ከመይ’ኮን ትህልዉ ኣያታተይ፧
ርስትታትኩም ኔረን ግራውተይ።
ቁርይ እንካ በልኩ ከም’ዛ ዝደወኹ
ፍስስ… እንካ በልኩ ብደወይ ከለኹ።
ኣካ ኣይንርኣዮ ከም’ቲ ሽዑ!
በዓል ልቢ-ልቡ፡ በዓል ብርዒ-ብርዑ
ብዓል ሓቂ-ሓቁ፡ በዓል ርትዒ-ርትዑ
ኣብ ዓይኒ ከእተዎ፣ ዓይኒ ሓያኺ ስኒ
ኣብ ልቢ ከእተዎ፣ ልቢ ነኻሲ ዓጽሚ…
ከም’ዛ ትማሊ፡ ቅድሚ ትማሊ ቅጅል ይብለኒ!
ፈታውን ቀራብን ዓናኒዱ
ረኣይን ሰማዕን ኣሰምቢዱ
ሓመድ-ድበ ትብዓትና ሰኒዱ
ከይኣኽሎስ ኢሉኩም ሕዛእተይ
ኣርማ ብልሕን ጥበብን ኣያታተይ
ሰነድ ብርዕኹም’ዩ ከብሒ ዝኽርታተይ!
ጽሕፍቶና፡ ጽሕፍቶ ኩልና
ሓደ ግዲ ነይሩ፡ ክንፍጠር ከለና
ካብ’ቶም ዝተረፉ ተረፍ ፋሕ-ብትን
ካብ’ቶም ዘየለዉ ተረፍ ቃንዛን ሞትን፣
እወ…! ካብ’ቲ ከክፍኡ ዕጫይ ተቐቢለ
ካብ’ቲ ሕፍንትኹም ቁንጣሮ ጎሲመ
ምስ ዝኽርታት ሓዊሰ ቁዛመ
ሸላታት ማይ-ስርዋ እነኹ እነብሮ
ኣድራሻ ብዱላት፣ ማንታ ዒራዒሮ!
ናብራ ኣብ ሲኦል እስከ ኣዕሉሉኒ
ካብ’ቲ ዝውረ እንተሓሸ፣
ከም ንራኸብ ተስፋ ክኾነኒ።
ነዚ ዘለኽዎ ከም ገነት ክሓስቦ
ንበዳልየይ ምስጋና ክህቦ፡
ዕድመ ክቐርበለይ እንከሎ
ይጥቀሰለይ’ሞ “ዒራ-ዒሮ”
ድሕሪኡ ዝሓስቦ ኣይፈልጥን
ነዚ ዘለኽዎ፡ ክንድኡ ወሲኸ
ሂወትኩም ክስእሎ እፍትን።
ደሃይ’ሞ ምሃብኩኹም ደሃይ ዓዲ
ብዘይካ ዝሓረረ ልቢ ዝቘሰለ ከብዲ
ዝተበተነ ስድራ፡ ዝባደመ ርስቲ፡
ቀብሪ ማንታን ጻንታን
ካልእ ዘሎ የለን፡
መርድእ ከኣ ደሃይ ኣይኮነን።
እምበርከ ኣብ ገሃነም ከለኹም
ዜና ዝሞተ እንተሃብኩኹም
ኣብ ደልሃመት ከለኹም
ጸሓይ ዓሪባ እንተበሉኹም
እንታይ እሞ’ዩ ንዓኹም፧!
ኣብ’ዚ ምዕይ ዘየብል ጎዳጉዲ
ንትብዓት ክቐትል ዝፍትን ብራዕዲ፣
ኣብኡ ኮንና ኣነ ምስ ብጾተይ
ትንፋስ ከነሳሊ እናበልና ተተይ
“ኣለና” ንብል ጸላኢና ይሃልዎ
እዚ ለይትናስ ይወግሕዶ ትብልዎ፧!
ይርጋኣለም ፍስሃ
ምንጪ – ኣለኹ (2019)