ኣናብባይ ን”ሃብቱ ነዳቓይ”

No comments
ኣብርሃም ተስፋልኡል*

ሃብቱ ነዳቓይ

ትርኢቱ ብጸሓይ በሲሉ
ዓይኑ ብድኻም ሰሊሉ
ብስዋ ግን ተሸምጊሉ
ሃብቱ … እናተመልሰ ቤቱ
ወርሒ ወጽያ…
ቅርኒብ
ዓይኒ ተዃሒላ

ዓውዲ ቀውዒ ተመሲላ

ርእያቶ ርእዩዋ

ስሒቑ ስሒቓ

ብኡ-ብኡ ተብተብ ኢሉ

ናብታ … ናብ … ናብ

ጸማልያ መብራህቲ

ሽሮ’ታ ድስክልቲ

ሰበነ ቍንንቲ

ብትንፋስ ትመውቕ

ኣብታ ጸባብ ክፍሊ

ሉቺ ተጸብያቶም

ከም ወትሩ ብዓቕሊ

ምንኻስ ኣምሲሉ

ሽዑ እንድዕሉ

ንሱ ተኣጒዱ

ናታ’ሞ ገዲዱ

ንፋስን ትንፋስን

ኣስካርባን ጕዕሽን

ፍሳስን ርሃጽን

ኵሎም ተጋቢኦም

ግን ተቓጺጾም።

ፍርናሽ ዘጢጡ

መንጸፍ ተቐንጢጡ

ጎስዒ ጎሳሲዑ

መናድቕ ነቒዑ

ሽዑ …

በታ መስኮት’ታ ስንፍቲ

ቅልቅል ኢላስ ወርሒ ለይቲ

ክምስ ኢላ ብኣርምሞ

ዝርእያ ግን … መን’ዩ … መን’ዩ’ሞ!

ሸብረኽ … ህልም

እርም … ክርትም

ክጥዕም!

በየነ ሃይለማርያም

ምንጪ፥ ጋዜጣ ዘመን 2000


 

ንግጥሚ “ሃብቱ ነዳቓይ” ዝምልከት ብኣብርሃም ተስፋልኡል ዝቐረበ ትንተና።

“ሃብቱ ነዳቓይ” እትብል ግጥሚ በየነ ሃይለማርያም (2000) ብኣሰዃዅዓን ቍጥብነትን ቃላታ: ዘልዓለቶ ቴማን ውርጹጽነት ቅርጺ ግጥማን: ብገምጋመይ ካብተን ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ዝተገጥማ ግጥምታት ውሑዳት ቀዳምነት ዝስርዓ እያ። እዛ ግጥሚ ነቲ ኣብ በበይኑ ቦታታት ኤርትራ: ምስ ስእነትን ጕልበታዊ ስራሕን ተተሓሒዙ ዝኸይድ ባህሪ: እሞ ከኣ በቲ ልሙድ: ጽልሙት ወገኑ ጥራይ: ዘይኰነስ በቲ ብዙሕ እዋን ዘይለዓልን ሓውሲ ነውሪ ዝሕሰብን ስጋዊ ርክብ ክትገልጾ ምፍታና ሓደ ካብቲ ፍሉይነታ’ዩ። ናብራ ሸቃሎ ምስ ድኽነትን ሕሰምን ጥራይ ተኣሳሲሩ ዝዝከር ኣርእስቲ ደኣ ይዅን እምበር: ኣብቲ ደባን ህይወት ካልእ ዘሕጕስ እዋናት ከም ዘሎ እዛ ግጥሚ ኣንጸባሪቓቶ ኣላ። ብቐንዱ ከኣ ነቲ ርዱእ ደኣ ይተሓሰብ እምበር ኣብ ስነ-ጽሑፋት ኤርትራ ብግልጺ ብዙሕ ዘይዝረበሉ ስጋዊ-ርክብ ብቕሉዕን ቃልዓለም ዘይብሉ ቋንቋን ክትገልጾ ምፍታና ሓደ ካብ ፍሉይነታ እዩ።

