Reesom-Haile reading a poem

ሕንግሮ

No comments

ሕንግሮ ተባሂሎም

ሕንግሮ ኢሎምና

ሕንግሮ ኢልና

 

ሕንግሮ ዝበልናዮም

ሕንግሮ ክብሉ እዮም

ሕንግሮ ንዘድልዮም

 

እዛ ወርሒ እንብላ

ኣብ ልዕሌና ዘላ

ኣመሪካ ሮኬት ሰንድያ

ሃሪማታ ይብሉና

 

ሩስያ’ውን ስፑትኒክ ሰንድያ

ስሒታታ ይብሉና

ዝስንዶ እኳ የብልናን

ብሕንግሮ ግን መን ከማና

 

ደጊም ንሕና ተሓናጊርና

ኣሽንኳይ ወርሒ

ጸሓይ’ውን ኣብ ኢድና

ከነእትዋ ኢና ከነእቱዋ

ቍሩብ እሞ ትዝሓለልና/ከነእትዋ ኢና!

 

ዶ/ር ርእሶም ሃይለ

ካብ ሕምብርቲ ኤውሮጳ

ሓምለ ክንደይ ኣሎ ካብ ባህሊ ዝተፈለ 23/2001

ምንጪ-መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email