጀርመንን ካልኦትን ዝርከብ ከምዘለዎ ተርጒምና ጥራይ ክቐርብ የብሉን፡” ይብል። እቶም ጋዜጠኛታት ነዚ ዘይትስሕትዎ እኳ እንተዀነ፡ በቲ ካብ ሓበሬታ ምርካብን ዋላ ንዝተረኽበ ሓበሬታታት ንምርግጋጽ ምትሕብባር ስለዘየለ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ምስ ጋዜጠኛታት ምትሕባብሮም ከይበቁ በቲ ኣጋጣሚ እቲ ይሓቱ።
ሕጽረት መሳለጥያ፤ መብዛሕትአን ጋዜጣታት፡ ሓንቲን ኮምፕዩተር’ያ ዘላተን። እታ ሓንቲ ኮምፕዩተር ሓበሬታ ንምርካብ ኢንተርነት ወይ ኢመይል ኣብ ዝኽፈተሉ ትሕዝቲ ትኸውን። ካልእ ናይ ምእራምን ምጽሓፍን ንጥፈታት ኣብኣ ስለዝካየድ፡ ካብ ዝተፈላለያ መርበባት ዝመጽእ ቫይረስ ብዙሕ ሓበሬታታት ዝድምሰሰሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ’ዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ‘ውን ምቊራጽ ኤለክትሪክ ቀጻሊ ዓንቃጺ ተርእዮ’ዩ። ብተወሳኺ’ውን ካልእ መሳለጥያ ከም ቴፕ መቕረጺት፡ ካሜራ፡ መጽሓፊ ናውትን ስለዘድሊ ኣታዊኦም ምትእኽኻል ከምዝኣብዮም ይገልጹ። ነዚ ዘሎ ሕጽረት ንምሽፋን ዘየኽእሎም ብዓቢኡ ክብሪ ማሕተም እዩ።
ክብሪ ዋጋ ማሕተም፤ እቲ ብብዙሕ ኣገባባት ዝተኣከበ ሓበሬታታት ማለት ጽሑፍ፡ ኣብ ኢድ ኣንበብቲ ንምብጻሕ ዋጋ ማሕተም እቲ ዝዓበየ ግንዖ እዩ ዝወስድ። ስለዝዀነ ድማ እተን ጋዜጣታት ካብ ሓንቲ ጋዜጣ ካብ በጻብዕ ዘይሓልፍ ሰናቲም’ዮም ዝኸስቡ። እዚ ምስቲ ብመወዓውዒ ዝርከብ ኣታዊ ተደማሚሩ ንክራይ ገዛ፡ ሃልኪ ኤለክትሪክን መኽፈሊ ሰራሕተኛታትን ካልእን፡ ንምትእኽኻሉ ርእሱ ዝኸኣለ ብድሆ እዩ። ነዚ ዘጋድዶ ድማ ጋዜጣ ብግቡእ ኣብ ግዜኡ ናብ ኢድ ኣንበብቱ ዘይበጽሓሉ ቦታታት ብምህላዉ እዩ ‘ውን ይብሉ።
ናይ ምዝርጋሕ ጸገም፤ ንኹለን ጋዜጣታት፡ ናይ ብሕቲ ይዂና ናይ መንግስቲ ዝዝርግሕ ሓደ ትካል ጥራይ’ዩ ዘሎ። ንሱ በቲ ዘለዎ ድሩትነት መሳለጥያን ጻዕቂ ስራሕን፡ ጋዜጣታት ብፍላይ ድማ ካብ ኣስመራ ርሑቕ ዘለዋ ቦታታት ሃገርናን ወጻኢ ሃገርን ኣብ ምዝርጋሕ ርኡይ ርኡይ ጸገም ኣሎ። እቲ ተመላሲ (ዘይተሸጠ) ዝኸውን ጋዜጣታት ኣብ እንግድዓ እተን ጋዜጣታት ስለዝምለስ ‘ውን ተደራቢ ጸገም ምዃኑ ይጠቕሱ።
ዓቕሚ ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ሰባት፤ ኣቐዲሙ ከምዝተገልጸ መብዛሕትኦም ኣብተን ጋዜጣታት ዝነጥፉ ዘለዉ ሰባት ድሕረ ባይታኦም ኣብ ካልእ ዓውዲ ኰይኑ፡ ነቲ ስራሕ ብድሌት፡ ካብ ቀጻሊ ተመኲሮ ምምሃርን ምብልሓትን እዮም ዘካይድዎ ዘለዉ። ካብተን ኣብቲ መዓልቲ’ቲ ዝቐረባ ሸውዓተ ጋዜጣታት ናይ ሓንቲ ጋዜጣ ጥራይ’ዩ በቲ ሞያ ዝተመረቐ ምዃኑ ነዚ ዘጒልሕ ሓቂ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ድማ እተን ጋዜጣታት፡ ሓያለ እዋን ብዘይ ኣሰናዳእተን ዝቕጽላሉ ኣጋጣሚታት ስለዝበዝሕ እቲ ዝድለ ምምሕያሽ ኣብ ብቕዓት ዓንቃጺ ተርእዮ ምዃኑ እውን ይገልጹ።
