ንግንቦት’ዶ ኣይተቛጸርናን… ክንደይ ደኣ ተሃዊኽካ ኣሮን ብርሃነ?

No comments
ኣብርሃም ተስፋልኡል*

 

ምስ ኣሮን ብርሃነ፡ ንመጨረሽታ ግዜ፡ ብ30 መጋቢት ኢና ተጸሓሒፍና። ንምድላው ፍልይቲ ሕታም ዝኽሪ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ዝተኣኻኸበት ጉጅለ፡ ብዛዕባ ሞት ጋዜጠኛ ሚልኪያስ ምሕረትኣብ ኣመልኪቱ ዝጸሓፎ’ዩ ነይሩ እቲ ጉዳይ።

“እታ ናይ እንግሊዘኛ ንኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ኢለ ዘዳለኹዋ’ያ ነይራ፣ ኣየሕተሙዋን፣ ዳሕራይ ብትግርኛ ተርጒመያ፡” ኢሉ ኣብታ ናይ መጨረሽታ መልእኽቱ።

ልዕል ኢሉ፡ ኣብታ ባዕሉ ኣሮን ዝፈጠራ “Eri-Journalist” እትብል 10 ሰባት ዝሓቘፈት ናይ ዋትስኣፕ ጉጅለ፡ ብዛዕባ ሓድሕድ ጽሑፍና ዝተዋዘናዮ/ዝተተስፈናዮ፡ ብቐንዱ ከኣ ንዜና ዕረፍቲ ሚልኪያስ ምሕረትኣብ ኣመልኪትና ዝተለዋወጥናዮ ናይ ሰቘቛ መልእኽቲ ይንበብ።

ኣቐድም ኣቢልና ኣብ ዙም ብዝገበርናዮ ርክብ፡ መዓልቲ ደኣ ኣይፈለናን እምበር፡ ምስ መበገሲ ስራሓት ንግንቦት ክንራኽብ’ዩ ነይሩ–መደብ’ታ ብኣላይነት ኣሮን ዝተኣኻኸበት ጉጅለ ጋዜጠኛታት።

* * *

ክልተና ኣብ ሓደ ክፍሊ ጋዜጠኝነትን መራኽቢታትን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ደኣ ንመሃር’ምበር፡ ኣነ ናብቲ ዩኒቨርስቲ ክኣቱ ኣሮን ዝወድኣሉ ዓመት ስለ ዝነበረ፡ ወረኡ ደኣ’ዩ ጸኒሑኒ’ምበር፡ ብኣካል’ሲ ኣይተራኸብናን። ኣነ ርክበይ ምስ ጋዜጣ ዘመን ስለ ዝነበረ’ውን ዳሕራይ እንትርፎ ኣነ ብማዕዶ ክርእዮን ክፈልጦን እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ከሎና ክንላለ ዕድል ኣይገበርናን።

ድሕሪ ስደትን ምጅማር ፐን ኤርትራን፡ ንሽዱሽተ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ዝነበሩ ኣመልኪተ ኣብ ጋዜጣ ዘ-ጋርዲያን ክጽሕፍ ስለ ዝደለኹ፡ ብዛዕባ መሳርሕቱ ነበር ፍስሃ ዮሃንስ (ጆሹዋ)ን ስዩም ጸሃየን ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ብዛዕባ ኣመሰራርታ ቀዳመይቲ ብሕታዊት ጋዜጣ ሰቲት ኣመልኪት ብዕለት 24 ሰነ 2015 ኢመይል ጽሒፈሉ። ኣይፈልጥንን ጸኒሑ፡ ነብሰይ ኣላልየን እቲ መደብ ምስ ነገርኩዎን ግን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰዓታት ነዊሕ ዝርዝር ሓበሬታ ኣስኒቑ፡ ኣብ መደበይ ዘለዎ ጽቡቕ ምንዮት ገሊጹለይ።

