ሕጥቦ ሽኮር

No comments

ብጽዉጉ

ነታ ቐጠፍ ብፈትላ

ኔው ነጀው ምሰ’በላ

ሕውን ኢላትሉ’ያ።

ብጽዉጉ

ሽጋራ

ቀስ ኢሉ ከየሸራ

ክቢ ትኪ ይሰርሓላ፣

ብጽውጉ

ኣብ ደሴቱ

ዓይኒ ንዓይኒ ተራኸብና

ሓበሻነትና ተናበብና፡

ቆብ ኣቢለ ጋሻነቱ

ክምስ በልኩዎ ንምእንጋዱ።

ኣብ መንጎ

ማንካ ጠለቐላ

የማነ ጸጋም እንደገና፣

”ሽኮር ኣይገበርካላን”

“ደሓን ትፍትሽ እያ ዘላ“

“እንታይ ትፍትሽ?”

“እንታይ ከኣ ትብልኒ?!“

ብሕቶ ኣዋጠረኒ።

ሻሂየይ መጺኣ

ኣንፈት ዕላል ቀይራቶ

ሻሂየይ እንክቕምራ

ጌሩ ዝተሸቑረሮ!

ሕጥቦ-ሽኮር ሒዘ ተዓኒደ

ናብ ሰፈራ ክመልሳ ተገዲደ፤

ካብ ‘ከመይ’ሞ ገዲፍካዮ ዓዲ?’

ክሳብ ‘ከመይ ኣለኻ’ኸ ሕጂ?’

ከነሕኪ፡

ሻሂየይ ዝሒላ

ኣቓልቦይ ደልያ

ደጊመ

ሕጥቦ-ሽኮር ሒዘ

‘ጦምቦላሕ’ ምሰ’በልኩላ

ማንካይ መንጢሉ ኣላዲዱ ገደፈኒ።

“ኣይተጥልቕያ . . .

ከይትጥሕል እናበልኩኺ፡ ኣሕ!”

መሊሱ ተማዓተ

ነቲ ዝጠሓለ ሽኮር

ካብ ከርሲ ብኬሪ ክመልስ እናተጋደለ፤

ኦ ይቕሬታ! ምሽክናይ ቍስሉ ጎዲኤዮ

ውጻእ መዓት ላምፔዱሳ፡ ምዃኑ ዘንጊዔዮ።

ሳባ ኪዳነ

ፓሪስ-ላሻፐል

ሕዳር 15፡ 2014

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email