ሕንግሮ ተባሂሎም
ሕንግሮ ኢሎምና
ሕንግሮ ኢልና
ሕንግሮ ዝበልናዮም
ሕንግሮ ክብሉ እዮም
ሕንግሮ ንዘድልዮም
እዛ ወርሒ እንብላ
ኣብ ልዕሌና ዘላ
ኣመሪካ ሮኬት ሰንድያ
ሃሪማታ ይብሉና
ሩስያ’ውን ስፑትኒክ ሰንድያ
ስሒታታ ይብሉና
ዝስንዶ እኳ የብልናን
ብሕንግሮ ግን መን ከማና
ደጊም ንሕና ተሓናጊርና
ኣሽንኳይ ወርሒ
ጸሓይ’ውን ኣብ ኢድና
ከነእትዋ ኢና ከነእቱዋ
ቍሩብ እሞ ትዝሓለልና/ከነእትዋ ኢና!
ዶ/ር ርእሶም ሃይለ
ካብ ሕምብርቲ ኤውሮጳ
ሓምለ ክንደይ ኣሎ ካብ ባህሊ ዝተፈለ 23/2001
ምንጪ-መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