ብደረጃ-ዓለም ዝፍለጥ ኤርትራዊ ኣሕታሚ ካሳሁን ቸኮል፡ ካብ ዕለት 7-8 ጥቅምቲ ኣብ ኣንትወፕ-በልጅም (Antwerp – Belgium) ኣብ ዝተቓንዐ ዓመታዊ ኣኼባ ፐን ኤርትራ ብምርካብ፡ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2023 ተቐቢሉ። ኣቶ ካሳሁን ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኣብ ቃልሲ መሰል ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ድንፋዐ ስነጽሑፍን ብዘመዝገቦ ጕሉሕ ኣበርክቶ እዩ ተዓዋቲ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2023 ክኸውን ክኢሉ። ኣቦ-መንበር ኮሚተ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2023 ዮናታን ጽገ (ዶር) ኣብ ዘቕረቦ ጽማቕ ጸብጻብ፡ ብመሰረት እታ ኮሚተ ዘቐመጠቶ መምዘኒ ነጥብታትን፡ ረቛሕቲ ዝዘርዘርዎ መዐወቲ ጭብጥታትን ተራእዩ፡ ኣቶ ካሳሁን ብዘይሻሙ ፍርዲ ተዓዋቲ ሽልማት ፐን ኤርትራ ክኸውን ከም ዝኸኣለ ኣብሪሁ።
ዕዉት/ዕውትቲ ሽልማት ፐን ኤርትራ፥ ነቲ ቅድሚ 22 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝበጽሐ ማእሰርትን ዝተኣወጀ ምዕጻው ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ንምዝካር ዓመታዊ 18 መስከረም’ዩ ብወግዒ ንህዝቢ ዝንገር።
ኣቶ ካሳሁን ሽልማቱ ካብ ኢድ ፕረዚደንት ፐን ኤርትራ (2020-2023) ቀባኣይ ኤርሚያስ ዑቕበ ተቐቢሉ። ኣብ ምውዳብን ምውህሃድን ኣኼባ ፐን ኤርትራ ኣብ በልጁም ዓቢ ግደ ዝነበሮም ኣባላት ፐን ፍላንደርስ ኣብቲ መደብ ምዕዳል ሽልማት ተረኺቦም ነይሮም። እቲ ወግዒ ምዕዳል ሽልማት ብመንገዲ ፈይስቡክ ፐን ኤርትራ ብቐጥታ ተመሓላሊፉ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ናይቲ መደብ፡ ብቴድሮስ ኣብርሃም ዝተኣልየ ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ካሳሁን ተኻይዱ።
Former winners of the award are Abrar Osman (2022), Ghirmai Negash (2021), Saleh Gadi Johar (2020), Yirgalem Fisseha (2019)