ቴማ

እዛ ግጥሚ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራ ክትድኰን ትኽእል። ነቶም ኣብ ዓቢ ከተማ ክሰርሑ ውዒሎም ኣማስያኦም እንተስ ብብሽክለታ ወይ ድማ ካልእ መጓዓዝያ ንዓዶም ዝኸዱ ሰብ ጐደቦ ትውክል ገይረ ከኣ የንብብ። ገጣሚ ኣስማት ቦታ ስለ ዘይጠቐሰ ድማ ኣንባቢ ከከም ዝጠዓሞ: ኣብ በበይኑ ቦታታት ክድኵና ኣኽኢሉዎ ኣሎ። ንኣብነት ብወገነይ ሃብቱ ኣብ ኣስመራ ስራሕ መንደቕ ዝውዕል እሞ ኣማስያኡ ድማ ናብ ጎደቦ ዓድታት ከም ቍሸት: ዓዲ-ንፋስ: ዓዲ-ኣቤቶ: እምባደርሆ: ጸሎት: ዓዲ-ቀ: ወዘተ. ዝነብር መሲሉ ይስመዓኒ።

ሃብቱ ከም ኵሎም ኣብ ኣህላኺ ስራሕ መንደቕ ዝውዕሉ ሸቃሎ: ምሉእ መዓልቲ ደኺሙ ይውዕል እሞ: ቅድሚ ንገዛ ምንቃሉ–ከምቶም ብዙሓት ነዳቖ ዝገብሩዎ–ኣብተን ኣብ መገዱ ዘለዋ እንዳ ስዋታት ኣላጊሱ ጎረሮኡ የተርክስ። ከምኡ ክገብር ከሎ ግን ወልፊ መስተ ሃልዩዎ ወይ ድማ ብኻልእ ነገር ቀልቡ ከም ዘየጥፍእ ገጣሚ ይሕብር’ዩ። እኳ ደኣ እናሰተየ ከሎ ኣብ ዓይኑ ተሕወዝውዝ በዓልቲቤቱ ሰበነ ምዃና ኣብዛ ግጥሚ በሪሁ ኣሎ። ጠለስ ምስ በለን ዕለታዊ መስርሕ ምስ ፈጸመን ከኣ ብቕጽበት ሰበነ ስለ ትርኣዮ: ከምቲ ገጣሚ ዝብሎ: “ብኡ…ብኡ… ተብ-ተብ ኢሉ…” ንገዛኡ ይነቅል።

ኣብ ገዛ ዝጽበዮ እቲ ዕርቃኑ ዝወጸን መዓልታዊ ርሂጹ’ውን ምዕባስ ዝኣበዮ ድኽነትን እዩ። ንዅሉ ክትሽፍን ግን ሰበነ ኵሕልቲ ወትሩ መላኪዓ ስለ እትጸንሖ ድኻሙ ቀልጢፉ ይሃፍፍ። ድሕሪኡ: እንተስ መስተ ኣረሳሲኑዎ ወይ ድማ ሸውሃቱ ተዓጽዩ መግቢ’ውን ኣይረኣዮን። ምናልባት ነታ ድስክልቲ ሽሮ ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ይምለሳ ይኸውን፣ ቀዲማ ኣብ ዓይኑ ትመላለስ ግን ሰበነ ቍንንቲ እያ።

ኣነ ብዝስእሎ ሃብቱ ንእሽቶ መሲሉ ኣይስመዓንን። ከምቲ ልሙድ ባህሊ ኤርትራ ከኣ ውላዱ ዘብጽሐ ገይረ እሓስቦ። ገጣሚ ግን ብዛዕባኡ ዋላ ሓንቲ ስለ ዘይብልን ነታ ገዛ’ውን ከምቲ ገይሩ ዝሰኣላ ቈልዑ ስለ ዘይረኣዩዋን ከመይ ኮን’ዩ እናበልኩ ባዕለይ እሓስብ። ገለ እዋን ምናልባት ደቁ ተመርዕዮም ሓዳሮም ዝፈለዩ’ዶ ይዅኑ እብል። ምናልባት ከኣ መጻምድቲ ውላድ ዘይተዓደሎም ኰይኖም ኣብ ሓዳሮም ዝጸንዑን ነቲ ስእነት ውላድ ከኣ ብሓድሕዳዊ ፍቕሪ ቀጻሊ ዘሕድሱዎ መሲሎም ይረኣዩኒ። ኣብዛ ግጥሚ ንዕድመ ሰበነን ሃብቱን ዝእምት ደኣ ኣይሃሉ እምበር: ኣብ ዓራት ዝገብሩዎ ቅልስን ዘርእዩዎ ሓይሊን ግን ገና ምስ ኣካላዊ ድልዳለኦም ከም ዘለዉ ርዱእ እዩ። “ሰበነ ቍንነቲ” ከኣ እንተስ ደቃ የእኪላ ወይ’ውን ንእሽቶ ኰይና: ከምዘን ወትሩ ብንኡሳተን ዝነብራ ሰበይቲ ትመስል።

