ናይ ደረስቲ ናጽነት

No comments

“ናይ ደረስቲ ናጽነት” ብዕለት 27 ሕዳር 1992 ኣብ ከበብ ሰራሕተኛታት ኣስመራ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ ብግርማይ ነጋሽ

 ግርማይ ነጋሽ ንናይ ደረስቲ ናጽነት ኣመልኪቱ ኣስተምህሮ ሂቡ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ክበብ ሰራሕተኛታት ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ግርማይ ነጋሽ፡ እታ ሓደስ ሃገር ንመሰል ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝለዓለ ጠመተ ክትህቦ ኣስሚሩሉ ነይሩ። ኣብ ኣፍሪቃን ካልኦት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን ዝርአ ጭቆና ናጻፕረሰን ሓሳብካ ምግላጽን ድሕሪ ምዝርዛር ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ ገና ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ናጽነት ንዝተገንዘቦ ርድኢት

ብኸምዚ ገሊጹዎ ነይሩ፤  “ብሕልፊ እኳ ደረስቲ ‘መንግስትና ከይነቐይሞ’፡ ወይ’ውን ‘እዚ መንግስትና ኣይፈትዎን ይኸውን’ ወይ’ውን ‘ከምዚ እንተጸሓፍኩ’ሲ ከምዚ ስለዝኾነ’ዩ ኪብሉኒ ኢዮም’
ናይ ዚብል ረማሲ ርእሰ-ሳንሱር (self-censorship) ግዙኣት ከይኮኑ ምጥንቃቕ ከድልዮምኢዩ።”

ደሓር ከም ዝተራእየ ግን ጸሓፍቲ ብርእሰ-ሳንሱር ጥራይ ዘይኰኑስ መጠኑ ናይ ሞት ንህይወትን መስመር ክሓልፉ ተገዲዶም።

እቲ ናይ ሽዑ ኣስተምህሮ ብድምጹ ምስማዑ ይከኣል። ድሒሩ ምስ ካልኦት ዓንቀጻት ብመጽሓፍ ተጠርኒፉ ተሓቲሙ ኣሎ።

ኣስተምህሮ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ። 

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email