ኣብቲ ዝሃበኒ ሓበሬታ ተወሳኺ ሕቶታትን ዝያዳ መብርሂን ክሓቶ ከለኹ (ቀንዲ መለልዪቱ) ንእለታ፡ እሞ ከኣ ምስ ነዊሕ ዝርዝራዊ ውዱዕ ሓቅታት ይምልሰለይ ነይሩ። እዚ ባህሪ’ዚ ኣብ ብዙሓት ስደተኛታት ዝርከብ ኣይኰነን፣ መዛግብቶም ገዲፎም ስለ ዝመጹ ዝርዝር ዕለታት ወይ ርጡብ ኣስማት ዝዝክሩ ኣዝዮም ቍንጣሮ’ዮም።

ኣሮን ግን ብይመስለኒን ስምዒትን ዘይኰነስ ወትሩ ብኣሃዝ፡ ዕለታትን ኣስማትን ምስ ተዛረበ’ዩ። ከም ምንጪ ሓበሬታ ኣዝዩ ተኣማኒ ዝገብሮ ድማ ንሱ’ዩ።

ዳሕራይ ኣርእስቲ እታ ናይ ዘ-ጋርዲያን ጽሕፍቲ ዝተጠቕምናላ ናይ ስዩም ጸሃየ ዘረባ፡ “If we don’t give them a voice, no one will.” (ንሕና ድምጺ እንተ ዘይሂብናዮም ካልእ ዝህቦም የሎን”) እትብል’ውን ካብ ምስክርነት ኣሮን ዝረኸብኩዋ’ያ።

ድሕሪኡ ርክብና ተኸፊቱስ–ዝርርብ ቴለፎንን ሓጺር መልእኽቲን ገዲፍካ–ሕጂ ምስ ቈጸርኩዎ 139 መልእኽቲ ኢመይላት ወይ ምስኡ ወይ ድማ ንዕኡ ዝጠቅስ ተለዋዊጥና ኣሎና።

“ሚስተር ኣብርሃም… ናብዚ ዘይትበጽሓና እንተዄንካስ ንሕና ክንመጸካ…” ኢሉኒ ምናልባት ኣብ 2017 ኣቢሉ ይኸውን። ምስ ስድራኡ ንኣመሪካ ይመጽእ ስለ ዝነበረን ብዙሓት ግዝኣታት ሓሊፎም ይኸዱ ስለ ዝነበሩን ማእከለይቲ ቦታ ኮሎምቦስ (ካባይ ኣስታት ሰዓትን ርብዒን ብመኪና ርሒቓ እትርከብ) ክንራኸብ ተሰማሚዕና። ብኣካል ክንራኸብ ፈለማይና’ዩ ክኸውን ድሕሪ ብዙሕ ናይ ቴለፎን ዕላላትን መልእኽቲ ኢመይላትን። ንኮሎምቦስ ምስ ቀረቡ ክድውለለይ’ሞ ቦታን ግዜን ክንፈሊ ደኣ ይንበር እቲ መደብ’ምበር፡ ድሕሪ ነዊሕ ሰዓታት ምዝዋር መኪናን መዓልታት ዝወሰደሎም ጕዕዞን ደኺሙ፡ ኣብ ሆቴል ኰይኑ ደዊሉለይ፤ “ስድራ ሒዘ ድኻም ተወዲአ፣ ሕጂ ክንዴናይ ከይጥዕም ካልእ እዋን ግን ዝሓሸ ግዜ ፈሊና ክንራኸብ፡” ኢሉኒ።

ኣብ ግንቦት 2018 መዓልቲ ኣህጉራዊ ፕረስ፡ ብመገዲ ዩኔስኮ ኣብ ጋና ይብዓል ስለ ዝነበረ፣ ተሸላሚ ናይቲ ዓመት’ቲ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ድማ ኣነን ቴድሮስ ኣብርሃምን መጽሓፉ ካብ ትግርኛ ናብ እንግሊዘኛ ስለ ዝተረጐምናያ፡ ኣነ ክህሉ መደብ ወጺኡ። ኣይጠዓመንን፣ ኣሮን ግን ኣብ ሓጺር እዋን ኣርኪቡ ንቦታይ ሸፊኑ።