ቍጥበነት ቃላት ፍሉይነትን ሓይሊን ግጥሚ ኣብ ቍጥብነትን ኣሰዃዅዓን ቃላት ምዃኑ ርዱእ እኳ እንተዀነ: ኣብዛ ግጥሚ ዝርአ ውርጻጸ ግን ሕልፍ ዝበለ’ዩ። ነፍሲ-ወከፍ ነግሒ ብኽልተ: እንተ በዝሐ ከኣ ሰለስተ ቃላት ደኣ ትቝም እምበር: ሓሳባት ከይደገመት እያ ዛንታ ትቕጽል። ሓደ መርኣያ ቍጥብነታ: ዛንታኣ ካብ ኣርእስቲ’ዩ ዝጅምር። ደራሲ: ሃብቱ ነዳቓይ ምዃኑ ኣብ ኣርእስቲ ምስ ጠቐሰ ኣብ ዝደሓረ መስመራት ኣይደግሞን።

ትርኢቱ ብጸሓይ በሲሉ

ዓይኑ ብድኻም ሰሊሉ

ብስዋ ግን ተሸምጊሉ

ሃብቱ … እናተመልሰ ቤቱ

ወርሒ ወጽያ…ቅርኒብ ዓይኒ ተዃሒላ

ዓውዲ ቀውዒ ተመሲላ

ርእያቶ ርእዩዋ

ስሒቑ ስሒቓ

ኣብ ዝብላ ቀዳሞት ክልተ ማይቤታት ንኣብነት ብኣዝየን ውሑዳት ገለጻታት ትርኢትን ድኻምን ሃብቱ: ውዕለቱ: ግዜን ኩነታትን ሃዋሁ ይነግር። ኣብታ ካልኣይቲ ማይቤት ከኣ ካብቲ ክሰርሓሉ ዝወዓለ ከተማ: ገዛኡ ውጽእ ኢሉ ከም ዝዀነን ኣብ መንጎ ድማ ልቺ ጐደና ዘይብሉ ቦታ ክሰግር ምዃኑን ይሕብር። ገጣሚ ግን ንርሕቀት ቦታ ሃብቱ ብኣዝዩ ውሑድ ግን ከኣ ሓባሪ ኣገላልጻ’ዩ ዝሓልፎ። ንሃብቱ ኣብ መገዲ ወርሒ ስለ እተስንዮ: ካብ ማእከል ከተማን ልቺ ከተማን ውጽእ ኢሉ ከም ዝነብር ይበርህ። እታ ወርሒ: ምስ ኵሉ መልክዓን ድሙቕ ብርሃናን: መስካሪት ናይታ ምሸት’ያ። ገጣሚ ኣብ ካልኣይ ማይቤት ምስ ጠቐሳ ከኣ መገዱ ገዛኡ ኣፋንያቶስ ዳሕራይ ድሕሪ ስጋዊ ርክብ በቲ መስኮት ተቐልቂላ ትስሕቆም’ውን ንሳ’ያ።

ገጣሚ–ካብቲ ልሉይ ሓይሉ–ሓሳባት ዘይደግምን ንርድኡ ነገራት ክገልጽ ዘይሃልኽ ምዃኑን’ዩ። ንኣንባቢ ባዕሉ ክስእልን ዕዮ ገዛኡ ክገብርን ድማ ሓላፍነት የሰክሞ። ንኣብነት፤

ብኡ-ብኡ ተብተብ ኢሉ

ናብታ … ናብ … ናብ

ጸማልያ መብራህቲ

ሽሮ’ታ ድስክልቲ

ሰበነ ቍንንቲ

ብትንፋስ ትመውቕ

ኣብታ ጸባብ ክፍሊ

ሉቺ ተጸብያቶም

ከም ወትሩ ብዓቕሊ

ድኽነት እንዳ ሃብቱን ሰበነን ንምግላጽ ዝተጠቕመለን ውሑዳት ገለጻታት፤ “ሽሮ’ታ ድስክልቲ”–ምስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣረዳድኣ ሽሮን ምትሕሓዝ ስእነትን–ከምኡ ድማ “ብትንፋስ ትመውቕ/ኣብታ ጸባብ ክፍሊ” ዝብላ እየን። ከምኡ ኢሉ ከኣ ብቕጽበት ናብ ዝቕጽል ዛንታ ብምስጋር ንኣንባቢ ንርዱእ ነገር ክገልጽ ኣየህልኾን። እዛ ግጥሚ ካብቲ ብዙሕ እዋን ንደቀንስትዮ ከም ልኡማትን ተቐበልቲን ገይሩ ዝርኢ ስነ-ጽሕፋዊ ስራሓት’ውን ናጻ እያ። ሰበነ ምስ ሃብቱ ነቲ ስጋዊ ርክብ ማዕረ ትድሰተሉን ንዕግበታ ትቃለስን። ከምዚ ኢሉ ከኣ ገጣሚ፤

