“ነጻ ፕረስ እንተዘየጥፊእካዮ ከጥፍኣካ’ዩ. . . ?”

No comments
መድሃኔ ሃይለ*

ርእሲ-ዓንቀጽ ናይ 10 ሓምለ 2001 ሕታም ጋዜጣ ቀስተ-ደበና

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ብሕታውያን ጋዜጣታት ሃገርና ናብ መንግስቲ ዝቐንዐ ነቐፈታ ብብዝሒ ይውሕዝ ኣሎ። ዝቐርብ ዘሎ ነቐፈታ ብዓይነቱ ኮነ ብትሕዝቶኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ናይ ፕረስ ዓመታት ተራእዩ ስለ ዘይፈልጥ ስክፍታታት ምፍጣሩ ኣይተረፈን።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠሞ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ፡ ናይ ምዝራብ ኮነ ናይ ምጽሓፍ መሰሉ ተነፊጉ ብምጽንሑ እዚ ሓድሽ ተርእዮ ሕርኽርኽ ክብሎ ንቡር መስርሕ’ዩ። መግዛእታውያን ሓይሊታት ዝፈጠሩሉ ስምብራት ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይተሓከ፡ እቲ ብቓልሱ ዝረከቦ ናጽነት ብግቡእ ከስተማቕር ኣይከኣለን።

ናጽነት ፕረስ ክበሃል እንከሎ ኣዋጅ ሕጂ ፕረስ ክሳብ ዘይገሃሰ ሓሳብ ክትገልጽን ክትጽሕፍን ከም ዝከኣል፡ ህዝቢ ዋላ’ኳ እንተዘይሰሓቶ፡ ከተግብሮ ሰጋኣ መጋእ ካብ ምባል ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ቅኑዕ ኢሉ ዝኣመነሉ ነቐፈታ፡ ርእይቶ ብመንገዲ እዘን ህዝባውያን ጋዜጣታት የውሕዞ ኣሎ። ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ብቐጥታ ክንቀፉ ምርኣይ፡ እንትርፎ እቲ ካብ ዘይምልምማድ ዝፈጠሮ ሻቕሎት፡ መርኣያ ምልኣተ ናጽነት እዩ። ክሳብ ሕጂ መንግስቲ ንዘርእዮ ዘሎ ትዕግስቲን ተጻዋርነትን ምስጋና ዝግብኦ እዩ። እዚ ናይ ምብህሃልን ምንቕቓፍን ባህሊ ክምዕብል እናተኾይኑ፡ መንግስቲ ክንዮ ተጸዋርነት ሰጊሩ፡ ባይታ ኣብ ምጥጣሕ’ውን እጃም ክህልዎ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ውልቀ መለኽቲ ዝኽተልዎ “ነጻ ፕረስ እንተዘየጥፊእካዮ ከጥፍኣካ’ዩ።” (“if you don’t destroy freedom of speech, freedom of speech will destroy you”) ዝብል ኣምር፡ ንህዝቢን ንመንግስቲን ስለ ዘየርብሕ ክንክተሎ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ሰዓብቲ እዚ ፍልስፍና ኣወዳድቖኦም ሕማቕ ስለ ዝነበረ።

መንግስቲ ንዝቐርበሉ ዘሎ ነቐፈታ ብመንጽር ክወስዶ ዝኽእል፡ ምጉብዕባዕ፡ ምፍርራሕን ምእሳርን ካልእን፡ ትዕግስቲን ተጻዋርነትን ምርኣዩ ዘመስግኖ’ኳ እንተኾነ፡ ክምልስ፡ ቅቡል ነቐፈታ ክቕበል፡ ጌጋ ነቐፈታ ክነጽግ ዘይምኽኣሉ ዘንእዶ ተግባር  ኣይኮነን። ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ህዝባዊ በዓላት፡ መዘናጊዒ ቦታታት ብትሑት ሓለዋ ምስ ህዝቢ ተጸንቢሮም ክዋስኡ ክትርኢ ጸኒሕካ፡ መረረ ህዝቢ ኣብ ዝለዓለሉ እዋን ትም ክምረጽ ክትርኢ ከለኻ፡ ዕላማ እቲ ምትሕውዋስ ንረኣዩለይ ከይከውን ትሰግእ።

ብድብዱቡ፡ በዚ ንኸዶ ዘሎና ኣካይዳ ማለት፡ ህዝቢ ከማርር፡ ሕቶ ከቕርብ፡ ሃገራዊ ዛዕባ ኣልዒሉ ክሻቐል መንግስቲ ትም ክብል፡ ከም ቅዲ እንተተኣታትዩ፡ ዝምድና ህዝቢን መንግስቲን ምሽሕካሩ ኣይክተርፎን’ዩ። ህዝባዊ ስልጣን ሒዝካ ህዝቢ እናተዛረበ ትም ምምራጽ ንሕቶ ህዝቢ ተገዳስነት ዘይምሃብ ስለ ዘስምዕ መንግስቲ ክምልስ ግዴታኡ’ዩ። ህዝቢ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰል ተጠቃሚ ኮይኑ፡ መንግስቲ ናይ ምምላስ ግቡእ ዕሽሽ እንተኢልዎ እቲ ዝድለ ናይ ምእራምን፡ ምሕዋይን ዕላማ ክውቃዕ ስለ ዘይክእል ጠመተ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።

ኣብ’ዚ ዘለናዮ ናይ ሓበሬታ እዋን ትም ከም ብልሒ እንተተወሲዱ ጕዕዞ ምዕባለና ንቕድሚት ክኸውን ስለ ዘይክእል መንግስቲ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህቦ ይግባእ። ዲሞክራሲ ካብ’ቲ ዝሓቑፎ ረቛሒ ሓደ ዝኾነ፡ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ናጽነት ይተኣታቶ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ምዕባለ ሃገር፡ ዋላ’ኳ ኣኻሊ እንተዘይኮነ፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ። ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ኣርባዓታት መዓልታዊ ጋዜጣ ዝነበራ ሃገር ምዃና፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ፕረስን ውጽኢት ፕረስን ልዑል ሌላ ዝነበሮ ህዝቢ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ፍረ ዲሞክራሲ ምቁዳስ ደኣ’ምበር ምሒር ምሽቓልን ምስካፍን ከም ዘይግባኣ በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኸር።

መንስግቲ ንምንታይ ተነቒፈ ከይበለ፡ ነቐፈታ ከምዘብልሖ ተረዲኡ፡ ነዘን መስትያቱ ዝኾና ጋዜጣታት ከተባብዕ፡ እቲ ጀሚሩዎ ዘሎ ናይ ተጸዋርነት ልምዲ ከማዕብል፡ ከምኡ’ውን ህዝቢ እቲ ፕርስ ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ ንምብጻሕ ዘርኣዮ ትብዓት ክደፍኣሉ
ንላቦ።
________________________________________

እዛ ትንቢታዊ ጽሕፍቲ ጋዜጠኛ መድሃኔ ሃይለ ኣብ ርእሲ-ዓንቀጽ ናይ 10 ሓምለ 2001 ሕታም ጋዜጣ ቀስተ -ደበና ኣብ ርእሲ-ዓንቀጽ ዝጸሓፋ’ያ። ነዚ ዕለት ንዝክረሉ ኣብ ዘሎና ቅነ እምበኣር ኣገዳስነታ ብምርኣይ ዳግም ንሕትማ ኣሎና።

 

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email