ኣሮን ካብታ ዝተፈለጥናላ እዋን 2015 ኣትሒዘ ክርእዮ፡ ኣብ ብዙሓት ካብ ኤርትራ ተመዛቢሎም ዝወጹ ጋዜጠኛታት ዘይረኸብኩዎ ብልጫ ርእየሉ። ብሕልፊ ኣብቲ ዝያዳ ዘተኣሳስረና ጉዳይ እሱራት ጋዜጠኛታትን ጉዳይ ናጻ ፕረሰን ዘደንቕ መዛግብቲ ኣለዎ። ብግምት ኣይዛረብን ጥራይ ዘይኰነስ ናይታ ዝዛረባ ጉዳይ ብመዛግብቲን ዕለታትን ኣስንዩ’ዩ ዝጽሕፍ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ናይ ምርቓ መጽናዕታዊት ወረቐቱ ንብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ ኣመልኪታ ስለ ዝነበረት፡ ኣብ ፐን ኤርትራ እቲ ዝበለጸ መወከሲ’ዩ ኰይኑና።

ሕልፊ ብዙሓት ከኣ ኣብ ስራሑ ኣዝዩ ዕቱብ፣ ኲንዮ ሕርቃንን ግዜያዊ ፍጻመን ሰጊሩ ዝዓበየ ስእሊ ዝርኢ፣ ኣብታ ዝበላ እዋን ጽሑፍ ዘረክብ ውፉይ ጋዜጠኛ’ዩ።

ብዘይካ’ቲ በብእዋኑ “ብዛዕባ… እንታይ ትፈልጥ?” ኢለ ዝውከሶ ዝነበርኩ፡ ንፐን ኤርትራ ዝኸውን፡ ብዛዕባ መሳርሕቱ ነበር ፍስሃ ዮሃንስ (ጆሹዋ)ን ዝኽሪ ኣመሰራርታን ተስፋን ብሕታውያን ጋዜጣታትን ክጽሕፍ ምስ ሓተትኩዋ “ብእንግሊዘኛ ዲኻ ትደልዮ ወይስ ብትግርኛ? ንመዓስ?” ጥራይ ዝብል ሕቶታት’ዩ ዝወከሰኒ።

መብጽዓኡ ጥሊሙ ወይ መዓልቱ ኣናዊሑ ኣይፈልጥን።

ኣሮን ብዛዕባ’ቶም ኣብ ጎዳጉዲ ዝበልዩ ዘለዉ እሱራት ጋዜጠኛታት ኣሕዋቱ ወትሩ ስም ሓሰበን ንኽብሮም ምስ ተቓለሰን’ዩ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ–ጋዜጣታት ብሕቲ ዝተዓጽዋሉ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ከምኡ’ውን ምስ መበል 30 ዓመት ናጽነት በዓል ኤርትራ ዝያዳ ኣቓልቦ ክህሉ ስለ ዝኽእል፡ ሓደ ነገር ክንገብር ኢሉኒ። ናይ ድሕሪ ትሽዓት ኣዋርሕ ዘሎ ፍጻመ ክሳብ ክንድኡ ኣቐዲምካ ምድላው ኣብ ኤርትራውያን ስለ ዘይለመድናዮ ፈለማ ቁሩብ ግር ኢሉኒ። ግን ከኣ ርጡብነት ኣሮን ዘርኢ’ዩ።

ብመሰረት ዘበገሶ ሓሳብ ፍልይቲ ሕታም (ንሸውዓተአን ጋዜጣታት ብሕቲ) እትውክል ጋዜጣ ከነሕትም’ሞ ኣብ ስደት ዘለዉ ኣባላት ነበር ክንዕድም መዲቡ። ክንዲ ዝዀነ ድማ ካብ ነፍሲ-ወከፍ ጋዜጣ ኣባል ረኺብና፡ ክንዛተ ጀሚርና።