ምንኻስ ኣምሲሉ

ሽዑ እንድዕሉ

ንሱ ተኣጒዱ

ናታ’ሞ ገዲዱ

ብምባል ነቲ ስእሊ ኣንባቢ ባዕሉ ክምልኦ ይገድፎ። ገጣሚ: ብዘይካ እቲ ንኣብንባቢ ዝህቦ ናጽነት ፈጠራ: በቶም ዝውቱራትን ተራን ዝመስሉ ቃላት: “ምንኻስ ኣምሲሉ/ሽዑ እንድዕሉ” ነቲ ትርኢት ክገልጾ ምፍታኑ’ውን ንስጋዊ ርክብ ካብቲ ብዙሕ እዋን ዝስቀሎ ሰገነት ናብ ተራን መዓልታዊ ክስተትን የውርዶ።

ውክልና

ስጋዊ ስምዒት ሃብቱን ሰበነን እናበረኸ ምስ ከደ: ገጣሚ ነቲ ናይ ክልተኦም ቅልስ ዘይኰነስ ነቲ ከባቢኦም ኣብ ምግላጽ እዩ ዝኣቱ። ምንኻስ ኣምሲሎም ክትሓናፈጡን ክላፈኑን ምስ ኣርኣየ ከኣ: ብውጽኢት ዘይረዋዪ ስጋው ቃልሶም ዝፍጠር ትርኢት ይገልጽ። ከምዚ ኢሉ ድማ ሃብቱ ክሰትዮ ዘምሰየ ስዋ: ካብ ስራሕ ምስ ኣተወ ብህርፋን ዝኣክል ኣብ ግቡእ ቦታኣ ዘየቐመጣ ስካርባ: ነድሪ ክልተኦም ተወሲኹዎ እዚ ውጽኢት ይህብ፤

ንፋስን ትንፋስን

ኣስካርባን ጕዕሽን

ፍሳስን ርሃጽን

ኵሎም ተጋቢኦም

ግን ተቓጺጾም።

ፍርናሽ ዘጢጡ

መንጸፍ ተቐንጢጡ

ጎስዒ ጎሳሲዑ

መናድቕ ነቒዑ

እታ ኣቐዲማ ዝረኣናያ: “ብትንፋስ ትመውቕ” ገዛ ከኣ ንስጋዊ ቅልስ ሰበነን ሃብቱን ምጻር ስለ ዝሰኣነቶ ክሳብ ምንቃዕ ትበጽሕ። ኣዘንታዊት ወይ መስካሪት ናይዚ ኵሉ ትርኢት ወርሒ እያ። ገና ሃብቱ ስዋ ሰትዩ ንገዛኡ ክነቅል ከሎ ኣብቲ መገዲ ክምስ እናበለት ተሰንዮ ዝነበረትን መሪሓ ገዛኡ ዘእተወቶን ንሳ’ያ። እታ ወርሒ ተደሲቶም ክሳብ ዝውድኡ ክትበዮም ጸኒሓ ድማ መሬት ዘፍ ምስ በለ፤

ሽዑ …

በታ መስኮት’ታ ስንፍቲ

ቅልቅል ኢላስ ወርሒ ለይቲ

ክምስ ኢላ ብኣርምሞ

ዝርእያ ግን … መን’ዩ … መን’ዩ’ሞ!

ሃብቱ ዝወዓሎ ናይ ስራሕ ሃልኪ: ምስ ዳሕራይ ዝሰተዮ ስዋ ተደማሚሩ ውዕለቱ ክጸዊ’ውን ኣይከኣለን። ማዕረኡ’ውን እታ ምሉእ መዓልቲ ክትጸባበቕን ክትጽበን ዝወዓለት ሰበነ ንሕቶን መልሲን ዝኸውን ህሞት ኣይነበራን። ክልተኦም ከኣ ብማዕረ፤

ሸብረኽ … ህልም

እርም … ክርትም

ክጥዕም!

ኢሎም ይድቅሱ። ድራር ኣይተዘከረን፣ ምናልባት ግን ነታ ድስክልቲ ሽሮ ንጽባሒቱ ሒዙዋ ንስራሕ ክወፍር’ዩ።

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email