ሓሓሊፎም ዝኽሰቱ ምጒብዕብዓት፤ እዚ ካብ ዝተነቕፉ ኣካላት ናብ ጋዜጠኛታት ብመገዲ ቴለፎንን ካልእን ዝፍጸም ምፍርራሓት፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ጋዜጠኛታት ዝፈጠሮን ዝፈጥሮ ዘሎን ጸቕጢ ስምብራቱ ቀሊል ከምዘይኰነ ኣይሓብኡን። በቲ ኣጋጣሚ ድማ እዞም ተነቒፍና ዝብሉ ኣካላት በቲ ዘሎ ናይ መረዳድኢ ባይታ ተጠቒሞምን ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሎምን ጕዳዮም ከረጋግኡ ኣለዎም እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ጸቕጢ ብፍጣር ዝርከብ ፍታሕ ከምዘየለን ብዓቢኡ ድማ ነቲ ዝተነቕፍሉ ወይ ክእረምሉ ዝግብኦም ጕዳይ መዝሚዞም ኣብ ቀጻሊ ስጒምቶም ክዕወቱን፡ ግዜኦም፡ ጕልበቶምን ኣእምሮኦምን ኣብ ዘየድሊ ምትህልላኻዊ ሃልኪ ካብ ምጥፋእ ኢሂን ምሂን ክበሃሃሉ ይጽውዑ።
ኣብ ሕጊ ፕረስ ዘሎ ሓደ ሓደ ዘይንጹርነት፤ እቲ ቅድሚ ቅዋም ዝጸደቐን ብዘይ ናይ ሃገርና ተመኵሮ ዝተጻሕፈን ሕጊ ፕረስ ንጋዜጠኛታትና ብዙሕ ዕንቅፋታት ይፈጥር ምህላዉ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ዝተጸቕጠሉ ነጥቢ እዩ ነይሩ። ንዘቕረቡዎ ኣብነት ምስ እንርእይ ከኣ “ንኣብነት ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓመታዊ ኣታዊና ከነቕርብ ተሓቲትና ኣሎና። እዚ ሕጊ ፕረስ ዝእዝዞን ዝሓቶን እዩ። ጐኑ ጐኑ ድማ መልሱ ማለት፡ ዓመታዊ ኣታዊኻ ምስዘይተቕርብ ከ እንታይ’ዩ ዝስዕብ፧ እዚ ሕጊ ፕረስ መልሲ ክህልዎ ይግባእ ነይሩ። እንተዀነ ግን የብሉን። ካልእ ሃገራዊ ድሕነት ምሕላው ዝብል ኣምር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ጕዳይ እኳ እንተዘይኰነ፡ ሃገራዊ ድሕነት ዝትንክፉ ጕዳያት ከመይ ዝኣመሰሉ’ዮም ግን ክንጸር ዘለዎ እዩ፡” ይብሉ ብተወሳኺ በቲ ዘይንጹርን ምምሕያሽ ዘድልዮን ሕጊ ፕረስ፡ ጕዳያቶም ኣብ መጋብኣያ ክርአን ብኡኡ ክጓዓዙ ኣጸጊምዎም ከምዘለዉን የስምርሉ።
ገለ ካብቲ ሽዑ ነቶም ጋዜጠኛታት ዝቐረበሎም ሕቶን ዝሃብዎ መልስን ምስ እንሰግር፦
ሕቶ፦ ምስዚ ዂሉ ጸገማትኩም መብዛሕትኹም ካብ ሰሙናዊ ናብ ክልተ ግዜ ትሰጋገሩ ኣለኹም። ከመይ የውጽኣኩም፧
መልሲ፦ ንሕና በቲ ዘሎ ዋሕዚ ሓሳባትን ተሳታፍነትን ናይ ኣንበብትና ተተባቢዕና ኢና እቲ ስጒምቲ ወሲድናዮ። እቲ ከጓንፍ ዝኽእል ነገራት እናበዳህና ድማ ክንርእዮ ኢና።
ሕቶ፦ ስለምታይ ማሕበር ጋዜጠኛታት ዘየቖምኩም፧ ሓጋዝነቱ ኣይተራእየኩምን ድዩ፧
መልሲ፦ ሓጋዝነቱ ተራእዩና እባ። እንተዀነ ብሚኒስትሪ ዜና ፍቓድ ክሳብ ዝወሃበና ንጽበ ኣሎና። ፍቓድ ኣብ ዝተዋህበና ግዜ ከነተግብሮ ድማ እትስፎ።