ኣብቲ ጉጅለ ብዝፈሰሰ ሓሳብ ድማ፡ ንነፍሲ-ወከፍ ጋዜጣ ዘርኢ ሓሙሽተ ገጻት (ካብ ናይ ቀደም ጽሑፋት) ከምኡ’ውን ንፍሉይ ዝኽሪ ነፍሲ-ወከፍ እሱር ጋዜጠኛ ዘላሊ ጽሑፍ ከነዳሉ ተሰማሚዕና። ኣብ ዝተናውሐ ብመጽሓፍ ጠርኒፍና ከነውጽኦን ካብ ሕጂ ክንጅምሮን’ውን ኣብ ስምምዕ በጺሕና።

ኣሮን ምስ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ብዝገበሮ ርክብ ድማ፡ እታ እነዳልዋ ጋዜጣ ኣብታ ዕለት (18 መስከረም) ኣብ መንጎ ዓበይቲ ጋዜጣታት ዓለም ከም በዓል ዘ ኒው-ዮርክ ታይምስ፡ ዘ ዋሺግንቶን ፖስት፡ ዘ ዘጋርዲያን ተጣቢቓ ክትሕትመን ክትዝርጋሕን ከም ዝከኣል ወዲኡ። ከምኡ ዝመስል ናይ ዝርጋሐ ዕድል ካብ ሃለወስ ኣብ ክንዲ ብትግርኛ ዝዳሎ ጽሑፍ ንዝርግሕ፡ (ንሳ ንኤርትራውያን ጥራይ ዝዓለመት ኰይና) ሓጺር ታሪኽ ህይወትን ስእሊን ነፍሲ-ወከፍ እሱር ጋዜጠኛ (በተን ዝተሰማምዓ ጋዜጣታት ብእንግሊዘኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ዓረብን ካልእን) ተሰንዩ ክዝርጋሕ ተሰማሚዕና። በበይንና ዕማም ደኣ ንውሰድ’ምበር፡ ኣነ ብሕልፊ ሓጺር ታሪኽ ህይወት እቶም ጋዜጠኛታትን ስእሎም ከዳሉ መደብ ስለ ዝተወሃብኩ፡ ብመሰረት ቈጸራና ንግንቦት ከቕርብ’የ ተሓቲተ።

ኣብ መንጎ ሞት ሚልኪያስ ምሕረትኣብ ኣጓኒፉ፡ ኣገዳስነት እቲ ዘበግስናዮ መደብ ዝያዳ ዘጕልሕ ምዃኑ ዘኪርና።

ኣሮን፡ ንሱ’ውን ከም ሚልኪያስ፡ ውጽእ መዓት ኰይኑ፡ ካብ መንጋጋ እሱራት ኣንበሳ ዝወጸ’ዩ። ድሕሪ ስደት ግን ቃልሱን ናይ ምጽሓፍ ወኑን ደው ኣየበሎን። ኣብ ትሮንቶ ጋዜጣ መፍትሕ ጀሚሩ’ውን ቃልሱ ይቕጽል ነይሩ።

ተቓላሲ ጥራይ’ውን ኣይነበረን። ሳላ ሓኾትኮቱ፡ ድሕሪ ስደት ትምህርቱ ቀጺሉ፡ ኣብ መጨረሽታ ድማ መምህር (ፕሮፈሰር) ኣብ ኮለጅ ጆርጅ ብራውን ካናዳ’ዩ ነይሩ።

እቲ በዓል ነዊሕ ሕልሚን ዘይተሰዓሪ ኣሮን ብርሃነን እምበኣር ብሃንደበታዊ ሕማም ብ1 ግንቦት 2021 ኣብ ቶርንቶ ካናዳ ከም ዝዓረፈ ብንግሆኡ ተረዲአ። (Ed. ድሒረ ከም ዝፈለጥኩዎ ብኮሮና-19 ዝሰዓበ ምትሕልላኽ’ዩ ዓሪፉ።)

ስራሐይ ከጻፍፍ መዓልቲ ደኣ’የ ክቘጸር ቀንየ’ምበር ንሞት መዓስ ሂበካ ኣሮን ሓወይ… ኣየዳለኻናን።

__________________

*ኣብርሃም ተስፋልኡል ሓደ ካብ መስረትቲን ክሳብ ሓምለ 2020 ፈጻሚ ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ዝነበረን ኰይኑ zere1981@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

Print Friendly, PDF & Email