ሕቶ፦ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሆቴል ኢንተርኮንቲነንታል ዝተጋብአ ቀዳማይ ዋዕላ ማሕበር መጽናዕቲ ኤርትራ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝቐረበ ወረቓቕቲ ስለምታይ ኣብ ፖለቲካዊ ጒዳያት ጥራይ ኣድሂብኩም፧
መልሲ፦ እወ ንዓና ኣብኡ ከምዘድሃብና እርደኣና’ዩ። ከምኡ ዝገበርናሉ ምኽንያት ከኣ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ኣገዳሲ ነገር ኰይኑ ስለዝተራእየና እዩ። በቲ ካልእ ወገን ‘ውን ናብቲ ካልእ ዓውድታት ንኸይነድህብ እቲ ዝተጠቕሰ ድሩትነት ‘ውን ናቱ
ተራ ኣለዎ።
ሕቶ፦ ስለምታይ ኣተኲሮዂም ናብ ላዕለዎት ክፋል ሕብረተሰብ ማለት ምሁራንን ሚኒስትርታትን ቃለ-መጠየቕ ኣብ ምግባር ተሓጺርኩም ኣለዂም፧
መልሲ፦ ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብዛዕባ ፖለቲካዊ ጕዳያት ካብቶም ዝምልከቶምን ኣፍልጦ ዘለዎም ትካላትን ክንረኽቦ ባህርያዊ ስለዝዀነ።
ሕቶ፦ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ናይ ብርዒ ስም እየ ክሓትት ደልየ። ብናይ ብርዒ ስም ዝጽሓፉ ጽሑፋት ብፍላይ ኣሉታዊ ስለምንታይ ተአንግዱ፧ ብርዒ ስም ካብ ተሓታትነት ነጻ ይገብር ዶ፧
መልሲ፦ እቲ ሓቀኛ ስም ጸሓፋይ ካብ ኣንበብቲ እዩ ደኣ ተዓቂቡ ዘሎ እምበር፡ ካብታ ጋዜጣ ኣይኰነን። ሰብ ብዛዕባ እቲ ጽሑፉ ባዕሉ ዝሕተተሉ ድማ ኣሉታዊ ይዂን ኣወንታዊ ክጽሕፍ ናቱ ጕዳይ ስለዝዀነን እዚ ብዙሕ ዘሰክፍ ኣይኰነን። ናይ ብርዒ ስም ግን ካብ ተሓታትነት ነጻ ኣይገብርን እዩ።
ሕቶ፦ ኣመራርጻ ኣርእስቲ ብፍላይ ኣብ ዜና ከመይ እዩ፧ ምኽንያቱ ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ሰሓቢ ኣርእስቲ ብዘይርጡብ መልእኽቲ ተጻሒፉ ትረክብ። እዚ ንሃልኪ ዕዳጋ ዶ ኣይኰነን፧
መልሲ፦ ብዝተኻልእለ መጠን ካብ ንሃልኪ ዕዳጋ፡ ንኽብሪ ኣንበብትና ነቐድም። ሓደ ሓደ ግዜ ከምዚ ዝተጠቕሰ ኣይተራእየን ማለት ግን ኣይኰነን። ኣብ ቀጻሊ ክንእረመሉ ኢና።
ሕቶ፦ ገለ ገለ ጋዜጣታት ይምወላ እየን ይብሃል። ሓቂ ድዩ፧
መልሲ፦ ሓቂ ኣይኰነን።
ብሓፈሻ እቲ ውዕዉዕ ኣጋጣሚ፡ ንኣስታት ሰልስተ ሰዓትን ፈረቓን ብርሱን ክትዕን ሕቶን ርእይቶን ዝሃብተመ እዩ ነይሩ። ገለ ካብቶም ርእይቶታት ምስ እንሰግር ድማ፣
“ጋዜጣታትና ዘመዝግብኦ ዘለዋ ዓወት ብዙሕ እዩ። ንዕኡ ክዝርዝር ኣይደልን ለበዋ ግን ኣላትኒ። ንሳ ድማ ኩሉ ዓይነት ንጥፈታት ጋዜጣታትና ንሃገራዊ ረብሓናን ድሕነትናን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእቱ ክኸውን ከምዘለዎ ትስሕትዎ ኣይመስለንን፡” ሓንቲ ተሳታፊት።
“ጋዜጠኝነት፡ ጽኑዕ ርእሲ ዘለዎ ሰብ ማለት ዘይርዕድን ዘይጃጁን፡ ተስፋ ዘይቆርጽን ዝሰርሖ ሞያ እዩ። ስለዚ ጋዜጠኛታትና ንዘጋጥመኩም ጸገማት ዓለምለኻዊ ዝዀነ ባህሪ ናይ ጋዜጠኝነት ዝሓዘ ምዃኑ ተረዲእኩም ጽንዓት ዕጥቅኹም ክትገብርዋን ግዜኹም ኣብ ምስትምሳል ከይተሕልፍዎን ይላቦ፡” ሓደ ተሳታፊ።
“ንዘጋጥም ማሕለኻታት ብዓወት ምስጋር ኣካል ናይ ስራሕኩም እዩ፡” ሓደ ተሳታፊ።
“ህዝቢ ካብ ጋዜጣታት ወረ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ትምህርቲ፡ ሓበሬታ፡ ምዝንጋዕን ካልእን ከምዘለወን ተረዲኡ ክፍትሸንን ከስተማቕረንን ኣለዎ፡” ሓንቲ ተሳታፊት።
“ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ዜና እንተዀይነን፡ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ጋዜጣታት እየን ክንብለን ንኽእል ዶ፧ ንዓይ ኣይመስለንን። ስለዚ ካልእ ኣገባብ እንተትሓስብሉ፡” ሓደ ተሳታፊ።
“እቲ ምምሕያሽ የድልዮ እዩ ዝብሃል ዘሎ ሕጊ ፕረስና፡ ኣብ ምምዕባሉ እንተጽዒርና ንረብሓ ሃገርና ንጽዕር ኣሎና ማለት እዩ። ስለዚ ንሕሰበሉ፡” ሓደ ተሳታፊ።
“ነዘን ውልዶ ጋዜጣታትን ንኽዕምብባ መንግስቲ ኵሉ መዳያዊ ምትሕግጋዝ ክገብረለን ንላቦ፡” ሓደ ተሳታፊ።
“እዞም ጋዜጣታት ንሓድሕድኩም ብቕዱስ መንፈስ ተወዳደሩን ተመላልኡን ደኣ’ምበር ከምዚ ኣብ ሓደ ሓደ እዋን ትገብርዎ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣይትናኸሱ፡” ሓደ ተሳታፊ። ዝብሉን ካልኦትን ይርከብዎም።
ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ጋዜጣታት ጽጌናይን ዊንታናን ክቐርባ ብወገን ኣወሃሃድቲ መደብ ቁርሲ-ቀዳም ኣብ ጠዓሞት ተሓቢሩ እኳ እንተነበረ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክቐርባ ኣይከኣላን። በቲ ኣጋጣሚ’ቲ ኣወሃሃድቲ እቲ መደብ ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚ ንኽቐርባ ጻውዒቶም ኣቕሪቦም።
ካልእ ምስ ጋዜጣ ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎም ኣካላት፡ ማለት ወከልቲ ሚኒስትሪ ዜና፡ ቤት ማሕተም፡ ምክፍፋል ጋዜጣን ካልኦትን እንተዝህልዉን ካብቲ ኣኼባ ጠቓሚ ሃናጺ ርእይቶታት ምሰነቑ ነይሮም። ቁርሲ-ቀዳም ኣብ ጠዓሞት ኣብ ዓመት ዘይመልእ ግዜ ተመዝግቦ ዘላ ዓወታት እናዓዘዘ ይኸይድ ከምዘሎ እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ምስክር እዩ’ሞ፡ ዮሃና ንቁርሲ-ቀዳም ኣብ ጠዓሞት!!
________________________________________
*ንዝኽሪ ጋዜጣታት ብሕቲን ኣሰናዳእተን ኣመልኪትና ኣብ እንዝርግሖ ዘሎና ጽሑፋት፡ ወርሒ ቅድሚ ምዕጻወን ኣብ ዝነበረ፣ ብሓደ ኣሻማዊ እዋን ንዅነታተን ብድሆታተን ኣመልኪተን ኣብቲ ሽዑ ክፉት ዝነበረ ናይ መኣዲ ዘተ ኣቕሪበን ነይረን። እዚ ጽሑፍ ከም ዘለዎ ካብ ክልተ ሕታማት ማለት 12ን 16ን ነሓሰ 2001 ኣብ ጋዜጣ መቓልሕ ዝተወስደ’ዩ።